ዘተ – ቐንዲ መፍትሒ ዘላቒ ሰላም

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ኹሎም ዓውድታት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊባ ‘ያ። እዞም ውፅኢታት ግና ብዝተመቻቸወ መገዲ ዝተረኸቡ ኣይኮኑን። ብብዙሕ ዕንቅፋታትን ፈተናታት ውሽጢ ‘ምበር።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝስትውዐል ምዝራግ ሰላም ከምሃገር ብግንባር ቐዳምነት ካብ ዝጥቀሱ ዕንቅፋታት እቲ ሓደን ቐንድን ‘ዩ። ሰላም መሰረት ኹሉ ነገር ከም ምዃኑ፤ ነቲ ዝስትውዐል ስእነት ሰላም ብእዋኑ ፍታሕ ምሃብ እንተዘይተኻኢሉ ዓብዪ ሃገራዊ ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽእል ምሁራን እቲ ዘፈር ምትሕስሳብ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ‘ዮም።

መንግስቲ ሕቶ ኣለኒ ዝብል ኣካል ኹሉ ንዘተ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ንኽመፅእ ተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቡ ‘ዩ። ምስ ዝኾነ ወገን ንምዝታይን ፀገማት ንምፍታሕን ዘለዎ ቖራፅነት ‘ውን ኣፍሊጡ ‘ዩ። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተጣይሹ ‘ውን ናብ ስራሕ ተኣትዩ።

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ብፍላይ ፀገማትና ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ንክረኽቡ ካብ ምግባር ኣንፃር እንታይ ክስራሕ ኣለዎ? ኣብ ዝብል ርኢቶ መዳርግቲ ኣካላት ሓቲቱ።

ፕሬዝዳንት ሕብረት ወንጌላዊት ኣብያተ ኽርስትያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ፃድቁ ኣብዶ ከምዝብልዎ፤ ከምሃገር ሰላም ንምፅናዕ ካብ ስድራ ቤት ጀሚሩ ናይ ኹላትና ምርብራብን ሰናይ ተሳትፎን ዝሓትት ‘ዩ። ብፍላይ መንግስቲ ሰላም ምርግጋፅ ቐዳማይ ተግባሩ ከምምዃኑ ንፀገማት ንሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ኣከኣኢሉ ክንቀሳቐስ ኣለዎ።

መሰለይ ተነኺኡ፣ ረብሓይ ኣይተረጋገፀለይን ዝብል ቕሬታ ዘለዎ ኣካል ‘ውን ኹሎም ፀገማት ፍታሕ ክረኽቡ ዝግብኦም ብምኽክርን ዘተን ክኸውን ከምዘለዎ ኣሚኑ ናይ ኻልኦት ሓሳብ ንምድማፅ ድሉው ክኸውን ኣለዎ። ረብሓና ንምርግጋፅ ንገብሮ ምንቅስቓስ ‘ውን ንሰላማዊ ወገናትና ናብ ፀገም ውሽጢ ዘእትው ንከይኸውን ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ የረድኡ።

ኣብ ኣስተምህሮ ኹሎም ሃይማኖታት ውሽጢ ወርቃማ ሕጊ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ምህላዉ ዝጠቐሱ ፓስተር ፃድቁ፤ እዚ ‘ውን ንዓኻ ንኽግበረልካ ትደልዮ ነገር ንኻልእ ግበር፣ ኣብ ልዕሌኻ ክግበር ዘይትደልዮ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ኻልእ ኣይትግበር ዝብል ‘ዩ። ነዚ ሕጊ ኣኽቢርካ ምንቅስቓስ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዕንቅፋት ንዝኾኑ መሰናኽላት ኹሎም ንምስጋር የኽእል።

ሰላም ብፃዕሪ ዝተወሰኑ ኣካላት ጥራሕ ንምርግጋፅ ምፍታን ብሓደ ኢድ ከም ምጥቓዕ ዝቑፀር ምዃኑ ዝገልፁ እቶም ፕሬዝዳንት፤ መንግስቲ፣ ተዋሳእቲ ፖለቲካ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ህዝብን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ሰላም ንምዕሳል እጃሞም ከወፍዩ ትፅቢት ይግበረሎም።

ብፍላይ ሃይማኖታዊ ትካላት ንኹሎም ሰዓብቶም ዘብዒ ሰላም ንክኾኑ ከምህሩ ከምዝግብኦም ዝጠቐሱ ፓስተር ፃድቁ፤ መምህራን ኢና ንብል ሃይማኖታዊ ሰባት ‘ውን ነምህሮ ትምህርቲ ብህይወት ብምግላፅ ንሰዓብትና መርኣያ ክንኸውን ይግባእ።

ከምቲ ፀገም ንምፍጣር ሒዲት ሰባት ኣበርክቶ ዘበርክቱ ሕድሕድና ንገብሮ ምንቅስቓስ ሰላም ንኽጠፍእን ንኽዓስልን ኣበርክቶ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ ዝብሉ እቶም ፓስተር፤ ብሓይሊ ፍታሕ ንምምፃእ ዝግበር ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ካብ ምስዓብ ዝዘለለ ውፅኢት ከምዘየምፅኡ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ‘ውን ንዓርስና ኣብ ናይ ኻልእ ቦታ ብምግባር ንኻልኦት ምድማፅን ብምምኽኻርን ብዘተን ንፀገም ፍታሕ ንምድላይ ቖራፃት ክንኸውን ይግባእ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ መብራቱ ኣለሙ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝፍጠሩ ዘይምርግጋእን ጎንፅታትን ኣብ ህይወት ሰብ፣ ዕንወት ንብረት፣ ምምዝባልን ሰብኣዊ ቐውስታትን እናስዐቡ ይርከቡ። ነዞም ፀገማት ምፍታሕ ዝከኣል ነንርእስና ክንደማመፅ እንተኽኢልና ‘ዩ። ነዚ ድማ ዘካትቱ መድረኻት ዘተን ምኽክርን ምፍጣር የድሊ።

ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሲቪል ማሕበራትን ሃይማኖታዊ ትካላትን መንግስቲ ንቑሓት ተሳተፍቲ ንክኾኑ ትፅቢት ይገብር ዝበሉ ዶክተር መብራቱ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብዚ ሕዚ እናሰርሐ ዝርከብ ‘ውን ጎንፂ ደው ንምባልን ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ንዘሎ ማሕበራዊ መስተጋብር ንምጥንኻርን ‘ዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ ናብ ዝኾነ ዓይነት ጎንፂ ቕድሚ ምምራሕና ኣለዉና ንብሎም ሕቶታት ኹሎም ንቕድሚት ምምፃእን ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ንክረኽቡ ብቖራፅነት ምቅላስን የድሊ።

እቲ ኻልእ ሰላም ንምርግጋፅ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ፖለቲካዊ ሪፎርም ምክያድ ‘ዩ ዝብሉ እቶም ፖለቲከኛ፤ በዚ ‘ውን ካብ ሕገ-መንግስቲ ጀሚሩ ንትካላት ምፍታሽን ኣካል ፍታሕ ንክኾኑ ምግባርን ይግባእ ክብሉ ኣመላኺቶም። ኣብ ሃገርና ንዝስትውዐሉ ታሪኻዊ ቐይምታት ምፍታሕን ብዝፍጠሩ ጎንፅታት ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ከባቢታት ግቡእ ድጋፍ ብምግባርን ንዝርርብን ዘተን ምችው ኩነታት ምፍጣርን ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።

ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ስርዓትና ጥዑይ ንክኸውን ንመራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ማሕበራዊ ኣንቃሕትን ንሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ናይ ምክእኣልን ምዝርራብን ባህልና ብኸመይ መልክዑ ምዕባይ ከምዝከኣል ግንዛበ ምፍጣር ከምዝግባእ ዝሓበሩ ዶክተር መብራቱ፤ ንሰላም ብድልየትን ምንቅስቓስን ዝተወሰኑ ኣካላት ጥራሕ ምርግጋፅ ኣይከኣልን ክብሉ ተዛሪቦም። ብምዃኑ ‘ውን ካብ መንግስቲ ጀሚሩ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ተራ ክዋፅኡ ትፅቢት ይግበረሎም።

ከም መብርሂ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ፤ ዝኾነ ሕቶ ፍታሕ ክረክብ ዝኽእል ብሰላማዊ ዘተን ምኽክርን ‘ዩ።ሰላም ዝረጋገፅ ‘ውን ብድልየት ውሑዳት ወገናት ዘይኮነስ ምትሕብባርን ፃዕርን ኹሎም መዳርግቲ እንትሕወሶ ‘ዩ። ስለዝኾነ ‘ውን ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ንምዕሳል መንግስቲ፣ ተዋሳእቲ ፖለቲካ፣ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ህዝብን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ክሰርሑ ኣለዎም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

 

 

Recommended For You