
መስኖ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዓበይቲ ክሳብ ማእኸላይ ስፍሓት ዘለዎም ሕርሻታት ንምምዕባል ዝውዕል ስራሕቲ እናተሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ሃገርናን ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ልምዓትን ክንዲ እቲ ዝድለ ኣይተሰርሐን። ዘሎ ተፈጥሮ ሃፍቲ ክሳብ ሕዚ ብሙሉእ ዓቕሚ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣይከኣለን። ሃፍቲ ተፈጥሮ ብቴክኖሎጂ መስኖ ተሓጊዙ ብግቡእ ብዘይ ምጥቓምና ናይ ምግቢ ውሕስና ከይተረጋገፀ ፀኒሑ ‘ዩ።
ውሕስነት ምግብን ንምርግጋፅ ኩነታት ኣየር ወሳኒ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ኩነታት ኣየር ኣብ ቖላን ደጉዓን ዝተፈላለየ ስለዝኾነን ብኡ መሰረት ድማ ዝምችዎም ፍርያት ስለ ዝፈላላዩ መንግስቲ ድሕሪ ለውጢ ፈላልዩ ትኹረት ብምሃብ እናሰርሓሉ ይርከብ። ቖላማ ከባቢታት ቴክኖሎጂ መስኖ ብኣድማዒ መንገዲ እንተተጠቒምናሉ ናይ ምግቢ ሕፅረት ንምቕራፍ ዘይነዓቕ ግደ ዘለዎ ምዃኑ መንግስቲ ተገንዚቡ እናሰርሐሉ ዝርከብ ኮይኑ ፅቡቕ ውፅኢት ‘ውን ይረኣይ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ምስ ሓረስቶት፣ ጓሶትን ኣብ ቆላታት ሃገርና ዝተኣሳሰረ ‘ዩ። ቆላታትን ከባቢታት እንተተሰሪሕሎም ፅቡቕ ዓቕሚ ዘለዎም ‘ኳ እንተኾነ ብዕምቆት ከይተዳህሰሱን ከይተመዝመዙን ፀኒሖም ‘ዮም።
ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ቖላማ ከባቢታት ሰፊሕ መሬት፣ ማይ፣ እንስሳት ካልኦት ሃፍትን ንምጥቓም መንግስቲ መስኖን ቖላማ ከባቢን ሚኒስቴር ምጥያሹ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብምዃኑ ኣብዚ ዘፈር ምስ ተጠቓምነት ሕብረተሰብ እቲ ከባቢታት ዝሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ምስ ኣብ ሚኒስቴር መስኖን ከባቢ ቆላማን ፈፃሚት ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ወ/ሮ ለምለም ተስፋይ ዝገበርናዮ ስፍሕ ዝበለ ቓለመሕትት ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።
ወጋሕታ፡- ኣብ ዝመርሐኦ ዘፈር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከመይ ይግለፅ?
ወ/ሮ ለምለም፡- ብሓፈሻ ንሕና እንሰርሖ ስራሕ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ከምኡ ‘ውን ኣካል ጉድኣት ብምክታት ኣብ ተጠቓምነት ኢና ንሰርሕ። ኣብ ዝካየዱ ሓፈሻዊ ልምዓታት እዞም ኣካላት ተጠቓሚነት ክኾኑ ምግባር ‘ዩ። ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ንኣብነት ኣብ ተጠቓምነት መስኖ ክኸውን ይኽእል፤ ኣብ ከምዚ ዓይነትታት ኣብ ዝስርሑ ዓይነታት ሓምሳ ሚኢታዊ ናይ ደቂ ኣንሰትዮ ተጠቓምነት ምርግጋፁ ኣብ ምክትታልን ድጋፍ ኣብ ምግባርን ትኹረት ሂብና ኢና ንሰርሕ ዘለና።
ናይ ታሕቲ ወሪድና ዑደት’ውን ንገብር ኢና፤ ከምኡ ‘ውን ነቲ ማሕበረሰብ ስልጠና ንህብ ኢና። ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ግንዛበ ክረኽቡ ‘ውን ኢና ንገብር። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ በኢኮኖሚ ከይጉድኡ ትኹረት ሂብና እናሰራሕና ንርከብ። ዝኾነት ጓል ኣነስተይቲ መንእሰይ ከም ማንም ሰብ ተንቐሳቒሳ ከትሰርሕን ሃፍቲ ክተፍርን ናይ ግንዛበ ስልጣና ንህብ።
ከምዚ ክብል እንተለኹ ኣብ ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ መናእሰይ ኣይንሰርሕን ማለት ኣይኮንኩን ንሰርሕ ኢና፤ ኮይኑ ግና ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ድጋፍ ንገብር ኢና። ዋላ ካልኦት ፍሉይ ድጋፍ ዘድልዮም ኣካላት ንደሓር ከይተርፉ ፍሉይ ትኹረት ብምግባር ንሰርሕ ኢና። ከም ሚኒስቴር ቤት ዕዩ ብኣዋጅ 1263/2014 መሰረት ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ ኣብ ደቒ ኣንስትዮን ኣካለ ጉድኣትን ‘ውን ትኹረት ብምግባር ኢና ንሰርሕ።
ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾነ ክፋል ማሕበረሰብ ፍሉይ ድጋፍ ብምግባር ኢና ንሰርሕ። ኮይኑ ግና ኣብ መስኪ ምልከታ ህንፀት መስኖ ይስርሑ፣ ኣናእሽተይ ናይ መስኖ ስራሕቲ ክስርሑ ይኽእሉ፤ ወይ ከፍቲ ምህጣር ‘ውን ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ከም ኣጣል፣ ኣባጊዕ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ደቒ ኣንስትዮ ከከም ድሌትንን ውፅኢታዊ ብዝኾንኦ ወይ ዝኾንሉ ስራሕቲ ክሰርሑ ይግበር። ምስታፎም ‘ውን ክትትል ይግበር።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ክሳብ ሕዚ ብደረጃ ሃገር ክንደይ ዝኣኽላ ደቒ ኣንስትዮ ተጠቐምቲ ኮይነን? ብዝበለፀ ኣብ ደቒ ኣንስትዮ ትኹረት ዝተገበረሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ?
ወ/ሮ ለምለም፡- እቲ ተሓሳቢ ተገይሩ ዝስራሕ ዘሎ ሓምሳ ሚኢታዊ ተጠቐምቲ ክኾና ‘ዩ። ናይ ማሕበረሰብና ሓደ መፅናዕቲ ከምዘርእዮ 51 ሚኢታዊን ካብዚ ንላዕልን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ‘ዩ ዝግለፅ። ስለዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቓሚነት ከምዘለዎ ኮይኑ እንሰርሖ ግና ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኢልና እንተይኮናስ ናይ ልምዓት ሕቶ ስለ ዝኾነ ‘ዩ።
ለውጢ ዝመፅእ ንኹሉ ኣብ ልምዓትን ተጠቓምነት ብምስታፍ ‘ምበር ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ትኹረት ብምግባር ለውጢ ኣይመፅእን። ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ዘየሳተፈ ልምዓት እኹል ስለዘይኮነ ናይ ግድን ኩሉ ዜጋ ክሰታፍ ኣለዎ። ብፍላይ ትፅቢት እትገብረሉ ልምዓት ክመፅእ ኣይኽእልን።
ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ቖላ ዘሎ ሃፍቲ ብዝምልከት ፅንዓት ከንገብር ኣብ ትልምና ሒዝና ኣለና ኢና። ኮይኑ ግና ኣብኡ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብሙሉአን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ብፍላይ ሓምሳ ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እናበራታትዕን ሓገዝ እንገብርን ኣለና። ብሓፈሻ ብከምዚኦም ዝመሳሰሉ ጠቐምቲ ጉዳያት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰራሕና ንርከብ።
ብፍላይ ተመሳሳሊ ድሌት ዘለዎን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ብምውዳብ እንታይ ተንሰርሕ ውፂኢታዊ ከንኸውን ንኽእል ብዝብል ሓሳብ ፕሮፖዛል የዳልዋ ወይ የዳልዉ ንሕና ድማ ብኡኡ መሰረት ኢንሻል ካፒታል ብምርኣይ ሓገዝ ንገብር። ንኣብነት ከም ኣጣል ወይ ኣባጊዕ ምግዛእ እንተኾኑ ገዚእና ንህቦም። ብፍላይ ቖላማ ከባቢ ከም ንኣጣል ምፍራይ ምችው ስለዝኾ ብዙሓት ሰባት ዝተቐየሩ ኣለዉ።
ብፍላይ ናብ ከባቢ ደቡብ ምዕራብ ከንከድ እንተለና ናይ ገደና ኣትክልቲ ብምትካል ተመሳሳሊ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብምውዳብ ወዲብካ ብምሕጋዝን ስልጠና ብምሃብን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም መናእሰይ ተጠቐምቲ ኮይነን ‘የን። ከምኡ ‘ውን ኣናህብ ብምውላድ ሂወቶም ዝተቐየሩ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣለዉ። ኣብ መስኖ ጥራሕ እንተይኮና ድጋፍ ንገብር ናይቲ ከባቢ ሃፍተ ገነት ኣብ ግምት ብምእታው ‘ዩ። ኣብዚ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዝተገበረለንን ብዝግበረለን ዘሎ ሓገዝ ውፅኢታዊ እናኾና ይርከባ። ክንደይ ዝኣኽላ ተጠቐምቲ ኮይነን ንዝብል ሕቶ ግና ቑፅሩ ንግዚኡ ኣይሓዝክዎ።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዘፈር እዚ ማለት ንደቂ ኣንስትዮ፣ ኣካል ጉድኣት ብፍሉይ ዝተበጀቶ በጀት ኣሎ ዶ። ብበዝሒ ኣበይ ከባቢ ‘ዩ ኸ እናተሰርሐ ዝርከብ?
ወ/ሮ ለምለም፡- ብፍሉይ ዝተበጀተሉ ኩነታት የለን። ነገር ግን ከከም ኩነታቱ ተፀኒዑ ክስራሕ ኣለዎ ተባሂሉ እንትእመነሉ ‘ዩ በጀት ተመዲብዎ ዝስራሕ ‘ምበር ኣቐዶምካ ኣይብጀተሉን። ምኽንያቱ በቢ ግዚኡ ኣብ ፅንዓት ዝተመስረተ ስራሕ ‘ዩ ዝስራሕ። ናይ ኩሉ እቲ ከባቢ ሃፍተ ገነት ምስ ድሌት ናይቲ ተጠቓማይ መሰረት ገይርካ ‘ዩ ዝስራሕ ተቐያያሪ ስለዝኾነ ኣቐዲምካ በጀት ንምሓዝ ዘፀግም ስለዝኾነ።
ክሳብ ዓሚ ቖላማ ከባቢ ሽዱሽተ ኢዮም ኔሮም። ከም ክልላት ደቡብ ምዕራብ፣ ምዕራብ ኢትዮጵያ ቕድሚ ምውሳኾም ናብ 7 ዝኾኑ እንስሳ ብምርባሕ ካብ ዝናበሩ ዘለዎም ማሕበረሰባት ክልላት ነይሮም። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ክልላት ናብ 100 ዝኾኑ ወረደታት ተሰሪሑ ‘ዩ። ስለዚ መናእሰይ ደቒ ኣንስትዮን ኣካል ጉድኣትን መንግስቲ ድጋፍ እናገበረሎም ዝተቐየሩ ኣለዉ።
ብቐንዱ ናይና ስራሕ ኣነ ዝመርሖ ዘፈር ኣብ ከባቢታት ቖላማ ዝርከቡ ዓቕሚ ዝነኣሶም ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ ‘ውን ናይ ኣካል ፀገም ዘለዎም ድጋፍ ኣብ ምግባር ቖላሕታ ሂብና ኢና ንሰርሕ። ቐንዲ ስራሕ ናይና ክትትልን ድጋፍ ምግባር ‘ዩ።
ክሰርሑ ዝኽእሉ ኮይኑ ግና ዓቕሚ ዝሓፅሮም ድጋፍ ብምግባር ናብ ስራሕ ክኣትዉ፤ ምስ ኣተዉ ድማ ክትትል፣ ሰልጠና ዝጎደለ ምድጋፍ ‘ዩ። ብፍላ እዚ ፕሮጀክት ንደቂ ኣንስትዮ ተጠቓሚ ይገብር ዶ ኣሎ? ወይ የሳትፍ ዶ ኣሎ ወይ ኣየሳትፍን? ኣብዝብሉ ቖላሕታ ሂብና እናሰራሕና ንርከብ። ክሳብ ታሕቲ ወሪድና ኢና ክትትልን ድጋፍን ንገብር፤ ስኽ ኢልና ሪፖርት ምቕባል ኣይኮናን። ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ተዋፀኦ ፀባ፣ መዓር ዝመሳሰሉ ዝተወደባ ደቂ ኣንስትዮ ሂወተን ዝቐየራ ኣለዋ።
ብበዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሂወተን ንምቕያር ኣብ ንገብሮ ፀዓሪ ብሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምእኒ ክልል ሶማሌ ዝተቐየራ ኣለዋ። ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ‘ውን ነተን ዝተቐየራ ደቂ ኣንሰትዮ ብምርኣይ ኣሰረን ዝኽተላን ዝቕየራን ኣለዋ። እንተተሰሪሑ ምቕያር ከምዝከኣል ብምእማን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣነስትዮ ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ሂወተን እናቐየራ ይርከባ። ስለዚ ቤት ዕዮና ብዝገብሮ ዘሎ ድጋፍን ክትትልን ኣወንታዊ ውፅኢት እናተራእየ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ብዙሓት ደቂ ኣንሰትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኢኮኖሚካሊ ተጎዲኦም ‘ዮም። ኣብዚ ዝሰራሕኹምዎ ነገር እንታይ ኣሎ ወይ ዝተሓስበ እንተልዩ?
ወ/ሮ ለምለም፡- ከምዝፍለጥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዙሕ ማሕበረሰብ በቲ ኩናት ተጎዲኡ ‘ዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ኣዝየን ተጎዲአን ‘የን። በርግፅ ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ ‘ዩ ሰላም ተረኺቡ ዘሎ። ሰላም ምዃኑ ፅቡቕ ‘ዩ። ዓሚ ዝተለኣኹ ጉጅለ ነይሮም፤ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዳህሳስ ገይሮም ‘ዮም።
ብፍላይ ዝሓሸ ፖተንሻል ኣብ ዘለዎ ከባቢ ኣፅኒዑ ዝመፀ ጉጅለ ኣሎ፤ ንቐፃሊ ናይ ሰላም ኩነታት እናተራእየ ዝስራሕ ስራሕ ክህሉ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ብፍላይ ናብ ሑመራ ከባቢታት ቖላማ ቦታታት ኣለዉ፤ ንሕና ብዝበለፀ ፎከስ ንገብሮ ኣብ ቖላማ ከባቢታት ስለዝኾነ ኣብ ቐፃሊ ሓደ ትልምና ንሱ ‘ዩ። ደቒ ኣንስትዮ መሊስካ ምጥያሽንን ምድጋፍን ስራሕቲ ንምስራሕ ተሓሲቡ ኣሎ። ከምኡ ‘ውን ስልጠና ብምሃብ ንኽሳተፉ ትኹረት ሂብካ ክስራሕ ‘ዩ። መጀመርያ ሰላም ብደንቢ ክሳብ ዝፀንዕ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ከም ማንም ትግራወይቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ይምልከተን ‘ዩ እሞ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪተን ዝብለኦ ሓሳብ እንተሃልዩ?
ወ/ሮ ለምለም፡- መራሕቲ ህወሓት ክብሪን ረብሓን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነኒበዓሎም ዝዋጠጥሉ እንተይኮነስ ንህዝቢ ዝኽሕስሉ እዋን ‘ዩ። ህዝቢ ድሌቱ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ።
ፖለቲከኛታት ህወሓት ካብቲ ዝኽተልዎ ዘለዉ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ወፂኦም ንህዝቢ ዝኽሕስሉ ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም። ክብርን ረብሓን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ፤ ረብሓን ክብርን ትግራይ ንጎኒ ገዲፍካ ኣብ ናይ ውልቐ ረብሓ ዕንይንይ ምባል ዘሕፍር ተግባር ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ከቢድ ኩነታት ይፍለጥ ‘ዩ። እንተነኣሰ ፀገሙ ንምቕላል ክስራሕ ኣለዎ ‘ምበር ካሊእ ተወሳኺ ስግኣት ምፍጣርን ብህዝቢ ምቕላድን ሕሊና ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ‘ዩ።
እቲ ካሊእ ፀገም ከምዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ኣካቢ ዘይብሎም ወለዲ፣ሓብሓቢን መዕበይን ዘይብሎም ህፃናት ኣለዉ፤ ኣብ ከምዚኦምን ካልኦት ኣካል ጉድኣትን ዘሎ ፀገም ተረዲእኻ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ንውልቐን ጉጅለን ረብሓ ምጉያይ ናብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ ‘ዩ። ፖለቲከኞች ንህዝቢ ገዲፎም ንውልቖም ኣብ ዝሓስብሉ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብፖለቲከኛታት ተደፋፊኡ ኣብ ዘይጠቕሞ ኵናት ክኣቱ የብሉን። ኣብ ልምዓት፣ሰላምን መነባብርኡ ኣብ ምምሕያሽን ትኹረት ክገብር ኣለዎ።
ብፍላይ እዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ንህዝቢ ዝጎድእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፈልዩ ክግንዘብ ኣለዎ፤ ተደፋፊኡ ናብ ዘየድሊ ኩነታት ክኣቱ የብሉን። ቕድሚ ሕዚ ኣካሉ ጎዲሉ ግቡእ ሕክምና ዘይግበረሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ሳዕቤን ኵናት ብዙሕ ‘ዩ፤ ካብቲ ኵናት ዝተረፈ ‘ውን ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ገሊኡ ዝመውት፣ ገሊኡ ብሕማም ዝሳቐ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ፀገም እናሃለወ ኣብ ክንዲ እዞም ፀገማት ንምቕላል እንተተኻኢሉ ‘ውን ንምቕራፍ ምስራሕ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ምድራብ ግቡእ ስለዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡ ይግባእ።
ሕዚ ‘ውን መራሕቲ ህወሓት ቐልጢፎም ናብ ቐልቦም ተመሊሶም ህዝቦም ክኽሕሱ ኣለዎም። ሰላም ልምዓት ዝደሊ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ድኽነት ምንባር ናይ መራሕቲ ፀገም ‘ዩ። ገፆም ናብ ሰላምን ልምዓትን ከዝሩ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኢና ጠጠው ኢልና እናበልካ ንናይ በዓልኻ ረብሓ እትጓየ እንተኾይንካ ትርጉም የብሉን። ህዝቢ ዘይሓዝካ ስልጣን ድማ ንግዚኡ ‘ምበር ዘላቒ ረብሓ ክህልዎ ኣይኽእልን።
ሰላም ኣብዘይብሉ ብፍላይ ደቒ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ኣረጋውያን ብቀዳምነት ተጠቓዕቲ ‘ዮም፤ እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ወለዶ ኣልቦ ‘ዩ ዝገብረካ። ስለዚ ኩሉ ነገር እናማዕበለ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባ ተሸኺልካ ምቕራይ ትኽክል ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ፍልልይ ዋላ እንተሃለወ ከፍ ኢልካ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብኢሂን ምሂን ክፍታሕ ኣለዎ ‘ምበር ናብ ዘይተደለየ ክሳራ ምእታው ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብ ዓዱ ኣልሚዑ ክነብር ዝኽእል ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ናብ ስደት ብምምራሕ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ዝኸውን ዘሎ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕመቕ መራሕቲ ህወሓት ‘ዩ፤ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ስለዘየለ ‘ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት እናጋጠሞ ብምምፅኡ ንተፈላላዩ ከበድቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ተቓሊዑ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ዝሓለፈ ፀገም ከይኣኽሎ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምስምዕማዕ ስዒቡ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ጭንቕን ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ብልምዓትን ሰላምን ክከሓስ እናተገበኦ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ክፍጠረሉ ኣይግባእን። ብፖለቲካዊ ህልኽ ክጉዳእ የብሉን።
ንውልቓዊ ረብሓን ስልጣንን ክበሃል ካሊእ ፀገም ክትድርበሉ ዘይኮንካስ ተጓይኻ ከትኽሕሶ ‘ዩ ዝግባእ። ስለዚ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ፀገሞም ብምፍታሕ ህዝቢ ዝደልዮ እንታይ ‘ዩ? ፍልፍል ፀገምን መከራን ህዝቢ ኸ መን ‘ዩ?፤ ብኸመይ ከ ክቓለል ወይ ክቕረፍ ይኽእል ብምባል ንህዝቦም ዝኽሕስሉ ኩነታት ክፈጥሩ ኣለዎም።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና።
ወ/ሮ ለምለም፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም