
ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዘይተረጋገዐ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከምዘየሎ ይፍለጥ። ኾይኑ ግና እዚ ንምስትኽኻል ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ከምዘሎን ኣብ ሓፂር እዋን ድማ ፍታሕ ከምዝርከበሉን ፌደራል መንግስቲ ከምዝገለፀ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትና ምሁራትን ካልኦትን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሓሳቦም እናገለፁ ይርከቡ።
ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ዝኾና ወይዘሮ ኣበባ ሃይለ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ዘልዐለኦ ቀንዲ ሓሳብ ክንርኢ ከለና፤ ‹‹ መጀመሪኡ ‘ውን ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠመረን ዘማኸረን ኣይነበረን፤ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ዘጣምር ዝኾነ መልክዕን ምርድዳእን ዝተሰነየ ኣካይዳ ፖለቲካ ኣይነበሮምን፤ ከምዝፈለጥ ናይ ቤተሰብ ፖለቲካ ‘ዩ ነይሩ፤ በዚ ምኽንያት እቲ ህዝቢ ናብ ዘይተደለየ ቅልውላው እታ ሃገር ድማ ንድሕሪት ንክትጉተት ምኽንያት ኾይኖም ‘ዮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ጉጅለ ህወሓት እናተርአየ ዘሎ ምንቅስቃስ ውልቃዊ ረብሓ ንምሕላው ጥራሕ ‘ዩ፤ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ ኣይተኽኣለን፤ እዚ ክሕሰበሉ ይግባእ ነይሩ፣ ብምኽንያት ዘይምርግጋዕ ዝወፅእ ዘሎ መንእሰይ ምምላስ ዓብይ ሓላፍነት ‘ዩ ፣ መናእሰይ ካብ ኣትይዎ ዝነበረ ስነልቦናዊ ፀገም ብምውፃእ ናብ ስራሕ ንክዋፈር ምግባር ኮታስ ብዙሕ ነቲ ህዝቢ ዝክሕስሉ መገዲ ገና ኣይተጀመረን። ግና ናይ ባዕሎም ስልጣን ብምሕሳብ ህዝቢ ኣብ ፀገም እናእተውዎ ይርከቡ፤ እዚ እናኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ንባዕሎም ውልቃዊ ረብሓ ‘ምበር ንህዝቢ ጠብ ዝብል ነገር ስለዘይብሉ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉ ይግባእ›› ይብላ፡፡
‹‹ህዝቢ ትግራይ ከም ሃገር ለውጢ ክመፅእ እንከሎ ብምኽንያት ህወሓት ዓይኑ ተሸፊኑ ብዙሕ ፀገማት በፂሕዎ ‘ዩ፤ እዚ ክድገም የብሉን። ኹሉ ትግራዋይ ኣካል ኢትዮጵያውያንን ፌደራል መንግስቲን ኾይኑ ሰላማዊ ቃልሲ ብምቅላስን ስፍሕ ዝበለ ኣተሓሳስባ ብምኽታል ሃገሩ ከማሓድር ይግባእ ።
ብወገን ፌደራል መንግስቲ ድማ መራሒ ሃገር ከም ምዃኑ መጠን ትግራዋይ ድማ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃኑ ካልኦት ክልላት ዝረኸብዎ ሃዋህው ሰላምን ልምዓትን ንክረክብ ናይ ምግባር ግቡእ ኣለዎ ፤ማሕበራዊ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን መሰሉ ተረጋጊፅሉ ክነብር ይግባእ።
ቅድሚ ኸዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ንከይድገም ናብ ልቦናና ተመሊስና ንባዕልና ረብሓ ተቃሊስና ካልኦት ክልላት ዝበፅሐኦ ክንበፅሕ ኣካይዳና ምስትውዓል ዝበዝሖ ክኾን ይግባእ›› ምስ ዝበላ ወይዘሮ ኣበባ ሃይለ ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ወጋሕታ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኹነታት ኸመይ ‘ዩ ?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን እናረእናዮ ዘለና ፖለቲካ ትግራይ ዝመፀሉ ኣመፃፅኣ ጥዑይ ብዘይምንባሩ ኸዚ እናራናዮ ዘለና ናይዚ ውፅኢት ‘ዩ። እቲ ፖለቲካ ዝመፀሉ ኣመፃፅኣ ጉጅላዊ ዝኾነ ካብ መጀመሪያኡ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ዝጠመረ ኣይነበረን ። ቀፂሉ ድማ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ መልክዕ ዘይብሉ ፣ብምርደዳእ ዝተሰነየ ኣካይዳ ፖለቲካ ኣይነበረን።
ከምንፈልጦ ናይ ቤተሰብ ፖለቲካ ‘ዩ። ቤተሰብ ዘርኢ ዓሌት፣ ኸባቢ ዘተመለኦ ኣካይዳ ፖለቲካ ስለዝነነበረ እዚ ከዓ ኹናት ንክፍጠር ምኽንያት ኾይኑ ‘ዩ። እዚ ሰዒቡ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓብይ ፀገም ብምእታው እታ ሃገር ብፍላይ ድማ እታ ክልል ንድሕሪት ክትጉተት ክኢላ ‘ያ። ኸዚ እንሪኦን እንሰምዖን ዘለና ዓይነት ዘብፀሐ ኣመፃፅእኡ ፍትሓዊ ስለዘይነበረ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ኸዚ ‘ውን ኣብ ክንዲ ምርግጋዕ እቲ ህዝቢ ናብ ዘየድሊ ምሽቓል እናእተዎ ‘ዩ ዝርከብ።
ብወገን ህወሓት እናራናዮ ዘለና ምቅስቃስ ኹሉ ዝሪኦ ዘሎ ጉዳይ ኾይኑ ዓርሰ ረብሓ ጥራሕ ምሕላው ዘተኮረ ‘ዩ። ኣብ ክንዲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ ፣ኣብ ክንዲ ዝተበተነ ማሕበረሰብ መንእሰይን ህፃናትን ብምእካብ ዘድልም መሰረታዊ ነገራት ምምላእ፤ ናብ ልምዓት መሰረታዊ ቴሌ መብራህቲ መንገዲ ብምዛር ናይ ምንቅስቃስ ስራሕቲ ንግዲ ንክፋጠን ኣብ ክንዲ ምግባር ናይ ባዕሎም ጥራሕ ረብሓ እናሓሰቡ ህዝቢ ናብዚ ኸዚ በፂሕዎ ዘሎ ፀገም ኣእትዮምዎ ‘ዮም፤ እናእተይዎ ‘ውን ይርከቡ።
ካብ ቅድሚ ሐዚ ትምህርቲ ብዘይምውሳድ ኸዚ ‘ውን እናገበርዎ ዘለዉ ምንቅስቃስ ትኽክል ኣይኮነን። ምኽንያቱ እንኳዕ ንህዝብኻ ክትብል ኣብ ፖለቲካ ዓለም ብምእታው ምቅላስ ይትረፍ ሓደ ውልቀ ሰብ ‘ውን ሓደ ፅቡቕ ዝባል መምህር ዝባሃል ንወለዶ ዝረብሕ ታሪኽ ሰሪሑ ክሓልፍ ‘ዩ ዝደሊ።
ኣእምሮና ንፅቡቕ ነገር ብምጥቃም ፅዕንቶ ፈጠርቲ ምዃን ይካኣል ‘ዩ። እዞም ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ፅዕንቶ ብምፍጣር ካብ ናይ ህዝቢ ረብሓ ንናይ ባዕሎም ስልጣን ዘቐድሙ ኾይኖም ኣለዉ። ነቲ ህዝቢ ጠብ ዝብል ነገር ኣይገበርሉን ፤እዚ ብምርዳእ ኸዚ እናኸድዎ ዘለዎ ኣካይዳ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉ ይግባእ።
ወጋሕታ፡- እዚ ኩነታት ንምስትኽኻል ካብ ፌደራል መንግስቲ እንታይ ትፅቢት ይግበር?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ፌደራል መንግስቲ እንታይ ክገብር ይግበኦ ዝብል እዚ መንግስቲ ሃገር ኢትዮጵያ ገዛኢ መንግስቲ ኾይኑ ዘገልግል ዘሎ ‘ዩ። እዚ ስዒቡ ትግራይ ኾነ ተጋሩ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾኑ በዚ መንግስቲ ክማሓደሩ ግድን ‘ዩ።
ካልኦት ክልላት ዝረኸብዎ ሰላም ኾነ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ሰላም ተሓልይሉ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ንክኣቱ ክሕገዝ ይግባእ ። እቲ ሕብረተሰብ ካልኦት ክልላት ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካዊ ዘካተተ ምንቅስቃስ ተማሊእሉ ንክነብር መንግስቲ ፌደራል ኣብዚ ጉዳይ ሕፅር ዝበለ ዉሳነ ወሲኑ ናብ ስራሕ ክኣቱ ይግባእ።
ብፍላይ ተመዛበልቲ ቀፃልነትን ህፁፅን ዝኾነ ሓገዝ ከድልዮ ‘ዩ እሞ ትኹረት ክዋሃቦ ይግባእ ይብል:: እቲ ካልይይ ድማ ብሰንኪ ኹናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ናብ መረበቶም ብምምላስ ነጋዳይ ክንግድ ፣ ሓረስታይ ክሓርስ ተምሃሮ ክማሃሩ ከም ናይ ወትሮ ስሩዕ ናብርኡ ክቕፅል ክግበር ኣለዎ። ምስ ጎረባብቱ ዘለዎ ርክብ ድማ ንክጠናኸርን ነዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ዝሓንፀፆ ናይ ሰላም ክንውን ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ድማ ኣብ ምስፋን ሰላም ዓብይ ግደ ክህልዎ ይግባእ::
ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ከመይ ክወፅእ ይኽእል ?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ቅድሚ ኸዚ ስለ እቲ ኹናት ብዙሕ ኢልና ኢና። እቲ ኹናት ብሓፈሻ ክንሪኦ ከለና ግጉይ ‘ዩ ነይሩ። ግና ተገዲድና ናብዚ ኹሉ ፀገም ካብ ኣተና እቲ ኹሉ ዘፀገም ኹነታት ሓሊፉ ብሰላም ክዛዛም በፂሑ ‘ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ ኸዚ እዋን እናሰርሖ ዘሎ ስራሕ ከምቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ እንተዘይኾነ ‘ውን ግና ህዝቢ ትግራይ ጣልቓ እናኣተወ ብዝሐሸ መልክዑ እቲ ሰላም ኣብ ተግባር ክውዕል ክሰርሕ ይግባእ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ከመይ ካብ ፀገም ክወፅእ ይኽእል ኣብ ዝብል ያው መንግስቲ ፌደራል ክመፅእ ከሎ ማለት ‘ውን ኣብቲ እዋን ለውጢ ክመፅእ ከሎ ክፍተት ዝተፈጠረ ይመስለኒ። ለውጢ ማለት መንግስቲ ማለት ኣይኮነን ፤ለውጢ ማለት ሃገር ባዕላ ለውጢ ትደሊ ‘ያ ፡፡ስለዚ ናይቲ ለውጢ ተኻፋላይ ክኾን ይግባእ ነይሩ።
ግና በቲ ጉጅለ ናይ ሕሾት ፕሮፖጋንዳ ኣብ ኣእምርኡ ስለዝተቐመጠሉ ንከይርኢ ዓይኑ ተሸፊኑ በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሕ ፀገማት በፂሕዎ ‘ዩ። ኸዚ ግን ህዝቢ ትግራይ ክድሕን እንተኾይኑ ኣካል ፌደራል መንግስቲ ኾይኑ ፤ኣካል ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ኣካል ወዲ ዓዲ ኾይኑ ሰላማዊ ቃልሲ ተቃሊሱ ክድሕን ይግባእ። ብሓደ ኣካል ብሓደ ኣተሓሳስብኡ ብምስፋሕ ብነፃነት ዓዱ ክመርሕን ይግባእ ዝብል እምት ኣለኒ፡፡
ኹሉ ህዝቢ ሓደ ዝገብሮ ሰላም ምድላዩ ‘ዩ። ማንም ህዝቢ መከራን ኹናትን ክገጥሞ ኣይደልን። ብሰላማዊ መገዲ ናብርኡ ምምራሕ ‘ዩ ዝደሊ ። ሓድነት ደላይ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልወጠሉ ‘የ ኣብ ዝበሎ ክልል እናኸደ ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰሉ ብዝግባእ ክረጋገፀሉ ኣለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ዝተለመደ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ሓደ ኣካል ናይዚ ማሕበረሰብ ‘ዩ።
ምስ ጎረባብቲ ስጡም ዝኾነ ርክብ ዘለዎን ዝወለደ ዝተዋለደ ማሕበረሰብ ‘ዩ። ምፍልላይ ዘይደሊ ህዝቢ ብምዃኑ ንሰላምን ዕርቅን ኣብ ቐረባ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኹናት ዝባሃል ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ካብ ፅልአት ብምውፃእ ብሕውነታዊ ብምቕርራብ እቲ ዝሓለፈ ንከይድገም ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣብ ኢዱ ስለዝኾነን ተግባራዊ እንድሕር ገይርዎ ኣብ ሓፂር እዋን ትግራይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ግደኦም ተዋፂኦም ማለት ‘ዩ።
ካልኦት ግዱሳት ተጋሩ ድማ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታታት ኣብ ክንዲ ምጉህሃር ንክዝሕል ኣብ ምግባር ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ። ትግራይ መጀመርያ ሰላም ክትረክብ እትኽእል ብደቂ ዓዳ ዝሰርሕዎ ስራሕ ‘ዩ። ተወልድቲ ትግራይ ዝኾነ ኣብ ምርግጋዕ ትግራይ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ።
ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት እተሕልፍዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ?
ወይዘሮ ኣበባ፡- እቲ ዝሓለፈ እዋን ከምህሮ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መገዲ ተዓሽዩ ‘ዩ። ንክሞት ንክፅገም ንክዋረድ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ንካልኣይ እዋን ከጋጥም ‘ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ‘ዩ።
ምኽንያቱ ብዓለም ብርኪ ዘነጋገር፣ ህዝቢ ዝሞተሉን ዝተጎድኣሉን፣ ህፃናትን መንእሰይን ዝገበሩ ዘይብሎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ኹናት ኣትዮም ዘግናኒ ዝኾነ ኣማውታ ዝሞትሉ ፣ እዚ ተግባር ንህዝቢ ኾነ ንሃገር ዘይጠቐመ ‘ዩ እሞ ንሓደን ንመወዳእታን እዚ ኣካይዳ ክዕፆ ኣለዎ። እቲ መንእሰይ መሰሉ ብምርዳእ ይኣክል ክብል ይግባእ።
ኸዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ቀደሙ ‘ውን ብዘይምስትውዓል ዘጋጠመ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ኸዚ ‘ውን ዘይጠቕመና ሓሳብ ብምውፃእ ልብና ኣምሮና ኣተሓሳባና ብኣወንታዊ ኾይኑ ንባዕልና ንረብሓና ተቃሊስና ዓለም ዝበፅሐቶ ምብፃሕ ይካኣል ‘ዩ። ቀድሚ ኸዚ ከበድቲ ፀገማት ኣሕሊፍና ምስ ጎረባብቲ ህዝብታና ተፃሊእና ኣብ ብዙሕ ፀገማት ኣቲና ኢና ። ኸዚ ግና ይኣክል ክባሃል ይግባእ። ህዝብና ካብ ዝግበኦ ኽብሪ ወሪዱ ናይ ጥምየት ድሕረት ተኻፋሊ ኾይኑ ‘ዩ እሞ እዚ ጉዳይ ከይድግም መሊስና ናብዚ ንከይንምላስ ተጠንቂቁ ሰላማዊ ቃልሲ ተቓሊሱ ባዕሉ ከመሓድር ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ናይ ኹናት ጀግና ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ልምዓት ጀግና ከምዝኾነ ‘ውን ይፍለጥ ‘ዩ:: ኸዚ ብምኽንያት ኹናትን ዝገጠመና ፀገም ንምክሓስ ናይ ሰላምን ልምዓትን ሓርበኛ ኾይኑ ክሰርሕ ይግባእ :: ከምኡ ድማ መናእሰይ ትግራይ ፖለቲከኛታት ዘምፅእዎ ዝኾነ ይኹን ፀገማት ባዕሉ ንባዕሉ ዘተ ብምግባር ንምንታይ ብምባልን ክሓትትን ከስተውዕልን ይግባእ:: እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብዘደለይዎ ጥራሕ ክመርሑና ኣይግባእን።
ስለዚ ናብ ድሕሪት ንከይምለስ ክጥንቀቕ ኣለዎ:: እቲ ህዝቢ ብኹናት ስነልቦንኡ ዝተጎድአ ስለዝኾነ ነዚ ህዝቢ ሞራሉ ዘጠናኽር ሓሳብ ብምቕራብ ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ንክመፅእን ካብዚ ኣተሓሳሳባ ተበጊስካ ድማ ነቲ ህዝቢ ሰናይ ምምሕዳር ንክመፅእን እዚ ከምፅኡ ‘ዮም ዝተብሃሉ ኣመሓደርቲ ዝተውፃፅኡ ትኹረት ክዋሃቦም ይግባእ፣ ዝሓለፈ ኣጋጣሚ ንምርሳዕ ከቢድ እንተኾነ ‘ውን ንቕድሚት ዝመፅእ ጉድኣት ይኣክል ናይ ምባል ግዘ ግን ኣለና ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን::
ወይዘሮ ኣበባ፡– ኣነ ‘ውን የመስግን::
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 18 መጋቢት 2017 ዓ.ም