‹‹ ናብዚ ከቢድ ፀገም እዚ ዘብፀሐ 24 ጥቕምቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተኻየደ መጥቓዓቲ ‘ዩ›› ኣይተ ገብረፃድቕ ገብረመድህን

ኣይተ ገብረፃዲቕ ገብረመድህን ሓላፊ ዘፈር ኣዋዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ‘ዮም። ቕድሚ ለውጢ ማእኸላይ ኣመራርሓ ህወሓት ብምዃን ዝሰርሑ እንትኾኑ ኣብ ከይዲ ህወሓት ዝኽተሎ ዝነበረ ኣካይዳ ስለ ዘይኣመንሉ ብድሌቶም ገዲፎሞ ብምውፃእ ንስርዓት ራዕዳዊ ህወሓት እናተቓወሙ ዝፀንሑ ‘ዮም። ድሓረ ብህዝባዊ ማዕበል ለውጢ ምስ መፀ ድማ ናብ ብልፅግና ፓርቲ ብምእታው ኣንፃር ራዕዳዊ ህወሓት እናተቓለሱ ይርከቡ። ኣብ ትግራይ ኣብ ተፋላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝሰርሑ እንትኾኑ ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ኣዋዳድባ ህዝቢ ከተማ ኮይኖም እናሰርሑ ነይሮም ‘ዮም። ብምዃኑ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋዜጣ ወጋሕታ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ምስ ኣይተ ገብረፃድቕ ዝገበርናዮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህንፀት ሃገር ዘይናዓቕ ግደ ዘበርከተ ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝተፈላለዩ ስሚዒታት ኣሕዲሩ እዩ። እዚ ብኸመይ ክስተኻኸል ይኽእል ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- እዚ ክስተኻኸል እንተ ኾይኑ ፖለቲካዊ ኩነታትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ክስተኻኸል ኣለዎ። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከይረጋፅ ግና ቐንዲ ዕንቕፋት ኮይኑ ዘሎ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት’ዩ። ከም ዝፍለጥ ህወሓት ለውጢ ኣይቕበልን ኢሉ ናብ መቐለ ምኻዱ ይፍለጥ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መንጎ ራዕዳዊ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ እናሰፍሐ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ከምዚ እናኾነ ምስ ከደ ናብ ዘየድሊ ኩናት ኣም ሪሑ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ቕድሚ እቲ ኩናት ምውልዑ መንግስቲ ፌዴራል ብመራሕቲ ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ሰባትን ዓበይቲ ዓድን ገይሩ ዕርቒ ለሚኑ ‘ዩ። ነዚ ናይ ዕርቒ ፕሮግራም ህወሓት ክቕበሎ ብዘይ ምኽኣሉ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ሕዚ ዘለዎ ሕማቕ ኩነታት ክወድቕ ክኢሉ ‘ዩ።

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ስምዒት ወፂኡ ብኢትዮጵያውነቱ ክቕፅል እንድሕር ኮይኑ መጀመርያ ሰላም ክፍጠር ኣለዎ። ሰላም እንተተፈጢሩ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክምለስ ይኽእል ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ሃገራዊ ስምዒት ሃልይዎ ብኢትዮጵያውነቱ ፀኒዑ ዘይቕፅለሉ ኩነታት ኣይህሉን። ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ክወፅእ ክኽእል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት እዚ ተረባሒ ወይ ተጎዳኢ መን ‘ዩ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ካብ ኩናት ዝርከብ ጥቕሚ የለን፤ ዋላ ኣብቲ ኩናት እንተሸነፍካ ናይ ባዕልኻ ዜጋ ቐቲልካ ኢኻ ትስዕር ዘለኻ። እዚ ድማ ምስዓር ኣይበሃልን ‘ዩ። ኣሓትካን ዜጋታትካን ቐቲልካን ኣቕቲልካን ዝርከብ ዓወት ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ድሕሪ ብዙሕ ክሳራታት እትረኽቦ ዓወት ንውሱናት ደለይቲ ስልጣን ክጠቕም ይኽእል ይኸውን። ብሓፈሻ ግና ዓብዪ ክሳራ ‘ዩ ዘለዎ።

ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ብሓፂሩ ኩናት እዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ናይ ተነፅሎ ስምዒት ከይፈጥር ብፍጥነት ብምውዳእ ናብ ሰላም ክምፃእ ኣለዎ፤ ከምዚ ክኾን እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ዘይብለሉ ኩነታት ኣይህሉን ‘ዩ። ወይድማ እንተተኻኢሉ ብልዝብ ተዝፍታሕ ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ብወገን ብልፅግና ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዝኒሀ ፀግም ክወፅእ እንታይ እናሰርሐ መፂኡ ከምኡ ‘ውን ሕዚ እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲ እንተልዮም ተዝገልፁልና?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ሓደ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ‘ዩ፤ ከም ዝፍለጥ ፓርቲ ብልፅግና ድማ ሃገራዊ ፓርቲ ‘ዩ። ብልፅግና ኣብ ትግራይ እናሃለወ

 በይኑ ዘማሕድር ከም ዝነበረ ገይሮም ብምዝራብ ሽሙ ዘጥፍእዎ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ትኽክል ኣይኮነን። ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይኹኑ ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዝኾኑ ኣካላት ይሳተፉ ነይሮም ‘ዮም። መብዛሕተአን ቢሮታት ዝመርሕዎን ዝነበሩ ተቓወምቲ ፓርቲታት ‘ዮም።

በዚ መሰረት ኣብዚ ፀገም ነይሩ ‘ዩ፤ ብልፅግና ኢና ብምባል ኣጀንዳ ህወሓት ተሸኪሞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ዘይፍለጡ ባንዳታት ነይሮምና ‘ዮም። ንኣብነት ከምእኒ ገረመስቀል ዝበሉ። እዚ ሰብ እዚ ናይ ትግራይ ስነ ልቦናን ክብርን ዘይፈልጥ ንትግራይ ከድሕን ‘የ ኢሉ ‘ዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ነይሩ። ብመሰረቱ ‘ውን ኣብ ትግራይ ስለ ዘይተወለደ ስነ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ከም እንዚኦም ዝበሉ ተኹላታት ኣትዮም ‘ዮም ኣባላሽዮምልና።

ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ፓርቲ ብልፅግና ዝተፈላላዩ ፖሊካዊ ኣራኣእያ ዝነበሮም ኣካላት ዘሳተፈ ዋላ ይኹን ‘ምበር ብሓፈሻ ዘመሕድሮ ዝነበረ ግና ባዕሉ ፓርቲ ብልፅግና ‘ዩ ነይሩ። እዚ ፓርቲ እዚ ነቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማት ንምፍታሕን ንህዝቢ ትግራይ ንምጥቓም ዝኸዶ ዝነበረ ክያዶ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- እወ ዋና ኣመሓዳሪ ካብ ብልፅግና ምዃኑ ፍሉጥ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅክዎ እቲ ፀገም ኣብ ታሕተዎት ሓለፍቲ ‘ዩ ነይሩ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ኣራኣእየኦም ዘይፀረዩ ሰባት ነይሮም ‘ዮም። ላዕሊ ላዕሎም ብልፅግና ውሽጦም ድማ ናይ ህወሓት ተልእኾ ተጎልቢቦም ዝጎዓዙ ነይሮም ‘ዮም።

ንሕና ብዘለና ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ናይ ለውጢ ተጠቓሚ ክኸውን ኢልና ለይትን ቐትርን ንሰርሕ ነይርና ኢና። ንኣብነት ኣነ ኣብ ዝነበርክዎ ቤት ፅሕፈት ሓረስታይ መዳበርያ ክረክብ ምስ መሳርሕተይ ኮይነ ብዙሕ እሰርሕ ነይረ ‘የ። ክሳብ ገጠር እናኸድኩ ሓረስታይ መዳበርያ ምርካቡ የረጋግፅ ነይረ ‘የ። ብቕንዕና ንህዝቢ ዘየገልግሉ ኣመራርሓ ገምጊምና ክወርዱ ንገብር ነይርና። ነዳዲ ዝሰረቑ ንኣስር ነይርና። እዚ ከንገብር እንተለና ግና ኩሉ ነገር ተመቻችዩልና ነይሩ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን። መዓት ፀገማት እናሰገርና ኢና ንሰርሕ ነይርና።

እዚ ኩሉ ከንሰርሕ እንተለና ዝተወሰኑ ኣካላት ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ብልፅግና መሲሎም ብልፅግና ንምፍራስ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ነይሮም ‘ዮም። ብትልምና መሰረት ህዝቢ ነማያይጥ ነይርና፣ ምኽንያቱ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይኣመነሉን ዝስራሕ ነገር ክህሉ የብሉን ብዝብል ‘ዩ።

ንግስቲ ፌዴራል እዋን ክረምቲ ‘ዩ ሓረስታይ ክሓርስ ኣለዎ ኢሉ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስ ኣውፀአ ስዒቡ ናብዚ ምስ መፃእና ድማ ትግራዋይ ፀገም ከይበፅሖ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ንኣብነት ትግራዋይ ብዘይኮነ ከይብደል ኣብ ከምኒ ክልል ጋምቤላ ብምኻድ ሓለፍቲ እቲ ክልል ኣዛራሪብና ኢና። ሕጊ ዝጠሓሰ እንተልዩ ብሕጊ ክጥየቕ፤ ብዘይኮነ ዝተኣሰረ እንተልዩ ድማ ተፃርዩ ከፍታሕ ከምዘለዎ ንሰርሕ ኣለና ኢና። ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ለውጢ ብምድጋፍ ንህወሓት ክቓወም፤

 በዚ ምኽንያት ህወሓት ተወጊዱ ህዝቢ ትግራይ ማዕረ ከም ካልኦት ክልላት ተጠቓሚ ክኸውን ምስ ዝተፈላለዩ ሚድያትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ንሰርሕ ኣለና ኢና። ምኽንያቱ ህወሓት ብሓሶት ዝተፈጠረ ስለ ዝኾነ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናተጠቐመ ንህዝቢ ትግራይ እናታለሎ ስለ ዝርከብ።

ወጋሕታ፡- እዚ ከምዚ ከትሰርሑ እንተለኹም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረኩም ተቐባልነት ከ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረና ተቐባልነት ዳርጋ ፅቡቕ ‘ዩ ነይሩ ምባል ይከኣል። ንኣብነት ኣብ መቐለ ህዝቢ ኣኪብና ነዛራርብ ነይርና ኢና። ዘላኣለም ኣብ ኩናት ከንነብር የብልናን ለውጢ ክንድግፍ ኣለና ብምባል ህዝቢ ተቐቢሉ የጣቐዐልና ነይሩ ‘ዩ። ብፍላይ መብዛሕትኡ መንእሰይ ተቐባሊ ለውጢ ‘ዩ ነይሩ። ሓድነት ግዝኣትን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይተቕርቡ እንተኾይንኩም ኣብ ጎንኹም ኢና፤ ከምዚ ትሰርሑ ኣይመሰለናን ነይሩ ብምባል ተቐቢሉናን ይቕበለናን ነይሩ ‘ዩ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ተፈላለዩ ዞባታት ንምምራሕ ድሌት ዘለዎም መናእሰይ ንረክብ ነይርና፤ መልሚልና ሓላፍነት ንህብ ነይርና ኢና። ኣነ ባዕለይ ብዙሓት መናእሰይ ኣባላት ብልፅግና ንምዃን ዝመዝገብክዎም ነይሮም ‘ዮም። ስለዚ ጥቕልል ኣቢልካ ክረአ እንተሎ ብልፅግና ትግራይ ቑፅሩ ዘይናዓቕ ደጋፊ ነይርዎ ‘ዩ ምባል ይከኣል ‘ዩ። ኮይኑ ግና ውሱናት ን40 ዓመት ዝኣክል

 ብፕሮፖጋንዳ ህወሓት ዝተነደቑ ስለ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ሽማት ብምሃብ ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ድማ ኣይነበሩን ምባል ኣይከኣልን።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣሜሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘይጎድእ ይገልፅ ከምዝነበረ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ካብ ተጠቓምነት ናፃ ቐረፅ ‹‹ኣገዋ› ንምስራዝ እናሰርሐ ምዃኑ ሓበሬታታት የማላኽቱ ኣለዉ ‘ዮም፤ እዚ ድማ ንህዝቢ ዝጎድእ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ። እዚ ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- መንግስቲ ኣሜሪካ ኢኮኖሚያዊ ማዕቐብ ከምዝገብር ብግልፂ ተዛሪቡ ‘ዩ፤ ይሰርሐሉ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ።

ኣሜሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ትሓሊ ሃገር ኣይኮነትን፤ ኣሜሪካ ሓይልታት ዓመፅቲ ትድግፍ ኣገር ‘ያ፤ ንምንታይ እንተይልና ሃገራት ክልወጣ ኣይትደልን ‘ያ። ንህዝቢ ዝጎድእ ኣይሰርሕን ስለ ዝበለት እዚ ትኽክል ኣይኮነን። ናይ ኢኮኖሚ ማዕቐብ ምግባር ማለት ኮ ንህዝቢ ‘ዩ ዝጎድእ።

ብኢኮኖሚ ኣዳኺምካ ተለኣኣኺ መንግስቲ ምፍጣር ‘ዩ ዕላማኣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ቕዋሙ ፈተኽ ከም ዘይብል ትፈልጥ ‘ያ። ብኻሊእ ወገን ድማ ኣሜሪካ ናይ ግብፂ ደጋፊት ‘ያ። ግብፂ ድማ ብጉዳይ ግድብ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቕርሕንቲ ‘ያ ዘላ። ስለዚ በቲ ሓደ ተለኣኣኺ መንግስቲ ንኽህሉ ‘ያ ተደሊ ካሊእ ድማ ንግብፂ ንምሕጋዝ ‘ዩ።

ኣሜሪካ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይኮነትን ተጨኒቓ ንህወሓት ትሕግዝ ዘላ፤ ብዛዕባ ዲሞክራሲ እትጭነቕ ሃገር ተትኾን ነይራ ኣብ ኣሜሪካ ፀለምቲ ህዝቢታት ብግፍዒ ክቕተሉ እንተለዉ ተቖርቋሪት ከትኸውን ነይራ ‘ያ። ኮይኑ ግና ከምዚ ክብል እንተለኹ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ክህሉ የብሉን ማለተይ ኣይኮንኩን፤ ዲሞክራሲ ክህሉ ኣለዎ፤ ሰብ ካብ ሕጊ ወፃኢ ክንጋላታዕ የብሉን። ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ‘ያ ገጢማ ዘላ። ኣሜሪካ ብዛዕባ ራዕዳዊ እንታይ ኣጨነቓ። ንባዕላ እኮ ኣብ ተፈላለዩ ሃገራት ራዕዳውያን ሓይሊታት ንምጥፋእ ብዙሕ ትሰርሕ ኣላ ‘ያ።

ወጋሕታ፡- ሃገራት ኣውሮፓ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ብተደጋጋሚ ይእከባ ‘የን። ይኹን ‘ምበር ኣብ ሓበራዊ ውሳነ እንተይበፅሓ ‘የን ዝብተና:: ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ሃገራት ምዕራባውያን ኣብ ሓደ ውሳነ ክበፅሓ ዘይከኣላሉ ምኽንያት ናይ ባዕዳውያን መግዛእቲ ኣተሓሳስባ ‘ዩ ዘለዎን፤ ነዚ ንምቕፃል ድሌት ስለ ዘለዎን ‘ዩ ብተደጋጋሚ ኣብ ምፍርራሕ ዝርከባ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ኣብዚ ሕዚ ዘመን ዝሰርሕ ኣይኮነን። ግዚኡ ሓሊፍዎ ‘ዩ። መንግስቲ ኣብ ሃገረይ ሕጊ ከኽብር ‘የ ምባሉ ጌጋ የብሉን። ዓሌት ምፅናት እንተኾይኑ ክሓቱ ይኽእሉ ‘ዮም። ካብዚ ወፃኢ ግና ህወሓት ባዕሉ ዝጀመሮ ኩናት መንግስቲ ሕጊ ምኽባሩ ዘሕትቶ ኩነታት ኣይኮነን።

ህወሓት ኣብ ወሎ እንስሳ እንተይቐረያ እናቐተለ እናሃለወ ዘይኮነኑ ንመንግስቲ ጥራሕ ምኹናን ትኽክል ኣይኮነን። ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ ‘ዩ። እዚ ክኾነን ‘ዩ ዝግበኦ። መንግስቲ ኩናት ጠጠው ኣቢሉ እናሃለወ ህወሓት ነዚ ክፍተት ተጠቒሙ ኩናት ናብ ካልኦት ክልላት ክስፋሕፋሕ ብምግባር ብዙሕ ግፍዕታት ፈፂሙ ‘ዩ።

ብሓፂሩ ምዕራባውያን ንኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣኼባ ሓቒ ስለ ዘይብሉ ‘ዩ ኣብ መደምደምታ ከይበፅሑ ዝብተኑ። ዝገብረዎ ኣኼባታት ኮነ ተባሒሉ ኢትዮጵያ ንምጥቓዕ ‘ዩ። እዚ ድማ ዝሳኻዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ገጢማ ዘላ ሃገር ክብትን ‘የ ምስ ዝብል ራዕዳዊ ህወሓት ‘ዩ። እዚ ድማ ብዙሓት ሃገራ ሓቒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጣ ንመንግስቲ ይድግፋ ‘ውን ኣለዋ ‘የን። ንምንታይ እንተይልና መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ኩናት ፈትሓዊ ኩናት ‘ዩ። ሓገር ንምድሓን ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ኩናት መፍትሒኡ እንታይ ‘ዩ ይብሉ? እንተዘይተፈቲሑ ኸ ናበይ ክወስደና ይኽእል?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ሓደ ነገር ንምስራሕ ከትሓስብ እንተላኻ ኣቐዲምካ ምሕሳብ ኣድላይ ‘ዩ። ዘይሐሰብካ እትሰርሖ ጉዳይ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ‘ዩ ዘመዝን። ‹‹ ናብዚ ከቢድ ፀገም እዚ ዘብፀሐ 24 ጥቕምቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተኻየደ መጥቓዓቲ ‘ዩ››። እዚ ከቢድ ጣጣ ኣስዒቡልና ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ እንተዘይተፈቲሑ ወለዶ ዘብርስ ኩናት ‘ዩ። መንእሰይ ትግራይ ይሃልቕ ‘ዩ ዘሎ። መንእሰይ ትግራይ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናተታለለ ‘ዩ ዝውዳእ ዘሎ። እዚ ተናሲሕኻ ከትምልሶ ናብ ዘይንኽእል ክሳራ ‘ዩ ወሲዱናን ዝወስደናን ዘሎ። ብዙሕ መንእሰይ ይመውት ኣሎ ‘ዩ።

እዚ ኩናት እዚ መንግስቲ ቐልጢፉ ክውደኦ ኣለዎ፤ ወይ ድማ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ። ይኹን ‘ምበር ህወሓት ዘቐምጦ ዘሎ ቅድመ ኩነታት ንዕርቒ ዝስሕብ ኣይኮነን። እዚ እንታይ ‘ዩ ዘሪአካ ራዕዳዊ ህወሓት ኩናት ጠጠው ናይ ምባል ድሌት የብሉን። ምኽንያቱ ድሌት ተዝህልዎ ነይሩ መንግስቲ ጠጠው ከብል እንተሎ ክጥቐመሉ ነይርዎ። ብዛዕባ ዘከራኽር መሬት ‘ውን ብሓይሊ እንተይኮነስ ብልዝብ ‘ዩ ክፍታሕ ዝኸእል። ዘጋጠመ ፀገም ብሕጊ ‘ዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ኩሉ ነገር ብቕልፅመይ ክፈትሖ ‘የ ማለት ክሳርኡ ‘ዩ ዝዓቢ። ስለዚ ኩሉ ነገር ሕጊ ኣኽቢርካ ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ።

ህወሓት ግና ንህዝቢ ትግራይ ፀላእቲ መፁኻ እናበለ ምስ ጎረባብቲ ክልላት የባእሶ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ምስ ኣሓቱ ብሕውነት ምንባር ‘ዩ። ምኽንያቱ ህወሓት ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ‘ዩ ዘኽብር ዘሎ። ስለዚ እዚ ኩናት እዚ ብኣግባቡ ክፍታሕ ተዘይኽኢሉ ክሳርኡ ከቢድ ምዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡-እቲ ብኣየር ዝውሰድ ዘሎ ደብዳብ ንራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ምድኻም ወይ ‘ውን ንምጥፋእ ከመይ ተዓዚቦሞ? ከምኡ ‘ውን ዒላምኡ ኣብ ምውቓዕ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣየር ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ንፁሃን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ‘ዩ ዝብሉ ኣለዉ፤ እዚ ትኽክል ኣይኮነን። ኣብ ወታደራዊ ኣፅዋራት’ዩ። ህዝቢ ምድብዳብ ተዝደሊ እማ ንምንታይ ኣብ መሰቦ ከባቢ ደብዲቡ? ኣብ ማእኸል ከተማ ዘይድብድብ ነይሩ። ዲያስፖራ ተጋሩ ዝብልዎ ዘለዉ ፕሮፖጋንዳ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ‘ዩ። መንግስቲ ኣብ ሲቪላት ዝዓለመ መጥቓዕቲ እንተወሲዱ ብሕጊ ‘ውን ዘጥይቖ ስለ ዝኾነ ከምዚ ኣይገብርን ‘ዩ። ከምዚ እንተገይሩ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ይፈልጥ ‘ዩ።

ስለዚ አሕፅር ኣቢልካ እንትረአ እንተሎ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ኣየር መጥቓዕቲ ዕላምኡ ይወቕዕ ኣሎ ‘ዩ። በዚ መሰረት ነቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ኣብ ምድኻም ይኹን ምውጋድ ዓብዪ ታራ ኣለዎ ‘ዩ። ምኽንያቱ እቲ

 ዋና ፍልፍል ኣፅዋራቱ ተተደምሲሱ ክዋገአሉ ዝኽእል ምኽንያት የብሉን። መንግስቲ ‘ውን ነዚ ዝዓለመ ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ኩናት ዕላምኡ እንታይ ‘ዩ ይብሉ? ከምኡ ‘ውን ኣሜሪካ ንህወሓት ትሕግዝ ኣላ ይበሃል ‘ዩ እስቲ ኣብዚ ርኢተኦም ይሃቡና?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ብዝኾነ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኩናት ዝጀመረሉ ምኽንያት ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ተኣማሚኑ መንግስቲ ንምሽናፍ እንተይኮነስ ሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ተኣማሚኑ ዳግማይ ናብ ስልጣን ንምምላስ ‘ዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዘለዉ ከም እኒ ቦኮሃራምን ኣልሻባብ ዝመሳሰሉ ራዕዳውያን ብምድጋፍ ረብሓኣ ምርግጋፅ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ብተወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ እናሃለወ ምሕጋዝ ማለት ረብሓኣ ንምርግጋፅ ‘ምበር ብዛዕባ ምብትታን ሃገር ዘጭንቓ ኣይኮነን።

ህወሓት ተግባር ራዕዳዊ ‘ዩ ዝፍፅም ዘሎ፤ ንህዝቢ ትግራይ ትውረር ኣለኻ ኢሉ ብምትላል ተግባር ስራሕ ራዕዳዊ ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ጎረቤት ክልላት ‘ውን እናፈፀመ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣሜሪካ ንራዕዳዊ ህወሓት እትሕግዞ ዘላ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ምስ እኒ በዓል ኣሜሪካ ብዝተፈላለዩ ጥቕምታት ተኣሳሲሩ ብምፅንሑ ‘ዩ። ምስ ኣሜሪካ ሱር ዝሰደደ ርክብ መስሪቱ ነይሩ ‘ዩ። ኔት ወርክ ዘርጊሑ ፀኒሑ ‘ዩ፤ ኩናት ክጅምር እንተሎ ኣሜሪካ ትፈልጥ ‘ያ፤ ንኣሜሪካ ተኣማመሚኑ ‘ዩ ጀሚርዎ። ኣሜሪካ ትሕግዞ ዘላ ንምንታይ ‘ዩ እንተይልና ክለኣኣኻ ዝኽእል ህወሓት ‘ዩ ‘ምበር ብልፅግና ኣይኮነን።

ብኻሊእ ወገን ኣሜሪካ ህዳሰ ግድብ ‘ውን ምግዳቡ ዘሕጉሳ ኣይኮነን ምኽንያቱ ተገዲቡ ማለት ኢትዮጵያ ጉልበት ክትረክብ ትኽእል ‘ያ፤ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ‘ውን ተፅዕኖ ከትፈጥር ትኽእል ‘ያ። ተፅዕኖ ፈጣሪት ተኾይና ድማ ኣይትእዘዛን ‘ያ። በዚ ምኽንያት ኢትዮጵያ እናሓየለት እንተመፂኣ ካልኦት ተወሰኽቲ ግድባት ከትግድብ ስለ ትኽእል ግብፂ ከትጉዳእ ትኽእል ‘ያ ኢላ ስለ ተሓስብ ‘ዩ። ምኽንያቱ ግብፂ የማናይ ኢድ ኣሜሪካ ‘ያ።

ብተወሳኺ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንምዕጋት ‘ዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ተለኣኣኺ መንግስቲ ‘ዩ ዘድልያ። ኣብ ኢትዮጵያ ቻይና ብምዕጋት ረብሓኣ ንምሕላው ‘ያ። ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ተተቖፃፂሩ ንኣሜሪካ ክእዘዛ ዝኽእል ምዃኑ ይፈልጡ ‘ዮም። ነዚ እያ ኣሜሪካ ንህወሓት እናሓገዘት ትርከብ ዘላ።

ካሊእ ኣሜሪካውያን ደስ ዘይብሎም ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ጠንካራ ርክብ ስለ ዝመስረተት ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ዋናኒት ቐይሕ ባሕሪ ‘ያ። ብምዃኑ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ርክብ ተጠቒማ ቐይሕ ባሕሪ ተጠቓሚት እንተኾይና ብዙሓት ነገራት ሰደድ ብምግባር ክትዓቢ ስለ ትኽእል ‘ዩ። ኢትዮጵያ እንተዓብያ ድማ ምስ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ኣቓማምጣ መሬት ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዓብላሊት እንተኾይና ንኣሜሪካ ከትእዘዛ ዘይትኽእል ምዃና ትፈልጥ ‘ያ። ከምኡ ‘ውን እንተዓብያ ብዙሓት ግድብ ከትሰርሕ ስለ ትኽእል ግብፂ ነዚ ኣይትድግፎን ‘ያ። ስለዚ ዕቤት ኢትዮጵያ ንግብፅን ኣሜሪካን ይጎድእ ‘ዩ ኢላ ስለ ትሓስብ ‘ዩ።

ብሓፂሩ ክሳብ ሕዚ ራዕዳዊ ህወሓት ዝፍፅሞም ዘለዉ ተግባራት ዘይተውግዞ ዘላ ምኽንያት ምስ ረብሓኣ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ንኣሜሪካ

 ትእዘዛ ሃገር ኣይኮነትን ኣብ ጁቡቲ ‘ውን እኒ ቻይና ‘ዮም መሰረት ገይሮም ዘለዉ። ስለዚ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ተለኣኣኺ መንግስቲ ብምቕማጥ መሰረት ክህልዋ’ትደሊ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ህወሓት ናብ ስልጣን ክመፅእ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ነዚ ኢድ ኣእታውነት ንምምካት አንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ህወሓት ዕላማ ኣሜሪካ ንምኽባር ‘ውን ‘ዩ ዝቓለስ ዘሎ፤ ህወሓት ኢትዮጵያ ከፍርሳ ‘የ ስለ ዝብል ዘሎ እኒ በዓል ኣሜሪካ ድማ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ እናእተዉ ‘ዮም ከፍርስዋ ዝደልዩ ዘለዉ። ነዚ ዝገብሩ ዘለዉ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ኢህኣዴግ ተባላሽዩ ፀኒሑ ‘ዩ። ነዚ ንምስትኽኻል መንግስቲ ዝተዋደደ ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ። በርግፅ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ካብዚ ንላዕሊ ክኸድ ይግበኦ። መንግስቲ ሕዚ ደሓና ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ፤ ነዚ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ‘ያ፤ ኣብ ኩናት ዓድዋ ስዒራ ዝወፀትን ኣብነት ብዙሓት ሃገራት ‘ያ። ኢትዮጵያ ኣቓሊልካ እትረአ ሃገር ይኮነትን፤ ብዙሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ብሓፂሩ ግና ነዚ ኩሉ ንምምካት ምስ ዲፕሎማሲ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጠንኪርካ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ንዓዓ ዝጠቕማ ፖሊሲ ‘ያ ከትኽተል ዘለዋ ‘ምበር ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ከትኽተል ኣይትኽእል። ኣሜሪካ ግና ነዚ ‘ያ ትደሊ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠንካራ ስለ ዝኾነ ኣሜሪካ እትሓስቦ ሓሳብ ዝሳኻዕ ኣይኮነን። ኣሜሪካ ብሰብኣዊ ሓገዝ ‘ያ ክተፈራርሕ ትምኩር ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ዘለዋ ፍልፍል ተፈጥሮ ሃፍታ ብዝግባእ እንተተጠቒማትሉ ዓርሳ ከትኽእል ስለ ትኽእል ዘፍርሕ የብላን።

ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- እዚ ኩናት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ዘሕለፎ ተደጋጋሚ ኩናት ይኣኽሎ ‘ዩ። ብሰንኪ ህወሓት እናተታለለ ኣብ ዘይጠቕሞ ኩናት ክኣቱ ኣይግበኦን ነይሩ። ኮይኑ ግና ብህወሓት እናተታለለ ናብዚ ኩናት እዚ ብምእታዉ ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ምጉዳል ኣካል ይበፅሖ ኣሎ ‘ዩ።

እዚ ኩናት እዚ ንትግራይ ብዘይ ወለዶ ዘትርፍ ኩናት ‘ዩ። እዚ ኩነታት እዚ ህወሓት ይኹን ህዝቢ ትግራይ ክሓስብሉ ይግባእ። በቢመዓልቱ ከም ቖፅሊ ዝረግፍ ዘሎ ህዝቢ ቐሊል ኣይኮነን። ዋላ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝመውት ዘሎ ህዝቢ ‘ውን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ስለ ዝኾነ እቲ ክሳራ ብሃገር ደረጃ ክረአ እንተሎ ብዙሕ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኢኮኖሚያዊ ቑልውላው ኣትዩ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ሰላም ‘ዩ፤ መነባብርኡ ምቕያር ‘ዩ፤ ዘሸነፈ እንተሸነፈ ማእለያ ዝየብሉ ዋጋ ‘ዩ ዝኽፈል ዘሎ። ስለዚ እዚ ኩናት እዚ ንረብሓ ውሱናት ሰባት ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ክነፅጎ ‘ዩ ዝግበኦ። ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ክኸውን ዝኸእል ካብ ሰላም ‘ምበር ካብ ኩናት ኣይኮነን። ኩናት ንማንም ጠቒሙ ኣይፈልጥን። ኣብ ድኽነትን ድሑር መነባብሮን ከትነብር ‘ዩ ዝገብረካ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ መዓዘ ኣብ ኩናት ከትነብር፤ ይኣኽለካ ‘ዩ ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከመሓላልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- የቕንየልና።

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ

መኣርግ ገ/ሄር

 ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥቅምቲ 2014  ዓ.ም 

Recommended For You