ክብሪ ንኢትዮጵያ ክብሉ ዝተሰውኡ ጀጋኑና!!››ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

  •  ኢትዮጵያ ዓዲ ጀጋኑ’ያ። ብለባማት ደቃ ተሓፂራን ዋጋ ኸፊሎም ዘድመቕዋን፣ ተቖፂሩ ዘይውዳእ መስዋእትነት ተኸቢራ ዝፀንሐት ሃገር ‘ያ።ናይ ርሑቕ እንተዘንገዕናዮ’ኳ ኣብ 24 ጥቅምቲ ግፍዒ ዝተፈፀሞም ጀጋኑና ታሪኽ ፈፂሙ ዝርሳዖ ኣይኮነን። ውሎሚ ጠጠው ኢልና ዘለና ኣብ ልዕሊ ኣዕፅምቲ ንዓና ክብሉ ግፍዒ ዝተቐበሉ ጀጋኑና ‘ዩ። እዞም ብርቅታት ደቂ ኢትዮጵያ ‹‹ቕድሚ ወገነይ ኣነ ክቕድም›› ኢሎም ደሞም ንመሬት ስግኦም ንኣሞራ ተዘይህቡ ነይሮም ኣብዚ ኣይምበፃሕናን።ሰራዊት እዚ ሰሜን ዝተዋቐረ ካብ ሓደ ከባቢ ኣይነበረን።ኣምሓራይን ኦሮሞን፣ ሲዳማን ወላይታን፣ ዓፋርን፣ ጉራጌን ሃድያን ካብ ኹሉ ብሄር ተወፃፂኦም ሃገር ንኸድሕን ዝተወደበ ሰራዊት ‘ዩ ነይሩ። ሃገረይ ኢሉ ንዒስራ ዓመታት ካብ መረበቱ ተፈልዩ ኣብ ዱር እናሓደረ ድንበር እናሓለወ ፀኒሑ ‘ዩ። እቲ ሰራዊት ንክልል ትግራይን ንህዝባን እንትርፊ ሕያውነት ኸፊኡ ኣይፈልጥን። ፀላኢ እንትመፅእ ዝምክት፣ ኣብ እዋን ዓፂድ እኽሊ ዝዓፅድ፣ ኣብ ማሕበረሰባዊ ተግባራት ዝሕወስ ‘ዩ ነይሩ። ብደሙን ብርሃፁን ዝኸፈሎ ሰናይ ግብሪ ግና ካብ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝተቐበሎ ክሕደት ‘ዩ።ኢትዮጵያ ንምውራር ዝመፁ ፀላእቲ ከምቲ ጉጅለ ራዕዲ ነቲ ዋና ቤዝ ብምድብዳብ ኣይጀመሩን። ዋና ዋና መኮነናት ብምቕታልን ኸበድቲ ብረታት ዘሪፎም ኣይተልዓሉን። ቅዱስ ኲናት ተዘይሃለወኳ ጭካነ ግን መልክዕ ኣለዎ።ከም ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጨከነ የለን። 24 ጥቕምቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክሕደት እንትፍፅም ዝሞቱ ጀጋኑ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተወፃፅኡ ብምዃኖም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግፍዒ ፈፂሙ ‘ዩ።እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኣፅዋር ንምዝራፍ ጥራሕ ዝተገበረ ታራ መጥቃዕቲ ኣይነበረን። ብውዲት ዝተቐመመን ብኽፍኣት ዝተመልአ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ። ንብፆቱ ብዱቁሶም ካብ ምቕታል ሓሊፉ ካብ ሬሳ ኽዳውንቲ ገፊፉ ቐለብ ኣራዊት ንክኾኑ ጥራሕ ዝባኖም ኣብ ሜዳ ደርብይዎም ‘ዩ። እዚ እንትገብር ዕላማ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ኽልተ ‘ዩ። ቐዳማይ እቲ ሰራዊት ብበትሪ ሕፍረት እናተቐፅዐ ሞራሉ ንኽዳኸምን ስምዒት ዓቕሚ ምስኣን ንኽስምዖን’ዩ። ኻልኣይ እቲ ሰራዊት ነንርእሱ ንኸይትኣማመንን‹‹ሕማቕን ፅቡቕን ምስ ዘሕለፉ ብፆቱ ከምዚ ዝበለ ነውሪ ሎሚ እንተተፈፂሙኒ ፅባሕኸ?››ኢሉ ንኽጠራጠር ተሓሲቡ ዝተገበረ ‘ዩ።ኾይኑ ግና እቲ ሰራዊት ከምቲ ዝተሓሰበ ኣይኮነን።ደም ኣሕዋቱ ብከንቱ ምፍሳሱ ዘሕመሞ ሰራዊት ብህፁፅ ዓርሱ ኣደራጅዩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ጉጅለ ራዕዲ ዘዋቐሮ ሓይሊ ናብ በረኻ ክብተን ገይርዎ ‘ዩ፡ ቐንዲ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ መብዛሕትኦም ሒዙ ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ ‘ዩ። ዝተፈፀሞ ክሕደት ብሕነ ምፍዳይ ዘይኮነስ ብመምርሒ ሕጊ እናፈፀመ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ኲናት ንመምርሒ ተገዛኢ ምዃን ቐሊል ኣይኮነን።ሰራዊትና ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምስ ጉጅለ ራዕዲ ሓያል ውግኣት እንትገብር ብዙሕ ዋጋ ኸፊሉ ‘ዩ። ኣብ ውዕሉኡ ብጅግንነት እናተዋገአ ንሃገሩ ተሰዊኡ ‘ዩ። ንሃገርን ንወገንን ዘለዎ ኣጋርነት ብዘረባ ዘይኮነስ ብተግባር ኣርእዩ ‘ዩ። ሐዚ ‘ውን ኣብ ዱርን ገደልን እናተዋደቐ ‘ዩ።እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝተውሃቦ እዋን ፅሞና ከም ሓደ ዕድል ክጥቀም እናተገበኦ ከም ዓወት ወሲድዎ።ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝነብሩ ወገናትና ግፍዕታቱ ቐፂሉሉ ‘ዩ።ኣጋር ጥፍኣት ሸኔ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢ ወለጋ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት እናፈነወ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዕረፍቲ እናኸልአ ‘ዩ።ኻልኦት ሓይልታት ጥፍኣት ‘ወን ካብ ውሽጥን ደገን ወከልቶም ኣተሓባቢሮም ብሙሉእ ዓቕሞም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ምዝማቶም ቐፂሎምሉ ‘ዮም።ሰራዊትና በይኑ ተጋፊጡ ዜና ዓወት ንኸስመዐና ትፅቢት ምግባር ‘ውን ዕሽነት ‘ዩ።ፀላእትና ተሓባቢሮም ዝደቀኑልና ሓደጋ ኹላትና ተሓባቢርና ተዘይመኪትናዮ ዓወት ዘይሕሰብ ‘ዩ።ሕብረት ፀላእትና ንፕሮፖጋንዳ ዝተፈብረኸ ጉዳይ ኣይኮነን።ሓቂ ‘ዩ።እዞም ሓይልታት ዕላምኦም ግልፂ ‘የ።ብረት ዘልዐሉ ሃገር ንምፍራስ ‘ምበር ሃገር ንምህናፅ ኣይኮነን።ሽም ኢትዮጵያ ብኽፉእ ዘልዕሉ፣ፅባሕ ከም ሊብያን ሶርያን ክገብሩና ዝፈጠርዎ ሜላ ከምዝኾነ ክንፈልጥ ይግበአና።ፀላእትና በዚ ብርኪ እንትተሓባበሩ ኣንሕና ሓደ ዘይንኾነሉ ምኽንያት የለን።መጥቃዕቲ ኣሕዋቱን ሓፍቱን ዘሕምሞ ኹሉ ኢዱ ካብ ምጥቋም ወፂኡ ሃገር ናይ ምድሓን ድሌቱ ብተግባር ክገልፅ ኣለዎ።ንቐፃሊ ታሪኽ ፍርዱ ክህብ ‘ዩ።ፈራሕ ‘ውን ብፈራሕነቱ፣ተንኮለኛ ብተንኮሉ፣ከከም ግብሩ ክምዝገብ ‘ዩ። ነቱ ጉጅለ ራዕዲ ወለዶ ብክሕደት እናዘከሮ ከምዝነብር ግልፂ ‘ዩ።እቶም ብግፍዒ ዝተሰውኡ ኣባላት እዚ ሰሜን ሓዊሱ ንሃገር ዝዋደቑ ጀጋኑ ሽሞም ብወርቂ ክፅሓፍ ‘ዩ።

ክብሪ ንኢትዮጵያ ክብሉ ንዝተሰውኡ ጀጋኑ!!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራን ተፈሪሓን ንዘልኣለም ትምበር!!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም

 ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥቅምቲ 2014  ዓ.ም 

Recommended For You