‹‹ፈተና ኣሎ፤ ድሕሪ ፈተና ግና ብርሃን ኣሎ›› – ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣብ ሀገርና ሓድሽ መንግስቲ ምስረታ ስዒቡ ነባራትን ሓደሽትን ሚኒስትራትን ሚኒስትር ዴኤታን ሹመት ከምዝተውሃበ ዝዝከር ‘ዩ።ንዞም ዝተሸወሙ ኣካላት ኣብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ ልህቀት ኣፍሪካ ስልጠና ተዋሂብዎም ‘ዩ።ኣብቲ ስልጠና መዛዘሚ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እቶም ሚኒስትራት ትፅቢት ዝግበረሎም ዘጓነፎም ፀገማትን ብኸመይ ክሓልፍዎ ከምዝኽእሉ ሓሳቦም ኣካፊሎም ‘ዮም።ንሕና ድማ ብሓፂሩ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፡፡

ዕላማ እቲ ሰልጠና እቲ ሓደ ናይ ምቅርራብ ስራሕ ‘ዩ፤ ንምፍላጥ ዕላማ ‘ውን ዝሓዘ እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ስራሕ ምልዕዓል ‘ዩ ንዝሓሸ ዕላማን ስራሕን ንክትልዓዓሉ ‘ዩ።ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረና ፃንሒት ከም ሃገር ሓደ ጉጅለ ኾይና ናይ ሓባር ራእይ ሒዝና ሃገር ናይ ምስግጋር ስራሕ ንምስራሕ ኣመራርሓ ንክንኾን ንዝበለፀት ኢትዮጵያ ከም ሃገርና ምስ ወፃኢ ሃገራት ዘለዋ ምትእስሳር ዘጠናኽር ናይ ፍልጠትን ሓበሬታን ‘ዩ ነይሩ።ኣብ ቅድሚትና ብዙሕ ተስፋ ‘ዩ ዘሎ።ብዙሕ ድማ ዘጨንቅ ፈተና ኣሎ።ብዙሕ ተስፋ ንክንርኢ ከምዘለና ኹሉ ብዙሕ ፈተናታት ድማ ኣለዉ።ኣብ ሃገርና ጎንፂ ኣሎ ፣ኣምራቲ ኣካል ድማ ክረክዕ ኣይካኣለን፣ ካልኦት ፀገማትን ብናትና ኣረኣይያ ክረኣዩ ዝኽእሉ ኣለዉ፡፡

ከም ጉጅለን ከም ውልቀን ዝገጥመና ዓወትን ውድቀትን ዝልካዕ ብዝሓዝናዮ ተስፋን ዝገጥሙና ፈተና ንምኽኣል ብዘለና ብቅዓት ‘ዩ፣ ብሓደ ጎኒ ተስፋ ሒዝና እንትንኸይድ ተስፋ ዝጭበጥ ስለዘይኾነ ዝገጥሙና ፈተናታት ንምሕላፍ እንጥቀመሉ መገዲ ንዝንደልዮ ነገር ንምርካብ ይሕግዘና’ዩ።ክሳብ ኸዚ ኣብዛሓና ወቐስቲ መንግስቲ ኢና ነይርና።ኸዚ መንግስቲ ምውቃስ ኣብቂዑ ‘ዩ።ተወቀስቲ ኾይና ሓላፍነት ወሲድና ፈተናን ተስፋን ብልክዑ መዚንና እንሰጋገረሉ እዋን በፂሕና ኢና።

ኣብ ቅድሚትና ፀገምን መከራን ኣሎ፡፡ካብኡ ተሳጊርና እንተሪእና ድማ ዝገርም ተስፋ ኣሎ፣ ከምይ ገይርና ኢና ኣብ ማእኸል ዘሎ ፀገማ ድልድል ሰሪሕና ንሕና ተሳጊርና ህዝብና ናይ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ክነሳግር ኣለና ዝብል ክንሓስብ ኣለና።ኣብ ሕድ ሕድ ትካል ተትኸዱ ብዙሕ ፀገም ‘ዩ ዘሎ።እዞም ፀገማት እንድሕር ተዘይተፈቲሖም ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ኣፀጋሚ’ዩ ዝኸውን፣ ናትታኩም ስራሕ ካፍቲ ፀገማ ድሕሪት ዘሎ ብምግንዛብ ንምስትኽኻል ድልድል ምስራሕ ‘ዩ።እዚ ንከይትኽእሉ በቢትካሉ ኣጀንዳ ይኽፈት’ዩ።ሓደ ሓደ ብብሄር ‘ዩ ዝመፅእ፣ ብእምነት ዝመጹ ሰባት ኣለዉ፣ ኣጀንዳ ፈጢሮም ዝጓዓዙ ሰባት ብጥንቃቐ ንተይዘሒዝናዮም ናብ ዘይኾነ መገዲ ክመርሑና ይኽእሉቨ ‘ዩ።ንተምሃሮ ‘ውን እንተኾነ ከመይ ምግቢ ከምዝዳሎን ከምዝመፅእን እንተፍሊጥናዮም መዘዙ ብዙሕ ‘ዩ።ስለዚ ደቅና ብዛዕባ ሕርሻ ግንዛበ እንተሃልይዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ድህሪ ገዛ ጥራሕ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናህሪ ዋጋ ምንካይ ይኽእል ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ዘሎ ጉጅለ ክግንዘብ ዘለዎ ዓብይ ነገር ከም ሃገር ዓብይ ራእይ ሒዝና ክነጓዝ ኣለና።ሓደ ሰብ ከምውልቀ ራእይ ኣለዎ፣ እዚ ራእይ ምስ መንግስቲ ዘለዎ ራእይ ዝቃረን እንተኾይኑ ናይ ባዕሉን ናይ መንግስትን ‘ዩ ዘበላሹ።ውልቃዊ ራእይኹም፣ ትልምኹምን ድልየትኹምን ምስቲ ትካል ቅዋም ክመሳሰል ኣለዎ።ናይቲ ትካል ራእይ ካልእ ሰብ ፅሒፉ እንተሂቡካ ኣይኾንን፣ ንኢትዮጵያ ኬንያ ፅሒፋ እንተሂባታ ኣይከውንን።ናይ ኢትዮጵያውያን ዕብየት፣ ብልፅግና ውፅኢት ዝውስን ናይ ኢትዮጵያ ዝተፅሓፈ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ልቢ’ውን ዝተሓተመ ራእይ’ዩ፡፡

ኾይኑ ግና ራእይን ድልየትናን ኹሉ ሰብ ብሓደ ግዘ ክረደኦም ‘ዩ ማለት ኣይኮነን።ውሑዳት ሰባት ንከይግንዘቡ ይኽእሉ’ዮም።ኣብዝሓ እንሓስቦ ነገር ኣብ ኣእምሮና ‘ዩ ዘሎ፣ እናሓስቦ ነገር ንሰባት ብቃላት ካብ ምርዳእ ሰሪሕኻ ምርኣይ ግልፅ ዝበለ ትምህርቲ ይህብ ‘ዩ፡ ፡ሰሪሕካ ምርኣይ ድማ ከም ቃል ቀሊል ኣይኮነን፤ኸዚ ጀሚርካ ኸዚ ኣይትውደኦን።ራእይ ብቀጥታ ዝደሓሓዝ ምስ ተግባር ስራሕ ‘ዩ።ፅቡቕ ራእይን እንተሃልዩና ብተግባር ፍሪኡ ዘይጥዓም እንተይኾይኑ ትርጉም የብሉን።እዚ ብተግባር ንምርኣይ ድማ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሃፍቲ ምርኣይ’ዩ።ማንም ራእዩ ብተግባር እንተሰሪሑ ውፅኢት ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንወለዶ ዝሓልፍ ‘ዩ ዝኸውን።ኣብ ከባቢና ዘሎ ነገር ምዕዛብ ጠቓሚ ‘ዩ።ንድኻም ጥራሕ ዋጋ ሂብኩም ንፍልጠት ዋጋ እንተዘይሃብኩም ውፅኢቱ ፅቡቕ ኣይኾንን።ድኻም የድሊ ‘ዩ ግና ብፍልጠት ክኾን ኣለዎ፡፡

ውፅኢታዊ ዝኾኑ ሰባት ምፍላይ ኣድላይ ‘ዩ፣ ብወረቐት ሪፖርት ተኣማሚንኹም እትኸዱ እንተኾይንኩም ጌጋ’ዩ።ካልእ ንፈተና ዘይምብርካኽ ‘ዩ፣ ኹላትና ብዝበልናዮ ልክዕ ኣይኮናን፣ ብዝበልናዮ ልክዕ ተንኾን ጉጅለ ኣየድልየናን፡ ፡ኣነ በይነይ እኹል ተዝኾን ኣይተድልዩንን፣ በይነይ ሓደ ነገር ምስራሕ ስለዘይኽል ካብኔ የድልየኒ’ዩ።

ንሕና ኣብ መድረኽ ዓለም ንክቐርብ ዝገብረና ዝሓሰብናዮ ዒስራ ቢልየን ተኽሊ እንትንተክል ዓለም ከይደለናዮ ባዕሉ ክመፅእ ‘ዩ።ካልኦት ፀገማት ኣለዉና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ምብላዕ ዝፅገም ሰብ ‘ዩ።ኣንሕና እንመርሖ ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ምብላዕ ዝፅገም ህዝቢ’ዩ።

ሕድ ሕድ ትካል መራሒኡ’ዩ ዝመስል።ትካል ረሲሑ ሰብ ዝናገላተዐሉ እንተኾይኑ ናይቲ ትካል መራሒ ማንም ኣይቕበሎን።ከይለፋዕና ከይሰራሕና ዝሓሸ ነገር ኣይንረክብን፣ እዚ ዘሎ ኣብ ወረቐት ጥራሕ ‘ዩ።

ናይ ኹላትና ዕላማ ኢትዮጵያ’ያ፣ ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ምግባር ‘ዩ።ንዓናን ንደቅናን ክባሃል ናይ ኩላትና ዕላማ ኢትዮጵያ ክትኾን ይግባእ።ናይ ኹላትና ዕላማ ኢትዮጵያ እንተኾይና ዝተሓበአ ሃፍቲ ኣለዋ ግና ድኻ’ያ፣ ኢትዮጵያ ናይ ምዕባይ ዕድል ኣለዋ ግና ኣይዓበየትን።እንድሕር ተኣኪብና ብሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ዝኾነ ብልፅግና ይመፅእ ‘ዩ፣ ዝመፅእ ትውልዲ ብዝቐለለ መገዲ ስራሕ ንክሰርሕ ምምችቻው’ዩ።እዚ ንምግባር ኹለኹም ብዓቕምኹም ዝጎደለኩም እናሓተትኩም እናመላእኹም ስርሑ፤ ፈተና ኣሎ ድሕሪ ፈተና ግና ብርሃን ኣሎ፡፡

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ  ወጋሕታ

Recommended For You