‹‹ሕማቕ ባህሊ ናብ ፅቡቕ ምቕያር የድሊ›› ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሕማቕ ባህሊ ናብ ፅቡቕ ብምቕያር ዘድልዩናን ፅቡቓት ባህልታትና ንክጉልብቱ ምግባር ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ኣፍሊጦም፡፡

ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ መበል 1ሽሕን 442 ኢል ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) በዓል ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ሕማቕ ባህሊ ናብ ፅቡቕ ብምቕያር ዝሓሸ ሃገራዊ መንነት ምፍጣር ይካኣል እዩ፡፡

ሃገራት ፣ ብሄርን ብሄረሰባትን ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ኣለዎም ዝበሉ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር፣ፅቡቕ ልምድን ባህልን ብምጥንኻር ዘይጠቕመና ድማ ኣብ ከይዲ ብምስትኽኻል ከምዝግባእ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼህ ሓጂ ሱልጣን ኣማን ብወገኖም ፤ ኣብ ጉዳይ ሃገር ምፍልላይ ዝፈጥሩ ኣተሓሳስባ ብምርሓቅ ካብ ኽፍኣት ንልምዓት ምልዕዓል ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

በዚ ኣተሓሳስባ ዝተመልአ ወለዶ ንሃገሩ መተካእታ ዘይብሉ ሃፍቲ እዩ ዝበሉ ሼህ ሓጂ ሱልጣን ፣እስልምና ሃይማኖት ሰላም እዩ፤ ውሽጣዊ ፀገማትና ብዘተን ሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ኣማራፂ ክኾን ከምዝግባእን ሃገርን ህዝብን ካብ ዘየድሊ መስዋእትነት ከምዘድሕን ገሊፆም፡፡

ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ጠንኪርና ብምስራሕ ኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ክነላቕቓ ይግባእ ዝበሉ ሓጂ ሱልጣን ፤ዒድ ዘምህረና ሓድነትና ምጥንኻር ከምዝኾነ እቲ ባዓል እንትነኽበር ካብ ዘለና ብምክፋል ክኾን ይግባእ፡፡ ናይ ሎሚ ባዓል ዒድ ካልኣይ ዙር ግድብ ህዳሴ ምምላእ ማይ ኣብ ዝተዛዛመሉ እዋን እናተኸበረ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ሓጂ ሱልጣን ፣እቲ ህንፀት ተዛዚሙ ንሃገርን ህዝብን ንክጠቅም ኣላህ ክንልም ኢና ኢሎም፡፡

ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ብርኪ ስልጣኖም ፣ምፍልላይ ኣመላኻኽታ ፣ዶብ ሃገር፣ ብርኪ ሃፍቶምን ናይ ቀለም ገፆም ከይፈለዮም ብሓደ ስፍራ፣ ብሓደ ኣከዳዳናን እነምልኾ ስርዓትን ንሓድነትና’ውን ከምህረና ይግባእ ኢሎም፡፡

ብማዕረግ ምኽትል ከንቲባ ስራሕ ኣካያዲ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ብወገኖም፣ ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ባዓል ብእስልምና እምነት ተኸተልቲ ብምትሕስሳብ ፣ብምድግጋፍ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ዝኽበር ባዓል ከምዝኾነ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

እዚ ባዓል ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝኾነት ዘርእይ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጥራቱ፤ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ዝሓለፉ ባዓላት ‹‹እቲ ግድብ ናተይ እዩ›› ዝብል ቴማ ብምግዋሕ ንኢትዮጵያ ዘለኩም ወገናውነት ኣሪእኹም ኢኹም፣ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብምዝዛሙ ናትኩም ግደ ዓብይ ነይሩ ኢሎም እዮም፡፡

ግድብ ህዳሰ ብፅዕንቶ ወፃኢ ንከይህነፅ ንምግባር ዝተሞከረ ሙከራ ብምኽሻፍ ኣብ ዓለም ዙርያ ዘለዉ ሙስሊም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝገበርዎ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ልዑል ከምዝነበረ’ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You