
ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መራፃ ዝዓራይ ዝኾነ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈላለየ መዓልቲ ‹‹ሓዱሽ ምዕራፍ›› በዝብል ቴማ ኣብዝገበርዎ መስራቲ ጉባኤታት ንቐፃሊ ሓሽተ ዓመታት ዝመርሖ ኣመራርሓታት መሪፆም ‘ዮም። ካብዞም ናይ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ሲዳማ፣ ደቡብ፣ ጋምቤላ፣ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከመሓድሩ ዝተመረፁ መራሕቲ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኣቕሪቢናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ክልል ኣምሓራ ዘይፀንዐን መንግስትን ህዝብን ዝተኸፋፈለን ዝተፈላለየን’ምበር ምልክት ሰላምን ሕብረትን ኣይኾነን እሞ ሓደ ኾይና ክንቕፅል ኢና ክብሉ ሓድሽ ተመረፃይ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም እዮም።
ሻድሻይ ዙር ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ መስራቲ ጉባኤ እንተካይድ እቲ ክልል ንክመርሑ ዝተመረፁ ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ይልቃል ከፋለ፣ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም ‘ዮም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበልዎ ወራራ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ህዝብና መጥቃዕቲ ፈፂሙ ብዙሓት ኣመዛቢሉ ‘ዩ፤ ቐቲሉ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ጀግና መከላከያ ሰራዊትና ፣ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ምስ ህዝቢ ብምዃን እቲ ወራሪ ንምቕባር ዘኽእል ስጉምቲ እናወሰደ ‘ዩ። እዚ ወረራ ህዝብና ሓደ ገይርዎ’ምበር ኣይኸፋሎን፤ ኸዚ ‘ውን ሓደ ኾይና ሓድነትና ብምጥንኻር እዚ ወራሪ ጉጅለ ክነጥፍኦ ኣለና። ሃገርና ካብ ወራሪ ነፃ ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣካላት ናይ ምጥንካሩ ተግባር ናይ ኹላትና ሓላፍነት ከምዝኾነ ፈሊጡ ምቅስቃስ ይግባእ። ከም ሓድሽቲ ናይቲ ክልል ኣመራርሓ ሓደ ብምዃን ህዝቢ ነፃነቱን ሰላምን ሒዙ ናብ ዝሓሸ ናብራ ንክሳገር ፃዕሪ ክንገብር ኢና።
ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክንዛዝሞ ኢና፤ ንብዓት ህዝብና ብናትና ሓድነት ክፅረግ ‘ዩ። ናይቲ ወራሪ እግሪ ንምስባርን ናይቲ ክልል ህዝቢ ብቅንዕነት ንምግልጋልን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደኺሚኒ ሰልችይኒ ከይበላና ንምስራሕ ከምዝተዳላዉ ገሊፆም ‘ዮም። ኣብቲ ክልል ታሪኽ ንመጀመርታ እዋን ተነሓናሕቲ ፓርትታት ዘሳተፈ ምምሕዳርን ኣፈፃሚ ኣካላትን ነዚ ድልው ‘ዩ። ሓድነትና ኣጠናኺርን ብምቅፃል ተፈጥራዊ ሃፍትና ናብ ፀጋ ብምቕያር ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ። ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ ወፍሪ ህልውና ብሓፂር እዋን ንምዝዛምን ተመዛበልቲ ምጥያሽ ስራሕ ብቀንዲ ትኹረት ዝግበረሉ ‘ዩ።
ናይቲ ከልል ዓሰርተ ዓመታት መራሒ ትልሚ ንምስኻዕ ብፍላይ ድማ ግብርና፣ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ከምኡ ድማ መሰረተ ልምዓት ህንፀት ትልሚ ምፍፃም ንክካኣል ኣድላይ ግቡእ ዝኾነ ክትትል ክግበር እዩ። ግልጋሎት ኣወሃህባ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሚዛናዊ ስርዓት ንግዲ ንምስፋን ፍሉይ ትኹረት ከምዝህብ ኣፍሊጦም’ዮም።
ኣብቲ ወፍሪ ህልውና ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንክጣየሹን ኣድላይ ፍሉይ ሓገዝ ንክግበረሎም ትኹረት ክዋሃብ’ዩ። ኣምሓራ ዝገጠሞ ክፉእ እዋን ኣብ ጎኑ ጠጠው ዝበሉ ክልላትን ምምሕዳራትን ከምኡ ‘ውን ፌደራልን ውልቃዊ ትካላትን ምስጋና ይግበኦም ኢሎም’ዮም።
‹ ‹ህልውና ሃ ገርና ብ ምሕላው ተ ናሓናሕቲ ፓርትታት፤ ማህበረሰብ ንግዲ፣ መናእሰይ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ዝላዓለ ግደ ተዋፂኡ’ዩ። ኸዚ’ውን ሓገዝ እናገበርሉና ዝፀንሑ ኹሉ ተገዲድና ዝኣተውናዮ ኹናት ብዓወት ክዛዝም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምስላፍ ሓገዝኹም ንክትቕፅሉ ››ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም።
ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ንሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ንዶክተር ይልቃል ከፋለ ናይቲ ክልል ሕገ መንግስቲ ኣረኪቦም ‘ዮም። ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ቅድሚ ኸዚ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ከምኡ ‘ውን ሓላፊ ትምህርቲ ቢሮ ኾይኖም ከምዝሰርሑ ዝዝከር እዩ።
ክልል ሲዳማ ክልል ሲዳማ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ፋንታዬ ከበደ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዋና ኣፈ ጉባኤ፣ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ድማ ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ገይሩ ዝሾመ እንትኾን ዝተፈላለዩ ሽሞታት ድማ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣቅሪቡ ኣፅዲቑ እዩ።
ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ብምዃን ንኻልኣይ እዋን ዝተሸሙ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ ሃገርና ታሪኽ መረፃ ዲሞክራስን ኣብ ህዝቢ ተኣማንነት ረኺቡ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራውን ክልላዊ መረፃ ህዝቢ ይጠቕመኒ ‘ዩ፣ ይምረሐኒ ዝበለ ፓርቲ መሪፁ ‘ዩ፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ ዝተመረፀ ብልፅግና ፓርቲ ኾነ ሓድሽ ዝተመረፀ ናይቲ ክልል ቤት ምኽሪ ህዝቢ ዝሃቦ ሓደራ ብኣግባቡ ንምስራሕ ቐትርን ለይትን ክሰርሕ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።
ናይቲ ክልል ኹለንተናዊ ተሳትፎ ተጠቃምት ንምርግጋፅ ክሳብ ኸዚ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ብዝተኽኣለ መልክዑ ምስ ህዝቢ ብቀረባ ኾይና ክንሰርሕ ኢና፤ ብልምዓት ብፀጥታ፣ ዴሞክራሲ ስርዓት ህንፀት ውፅኢት ንምምዝጋብ ከም ሃገር ዝሓዘቶ ሽቶታት ንምስኻዕ ዓብይ ገዛ ዕዮ ሒዝና ኢና ኢሎም’ዮም። በዚ ድማ ኣብቲ ክልልን ጎረባብቲ ከባብታትን ዝተረጋገዐ ፀጥታ ንምስፋን፣ ብፍላይ ድማ ሓረስታይ ምህርቲ ምዕባይ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ሕብረተሰብ ብምዕባይ ብምግቢ እኽሊ ባዕልኻ ንምኽኣልን ካብ ድኽነት ንምልቓቕን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ተገይሩ ከምዝምስራሕ ገሊፆም እዮም። ብልምዓት ዘፈር ‘ውን ኣብ ምጅማር ዘለዉ ፕሮጀክት ምዝዛምን ሓደሽቲ ኣከባቢታት ንምጅማር ትልምታት ከምዘለዉን ብግልጋሎት ድማ ናይ ተገልጋላይ ሓሳብ ንምርግጋፅ ትካላት ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብኣግባቡ ንሰርሑ ክግበር ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም እዮም።
ናይቲ ክልል ህዝቢ ሓድነት ንምጥንካር ምስ ካልኦት ህዝብታት ዘለና ቤተሰባዊ ሓድነት ብምጥንካር ከም ክልል ኾነ ከም ሃገር ትፅቢተ ዝግበረና ብምስራሕ ቆሪፆም ከምዝተልዓሉ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም። ህዝቢ ሲዳማ ባዕሉ ንባዕሉ ንምምሕዳር ንዘመናት ዝገበርዎ ቃልሲ መልሲ ዝረኸበ በዚ ለውጢ ምምሕዳር ‘ዩ። ናይዚ ብሄር ቃልሲ ታሪኽ ዘርኢ ሃወልቲ ከምዝህነፅ ‘ውን ኣፍሊጦም ‘ዮም። ኣብዚ ኸዚ ናይ ለውጢ ኣመራርሓን ኣካይዳ ብምቅዋም ህዝቢ ሲዳማ ብብሄርን ንምክፍፋል ዝሙክሩ ሓይልታት ህዝቢ ነቂሑ ንምክልኻልን ብሓሶት ሓበሬታ ንከይደናገር ኣተሓሳሲቦም ‘ዮም። ኣብቲ ክልል ኢንዱስትሪ ልምዓት ዘፈራት ብምስፍሕፋሕ ሰፊሕ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር በዚ ድማ ንኢንዱስትሪ ኣታዊ ዝኾኑ ግብርና ምህርትታት ሓረስታይ ብስፍሓት ንከምርት እቲ ዘፈር ብዘመናዊ መልክዕ ንምስራሕ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም’ዮም።
ካልኦት ንሕብረተሰብ ግልጋሎት ዝህቡ ማሕበራዊ ኢኮኖምያዊ ትካላት ብምስፍሕፋሕ ግቡእ ግልጋሎት ንክህቡ ክገብር ‘ዩ ኢሎም እዮም። ኣብዚ ኸዚ ሃገር ዘጋጠማ ፈተና ንምሕላፍ ከም መንግስቲ ክልልን ህዝብን ትፅቢት ዝግበረና ኹሉ ክገብር ኢና፤ ብፍላይ ንሃርና ዓብይ ነቐርሳ ዝኾነ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት መቓብሩ ክሳብ ዝረጋገፅ ብዘይ ምንም ዕረፍቲ ክንስርሕ ኢና ኢሎም ‘ዮም።
ክልል ዓፋር ህዝቢ ዓፋር ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ዘፈር ተጠቃሚ ንክኾን ክነስርሕ ኢና ዝበሉ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ‘ዮም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ ጉባኤ ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ኾይኖም ዝተመረፁ ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ንህዝቢ ዓፋር ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘፈር ተጠቃሚነት ኢሉ ‘ውን ንሃገር ዕብየት ክሰርሕ ‘ዩ ኢሎም። ብፍላይ ድማ ናይቲ ክልል ሰላም ብምርግጋፅ ተጠቃሚነት ኢኮኖሚ ኣጠንኪሩ ንምቕፃል ናይ ቀፃሊ ተግባሩ ‘ዩ ኢሎም። እዚ ምስረታ ቤት ምኽሪ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ካብ መሬት ዓፋር ኣብ ዘወፃእናሉን ዓወት ኣብ ዝረኽብናሉ እዋን ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም። እዚ ጉጅለ ክሳብ መጨረሻ ምድምሳስ ብልፅግና ጉዕዞ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዓፋር ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ብሓባር ክሰርሕ ‘ዩ።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንሕገ መንግስቲ ተኣማኒ ብምዃን ኣብቲ ክልልን ህዝብን ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብቕንዕናን ፃዓርነት ከምኡ ‘ውን ሕግን ስርዓትን መሰረት ብምግባር ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ‘ዮም። ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ወይዘሮ ኣሲያ ከመል ኣፈጉባኤ ገይሩ እንትመርፅ መይዘሮ መይረም መሓመድ ድማ ምክትል ኣፈጉባኤ ገይሩ መሪፁ’ዩ።
ክልል ጋምቤላ ናይቲ ክልል ህዝቢ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ሕቶታት ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጅላ ኣፍሊጦም።
ንኻልኣይ እዋን ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ኾይኖም ዝተሸሙ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ድሕሪ ቃለ መሓላ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ 27 ዓመታት ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ዝዘርገሖ ናይ ሞግዚት ምምሕዳር ህዝቢ ብዝደልዮ ልክዕ ተጠቃሚ ከይኾነ ፀኒሑ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ናይቲ ክልል ዕብየትን ልምዓትን ንድሕሪት ተጎቲቱ ህዝቢ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ተጠቃሚ ከምዘይኾነን፣ ዝላዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ቅልጡፍ መልሲ ብምሃብ ተጠቃሚነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣመራርሓ ትፅቢት ይግበር።
ብፍላይ ናይቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ብማንም ዘይቅልበስ ናይ ለውጥን ብልፅግናን ጉዕዞ ንምፍጣርን ናይ ህዝቢ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ተጠቃሚነት ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ናይቲ ክልል መንግስቲ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም ‘ዮም። ቤት ምኽሪ ጋምቤላ ወይዘሮ ባንቺኣየሁ ዲንገታ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣፈጉባኤ ገይሩ ዝመረፀ እንትኸውን ናይ 22ኣባላት ካቢኔ ሹመት ኣፅዲቑ ‘ዩ።
ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ሓድሽ ከንቲባ ኣይተ ከድር ጁሃር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብዚ ኸዚ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ምጣነ ድኽነት 15ነጥቢ4 ሚኢታዊ በፂሑ ‘ዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ዓሰርተ ዓመታት ሓሙሽተ ሚኢታዊ ንምቕናስ ትልሚ ተዳሒዙ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን 25ሚኢታዊ ዝበፅሐ ስራሕ ስእነት መንእሰይ ናብ ሸውዓተ ነጥቢ ትሻዓንተ ሚኢታዊ ንምውራድ ዝሰርሕ ‘ዩ ዘኸውን፣ እዚ ናብ ተግባር ንምምፃእ ናይ ሓሙሽተን ዓሰርተን ዓመት ስትራቴጂክ ትልሚ ተዳልዩ ‘ዩ።
ናይታ ከተማ ሰብኣዊ ክብርን ቁሳዊ ድልየት ንምምላእ ፣ከምኡ ድማ ሓረስታይ ካብ ትፅቢት ዝናብ ንምልቓቕ ንዘላቕነት መስኖ ተጠቃሚ ንምግባር ክስራሕ ‘ዩ። ኹሉ ዜጋ ብማዕርነት ዝሳተፍሉን ተጠቃሚ ዝኾነሉ ኢኮኖምያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተሳትፎ ንምፍጣር ከምዝሰርሕ ገሊፆም ‘ዮም። ብኽነት ሃፍቲ ንምክልኻል ፕሮጀክት ኣብ ዝተድሓዘሎም እዋንን ወፃእን ንምዝዛም ምኽኣል፣ ሃፍቲ ልምዓት እንስሳ ሸርፊ ወፃኢ መርከቢ ምግባር፣ እታ ከተማ ናይ ምብራቕ ክፋል ኢንዱስትርን ማእኸል ንግዲ ንክትኾን ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም ‘ዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ህዝቢ ድሬዳዋ ዝነበረ ጠንካራ ስርሒት ስነ ልቦና ንምፍራስ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብሕብረተሰብ ርብርብ ከይተሳኽዑ ተሪፎም ‘ዮም። በዚ’ውን ሓሊፍና ብዙሓት ህዝቢ ዝተሳተፈሉ መረፃ ተወዳዲርና ንስዓር በቂዕና ኢና። ዘየሳኻዕናዮም ስራሕቲ ልምዓት ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ቀፃሊ ጠንካራ ምምሕዳር ብምፍጣር ንህዝብና ብልፅግና ንምምፃእ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ነበር ከንቲባ ኣይተ ኣህመድ መሃመድ ብወገኖም ዝሓለፉ ዓመታት ንድሬዳዋ ከተማ ፅቡቕ ከምዘይነበሩ ኣዘኪሮም፣ ኣብ ቀፃሊ ብዙሕ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም ‘ዮም። ናይ ሎሚ ተመራፂ ከንቲባን ኣባላት ካቢኔ እዚ ፀገም ንምቕራፍ ብዙሓት ስራሕቲ ብስራሕ ህዝቦም እናሓገዙ ነይሮም ‘ዮም። ኸዚ ‘ውን ብሰላምን ብልምዓት ብምድጋም ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ከምዝገብሩ ዘለዎም እምነት ገሊፆም ‘ዮም።
ክልል ደቡብ ኣይተ እርስቱ ይርዳው ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ ክልል ኾይኖም ኣብ ዝተመረፅሉ ኣብቲ ክልል ሓሓሊፎም ዘጓንፉ ጎንፅታት ንክፍትሑ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንክረጋገፅ፣ ምስ ተፎካከርቲ ፓርትታት ዘሎ ምትሕብባርን ርክብ ንክረጋገፅ ብቁርፀኝነት ከምዝሰርሑ ገሊፆም ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ርክብ ህዝብታት ብምጉልባት ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ንክጠናኸር ሓሳባት በዚሖም ተናሓናሕቲ ፓርቲ ሓዊሱ ኹሉ ናይ ባዕሉ ግደ ንክህልዎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስፋን ብቁርፀኝነት ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም።
‹‹ ናይ ብዙሓት ባህላዊ እሴት ባዓል ዋና ዝኾነ ክልል ንምምራሕ ዕድል ብምርካበይ ሕጉስ እየ ›› ዝበሉ ኣይተ እርስቱ፣ ኣብ ፈታኒ ሃገራውን ክልላውን ኩነታት ውሽጢ እንተኾነ ‘ውን እዚ ህዝቢ ምግልጋል ኽብርን ኹራዓትን ‘ዩ ኢሎም። ኣብ ክልል ብዝተፈላለዩ ዘፈር ዝረአ ክፍተት ልምዓት ብኣግባቡ ንምምላእ፣ መፍረያይነት ንምዕባይ፣ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምጉልባትን ናይ ህዝቢ ኣታዊ ንምምሕያሽ ትኹረት ክግበር ‘ዩ ኢሎም። ዘመናዊ ኣሰራርሓን ቴክኖሎጂን ኣብ ተግባር ከምዝውዕሉ ገሊፆም።
ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ኹለንተናዊ ተሳታፎን ተጠቀምቲ ንክኾኑ ከንሰርሕ ኢና፣ ኣብ ክልል ዝተልዓሉ ሕቶታት ኣወዳድባ ግቡእ መልሲ ንክረኽቡ ሓድሽ መንግስቲ እዚ ሓላፍነት ብኣግባቡ ንክዋፃእ ህዝብን ተናሓናሕቲ ፓርታትን ሓገዞም ንክህቡ ሓቲቶም እዮም።
ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ዝገበርዎ ሓዱሽ መንግስትን ምምሕዳር ምጥያሽ ካብ ተነሓናሕቲ ውድባት’ውን ብምሕዋስ ሓድሽ ምዕራፍ ጀሚሮም’ዮም።