ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ከይዲ ትምህርቲ ንምጥንኻር ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ተቐራሪቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብቐረባ ብምስራሕ ሰላማዊ ምምሃር ምስትምሃር ንምጥንኻር ክሰርሕ ከምዘለዎ ጉዳይ ቐዋሚ ኮሚቴ ልምዓት ሓይሊሰብ፣ ስራሕ ስምሪትን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ 13 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ምልከታ ኣካይዱ፡፡

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ጉድኣት ዝበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ምጅማረን፣ ተመሃሮ ናብ ትምህርቶም ምምላሶም፣ ብዛዕባ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ 6ይን 8ይን ክፍሊ ንፈተና ምድላው ብዝምልከት ምስ መራሕትን ሰራሕተኛታትን እቲ ቢሮን በቢ ደረጃታት ዘለዉ መምህራንን ኣዛራሪቡ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ 1ይን 2ይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ውን ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ ትዕዝብቲ ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ቤተልሄም ላቐው ከምዝበለኦ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ብዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ነቲ ኮሚቴ ብዝቐረበሉ ገለፃን ብዝገበሮ ምልከታን ከምዝተረድአን ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ተበፃሕነት ትምህርቲ ሕገ መንግስታዊ መሰል ዜጋታት ‘ኳ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ፀገም ግን ተምሃሮ እቲ ክልል ከምዝተሃስዩ ብምጥቋም፤ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር፣ ዝተጎድአ ስነ-ልቦና ተምሃሮ ብምምላስ፣ ግቡእ ናይ ትምህርቲ እታዎታት ብምሃብ፣ ተምሃሮ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ውፅኢታዊ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ንቐፃሊ ቢሮ ትምህርቲ ብዝተማለአ ኩነታት ናብ ስራሕ ክኣቱ ፍሉይ ትልሚ ብምድላው ምስ ሚኒስቴር ትምህርትን ፋይናንስን ከምኡ ‘ውን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምውህሃድ ክሰርሕ ከምዘለዎን ቀዋሚ ኮሚቴ ‘ውን ናይ ባዕሉ ሓገዝ ከምዝገብርን ተዛሪበን።

ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ብወገኖም ድሕሪ ብዙሕ ፀገማት ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል፣ መምህራንን ተምሃሮን ናብ ንቡር ስርሖም ምምላሶም ብምድናቕ፤ ካብ ዝሓለፉ ፀገማት ትምህርቲ ብምውሳድን ንቐፃሊ ግቡእ ስነ- ኣእምሮኣዊ ምድላዋት ብምግባር ንፅባሕ ንዝሓሸ ህይወት በርቲዕካ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ብግዲኦም፣ ድሕሪ እቲ ኹናት ኣብቲ ክልል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ተጀሚሩ ‘ኳ እንተሃለወ፤ ኣብቲ እዋን ኩናት ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን ናውቲ ትምህርትን ብምዕናዎምን ብምዝማቶምን እቲ ምምሃርን ምስትምሃርን ከይጉዳእ ሓገዝ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ብዙሓት መምህራንን ተምሃሮን ዳግማይ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይምምላስን፣ ዉዙፍ ደሞዝ መማህራን ዘይምኽፋል፣ ካብ መንግስቲ ንዳግመ ህንፀት ዝኸውን እኹል ምምዳብ በጀት ዘይምህላው፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ምዃነን ቀንዲ ምኽንያታት ብቐንዱ ዝጠቐሱ ከምዝኾኑ ዶክተር ኪሮስ ገሊፆም፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ሕዚ ብዘሎ ኩነታት መሰረት ሚኒስቴር ትምህርቲ ከም ሃገር ዘቐመጦ ናይ ተምሃሮ መደብ ፈተና ተምሃሮ እቲ ክልል ክፍተኑ ስለዘይክእሉ ቀዋሚ ኮሚቴን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብዚን ከምኡ’ውን ካልእ ጉዳያትን ንምሕጋዝ እጃሙ ከበርክት ሓ ቲቶም።

ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓድነት 1ይን 2ይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተመልከቱ እንትኾኑ፤ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንመዕቆቢ ተመዛበልቲ እናገልገሉ ምዃኖም ተዓዚቦም።

እቲ ቖዋሚ ኮሚቴ ዘዛራረቦም መምሃራን እቲ ቤት ትምህርቲ ብግዲኦም በቲ ዝነበረ ፀገም ስዒቡ፤ ብዙሓት መማህራን ሙማቶምን ምስዳዶምን ከምዘለዎ ኮይኑ፣ እቶም ናብ ስራሕ ዝተመለሱ ‘ውን ብሰንኪ ናይ 17 ኣዋርሕ ውዙፍ ደሞዝ ብዘይምኽፋሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You