መግለፂ መድረኽ ዘተ ኣፈፀምቲ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን

 ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ብዛዕባ ዝኽእለሉ ኩነታት ብብርኪ ሃገር መንግስታት ፌዴራልን ክልልን መድረኽ ርክብ ኣፈፀምቲ ዘተ ኣብ ባህርዳር 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ተኻይዱ’ዩ፡፡ ድሕሪ ዘተ ዘውፅእዎ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዘበናዊ ታሪካ ክንዲ ህወሓት ዝኸውን ናይ ውሽጢ ፀላኢ ኣጋጢሙዋ ኣይፈልጥን። እዚ ሃገር ዘጥፍእን ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ‹‹ኢትዮጵያ ከምዝደለኹዎ ገይረ ክሳብ ዘይገዛእኽዋ ምፍራስ ኣለዋ›› ኢሉ ዝተልዓለ ብህዝባዊ ለውጢ ልዕልነቱ ካብ ዝሰኣነሉ ዕለት ጀሚሩ ‘ዩ።

ካብ ዕለተ ልደቱ ጀሚሩ ጎንፅን ቅልውላውን ከም መሳርሒ፣ ፅልኣትን ምክፍፋልን ከም ስልቲ፣ ክሕደትን ተንኮልን ከም ብልሓት ብምሓዝ ሃገር ናይ ምፍራስ ትልሙ ተግባራዊ እንትገብር ዝፀንሐ ዓሌታዊ ጉጅለ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ብሄር ምስ ብሄር ንክጋጮ፣ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ንክናኸስ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንክፃላእ፣ ስምዒት ሃገር ካብ ልቢ ዜጋታት ተፋሒቑ ንክጠፍእ ሰሪሑ ‘ዩ። እዚ ኩሉ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ብኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንነ ናይ ይቕሬታ ልቢ ተዋሂቡዎ ‘ዩ። ጌጋኡ ኣሪሙ ዳግም ሃገር ናይ ምምራሕን ህዝቢ ናይ ምምሕዳርን ዕድል ተዋሂቡዎ ነይሩ።ይኹን’ምበር ማዕርነት ከም ትሕትነት ዝረኣየ ህወሓት፣ ህዝበን መንገስቲን ኢትዮጵያ ዘቕረበሉ መኣዲ ይቕሬታን ሰላምን ገልቢጡ፣ ዝተዘርገሐሉ ኢድ ፍቕርን ምድማርን ነኺሱ ኣብ ፅባሕ ለውጢ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ተጠቕሊሉ መቐለ ኣቲዩ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፀንሓሎም ዓመታት ብሓደ ወገን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ማዕር ማዕረ ዝኸውነ ወታደራዊ ሓይሊ እናሃነፀ፣ ብኻሊእ መዳይ ከይዲ እቲ ለውጢ ንምትልንቓፍን ንእኩይ ስርሑን ምስ ዝተሓባበሩ ሓይሊታት ብምዃን ኣብ ማእገር ህዝቢ ናይ መከራ ኹምራ እናወሰከ ፀኒሑ።ብምትሕብባር ሃገር ዘፅንሑ ሃይማኖታትን ተኸተልቶምን ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ባዕሉ ንባዕሉ ንምንኻስ ናይ ጎንፂ ኣእማን እንትፍንቅል ፀኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ኣካል ሃገር ናይ ምፍራስ ብምዃን ዝፀንሐ ትልሙ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ልዕሊ 20 ዓመታት እንትሕልዎ ዝፀንሐ እዝ ሰሜን ብድሕሪኡ ብምውጋእ ዕጥቁ ንምምንዛዕን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ዘስካሕክሕ ተግባር ንምፍፃም በቒዑ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዓፋርን፣ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ሰለስተ ሰሙን፣ ህወሓት ካብ ቀንዲ መአዘዚኡ መቐለ ወፂኡ ና ተምቤን በረኻ ንክወርድ ገይሮም።

መከላኸሊ ሓይልና ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተመንዘዖ ኣፅዋር ብምምላስ፣ ዝተዓገቱ ኣባላት እዚ ሰሜን ሓራ ብምውፃእ፣ ቀንዲ ቀንዲ ገበነኛታት ሒዙ ናብ ሕጊ ብምቕራብ፣ ከምኡ’ውን ወታደራዊን ፖለቲካዊን ዓቕሚ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብምምንማን ልኡኹ ብዝግባእ ተዋፂኡ።ነዚ ስዒቡ መንግስቲ በቲ ቅልውላው ጉድኣት ዝበፅሖ ህዝቢ ትግራይ መሊሱ ንምጥያሽ 100 ቢሊየን ብር ዝውድእ እግሪ መትከልን ሰብኣዊ ሓገዝን ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ሰሪሑ።

ሓረስቶት ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠሞ ምትእጉጓል ስራሕቲ ሕርሻ ዝተልዓለ ብጥምየት ንከይጥቃዕ ብምሕሳብ መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ወሲኑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እንትእውጅ እቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ህወሓት ንባዕሉ ንምውዳብን ናይ ጥፍኣት ተግባሩ ክደፍኣሉ ከምዝኽእል እንተተፈለጠ ‘ውን ድልየት መንግስቲ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ እቲ ሓረስታይ ዝተረኸበ ናይ ፅሞና ግዜ ተጠቒሙ እቱ ጉጅለ ራዕዲ ካብ ዘብፀሐሉ ሓላፍነት ዝጎደሎ ምንክርታት ብምልቓቕ እንተይተረበሸ ስራሕቲ ልምዓቱ ነክሰርሕ ስለዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ብዘይምንም ምምታእ መሬት ትግራይ ለቒቑ ንክወፅእ ተገይሩ ‘ዩ። ይኹን’ምበር ህወሓት ይውክሎ ‘የ ዝብሎ ህዝቢ ምንም ዓይነት ርህራሄ ናይ ምርኣይ ድልየት ኣይገበረን።

ኣብ በረኻ እንተሎ ዝወደቦ ሰራዊት ብምሓዝ፣ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓብዪ እናገደደ በምስላፍ፣ መሬታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ምውራሩ ቀፂሉሉ።እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ካብ ዝነበሮ ባህሪ ኲናት ብምውፃእ እቲ ኲናት ካሊእ መልክዕ ንክህልዎ ገይሩ። ብዝተጋገየ ናይ ፅልኣት ፕሮፓጋንዳ ብዝተጠለፈ ህዝባዊ ኣሰላልፋ መጠነ ሰፊሕ ወረራ ፈፂሙን ይፍፅምን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዕድሚኦም ካብ 12 ክሳብ 65 ዓመት ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ጉዱኣት ኣካልን ጡኑሳትን፣ ካህናትን ሼኻትን እንተይተረፈ ኣገዲዱ ብምውፋር ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣዝሚቱ ‘ዩ። ናይዚ ወፍሪ ጥፍኣት ቀንዲ ዕላማ ብጭካነ፣ ዘረፋ፣ ዕንወትን ራዕዲን ሃገር ንምፍራስ ከምዝኾነ ካብ ተግባሩን ዘረቡኡን እናገለፀ ፀኒሑ ‘ዩ።

በቢዝበፅሐሉ ከባቢ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምድፋር፣ ንፁሃን ምርሻን፣ መሰረተ ልምዓታት ካብ ምዕናው፣ ንብረት መንግስቲን ውልቀ ሰብ ሃፍቲን ምዝራፍ፣ እንስሳት ዘቤት ብጥይት ካብ ምቕታል ኣይተቐጠበን፤ ንህዝቢ ‘ውን ራዕዲ እናፈጠረ ክስደድ እናገበረ ፀኒሑ ‘ዩ። ህወሓት ዝጀመሮ ሃገር ናይ ምፍራስ ልኡኽቶ ብስሩዕ ወታደራዊ ውዳበ ጥራሕ ምምካትን ምቕባርን ኣይከኣልን፡፡ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምቕስቃስን በዓል ቤት ብምግባርን ህልውና ሃገር ካብ ኩለመዳይ መጥቃዕቲ ምክልኻል የድሊ፡፡

ንኽተሎ ሜላ ወፍሪ ዓቕሚን ድሌትን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምስባር ሃገር ናይ ምፍራስ ሕልሙ ንሓደን መወዳእታ እዋንን ምምካን ክኸውን ይግባእ። ዓቕሙ ምስባር እንትበሃል እቲ ጉጅለ ዘሰለፎ መሳርሒን ወራሪ ሓይሊን ብምድምሰሳስ እከይ ድሌቱ ንመወዳእታ እዋን ምቕልባስ ማለት ‘ዩ።

ትምኒት ክፍኣቱ ምስባር አንትበሃል ‘ውን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ይኹን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ሕቡእን ግልፂን ግደ ዘለዎም ሓይሊታት ክፋእ ሓደ ስጉምቲ ቅድሚ ምስጓሞም 10 ግዘ ንምሕሳብ ንኽግደዱ ምግባር ‘ዩ። ኢትዮጵያ ናይ ጀጋኑ ሃገር ‘ያ ጥራሕ ዘይኮነስ መለክዒት ጅግንነት ‘ውን ‘ያ። ኣሸንኳይ ዝውድቦ፣ ዘዕጥቖን ዘዋፍሮን ረኺቡ፤ መንግስቲ የለን ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ‘ውን እንተኾነ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ኢትዮጵያዊ እንታይ ዓይነት ተኣምር ክሰርሕ ከምዝኽእል ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት እዋን ወራር ጣሊያን ተራኢዩ ‘ዩ።

ናይ ባዕሉ ስንቂ ቋፂሩ፣ ናይ ባዕሉ ጠመንጃ ወልዊሉ፣ ናይ ባዕሉ ውዳበ ፈጢሩ ኣብ ዝፈልጦ ዱርን ገደልን ኣቲዩ፣ ንፋሽሽቲ ጣሊያን ኣብ ደው ዝበለሉ ከይቕመጥ፣ ኣብ ዝተቐመጠሉ ከይህርስ ገይሩዎ ‘ዩ፡፡

ናይቲ እዋን ህዝቢ፣ ወነን ኢትዮጵያውነትን ሕዚ ‘ውን ምስ ሚሉእ ክብሩ ኣሎ ‘ዩ። ‹‹እግሪን እግሪን ይጋጨዉ ‘ምበር ንምብፃሕ ብሓደ ኣንፈት ሓቢሮም ክጓዓዙ ኣለዎም›› ይበሃል፡፡ ህወሓት ናይዚ እዋን ቀንዲ፣ ሓደገኛን ስግኣትን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ‘ዩ።

ናይዚ ጉጅለ ጥፍኣት ልኡኽቶ ንምምካት፣ ኩልና ኢትዮጵያውያን ሓደ ኮይንና ክንለዓል ይግባእ፡፡ ዘጋጥመና ሕማም ክኢልና፣ ዘንፀላለወልና ፈተና ተፃዊርና፣ ውሽጣዊ ክፍተታትና መሊእና፣ ጠንኪርናን በርቲዕናን ብምውፃእ ትምኒት እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ክነምክኖ ኢና። ንህዝቢ ብጅምላ ፀላኢ ገይሩ ዝፍርጅ ኣካይዱኡ፣ ሒሳብ ናይ ምውርራድ ፃምኡ፣ ሃገር ናይ ምፍራስ ድሌቱን ሃገርን ህዝቢን ንናይ ወፃኢ ፀላእቲ ኣሕሊፉ ናይ ምሃብ ከይዱ ክሳብ መወዳእታ ክኽምበት ‘ዩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባህርዳር ተረኺብና እዚ ናይ ኢትዮጵያ መከራ ዝኾነ ፀላኢ ብህዝባዊ ሓይሊ ብኸመይ መኪትና፣ ዓፂፍናን ደምሲስናን ከምንቐብሮ ተመያይጥና ኢና። ብወነን ቆራፅነትን፣ ብህልኽን ቁጠዐን ዝተልዓሉ ውላድ ሃገር ብትሑት መስዋእትነት ልኡኽቶ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንምምካን ምድላዋትና ደጊምና ኣረጋጊፅና ኢና። ዓወትና ዝዕወት ብተበግሶና መጠን ስለዝኾነ፣ ከም ሓደ ልቢ መኻሪን ከም ሓደ ቃል ተዛራቢን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ከም ሓደ ቅልፅም ተግባሪ ኮይንና ዝተለዓለልና ፀላኢ ኣሕፊርና ክነፋንዎ ኢና። ፀሓይ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እንትዓርብ፣ ሽዑ ንሃገርና ጩራ ወጋሕታ ክፍንጥቕ ‘ዩ፡፡

ነዚ ድማ ታሪኻዊ ስራሕ ሰሪሕና ታሪኽ ከምንቕይር ዘጠራጥር ነገር የለን። መላእ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኩሎም ሓይሊታት ፀጥታ ክልላትን ኣብ ዓውደ ውግኣት እናተዋደቑን ክቡር መስዋእትነት እናኸፈሉን ዝርከቡ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ዘይትካእ ክብሪን ፍቕሪን ‘ዩ፡፡ ንሕና ‘ውን መላእ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ ይኹ ኩነታት ሓቢርናኩም ከምዝኾንና እናረጋገፅና ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ንዘለኣለም ብጅግንነት ዝዝክሩኹም ከምዝኾኑ ክነረጋግፀልኩም ንፈቱ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ዝጀመርኩምዎ ታሪኻዊን ፍትሓዊን ተጋድሎ ብዓወት ከምዝዛዘም ንፃት ‘ውን እንተኾነ ኣይንጠራጠርን፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንዓኹም ንፍሉያት ጀጋኑና ዘለና ፍቕሪን ክብሪን ብሽም መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዕሊ ክንገልፀልኩም ንደሊ፡፡

ኣብ መወዳእታ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈተልና ኲናት ህዝባዊ ኲናት ስለዝኾነ፣መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስፍሓትን ጥልቀትን እቲ ኲናት ብምርዳእ ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻልን ኩሎም ሓይሊታት ፀጥታ ክልላትን ብምስላፍ ሃገር ካብ መጥቃዕቲ ክከላኸል ፃውዒትና ነመሓላልፍ፡፡

መናእሰይ ሃገርና፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ሙሁራን፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ትነብሩ ኢትዮጵያውያን ብሙሉእኹም ንርከበሉ እዋናዊ ኩነታት ብሓደ ልቢ ንዝትየሉ፣ ብሓባር ዝተፈነወልና መጥቃዕቲ ብሓባር ንምክተሉ፣ ብሕታዊ ሃገርና ብምፍራስ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ሕሳርን ክብሪ ዘይብሎምን ዜጋታት ክገብሩና ዝተለዓሉ ናይ ውሽጢ ባንዳታትን ፅልኢት ኢትዮጵያ ዘለዎም ሓይሊታትን ብዘይ ኣፈላላይ ብምቅላስ ዘኹርዕ ተጋድሎ ንፍፅመሉን ታሪኽ ኣብ ንሰርሐሉን መድረኽ ንርከብ፡፡ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝቐርበልኩም ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ግቡእ ብምስታፍ ኢትዮጵያ ንመድሓን ክትዘምቱ ፃውዒትና ዳግም ነቕርብ፡፡

ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥቅምቲ 2014  ዓ.ም 

Recommended For You