‹‹ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ቦታ ይኹን ካልእ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝኾነ ኣይንርስዖን፤ ብፍፁም!››

  • ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ
  •  
  •  ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኮነ ኢሉ ብዝሓንፀፆ ናይ ጥፍኣት ሽርሒ፣ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ፈርቂ ለይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀላኢ እንትሕሉ ዝነበረ፣ ንዝተፀገሙ ተጋሩ ብገንዘብ፣ ጉልበት እንትሕግዝ ዝነበረ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ጣቢያ ጥዕናን መገዲን ዘይብሎም መንደራት፣ ብገንዘቡ ጉልበቱ ሰሪሑ ኣስሪሑ፣ ህፃናት ትግራይ ንክመሃሩ፣ ዝሓመሙ ኣብ ቀረበኦም ንክሕከሙን መንደራት ንክራኸቡን እንትገብር ነይሩ፡፡

ሽማግለታትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ሓረስቶት ፍሪያቶም ብኣንበጣ ንከይብላዕ ለይቲን ቀትሪን እንትደክም ዝነበረ፣ ዝተዋለደ፣ ዝተዛመደ፣ ፅኑዕ መሰረት ዝነበሮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን፣ ምስ ህዝቢ ትግራይ እንትፋለምን እንትደክምን ውዒሉ፣ “ሃገር ኣማን” ኢሉ ኣብ ዝደቀሰሉ፣ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተፈፀመሉ ኣሰቃቒ ክሕደት ዝተመልኦ ናይ ገፍዒ ስቓይ ኣብ ዝኾነ

 ይኹን እዋን፣ ቦታ ብዝኾነ ይኹን ኩለታት እንተኾነ ‘ውን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣይንርስዓን።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝተደፈረሉ፣ ተጋሩ ብዘይውክል ናይ ለያቡን ከሓድቲን እኩብ በዝፈፀሞን ብዘፈፀሞን ኣሰቃቒ ተግባር ናይ ንፁሃን ተጋሩ ብኢትዮጵያውያን ንክጥርጠሩ ዝገበረት ፀላም ዕለት ኢያ።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንፁሃን ተጋሩ ንፀገም ክቃልዑ፣ ኢትዮጵያውያን ክቡር ህይወቶምን ዋጋ ክኸፈሉ ዝገበረት፣ ሉእላውነት ሃገር ዝተደፈረሉ ዕለት’ያ፡፡

“ዝሓለፈ ጌጋና ዘይደግም ኣመራርሓ ኮነ ህዝቢ መስተውዓሊ ‘ዩ!” ሐዚ ‘ውን ፀላኢ ኢትዮጵያ፣ ናይ ምእተ ዓመት ሸኽሚ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ‘ዩ ።ስለዚ እቲ “ሃገር ንምፍራስ ሲኦል ‘ውን እንተኾነ ክኣቲ ‘የ” ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ከም ዕቁብ ዕርቡን ኣትሒዙ ብንፁሃን

 ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ብሓው ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ዘብፅሖ ዘሎ ሞት ደቂ ሰባት፣ መቕተልቲ እንስሳት፣ ምብራስ ኣግራብን ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ብቐዳምነት ተጋሩ ክንኩንኖ፣ ክንቃወሞ፣ ክነውግዞ ይግባእ ።

“ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣበ ዝተፈላለዩ ክልላት ዘለኹም ተጋሩ ካብ ሙዉት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ሕልምን ርሒቕኩም ኣብ ጎኒ መንግስቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኢትዮጵያ ክትስለፉን ኢትዮጵያውነትኩም ክተመስክሩን ፃውዒትና ነመሓላልፍ፡፡

ኢትዮጵያ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ደቃ ክትስዕር ኢያ!!

ክብሪ ንኢትዮጵያ ከብሉ ንዝተሰውኡ ወገናትና!!

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ

  • 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም
  • ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥቅምቲ 2014  ዓ.ም 
  •  

Recommended For You