ኣብ ሓጋይ መስኖ ስርናይ 172 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኹሎም ክልላት ናይ ሓጋይ ስርናይ መስኖ ልምዓት ብምልማዕ 172ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስተር ግብርና ኣፍሊጡ፡፡

ስራሕ ፈፃሚ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ከበደ ላቀው ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ 2017 ዓ.ም ኣብ ኹሉ ክልላት ናይ ሓጋይ ስርናይ መስኖ ብምልማዕ 172 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡ ኣብ 2017 ዓ.ም ናይ ሓጋይ ስርናይ መስኖ ልምዓት ብኣርባዕተ ነጥቢ ኽልተ ሚልየን ሄክታር መሬት ብምልማዕ 172 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ሰፊሕ ምንቅስቃስ እናተገበረ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ኣብ እዋን ሓጋይ ኽልተ ነገራት ንምልማዕ ማለት ‘ውን ናይ ኣትክልቲ፣ ፍራፍረን ስርናይን ምህርቲ ብምልማዕ ምህርትን ምህርታማነትን ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስቲኦም እዋናት ምህርቲ ግብርና ብምምራት ምህርትን ምህርታማነትን ናይ ምዕባይ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ፤ ብዝተሰርሐ ስራሕ ዓብይ ውፅኢት እናተረኽበ ‘ዩ፡፡

ኣብ 2017 ዓ.ም ናይ ሓጋይ ስርናይ መስኖ ልምዓት ንምርካብ ዝተተለመ 172 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ተግባራዊ ንምግባር ንሓረስታይ ናይ ሓመድ ማዳበርያ እታዎት ተበፃሒ ንምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ካብ ሓጋይ መስኖ ልምዓት ትፅቢት ዝግበር ናይ ስርናይ፣ ናይ ኣትኽልትን ፍራፍርን ምህርቲ ንምርካብ ንኣምረቲ ማሕበረሰብ ሞተራት ፣ ንመስኖ ልምዓት ዘገልግሉ ዓበይትን ጉልበት ዘለዎም ሞተራት ብምግዛእ ብሓገዝ መልክዕ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ኣብ 2017 ዓ.ም ናይ ሓጋይ መስኖ ስርናይ ልምዓት ኣብ ኹሎም ክልላት ብስፍሓት እናተሰርሐ እንተኾነ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝበለፀ ንምልማዕ እናተሰርሐ ‘ዩ፤ ኣብቲ ክልል ናይ ሓጋይ ስርናይ ልምዓት እናተሰርሐ ብዘሎ ስራሕ ክሳብ ኸዚ ማለት ‘ውን ካብ ጥቅምቲ 19/2017 ዓ.ም ብባህላዊ መገዲ 670ሽሕ ሄክታር መሬት፤ ብኮምባይነር 180ሽሕ ሄክታር ብሓፈሻ 850ሽሕ ሄክታር መሬት ንዘርኢ ናይ ምድላው ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ፡፡

ካብዚ መሬት ሓሙሽተ ሽሕ 113 ሄክታር መሬት ዝኸውን ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ኣብሪሆም፡፡ እቲ ሓረስታይ ካብ መስኖ ሓጋይ እናረኸበ ዘሎ ረብሓ ብምግንዛብ ብውልቅኡ ናውቲ እናገዝአ ኣብ ጥቕሚ ኣናውዓለ ምህርቲ እናዕበየ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ካብ ሓጋይ ስርናይ ልምዓት ንምርካብ ዝተተለመ ምህርቲ ተግባራዊ ንምግባር እቲ ልምዓት ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፤ ምሩፅ ዘርኢ ብምቕራብ ኣብቲ ልምዓት ኣንበጣን ኣዕዋፍን ተፈጢሩ እቲ ትልሚ ዕንቅፋ ከይኸውን ንምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላው ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡

እንድሕር ኣጋጢሙ ድማ ነቲ ሕርሻ ግቡእ ቁፅፅርን ሓላዋን ንምግባር ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ተግባራዊ ዝተገበረ ሃገር በቀል ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ውፅኢታዊ ንምግባር ግብርና ዓብይ ትፅቢት ይግበረሉ፤ ምህርትን ምህርታማነትን ብምዕባይ ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ እናተፃወተ ይርከብ ኢሎም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You