
24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘደንገፀ ክሕደት ዝተረኣየሉ ፍፃመ’ዩ ተፈፂሙ። እዚ ፍፃመ እዚ ናይ ብዙሓት ስነ ልቦና ዝተንከፈ ’ዩ ነይሩ። ጁንታ ህወሓት ዝፈፀሞ እከይ ተግባር ታሪኽ ዝርሰዖ ኣይኮነን። ንሓቒ ጠጠው ዝበሉ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ካብ ናይ ውልቐ ጥቕሞም ናይ ሃገር ጥቕሚ ዘቐደሙ፤ በዚ ልክዕ ታሪኽን ህዝብን እናዘከሮም፣ ሃገር ብዝሰርሑላ ስራሕ እናመስገነቶም ከትነብር ’ያ። ብፍላይ ዕቡያት፣ እከያትን ናይ ታሪኽ ስንክሳርን ዝኾኑ ሃገሮም ብምኽዳዕ ባንዳ ኮይኖም ’ዮም። ሃገሮም ወጊኦም ’ዮም። 24 ጥቅምቲ ንሃገር ዝቖሙ ጀጋኑ ብድሓር ብሃንደበት ዝተወግኡላ ዕለት ብምኳና ብሕማቕ ታሪኽ እናተዘከረት ከትንብር እያ።
ብኻሊእ ወገን እቲ ፍፃመ ንዘመናት ተሓፊራን ተኸቢራን ዝነበረት ሃገር ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ብሄር ብሄረ ሰባት ዘዋረደ ምዃኑ ’ዩ። ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ነታ ሕማቕ ዕለት እናዘከርዋ ክነብሩ ’ዮም። ከምኡ ‘ውን ንናይ ህልውና ወፍሪ ከመይ ክዋፅኡ ከም ዘለዎም ካብ ምሕሳብ ጀሚሮም ብዙሕ ነገር ክገብሩ ’ዮም።
ብፍላይ ኣብዝ ሕዚ ሰዓት ጁንታ ህወሓት ካብ ስዕረቱ ዝተላዕለ ዝነዝሖ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ህዝቢ ከም ህዝቢ ተሓባቢሩን ተፋቒሩን ከምኡ ‘ውን ሓድነቱ ብምስጣም ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሰራዊት ብምዃን ኩሉ ናብ ግንባር ብምኻድ ሃገሩ ካብ ኢድ ባንዳ ጉጅለ ህወሓት ከውፃኣ ኣለዎ።
ዓሚ ዝተወለዐት ሓዊ ክሳብ ሕዚ ኣይዝሕልን ካብ ምባላ ንላዕሊ ሂወት ንፁሃን ዜጋታት እናበልዐት፣ ብዙሓት ንስደት ክሳጥሑ ገይራ ’ያ። እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ፣ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ( ትዴፓ) ኣይተ ሙሉ ብርሃን ሃይለ ዝገበሮ ፃኒሕት ንምንባቡ ከም ዝስዕብ ኣዳሊናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዘብፀሖ ጥቕዓት ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ፤ ንምዃኑ እቲ ጉጅለ ብመጀመርያ ነዚ ቕድሚ ምፍፃሙ ይገብሮም ዝነበረ ምድላዋት እንታይ ይመስሉ ነይሮም? እስቲ የዛኻኽሩና፤
ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ህወሓት ካብ ማእኸላይ መንግስትነቱ ምስ ተላዕለ ብርክት ዝበሉ ተንኮላት ይሰርሕ ነይሩ ’ዩ። ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ነዚ እከይ ተግባሩ እግሪ ብእግሪ እናተኸታታለ ናይ ምግላፅ ስራሕቲ ሰሪሑ ’ዩ። እቲ ጉጅለ ዝኸዶ ዝነበረ ክያዶ ብጣዕሚ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ ተንኮል ዘኸሽፍ ስራሕ ክስራሕ ከም ፓርቲ ትዴፓ፣ ንመንግስትን ህዝብን ነተሓሳስብ ነይርና ኢና። ኮይኑ ግና ንሕና ዝተዛረብናዮም ቕልጡፍ መልሲ ኣይረኸቡን። በዚ መሰረት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ልዑል ጥቕዓት በፂሑ ’ዩ።
ምክልኻል ሰራዊት ማለት ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ሓፁር ማለት ’ዩ። ሰራዊት ምንካእ ማለት ሃገር ምፍራስ ማለት ከምዝኾነ ህወሓት ‘ውን ይፈልጥ ’ዩ። በዚ መንገዲ እዚ ምኻድ ስለ ዝደለየ ’ዩ ነዚ ተግባር እዚ ፈፂምዎ።
እዚ ጉጅለ እዚ ሃገር ይመርሐሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብምዕፋን ከፋፊሉ ዝገዝእ ዝነበረ ሓይሊ ’ዩ ነይሩ። ብሓድነት ኢትዮጵያ ዘይኣምን ’ዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ንሓድነትና ሓደጋ ኮይኑ ዝፀንሐ ’ዩ። ቕድሚ ዓመት ጀሚሩ ነዚ እኩይ ዕላምኡ ግልፂ ብምግባር ኣብ ህዝቢ ናይ መወዳእታ ጭካንኡ ብምዕራፍ ብዙሓት ክፅገሙን ክጭነቑን ከምኡ ‘ውን ሂወቶም ክስእኑን ክመዛበሉን ገይሩ ’ዩ።
ሕቶ፡- እቲ ጉጅለ ብፍላይ ጥቕዓት ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን ዝተጠቐመሉ ስትራተጂ ብናይ ውሽጢ ኣባለቱ ገይሩ ምውጋእ ’ዩ ነይሩ። ብፍላይ ንሓደ ዕላማ ዝተሰለፉ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ናይ ባዕሎም ሓው ዝኾነ ሰራዊት ዝፈፀምዎ ጥቕዓት ክንደይ ዝኣክል ተንኮለኛ ከም ዝኾነ ዘርኢ ’ዩ ዝብሉ ኣለዉ። ንምዃኑ ከምዚ ዝበለ ፍፃመ እንታይ የመላኽት ይብሉ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፡- ሓቒ ’ዩ ኣብ ርእሲ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ዝተፈፀመ ክሕደት ብጣዕሚ ዘሕዝንን ካብ ሕሊና ዘይኽወልን ሕማቕ ታሪኽ ’ዩ። ውዕለት ምክልኻል ሰራዊት በዚ መልክዕ ኣይኮነን ክፍደ ነይርዎ። እዚ ሰራዊት እዚ ን20 ዓመታት ዝኣክል ዶብ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝሕሉ ዝነበረ ’ዩ። ካብ ደሞዙ ብምውፃእ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሕ፣ ፅጉማት ዝሕግዝ ዝነበረ ሰራዊት ’ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጢ ብዘለዉ ኣባላት ወታደር ብምትሕብባር ሓቢሮም እናዋዓሉ ተመሳሲሎም ነዚ እከይ ዕላማ እዚ ክፍፅምዎ ክኢሎም ’ዮም።
ብፍላይ እዚ ኩነታት እዚ ብስነ ልቦናን ባህልን ትግራዋይ ብጣዕሚ ፀያፍ ’ዩ። ርእስኻ ዘድንን ’ዩ። ነዚ
ኣፀያፊ ተግባር ዝፈፀሙሉ ዋና ምኽንያት ድማ ናብ ስልጣን ብምምላስ ዝጀመርዎ ሃገር ናይ ምፍራስ ስትራተጂ ንምውዳእ ’ዩ።
ብግልፂ ንሕና ዘይንመርሓ ሃገር ከትፈርስ ኣለዋ ኢሎም ’ዮም። ነዚ ንምግባር ድማ ዝኽእልዎ ኩሉ ገይሮም ’ዮም። ኮይኑ ግና ኣይተሳኸዐሎምን። ፅባሕ ‘ውን ዝሳኸዐሎም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህወሓት ማለት ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተፈቲኑ ዝወደቐ ’ዩ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ህዝቢ ከሳቕይ ፀኒሑ ’ዩ። ስለዚ ነዚ ሓይሊ እዚ ምቕላስ ’ዩ ዘድሊ።
ሕቶ፡- ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጥቕዓት ምስፈፀመ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ተመሊሱ ኣብ ክልተ ሰሙን በታቲንዎ ነይሩ ’ዩ። ኮይኑ ግና ካልኣይ ክጣናኻር ክኢሉ ’ዩ። ከምዚ ክኾን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ዝተሰርሑ ተንኮላት ነይሮም ’ዮም ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ ’ዮም። ብፍላይ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ናይ ባዕሉ ግደ ነይርዎ ’ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ ’ዮም። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንሶም እንታይ ይብሉ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፡- እዚ ብተደጋጋሚ ብተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሻት ዝገለፅናዮ ጉዳይ ’ዩ። ኮይኑ ግና ዋላ ንሕና ንዛረብ ሰማዒ ኣይነበረን። መንግስቲ ብዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተወዲኡ ነይሩ ’ዩ። ኮይኑ ግና ድሕሪ ምውድኡ ከም እንደጋና ብምውዳብ ተጣናኺሩ ’ዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ተንኮላት ተሰሪሖም ’ዮም። ኣብነት ብፍላይ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ መሓውር መንግስቲ ፌዴራል ዘለዉ ንኸብዶም ዝሓድሩ ቨ
ድማ ብተፃራሪ ደው ዝበለ ዝኾነ ዓይነት ሓይሊ ’ዩ ዘጥቕዕ። ንቐፃሊ ‘ውን ብሂወት ክሳብ ዘሎ ግዜ፣ ግፍዕታት ምፍፃሙ ደው ዘብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ባህሪኡ ዲሞክራስያዊ ኣይኮነን። ዓፋኒ ’ዩ፤ ኣሰላለፍኡ ፀላኢን ፈታውን ዝብል ’ዩ። ፈታዊ ዝብሎ ምስ እከይ ተግባሩ ዝተሰለፈ ዝኾነ ኣካል ’ ዩ። ፀላኢ ዝብሎ ድማ ይኣስሮ፣ ይጭፍጭፎ፣ የጋፈዖ፣ ኣነ ንህዝቢ ትግራይ ናፃ ዘውፅእ ’የ ዝብል ሓሳብ ግና ባህሪኡ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም የብሉን። ንፕሮፖጋንዳ ሽፋን ’ዩ ዝጥቐመሉ።
ሕቶ፡- በዚ ዝኸዶ ዘሎ ዓይነት ፕሮፖጋንዳን ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታትን ከምኡ ‘ውን ብኩናት ናብ ስልጣን ክምለስ ዶ ይኽእል?
ኣይተ ሙሉብርሃን፦ ኣይኽእልን፤ ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ኣይሽንኳይዶ ሃገር ጣብያ ክመርሕ ኣይኽእል። ተፈቲኑ ዝወደቐ ሓይሊ ’ዩ። ምህዋኽ፣ ምዝራፍ፣ ምሽባር ጥራሕ ’ዩ ክገብር ዝኽእል። ብምዃኑ ራዕዳዊ ህወሓት ብኩናት፣ ብምርዓድን ዘረፋን ክነብር ዝደሊ ሓይሊ’ዩ።
ብኻሊእ ወገን ድማ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ተፈላለዩ ቦታታት ንዕዑ ምስ ዝመስሉ ብምሕባር ሓዊ ብምፅሓር ሃገር ናብ ዝጀመረቶ ናይ ብልፅግና ጉዕዞ ከይትኸይድ ዕቤታ ከዛናግዕ ይኽእል ይኸውን ’ምበር ካልኣይ ተመሊሱ ሃገር ይመርሕ ማለት ከቢድ ’ዩ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኣካይድኡ ብደንቢ ብምፍታሽ ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዘለዉ ኣተሓሳስባ ህወሓት ዝተሸከሙ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ። ኣብዚኦም ዘየናሕሲ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ ’ዩ። ህወሓት ክመፅእ ’ዩ ኢሎም ዝሓስቡ እንተልዮም ሕልሚ ’ዩ።
ሕቶ፡- እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈፀሞም ግፍዕታት ከይኣኽሎ ኣብ እንስሳትን ኣዝርእትን ከምኡ ‘ውን ኣብ መሰረተ ልምዓት ጉድኣት ከብፅሕ ይረአ ’ዩ፤ ንምዃኑ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ካብ ምንታይ ዝንቐለ ’ዩ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፦ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ናይ ስልጣን ዘመኑ ልምዓታዊ መንግስቲ ’የ ይበል ’ምበር ንባዕሉ ጥራሕ ዘልምዕ መንግስቲ ’ዩ ነይሩ። እዚ ጉጅለ እዚ ብምኽንያት ለውጢ ተደፊኡ ናብ መቐለ ምስ ከደ ብግልፂ ዝተዛረቦ ነገር ኣሎ ’ዩ። ንሕና ዘይንመርሓ ሃገር እንተኾይና ከትፈርስ ኣለዋ ኢሉ ነይሩ ’ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ከም ዝበሎ በዚ መልክዕ እዚ ብዙሕ ዝተለፍዖ እኽሊ ምቕፃል፣ መሰረተ ልምዓት ምዕናው ኢኮኖሚ ብምንጋዕ ህዝቢ ናብ ፀገም ክወድቕ ብምግባር ይቕፅለሉ ኣሎ ’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብርክት ዝበለ ተኸታሊ ዘለዎ ሽፍታ ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ክሳብ ሕዚ ከም ዝረኣናዮ ሓላፍነት ዘይስመዖ ዝቐትልን ዝዘርፍን ’ዩ። ህወሓት ከምዚኦም ዝበሉ ባህርያት ዘለዎ ብምዃኑ እሞ ድማ እዚ ሓይሊ እዚ ክሳብ ዘሎ ግዜ ኣፀጋሚ ስለ ዝኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነዚ ጉዳይ እዚ ቖላሕታ ክህቦ ኣለዎ።
ሕቶ፡- እዚ ጉጅለ እዚ ብፍላይ ንህዝቢ ኣምሓራ ከም ፀላኢ ገይሩ ብምውሳድ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ተግባር ንሶም ከመይ ይሪእዎ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፦ ህወሓት መጀመርታ ከፋፋሊ ’ዩ፤ ብቋንቋ ይኸፋፍል፣ ብፍላይ ንህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ብፅልኢ ክረኣኣዩ ሰሪሑ ’ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ህዝቢ እዚ ብታሪኽ ሓደ ዓይነት ህዝቢ ’ዩ። ተፃሊኡ ዘይፈልጥ ንብዙሕ ዘመናት ሓቢሩ ብፍቕሪ ዝነበረ ህዝቢ ’ዩ። ብኸምዚ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፅላእ ’ዩ ህወሓት ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ። ኮይኑ ግና ክልቲኦም ህዝቢታት ታሪኾም ብምርኣይ ፀላኢ ህወሓት ከም ዝኾነ ፈለጦም ብሓባር ክቓለስዎ ኣለዎም። ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክታለሉ የብሎምን።
ህዝቢ ክርደኦ ዝግባእ ነገር እንተሃለወ ህወሓት ንባእሉ ብሂወት ንምፅናሕ ዝኽእል በዚ መንገዲ ጥራሕ ምዃኑ ’ዩ። ህወሓት ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ንህዝቢ ትግራይ እናበደለ ዘሎ ሓይሊ ’ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ይኹን ቕድሚ ሕዚ ካብ ህወሓት ዝረኸቦ ነገር የለን። እኳዳኣስ ህዝቢ ክዋረድን ክጠፍእን እናገበረ ’ዩ ዘሎ። ህፃናት እንተይቐረዩ ትርጉም ንዘይብሉ ንናይ ባዕሉ ናይ ስልጣን ፅምኢ ንምርዋይ ኣብ ኩናት እናእተዎም ’ዩ ዘሎ። ብምዃኑ
እዚ ጉጅለ እዚ ናይ ማንም ፈታዊ ከም ዘይኮነ ብምርዳእ እከይ ተግባሩ ክንቐሐሉ ይግባእ። እዚ ጉጅለ እዚ ህዝባዊ ’የ ይበል እምበር ህዝባዊ ከምዘይኮነ ብተግባር እናተራእየ ’ዩ። ነዚ ምርዳእ ድማ በጣዕሚ ጠቓሚ ’ዩ።
ሕቶ፡- ልዕል ኢሎም ከምዘልዐልዎ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩናት ዓዘቕቲ ክኣቱ ካብ ምግባር ንላዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ እኳ ብዝባእ ኣብ ግዚኡ ከይበፅሕ ዕንቕፋት ኮይኑ ’ዩ። ብፍላይ መንግስቲ ንህዝቢ ብዝሃቦ ናይ ፅሞና ግዜ ብምጥቃም እከይ ተግባሩ ኣጣናኺሩ ቐፂልሉ ’ዩ። ይኹን ’ምብር ህዝቢ ንህወሓት ኣብ ምቕላስ ብዙሕ ኣይኮነን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ንሶም ኣብዚ እንታይ ይብሉ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፦ ቐዳማይ ህዝቢ ትግራይ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ዓፈና ዝፀንሐ ህዝቢ ’ዩ። ሕዚ ድማ እዚ ጉጅለ እዚ ብፍላይ ብዝፈፀሞ እከይ ተግባር ብመንግስቲ ስጉምቲ ተወሲድዎ ብግዝያዊ ምምሕዳር ለውጢ ክርኢ ’ዩ ተባሂሉ ስለ ዝተሓሰበ ናይቲ ጉጅለ ሓሳብ ተሸኪሞም ብምእታው ፀገም ህዝቢ ክበኣኣስ፤ ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ፀገም ክበፅሖ ገይሮም ’ዮም። ህዝቢ ከም ህዝቢ ከይቓለሶ ድማ ዝሓስበሉን ዘምልጠሉን ግዜን ዕድልን ኣይረኸበን ’ዩ። ብሓይሊ ተጨቚኑ ’ዩ ዘሎ።
ብኻሊእ ወገን ካብ ቐደም ጀሚሩ ብዝተሰርሐሉ ናይ ሃሶት ፕሮፖጋንዳ ህልውንኡ ኣብ ህወሓት ጥራሕ ዝተመስረተ ክመስሎ ተገይሩ ’ዩ። ብምዃኑ በዚተደናጊሩ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ራዕዳዊ ጉጅለ ክስለፍ ክኢሉ ’ዩ።
ነዚ ንምቕያር መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከምኡ ‘ውን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበርና ኣመራርሓታት ልዑል ዝኾነ ድኽመት ነይሩና ’ዩ ኢለ ’የ ዝኣምን። ብፍላይ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ህዝቢ ካብቲ ዓፋኒ ጉጅለ ናፃ ምስ ወፀ ካብቲ ዝነበሮ ዓፈና ዝሓሸ ስምዒት ክህልዎ ምግባር የድሊ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብዚ ዝተሰርሐ ነገር የለን።
ኣብቲ እዋን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ውሽጢ ከምኡ ‘ውን ኣብ መዋቕር መንግስቲ ፌዴራል ዝኣተዉ ሰባት ካብ ዝተዋሃቦም ክቖርፅ ገይሮም ’ዮም። ከምዚ ብምዃኑ እቲ ለውጢ መሬት ከይነክእን ናብ ህዝቢ ከይበፅሕን ኮይኑ ’ዩ።
ህወሓት ክጠፍእ መንግስቲ ሓዊሱ ኩሉና ንደሊ ኢና። ኮይኑ ግና ብኸመይ ’ዩ? በቲ ዘለዎ ኣካይዳ መገዲ ድዩ ዝጠፍእ ዝብል ሓሳብ ድማ ካብ ኩልና ትፅቢት ዝግበር ’ዩ ዝመስለኒ። ንኣብነት ንሕና ከም ፓርቲ ህወሓት ክጥፍእ ዝኽእል ካብ ህዝቢ ትግራይ ክንፀል እንትኽእል ’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ንምንፅፃል ፈታኒ ብምዃኑ ብዙሕ ግዜን መስዋእትን ’ዩ ዝጥይቕ። ብምዃኑ ነዚ ዝምጥን ናይ ፖለቲካ ስራሕ ምስራሕ ድማ ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር ዓብዪ ሓላፍነት ’ዩ።
ብሓፈሻ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘዋረደ ርእሱ ከድንን ዝገበረ ’ምበር ንጥቕምን ናፃነትን ህዝቢ ትግራይ ዝቖመ ከም ዘይኮነ ህዝቢ ይፈልጥ ’ዩ። ዓለም ‘ውን ክግንዘቦ ይግባእ። ስለዚ ነዚ ዝምጥን ስራሕ ምስራሕ የድሊ ’ዩ። ኣብ ዝሕዚ እዋን ኩልና ከንፈልጦ ዝግባእ ነገር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ፍፁም ዝተፈላለዩ ’ዮም። ንቐፃሊ ድማ ክልቲኦም ማይን ዘይትን ኮይኖም ክፍለዩ ምግባር ’ዩ።
ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ምንፃል ቐሊል ክኸውን ይኽእል ’ዩ ዶ ይብሉ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፦ ብጣዕሚ ቐሊል ’ዩ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ንኣብነት ኣነ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ውሽጢ ኣትየ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰሪሐ ኣለኹ። ብርክት ዝበሉ መድረኻት ምስ ህዝቢ ኣሕሊፈ ኣለኹ። ኣብ 45 ዓመት ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት እንታይ ረኺቡ ዝብል ከንዘራራብ እንተለና መልሱ ምንም ’ዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ ሰልችይዎ ’ዩ። በቢ ዓሰርተ ዓመት ህዝቢ ደቑ ክግብር ኣይደልን። ንሕና ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይና እናመራሕና እናሃለና ዝተረዳእናዮ እዚ ’ዩ።
ህወሓት ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ክጠቕሞ ይቕረ 17 ዓመት ሓቢሮም ዝተቓለሱ ተጋደልቲ ብዘይ ጡረታ ኣብ በረኻ በቲንዎም ’ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ጉጅለ እዚ ብጣዕሚ ተንኮለኛ ብምዃኑ ንህዝቢ ኣዴኻ ብግፍዐኛታት ተቐቲላ፤ ኣቦኻ ተቐቲሉ ኣሕዋትካ ተበዲሎም እናበለ ’ዩ ዘለዓዕሎ። ንሕና ድማ ነቲ ብህወሓት ዝተበደለን ዝተፀገመን ህዝቢ ድሌቱ እንተማሊእናሉ ምስ ህወሓት ዝጣበቐሉ ኩነታት ኣይህሉን። ኣብዚ ግዜ እዚ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ብምፍላይ ካብ ህወሓት ክንፀል ይኽእል ’ዩ።
ብኻሊእ ወገን ትግራዋይ ንሃገሩ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ፤ እኒ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ መተማ ሂወቶም ዝገበሩ፤ ናብ ወፍሪ እንትኸዱ ህዝቢ ክኽተሎም ይገብሩ ነይሮም ’ዮም። ኢትዮጵያ ማለት ኣዴኻ፣ ሰበይትኻ፣ ርስትኻ፣ መቕበሪትካ ’ያ እናበሉ ኣብ ዝኸድዎ ሃገር ትግራዋይ ይኹን ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያውነት ስምዒት ክህልዎ ገይሮም ’ዮም። ሕዚ ግና ህወሓት ንስኻ ትግራዋይ ’ምበር ኢትዮጵያዊ ኣይኮንካን ብምባል ብዙሕ ሰሪሑ ’ዩ። እዚ ብፍጥነት ምቕያር የድሊ ’ዩ። እቲ ሓቂ ምግላፅ የድሊ። ኣብዚ ግዜ እዚ ህወሓት ዘይረብሕን ዘይጠቕምን ሓይሊ ምዃኑ ህዝቢ ክርዳእ ይኽእል ’ዩ።
ሕቶ፡- እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዙሕ ጥቕዓት እናፈፀመ ’ዩ ዘሎ። ብምዃኑ ህዝቢ ካብ ፍርሒ ወፂኡ ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሃገር ብምዃን ዝኽእሎ ኩሉ ኣብ ምግባር ከመይ ክሳተፍ ኣለዎ ይብሉ?
ኣይተ ሙሉብርሃን፦ እዚ ሓይሊ እዚ ዘራፊን ናይ ሌባ እኽብካብን ዝኾነ ሽፍታ ኣብ ኣምሓራ፣ ኣፋር ከምኡ ‘ውን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ ጉድኣት ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ ይኣኽለካ ክበሃል ይግባእ። ነዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደ ክለዓል ይግባእ። ምዝንጋዕ እንተሃልዩ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከእትወና ይኽእል ’ዩ። ስለዚ ብሓባር ኮይና ሃገርና ንምድሓን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ከንስለፍ ኣለና። ናይ ለውጢ ጉዕዘና ከይኹለፍ ክስራሕ ዝግበኦ ስራሕ ብኣግባቡ ክስራሕ ይግባእ።
መኣርግ ገ/ሄር
2 ሕዳር 2014 ዓ.ም ወጋሕታ ጋዜጣ