“ኢትዮጵያ ዘለዋ ፅንዓት ተፃዋራይነት ብድሆታት ብመርኣያነት ስራሕቲ መዋቕራዊ ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺታታ ይግለፅ” -ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ:- ኢትዮጵያ ዘለዋ ብድሆታት ናይ ዘይምንብርካኽ ፅንዓት በቶም ምጣነ ሃፍታዊ ምርግጋእን መፍረያይነትን ዘቐደሙ ስራሕቲ መዋቕራዊ ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺታታ ብመርኣያነት ይግለፅ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም ፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንጉጅለ ልኡኻኖምን ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝተዳለወ መበል 21 መማልኢ ጉባኤ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት (ኣይዲኤ) ተሳቲፎም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብኹሎም ፈተናታት ዝተሳገረ ናይ ዘይምንብርካኽ ፅንዓት በቶም ምጣነ ሃፍታዊ ምርግጋእን መፍረያይነትን ዘቐደሙ ስራሕቲ መዋቕራዊ ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺታታ ብመርኣያነት ይግለፅ ኢሎም።

ብኮሚሽን ብሄራዊ ምኽክር ብዝምራሕ ስራሕ ምኽክርን ድልየት ዕርቀ ሰላምናን ትምኒትናን ነንፀባርቐሎም ‘ዮም ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ ትምህርቲ ተበፃሒ ብምግባር ኢሉ ‘ውን መናእሰይ ብምብቃዕ ኢትዮጵያ ኽልተ ሚሊዮን ሓደሽቲ ስራሕቲ ንምፍጣር ትልሚ ከምዝሓዘት ተዛሪቦም።

ከም ሓምለዋይ ዓሻራ ብዝኣመሰሉ ሰፋሕቲ ጎስጓሳት ከምኡ ‘ውን ምስ ከባቢ ዝተስማዕምዐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኹሉ ብምብፃሕ፣ ዲጂታላዊ ስግግርንን ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ናይ ምክንኻንን ንጥፈታት ንምስራሕ ‘ውን ጠመተ ከምዝሃበት ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ማሕበር ልምዓት ነታ ኣህጉር ድጋፉ ንከጠናኽር ፃውዒት ኣቕሪባ። እቲ ጉባኤ ንልምዓት ኣፍሪካ ድጋፍ ገንዘብን ቐዳሞት ዓውድታት ጠመተን ንምምልኻት ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ጉዳይ ትኹረት ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

መቕረብቲ ድጋፍ ገንዘብ ኣብ መበል 21 ዘመን እቲ ማሕበር ድጋፎም ንምውሳኽ ብትሪ ንከፅንዑ ናይ ምትሕስሳብ ዕላማ ዝሰነቐ መድረኽ ምዃኑ ‘ውን ተመላኺቱ። ዝቐርቡ ድጋፋት ዕንቅፋታትን ሰናይ ዕድላትን ልምዓት ኣፍሪካ ብግቡእ መገዲ ንምስትእንጋድ ኣዝዮም ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You