ርክብ ኢትዮጵያን ቱርክን

 ርክብ ቱርክን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ኣብ 1896 ኣ.ፈ ኣብ ሞንጎ ዳግማዊ ሚኒሊክን ሱልጣን ኣብዱልሓሚድ ካልኣይ ዘመን እዩ። ቱርኪ ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ንመጀመሪያ ግዘ ኤምባሲ ዝኸፈተት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትኾን ኣብ 1926 ኣ.ፈ እዩ። ቅድሚ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ ሃረር ኣብ 1912 ኣ.ፈ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኸፊታ ነይራ እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ 1933 ኣ.ፈ ኣብ ርእሰ ኸተማ ቱርኪ ኣንካራ ኤምባሲኣ ዝኸፈተት እንትኾን ኣብ ዘመነ መንግስቲ ደርጊ ኣብ 1984 ኣ.ፈ ዓፅያ ዳግም ኣብ 2006 ኣ.ፈ ኸፊታ እቲ ርክብ ቐፂላ እያ።

ርክብ ኢትዮጵያን ቱርክን በመራሕቲ ሃገራት ምብፃሕ፣ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ቐጥታ በረራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማር፣ ናይ ቱርኪ‹‹ቲካ›› ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ምኽፋት፣ ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት ድጋፋትን ምትሕብባርን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብራኸ ኣብፂሕዎ እዩ።

ከም ኣ.ፈ 2003 ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገበሩ ኩባንያ ቱርኪ ሓደ ጥራሕ ዝነበረ እንትኾን፤ ካብ ሓሙሽተ ዘይበዝሑ ሰራሕተኛታት ነይሮሞ። ሐዚ ግና ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ብዝለዓለ መጠን ናብ ኢትዮጵያ ብምእታዎም 200 ኩባንያታት ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ቆፂሮም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። እዞም ኩባንያታት ዘመዝገብዎ መጠን ኢንቨስትመንት ክልተ ቢሊዮን ዶላር ከምዝበልፅ መረዳእታታት የመልክቱ። ናይ ክልቴኤን ሃገራት መጠን ንግዲ ድማ ኣብ 2020 ኣ.ፈ 272 ሚሊዮን ዶላር በፂሑ እዩ። ክልቴኤን ሃገራት ናይ ሓባር ኢኮኖሚ ኮሚሽን(Ethiopia- Turkey Joint Economic Commission) ብምጥያሽ ናይ ምክክር መድረኻት እናካየዱ እዮም። በተወሳኺ ድማ መንግስቲ ቱርኪ ንኢትዮጵያዊያን ዝህቦ ዕድል ትምህርቲ ስጋብ ዝሓለፈ ዓመት 632 ዜጋታትና ተጠቀምቲ ኮምይኖም እዮም።

ኣብ ቐረባ እዋን ፕሬዝደንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ዘተ ምክያዶምን ሃገሮም ንኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዋ ድጋፍ ገሊፆም እዮም። ቱርኪ ንኢትዮጵያ እናገበረቶ ዘላ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ምሃብ ከምትቕፅል እቶም ፕሬዝደንት ኣብ ናይ ስልኪ ዘተ እዋን ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣረጋጊፆምሎም እዮም። ፕሬዝደንት ኤርዶጋን ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኽብሪ ዶክትሬት ምርካቦም ይዝከር።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብዕድመ ፕሬዝደንት ኤርዶጋን ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቱርኪ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ቱርኪ ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም እዩ። ኢትዮጵያን ቱርክን ድማ ኣርባዕተ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን። ንሳቶም’ውን ምትሕብባር ማይ ንምግባር ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት፣ ስምምዕነት ወታደራዊ ማዕቐፍ፣ ሓገዝ ፋይናንስ ዝምልከት ሰነድ ትግበራን ስምምዕነት ምትሕብባር ወታደራዊ ፋይናንስን ኢዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ፕሬዝደንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ብሓባር መግለፂ ዝሃቡ እንትኾን፣ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ምስ ቱርክ እትገብሮ ክልቴኣዊ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም። ፕረዝደንት ኤርዶጋን ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ወሳኒት ሃገር ብምዃና ጉዳይ ሉኣላዊነታ ከምዝተሓሳስቦም ኮይኑ ግና ሐዚ ዝገጠማ ፀገም ብዘይ ማንም ኢድ ኣእታዊነት ብዓርሳ ከምትፈትሖ ዘለዎም እምነት ገሊፆም እዮም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ከምዝገለፅዎ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ቱርክ እትገብሮ ርክብ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ድሌት ኣለዋ። ኣብ ቐፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንዝገብሩ ኢንቨስተራት ቱርክ ምቹው ኩነታት ትፈጥር እያ ኢሎም።

ኢትዮጵያን ቱርክን ካብ ንግድን ኢንቨስትመንት ብተወሳኺ ኣብ ቐፃሊ እዋን ብዲፕሎማሲ፣ ፖለቲካ፣ ባህሊ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዘፈራት ብሓባር ንምስራሕ ዝተፈረሙ ስምምዓት ናብ ተግባር ንክኣትው ኢትዮጵያ ከምትሰርሕ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ክልቲኦም ሃገራት ህዝቢ ንህዝቢ ርክብ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ ምምፃኡ ዝጠቐሱ ዶክተር ኣብይ፣ ናይ ክልቲኦም ሃገራት መንገዲ ኣየር ዕለታዊ በረራ ምክያዶም ከምኡ’ውን ኢንዱስትሪ ፊልም ቱርክ ንቲ ርክብ ምዕባይ ከም መርአያ ይጥቐስ ኢሎም።

 ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ቅድሚ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንተካይዱ ኢትዮጵያ ናይ ምክእኣልን ሓቢርካ ምንባር ሃገር ምዃና ምዝራቦም ዘዘኻኸሩ ዶክተር ኣብይ፣ መንግስቲ ቱርኪ ኢትዮጵያ ሓገዝ ኣብ ዝደለየትሉ እዋን ንዝገብሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ርክብ ክልቴኤን ሃገራት ታሪካዊን ባህላዊ ዝፀንሐን ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ብምዃኑ እዚ ጥቡቕ ታሪካዊ ምትእስሳር ክልቴኤን ሃገራት ከምዘጠንከሮ ዶክተር ኣብይ ገሊፆም።

ፕረዝደንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶሃን ብወገኖም ክልቴኤን ሃገራት ዝሓለፍኦ ናይ 125 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እናኽበር ኢና ኢሎም። ናይ ክልቴኤን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እምነ ኩርናዕ ዝተቐመጠ በሱልጣን ኣብዱልሓሚድን በንጉስ ሚኒልክ ዘመን ከምዝነበረን ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ርክብ እናዓበየ መፂኡ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኢኮኖሚን ካልኦት ርክባት ለውጢ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ቢለዮን ዶላር ዝግመት ኢኮኖሚያዊ ርክብ ከምተፈጠረ ገሊፆም። ቱርክ ልዕሊ 2.5 ቢሊዮን ዶላር ኢንቨስት ገይራ እያ። ኢትዮጵያዊያን ብርክት ዝበለ ቑፅሪ ዘለዎም ኩባንያታት ቱርኪ ዝርከቡላ ሃገር እያ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩባንያታት ቱርኪ ኣብ ኢንቨስትመንት ንክዋፈሩ እናተሓባበረ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዝደንት፣ ኣብ ሳይንስን ካልኦት ዘፈራት ቑልፊ ግደ ዘለዎም ፕሮጀክታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ስምምዕ ከምተበፅሐ ገሊፆም።

ኣብ ሰብኣዊ ድጋፍ፣ ልምዓት፣ ሕድሳት ሓድጊ ዘፈራት ወሳኒ ዝኾኑ ስራሕቲ ንምስራሕ ስምምዕነት ምንባሩ ጠቒሶም። ኣብ ቀጠናዊን ዓለምለኻዊ ጉዳያት ዙርያ ንምዝታይ ምስ ልኡኻት ኢትዮጵያ ምርኻቦም ሕጉስ ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ፕረዝደንት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሐዚ እዋን ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ከምትርከብ ከምዝግንዘቡ፣ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ’ውን ከምተመያየጡ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ወሳኒ ሃገር ከም ምዃና ጉዳይ ሉኣላዊነት ከምዝተሓሳስቦምን ንቲ ኣጋጥሙ ዘሉ ፀገም ብዘይ ማንም ኢድ ኣእታውነት ብዓርሳ ከምትፈትሖ ዘለዎም እምነት ገሊፆም እዮም።

ጉዳይ ዶብ ኢትዮጰያን ሱዳን ብዘተ ንክፍታሕ ቱርክ ድሌታ ከምዝኾነ ዘልዐሉ እቶም ፕረዝደንት፣ እዚ ፀገም ብምይይጥ ንክፍታሕ ቱርክ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ንምግባር ደልውቲ እያ ኢሎም። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ራዕዳዊነት ንምውጋእ እትገብሮ ፃዕሪን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ፋቱላሕ ራዕዳዊ ጉጅለ (Fetullah Terrorist Organization/FETO) ንቱርክ ማርፊ ፋውንደሽን(Turkish Maarif Foundation) ንክመሓለለፍ ብምግባር ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ቱርኪ ኣንፃር ራዕዳዊነት እትገብሮ ቃልሲ ምሕጋዞም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ቱርክ ዘለዋ ምትእስሳር ኣብ ምክብባር፣ ምትእምማንን ሓበራዊ ግንዛበን ዝተመርኮሰ እንትኸውን፣ ዝማዕበለ ባህሊን ክብሪን ንዝተመልአን ክልተ ጥንታውያን ሰብ ዋና ስልጣነ ዝምጥን ከምዝኾነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም እዮም።

ኢትዮጵያን ቱርኪን ተመሳሳሊ ታሪኽ ዘለዎን ጥንታዊ ሃገራት እየን። ቱርካዊያን ከም ዓወት ዓድዋ በዓል ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘኽብርዎ ዓወት ቻናካልን ዕለት

 ሰማእታትን ኣለዎም። እዚ በዓል ብኹርዓት ዘኽብርዎ እዩ።ዓወት ዓድዋ ናይ ኢትዮጵያዊያን ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይንግዛእን ኢሎም ካብ መላእ ሃገር ወፊሮም ሃገሮም ካብ ወረርቲ ዝተኸላኸሉሉን ናፅነቶም ሓሊዮም ኩርዓት ህዝብታት መላእ ፀለምትን ኣፍሪካን ኮይኖም’ዮም።

ቱርካዊያን’ውን ኣብ መጋቢት 18 ዘብዕልዎ ዓወት ቻናካልን መዘከርታ ሰማእታትን ኢትዮጵያዊያን ብኩርዓት ከምዘኽብርዎ ዓወት ዓድዋ እሳቶም’ውን ዘኽብሮ እዩ።

ቻናካል ናይ እስያን ኣውሮፓን ናይ ሓባር ሰራዊት ኣብ ዳንዳኔልን ገምገም ባሕሪ ንምቁፅፃር ዝተገበረ ፈተነ ብህዝቢ ቱርክ ዝሓበረ ቅልፅም ብምስዓርን ብምዕዋትን ሉኣላዊነቶም ዘኽበርሉ ታሪካዊ ዕለት’ዩ።

ኣብ ቀዳማይ ኹናት ዓለም ገምገም ባሕሪ ቱርክ ንምውራር ዝመፁ ሓይልታት እንግሊዝን ፈረንሳይን ብዝለዓለ ወነን ቆራፅነት ዝመከቱ ህዝቢታት ቱርክ፣ ድሕሪኡ’ውን እታ ናይ ሐዚ ዘመናዊት ቱርክ ሪፐብሊክ ክትምስረት ኪኢላ እያ። ፈላማይ መራሕ ሪፐብሊከ ቱርክ ድማ ሙስጠፋ ከማል ኣታቱርክ እዮም።

ቱርክ ቅድም ኣብ ዝበሉ ዓመታት ሐዚ ኢትዮጵያ ዝገጠማ ዓይነት ፅዕንቶ ወፃኢ ብተደጋጋሚ ገጢምዋ ነይሩ። ንሱ’ውን ብሓፍቲ ተፈጥሮኣ ዝኾነ ማይ ግደብ ሰሪሓ ከይትጥቀም ብዙሕ ፅዕንቶ ካብ ወፃኢ ሓይልታት ይበፅሓ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ ግድብ ዓብይ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምህናፅ እንትትብገስ ንቲ ህንፀት ዝኾን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኸይትረክብ ፅዕንቶ ከምተገበረ ኩሉ ቱርክ’ውን ምንም ዓይነት ሓገዝ ገንዘብ ንኸይትረክብ ተገይራ ኢያ።

ይኹን’ምበር ህዝብታት ቱርክ ብሓባር ብምዃን ግድቦም ሓኒፆም ብምውዳእ ዕቤት ኣመዚጊቦም’ዮም። ንዚ’ዩ ክልቴኤን ሃገር ብርክት ዝበለ ዘመሳስል ታሪክ ኣለወን ዝበሃል። ዲፕሎማሲያዊ ርክበን’ውን በቢዘመኑ ዝነበረ ፖለቲካ ፍልስፍና ከየተዓናቐፎ ዘመናት ሰጊሩ 125 ዓመታት ክደፍን ኪኢሉ እዩ። መስዋእትነት ኸፊሊካ ሉኣላዊነት ሃገር ምኽባር በዝግባእ ዝርድኡ ቱርካዊያን ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተወቶ ኩለ መዳያዊ ፅዕንቶ ንምውፃእ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ከምዝገብሩ ፕሬዚዳንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ዝገለፁ’ውን ንዚ እዩ።

Recommended For You