ትኹረት ኣብ ምንቅቃሕ ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም

ኣኽሱም፡- ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም ኣብ ምምላስ ዘነቃቅሕ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕን ከም ሃገር ናይ ኹሉ ሓላፍነት’ዩ ክብሉ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ገሊፆም፡፡ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ኢኮኖሚ ከተማና ብቀጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ ምስ ቱሪዝም ዝተኣሳሰሩ ‘ዮም ፡፡

ዝተፈላለዩ ቅርፅታት ብምስራሕ ፤ ኣስተርጎምቲ፣ ግልጋሎት ሆቴል ምስ እዚኦም ስራሕቲ ቀጥታ ህይወቶም ዝተኣሳሳረ ከምዝኾነ ገሊፆም ፡፡ ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም ብምኽንያት ኮሮና ዝተጎድአ እንትኸውን እዚ ናብ ዝነበረሉ ኣብዘይተመለሰሉ እዋን ዝነበረ ኹናት ተወሲኹ ብሓፈሻ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ፅዕንቶ ፈጢሩ ‘ዩ፡፡

እዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ከም ከተማ ምምሕዳር ቅድምያ ክንገብሮ ዝግበአና ዕማም ተቋሪፁ ዝፀንሐ ግልጋሎት ኦፊስ ትኬት ንክጅምር ፣ ስራሕቲ ፕሮሞሽን ክስራሕ ፣ በዚ ጀሚርካ ናብቲ ንቡር ንክንምለስ እቶም መስሕብ ዝኾኑ ሓድግታት ዝነበሮም ጉዳኣት ንምፅጋን ሰራሕቲ ብዝተወሰነ መልክዑ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ክበፅሕ ዝግበኦ በፃሒ ዓዲ እናመፀ ኣይኮነን ፤ ከምቲ ኹላትና እንፈልጦ እቶም ሓድግታት ዝርከቡ ኣብ ማእኸል ከተማ ስለዝኾኑ ኣብ ዩኒስኮ ዝተመዝገቡ ሓድግታት ‘ውን ዘለዉዎ ስለዝኾነ ኣብ 2012ዓ.ም ቅድሚ እቲ ኹናት ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ብርክት ዝበሉ በፃሕቲ ዓዲ ይመፁ ከምዝነበሩ መረዳእታት ይሕብሩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብጭቡጥ ካብ ደገ በፃሒ ዓዲ መፂኡ ዶ ኣይመፀን ንምባል ምስቲ ዓበይቲ በዓላት ዝተኣሳሲረን ዉሑዳት ዝባሃሉ በፃሕቲ ዓዲ ጥራሕ እናመፁ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ከም ከንቲባ ኣበበ ገለፃ ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ግልጋሎት ብምኽንያት ተፈጢሩ ዝፀንሐ ኹናት ተቋሪፁን ዓንዩን ስለዝነበረ እዚ ናብ ንቡር ንምምላስ እቲ ምምሕዳር ከተማን ህዝብን በቲ ስምምዕነት ሰላም ድማ ፌደራል መንግስትን ሓላፍነቱ ብምውፃእ እቲ ፅገና ኣብ ቀረባ እዋን ተጀሚሩ ከምዘሎን በቲ ውዕሊ መሰረት ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ናብ ግልጋሎት ክኣቱ ብዝብል ‘ዩ እናተሰርሐ ዘሎ ኢሎም፡፡

በዚ ከይዲ ድማ ህዝቢ ኣክሱም ዓብይ ተስፋ ሒዙ ‘ዩ ዝፅበይ ዘሎ ፡፡ ዘፈር ቱሪዝም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምምላስ ኹሉ ግዝያዊ ምምሕዳርን ፌደራል መንግስትን ፍሉይ ትኹረት ክገብርሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ቱሪዝም ልዕሊ ኹሉ ደላይ ሰላም ‘ዩ ፤ ደቂ ሰባት ብሰላም ኣትዮም ብሰላም ክወፁ ኣለዎም ከም ምምሕዳር ከተማ እቲ ቀንዲ መፍለይና ክንገብሮ ኣለና ዝበልናዮ ሰላምን ድሕንነትን ዝምልከት ‘ዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ብምርድዳእ ተገይርሉ ዝተኣተዎ ጉዳይ ‘ዩ እዚ ድማ ብትኹረት እናሰራሕናሉ ኢና ኢሎም፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You