‹‹ናይ ለብዘበን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንቐፃሊ እትገብሮ መረፃ መሰረትን ተስፋን ዘንፀፈ እዩ›› መምህር መኮነን ዘለለው

መኣርግ ገ/ሄር

መምህር መኮነን ዘለለው ነባር ተጋዳላይ ህወሓትን መስራቲን ኣባልን ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን (ትዴፓ) እዮም። ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበዩን ዝተመሃሩን ግና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እዩ። ካልኣይ ብርኪ ምስ ወድኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መሰልጠኒ መምህራን ኮሌጅ ኮተቤ ተመሪቖም። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብሞያ መምህርነት እናምሀሩ እናሃለዉ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ንምቅላስ ናብ ገድሊ ህወሓት ብምፅምባር ዝተወሰነ ዕድመኦም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኣሕሊፎሞ እዮም። ይኹን’ምበር ኣብ ከይዲ ናይ ዕላማ ፍልልይ ስለዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ ኣብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ከምኦም ዝበሉ ብፆቶም ብምዃን ‹‹ትግራይ ዲሞክራስያዊ ምትሕብባር›› ዝብል ውድብ ብምምስራት ሰላማዊ ቓልሲ ከካይዱ ብምፅናሕ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስመፀ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ምስ ከምኦም ዝበሉ መቓልስቶም ‹‹ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ›› ዝብል ውድብ ብምምስራት ኣብ ሰላማዊ ቓልሲ እናነጠፉ ይርከቡ። እምባኣርከስ መምህር/ተጋዳላይ መኮነን ዘለዎም ናይ ነዊሕ ዕድመ ፖለቲካዊ ተሞክሮን ልምድን ከካፍሉና ለብዘበን ኣብ ዝተገብረ 6ይ ሃገራዊ መረፃን ካልኦት እዋናዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣመልኪትና ፃኒሕት ገይርና ከምዝስዕብ ኣሰናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣብ ናይ ለብዘን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዘለዎም ርኢቶ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡- ኣነ ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ዝፀናሓኹ ሰብ ኮይነ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሃገርና ዝተገብሩ መረፃታት ሪአ እየ። ለብዘበን ዝተገብረ መረፃ ግና ብዝኾነ መለክዒ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተገብሩ መረፃታት ዝዋዳዳር ኣይኮነን፤ ኣዝዩ ዝሓሸ መረፃ እዩ ነይሩ። ዝተኻየደ መረፃ ህዝቢ ብዘይ ምንም ፅዕንቶን ጎስጓስን ብሰላም ካብ ገዝኡ ወፂኡ መሰሉ ተሓልይሉ ክመርፅ ተዓዚበ እየ። እዚ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ከይዲ መረፃ እዩ። ንሕና ‘ውን ከም ፓርቲ ትዴፓ ካብ ቐደም ጀሚርና ከምዚ ዓይነት መረፃ ክህሉ ኢና ንቓለስ ነይርና። ንሕና ዲሞክራስያዊ መረፃ ክህሉ ፅኑዕ ቕዋም እዩ ዘለና። ናይ ለብዘበን መረፃ ነፃ፣ ዲሞክራሲያዊ፣ሰላማዊን ፍትሓዊን እዩ ነይሩ። ፅዕንቶ ዝፈጥር ኣካል ኣይነበረን፤ ህዝቢ ደስ ዝበሎ ፓርቲ ዝመረፀሉ ግዘ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ ዝነበረ መረፃ እንተሪእና ብጣዕሚ ፀገም ዝነበሮ መረፃ እዩ ነይሩ። ምእንተ ዲሞክራሲ፣ ሰላም፣ ፍትሒን ማዕርነትን ኢሎም ዝተቓለሱ ኣካላት መሰሎም ተጠቂሞም ደስ ዝበሎም ፓርቲ መሪፆም ኣብ ፓርላማ ዝውክልሉ ግዜ ኣይነበረን። እቲ ገዛኢ ፓርቲ ህዝቢ ዘይደልዎም ኣካላት ኣብዚ ቦታ እዚ ከይድካ ተመረፅ እናተባህለ ብትእዛዝ እዩ ዝምደብ ነይሩ። ብፍላይ ናይ ህወሓት ዝነበሩ መራሕቲ ብትእዛዝ እገለ ኣብዚ ቦታ እዚ ከይዳ ትወዳደር እዮም ይብሉ ነይሮም። ህዝቢ ዝደለዮ ክምረፅ ኣይገብሩን ነይሮም። ክዋዳደሮም ዝኽእል ኣካል የጋፍዕዎ እዮም ነይሮም። ተዋዳዳሪ ዝኾነ ኣካል ክሳብ ምቕታል፣ ካርዲ መረፃ ዝሓዘ ሳንዱቕ ምግልባጥ ዝመሳሰሉ ተግባራት ይፍፀሙ ነይሮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽቲኦም መረፃታት ሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊን ፍትሓውን ዝኾነ መረፃ እዩ ነይሩ ምባል ኣይከኣልን። ህዝቢ ደስ ዝበሎ ፓርቲ ከይመርፅ ተዓፊኑ እዩ ነይሩ። ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ከምፀላእቲ ዝረአይሉ እዋናት እዩ ሓሊፉ፤ ኢህወዴግ ጥራሕ ብዓብላላይነት ዝወዳደረሉ መረፃ እዩ ነይሩ። ንሕና ነዚ ንምስትኽኻል ብዙሕ ንፅዕር ነይርና ኢና። ሕዚ ንሕና ከም መጠን ፓርቲ ንትግራይ ጥራሕ ስለ ንውክል ኣብዚ መረፃ እዚ ዋላ ኣይንወዳደር እቲ ዝተኻየደ መረፃ ካብ ቕድሚ መረፃ ክሳብ መዓልቲ መረፃ ዝነበረ ከይዲ ፅቡቕ ኣካይዳ ምንባሩ ርኢና ኢና። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካብኡ ወፃኢን ዝተገብሩ መረፃታት ካብ ቕድሚ ሕዚ ዝተገብሩ መረፃታት ኣዝዩ ዝሓሸ መረፃ እዩ ተኻይዱ ምባል ይካኣል እዩ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ግና ፍፁም ጉድለት ኣይነበሮን ማለተይ ኣይኮነን። ንኣብነት ፓርቲ ኢዜማ ኣብ ሓደ ሓደ ናቍጣታት መረፃ ፀገማት ከምዝነበሩ ምዕዛቡ ገሊፁ እዩ። በዚ መሰረት ‘ውን ናብ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ ክስተኻኸል ዝኽእል ተስተኻኺሉ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ፍታሕ ኣይዋሃብን ነይሩ። እዞም ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ድማ ቕድሚ ሕዚ ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ መረፃታት ዝለመድዎ ተግባር እዮም ክደግሙ ሞኪሮም።

ቅድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ብኢህወዴግ ዝነበሩ ፓርቲታት ከም ተናሕናሕቲ ፓርትታት እንተይኮኑስ ከም ፀላእቲ እዮም ይቑፀሩ ነይሮም። ነፃ፣ዲሞክራሲ፣ፍትሓዊ ዝኾነ ውድድር ኣይነበረን። ፓርትታት ኣብ ናይ መድረኽ ዝገብርዎ ዝነበሩ ክርክር ዋላ እኹል ዝኾነ ግዜ ኣይንበሮም ኮይኑ ግና ካብ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ንሕንሕ መረፃ ንኹሎም ተወዳደርቲ ማዕረ ግዜ ብምሃብ ዝሓዝዎ ፖሊሲ ንህዝቢ ክገልፁ ተገይሩ እዩ፤ ደስ ዝብል ንሕንሕ ገይሮም እዮም። እቲ ዝነበረ ውድድር ብቴሌቪዥን ጥራሕ ምንባሩ እኹል ኣይኮነን ከንብል ንኽእል ኢና። ብኣካል በቢ ኸባቢኡ እናዘሩ እንተዝኾን ነይሩ ዝበለፀ ምኾነ ነይሩ።

ንኣብነት 50 ዝኾና እስቴታት ዘለዋኣ ኣመሪካ እንተወሲድና ተናሕናሕቲ ፓርትታት በቢ እስቴቱ እናዘወሩ ህዝቢ ኣኪቦም እዮም ሓሳቦምን ፖሊሲኦምን ዝገልፁ። ኣብዚ ግና ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ንቐፃሊ ከምዚ ተዝግበር ፅቡቕ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ኮይኑ ግና ብቴሌቪዥን ዝተገብረ ንሕንሕ ቅድሚ ሕዚ ምስነበረ ከነፃፅሮ እንተለና ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ዝካየድ ዝነበረ መረፃ ፀረ ዲሞክራሲ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ተናሕናሕቲ ፅልኢ’ምበር ፍቕሪ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ለብዘበን ግና ከምዚ ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ መንጎ ተናሕናሕቲ ዝነበረ ምቕርራብ ዳርጋ ፍቕሪ ዝተመልኦ ኩነታት እዩ ነይሩ ምባል ይካኣል፤ ምክብባር ዝተመልኦ ንሕንሕ እዩ ነይሩ። እዚ ንቐፃሊ ክልመድ ክኽእል ኣለዎ፤ነቲ ከይዲ ህዝቢ ብዝግባእ ተኸታቲልዎ እዩ፤ እዚ ኣካይዳ እዚ ድሕሪ ሕዚ ንደሓር ይምለስ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ህዝቢ ንመን ፓርቲ ክመርፅ ከምዘለዎ ክርዳእ ክኢሉ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ይጠቕመኒ እዩ ዝበሎ ፓርቲ መሰሉ ተጠቒሙ ብናፃነት ንኽመርፅ ክኢሉ እዩ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ግና ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ናፃ እዩ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ኣብ ከም ደቡብ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ዝመሳሰሉ ቦታታት ዝተወሰነ ፀገም ነይሩ እዩ። ብሓፈሻ ግና ናይ ለብዘበን መረፃ ዝሓሸ ኮይኑ እየ ረኺበዮ። ኣብ ዝቐረዩ ቦታታት ኣብ ወርሒ ጳጉሜን ዝካየድ መረፃ ‘ውን ከምዚ ዓይነት መረፃ ክኸውን እዩ ኢለ እየ ተስፋ ዝገብር።

ወጋሕታ፡- ድሕሪ መረፃ ዝነበረ ዲሲፕሊን ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡– ድሕሪ መረፃ ልዕል ኢለ ከምዝገለፅክዎ ካብ ኣባላት ኢዜማ ዝቐረበ ቅሬታ ነይሩ እዩ። እቶም ኣባላት ከምዝብልዎ ሓደ ሓደ ትኽክል ዘይኮኑ ዘስተውዐልዎም ነገራት ከምዝነበሩን እቲ መረፃ ብሰላም ንኸሓልፍ ብምሕሳብ ንመረፃ ቦርድ ከምዘፍለጡን ተዛሪቦም እዮም። ድሕሪ መረፃ ከመይ ተዓዚቦሞ ዝብል ሕቶ ግና ክሳብ ሕዚ ገና እዩ፤ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተወደአን ዘሎ። ስለዚ ድሕሪ ውፅኢት እንታይ ከምዝፍጠር ገና ሓቢርና ንሪኦ ኩነታት እዩ ዝኸውን። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ግና እዚ እዩ ዝባሃል ፀገም ኣይተፈጠረን። ኣነ ከምዝመስለኒ ግና ውፅኢት ሙሉእ ብሙሉእ ምስተፈልጠ ሕማቕ ነገር ይፍጠር እዩ ዝብል ሓሳብን ግምትን የብለይን። ቕሬታታት የለውን ማለት ኣይኮነን።

 ዝተወሰኑ ቕሬታታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ፓርቲ ኣብን ቕሬታ ከምዘለዎ ገሊፁ እዩ። ኮይኑ ግና ምስ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ መረፃታት ፍፁም ክተወዳድሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ዝነበረ ፓርላማ ናይ ህዝቢ ፓርላማ እዩ ነይሩ ምባል ኣይከኣልን፤ ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ እዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ድስፒሊን ተናሓናሕቲ ፓርትታት እንትንርኢ እንተለና ግና ሕግን ደንብን ቦርድ መረፃ ኣኽቢሮም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ።

ወጋሕታ፡- ናይ ለብዘበን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ታሪኻውን ቅድሚ ሕዚ ይካየዱ ካብዝነበሩ መረፃታት ዝተፈለየን እዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። እዚ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡- ናይ ለብዘበን መረፃ ሓደ ፍልይ ዘብሎ እንታይ እዩ እንተይልና ቦርዲ መረፃ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበረ ቦርድ መረፃ ዝተፈለየ እዩ። ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ቦርድ መረፃ ንገዛኢ ፓርቲ ወይ መንግስቲ ዘገልግል ስለ ዝነበረ ካብ ሻራዊ ነፃ እዩ ነይሩ ምባል ኣይካኣልን። ንመንግስቲ እዩ ዝሕግዝ ነይሩ ከንብል እንተለና ካብ መንግስቲ ነፃ ኮይኑ ዝተዋቐረ ትካል ኣይነበረን ማለት እዩ።

ኣብ ናይ ለብዘበን መረፃ ግና መንግስቲ ብጀካ ዝጎደለ ነገር ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ናይ ቦርድ መረፃ ሓላፍነት ኢዱ ኣየአተወን፤ እቲ ቦርድ መረፃ ካብ ተፅዕኖ መንግስቲ ስርሑ ናፃ ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ነዚ ‘ውን እዩ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ነፃ ኮይኖም ክናሓንሑ ክኢሎም። ብመንግስቲ ወገን ንቦርድ መረፃ ዝጎደለ ሓገዝ ካብ ምግባር ሓሊፉ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ መረፃታታት ሓይሊ ተጠቒሙ ንዓና ምረፁ ዝብል ኩነታት ኣይነበረን። ነዚ መረፃ እዚ ታሪኻዊ ዘብሎ ጉዳይ ሰላማዊ፣ ዲሞክራሲያዊን ፍትሓውን ካብ ምዃን ብተወሳኺ ተናሕናሕቲ ፓርትታት ኣብ መዓልቲ መረፃ ብሓደ ኢዶም እናመረፁ ብሓደ ኢዶም ድማ ተኽሊ ምትካሎም እዩ። ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተኽሊ ምትካል ኣብ መዓልቲ መረፃ ጥራሕ እንተይኮኑስ ኩልና ከምንፈልጦ በቢዓመቱ ብዙሕ ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕቲ እናሰርሑ መፂኦም እዮም። ኣዲስ ኣበባ እኳ እንተሪእና ብዙሕ ናይ ሓምላዋይ ልምዓት ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም። ነታ ከተማ’ውን ምልክዕቲ ከትኸውን ገይርዋ እዩ። ኣብ መዓልቲ መረፃ ጎኒ ንጎኒ ክልተ ስራሕ ክስራሕ ምግባሩ ‘ውን ነዚ መረፃ እዚ ፍልይ ዘብሎ ተግባር እዩ። ክልቲኦም ናይ ሃገር ጉዳይ ብምዃኖም መንግስቲ ኣብ ትኽሊ ምትካል ትኹረት ምሃቡ ብጣዕሚ ዝናኣድ ተግባር እዩ። ህዝቢ ካብ ገዝኡ ወይ ካብ ስርሑ ወፂኡ ስለ ዝመረፀ ኣይኮነን ሓዱሽ ዝገብሮ፤ ከምዚ እማ ቅድሚ ሕዚ ‘ውን ነይሩ እዩ።

ወጋሕታ፡- ናይ ለብዘበን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንቐፃሊ ትምህርትን ተስፋን ክህብ ይኽእል እዩ ዶ ይብሉ? እንተኾይኑ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡- እወ ናይ ለብዘበን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንቐፃሊ እትገብርም መረፃታት መሰረትን ተስፋን ዘንበረ እዩ። ናይ ብሓቒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝደለዮ ፓርቲ ብምስትውዓል ናይ ምምራፅ ተኽእሎ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ለባም ፣ መስተውዓሊ ንቕሓት ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ኢህወዴግ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ዘካይዶም ዝነበረ መረፃታት ተናሕናሕቲ ፓርትታት ሓሳቦም ንህዝቢ ዘቕርብሉ ግዜ ሓፂር እዩ ነይሩ። ኣብ ክርክር ግዜ እንተሪእና መንግስቲ ንባዕሉ እኹል ግዜ እናተጠቐመ ንተናሕናሕቲ ፓርትታት ግና ሓፂር ግዜ እዩ ዝህብ ነይሩ። እዚ ዝኾነሉ ዝነበረ ምኽንያት ድማ ተቓወምቲ ፓርትታት እኹል ሰዓት ረኺቦም ዝሓዝዎ ሓሳብ ንህዝቢ ብምግላፅ ኣሸኒፎም ናብ ፓርላማ ምእንቲ ከይኣትዉ ዝገብሮ ዝነበረ ሜላ እዩ። ናይ ሕዚ መንግስቲ ካብዚ ከምዚ ዝበለ ጉድለታት ተማሂሩ ሕዚ ዝሓሸ ምግባሩ ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዩ። ነዚ ‘ውን እየ ሕዚ ተገይሩ ዘሎ መረፃ ንህዝቢ ኢትዮጵያ መሰረት ዘንበረ መረፃ እዩ ዝብል ዘለኹ። ንቐፃሊ ዓብዪ ተስፋን ትምህርትን እዩ። ድሕሪ ሕዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ይምለስ እዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን። እንኳደኣሰ እናበለፀ ክኸይድ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ስለዚ እዚ ናይ ለብዘበን መረፃ ንናይ ለብዘበን መረፃ ጥራሕ ዝጠቕም ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ዝዓበየ ጥቕሙ ንቐፃሊ ዝህቦ ትምህርትን ተስፋን እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ናይ ለብዘበን መረፃ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ተዓዘብቲ ብዘይ ምልኣኾም ፅልዋ ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሎም ዶ ይኣምኑ?

መምህር መኮነን፡- ኣሜሪካ ኣብ ተፋላለያ ከም ኣውሮፓ ዝበላ ሃገራት መረፃ እንተካይዳ ሓገዝ ገንዘብ ብምምዳብ እንተይቐረየ ትከታተል ነይራ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ቕድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ክትትል እናገበሩ ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግና ኣብ ናይ ለብዘበን መረፃ ብኸምዚ ዓይነት ዘይምኻዶም ጌጋ እዩ። ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ተዓዘብቲ ልኢኾም ክከታተሉ ይግበኦም ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ብዘጋጠመ ዘይምርግጋዕን ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ሰላምን ዲሞክራስን ከምዘየለ ገይሮም ብምስኣሎም እዩ ከምዚ ኮይኑ። ሙሉእ ብሙሉእ መንግስቲ እዩ ተቖፃፂርዎ ዘሎ፤ ተናሕናሕቲ ብናፃነት ዝወዳደርሉ መረፃ ኣይኮነን ወይ ረቋሒታት መረፃ ኣየማልእን ብምባል እዮም ክዕዘቡ ዘይከኣሉ።እዚ ግና ትኽክል ኣይኮነን። እንኳደኣስ ለብዘበን ዝተኻየደ መረፃ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ ሓሙሽቲኦም መረፃታት ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ዝተኻየደ መረፃ መፂኦም ክዕዘብዎ ይግባእ ነይሩ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ።

ኮይኑ ግና በቲ ዝተገብረ መረፃ ከምተደነቑ እየ ዝኣምን። እንኳደኣስ ሓደ ሓዲኦም ከምተጣዕሱ ገሊፆም እዮም። እተን ቐርየን ዘለዋ ቦታታት ኣብ ወርሒ ጳጉሜን ዝካየድ መረፃ ‘ውን ከምዚ ናይ ሕዚ ዝበለ መረፃ እንተኾይኑ ተዓዘብቲ ዘይምልኣኾም ብጣዕሚ ከምዝጠዓሱ እየ ዝኣምን። ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ዘይተራእየ ታሪኻዊ መረፃ እዩ ተኻይዱ ዘሎ። እዞም ኣካላት እዚኦም ዘይተፀበይዎን ዘይገመትዎን መረፃ እዩ ተኻይዱ። ዝመፅእ ፅልዋ ይህሉ ዶ ኣይህሉን ንዝብል ሕቶ ግና ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ኮይኑ ግና ሓቃዊ ዝኾነ መረፃ ብምክያድና እቲ ዝመፅእ ፅልዋ እናፈሸለ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ሒዞሞ ዝነበሩ ቅዋም ከቕይር ዝኽእል መረፃ ስለተኻየደ በቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቕዋም ይቕፅሉ እዮም ዝብል ሓሳብ የብለይን።

ወጋሕታ፡- ውፅኢት መረፃ ኣብ ዝግለፀሉ እዋን ካብ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት እንታይ ትፅቢት ይግበር?

መምህር መኮነን፡– ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ቅድሚ መረፃን ኣብ ከይዲ መረፃን ዘርአይዎ ድስፕሊን ፅቡቕ እዩ ነይሩ። እዚ ክድገም ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን። ውፅኢት ምስረአዩ ዘይኮነ ምንቐስቓስ ዘርእዩ እንተኾይኖም ግና ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ውሽጢ እዮም ዝኣትዉ። ንቐፃሊ ውድድር ‘ውን ተኣማንነቶም ከስእኖም ይኽእል እዩ። ስለዚ ህዝቢ ዝሃቦም ውፅኢት ኣሜን ኢሎም ክቕበሉ ከምዘለዎም እየ ዘተሓሳስብ። ቕድሚ ኩሉ ድምፂ ህዝቢ ክኽበር እዩ ዘለዎ። ፀገም ነይሩ እዩ ዝብልዎ ነገር ተልዩ ‘ውን ብሕጊ እዩ ክረአ ዘለዎ። ዕግርግር ከልዕል ዝኽእል ሓሳብን ምንቕስቓስን ክህሉ የብሉን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዘላቒ መፍትሒ ክረክብ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

መምህር መኮነን፡– ከምዝፍለጥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ብጣዕሚ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ እዩ በፂሑ ዘሎ። ህዝቢ ይውዳእ እዩ ዘሎ። መንግስቲ ንምንታይ ዘይኣልዮ እንተይልና ድማ ብዝኸኣሎ መገዲ ይንቐሳቐስ ኣሎ እዩ። ወተሃደር መዓልቲ መዓልቲ ይመውት ኣሎ እዩ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ናይ ባዕሉ ጉድለታት ኣለውዎ እዮም ኢለ እየ ዝሓስብ። እቶም ጉድለታት ኢለ ዝሓስቦም ተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ምስ ብልፀግና ኮይኖም ክሰርሑ ኣይገበረን። ንሕና ከም ፓርቲ ትዴፓን ካልኦትን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሓቢርና ከንሰርሕ ኣይተገብረን። በይኑ ብልፅግና እዩ እናጎየየ ዘሎ። እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን። ካሊእ ከም ማሕበራት ሲቪክ፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከሳተፉ ክግበር ነይርዎ። ምኽንያቱ ኩልና ብሓደ ኮይና እንተሰሪሕና ነቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ እናቐለለ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኩልና ፓርቲታት ብሓደ ከንወፍር እዩ ዝግበአና። ኩልና ብሓባር ወፊርና ድማ ካብ ናይ ህወሓት ምምሕዳር ዝሓሸ ኣመሓድራ ክነምፅእ ኣለና። እንድሕር ከምዚ ኮይኑ ህዝቢ ተረጋጊዑ ናብ ስርሑ ክኣቱ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ተተረጋጊዑ ድማ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ሓሳብና ናብ ህዝቢ ክነቕርብ ንኽእል ኢና። ካብኡ ህዝቢ ሓሳብና ሰሚዑ ደስ ዝበሎ ፓርቲ ኣብ ምምራፅ ወሳናይ ግደ ክፃወት ይኽእል እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ መረፃ ሪኢዎ ኣሎ እዩ። ንሕና ከም ፓርቲ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዝበለ መረፃ ክካየድ ኢና ንቓለስ ዘለና። ስለዚ ኣብ ትግራይ ሰላም ንምምፃእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ንሰላምን ንፍትሕን ብምቕላስ ናይ ስልጣን በዓል ዋና ክኸውን ኣለዎ። ህወሓት ብዛዕባ ሰላምን ዲሞክራስን ዝሓስብ ውድብ ኣይኮነን፤ ብሓይሊ እዩ ዝኣምን። እዚ ውድብ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ፍትሒ ከምፀአሉ ኣይኽእልን። መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጭቖና ንምውፃእ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወሰዶ ስጉምቲ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርትታት ሕጉሳት እዮም። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኣብ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም መሰል ሰብኣዊ ጥሕሰት ዝበሉ ጉድለታት ስለ ዛጋጠሙ ኣብ ህ ዝቢ ምድንጋር ተፈጢሩ እዩ።

ወጋሕታ ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር መኮነን፡– ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ጀሚሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዓብዪ ጎደሎ ነይሩ እዩ። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሴፍቲኔት ተሓቚፉ ፀኒሑ እዩ። እዚ ድማ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ናይ ህዝቢ ትካላት ክምስርት ኣይከኣለን። ናይ ባዕሉ ትካላት ጥራሕ እዩ ይምስርት ነይሩ። ኣብ እዋን ቓልሲ ኣካሎም ዝጎደሉ ተጋድልቲ እንተይቐረየ ደርብይዎም እዩ ነይሩ። ካብቶም ትካላት ማህበር ረዲኤት ትግራይ እንተወሲድና ሽሙ ናይ ህዝቢ ትግራይ ትካል እዩ ኮይኑ ግና ህዝቢ ኣይኮነን ይጥቐመሉ ነይሩ። ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝመፀ ሓገዝ ዝኣኽሎ ምስ ወሰደ እዩ ዝተረፈ ንህዝቢ እናሃቦ ፀኒሑ። ዝህቦ ዝነበረ ድማ ዝረብሕ ኣይኮነን ነይሩ። ህዝቢ ተፀባዪ ሓገዝ ክኸውን እዩ ገይርዎ ፀኒሑ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ህወሓት ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ግዜ ህወሓት ‘ውን ዝለዓለ ጥሜት ነይርዎ እዩ።

እቲ ሕዚ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝኸድ ዘሎ ሓገዝ ድማ ብትኽክል ናብ ህዝቢ ኣይበፅሕን ዘሎ። ስለ ምንታይ እዩ ዘይበፅሕ ዘሎ እንተይልና እቲ ናይ ህወሓት መስመር ገና እዩ ዘሎ ኣይፀረየን። እቲ ማሕበር ከምዝነበሮ እዩ ዘሎ፤ ኣይፈረሰን። እቶም ሓላፍነት ወሲዶም ዘፈፅሙ ዘለዉ ኣካላት ‘ውን ኣካላት ህወሓት እዮም። እቲ ዝኸድ ዘሎ ሰባአዊ ሓገዝ እኹል እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ሓገዝ ካብ መንግስትን ገበርቲ ሰናይን ይለኣኽ ኣሎ፤ኮይኑ ግና ብትኽክል ናብቲ ክሕገዝ ዝግበኦ ሕብረተሰብ እንተይበፅሐ እዩ ዝተርፍ ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ሓዊሱ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ፀቒጦም ክሰርሑ ይግበኦም። ስለዚ ደሚርካ እንትረአ እንተሎ እቲ ዝነበረ ናይ ህወሓት ኔት ወርክ ፀገም ስለ ዝነበሮን ከምኡ ‘ውን ስለ ዘይተበታተኸ ዝኸድ ዘሎ ሓገዛት ኣብ ማዕልኡ ኣይውዕልን ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ትዴፓ ከም ፓርቲ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ እንታይ ዓይነት ምንቕስቓስ ይገብር ኣሎ?

መምህር መኮነን፡– እዚ ፀገም ክፍታሕ እንተኾይኑ መንግስቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩልና ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ማሕበራት ሲቪክን ሓቢርና ክንወፍር ከንኽእል ኣለና ኢልና ኢና ንኣምን። እዙያት ክሳብ ሕዚ ኣይተገብረን፤ እዙት እንተዘይተገይሩ ድማ እቲ ዘሎ ፀገም ንምፍትሑ ዘፀግም ኩነታት እዩ ክኸውን። ንሕና ምስ መንግስቲ ጎኒ ኮይና ፀገም ህዝቢ ክፍታሕ ድሌት ኣለና እዩ፤ ብዝኸኣልናዮ መጠን ‘ውን ኣብ ምንቐስቓስ ኢና ንርከብ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ክንድትዝድለ ሓቢርና ከንሰርሕ ብዘይምግባሩ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይከኣለን ዝኒሀ።

ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ወይ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቶም በዚ ኣጋጣሚ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

መምህር መኮነን፡- ንህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘመሓላልፎ ሓሳብ እንተሃለወ፤ ኣነ ክብሎ ዝደሊ ህዝቢ ትግራይ ወገን ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ትግራይ ማለት ኢትዮጵያ እያ፤ ኢትዮጵያ ማለት ‘ውን ትግራይ ማለት እያ። ክልቲአን ክነፃፀላ ኣይኽእላን። ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ትግራይ እትበሃል ዓዲ ከትህሉ ኣይትኽእልን። ኢትዮጵያ ‘ውን ከምኡ ፤ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ክሳብ ሕዚ ንኸትፀንሕ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ስለዚ ዝፋላለ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ክተሓጋገዝ ክኽእል ኣለዎ።

ንግዚኡ ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ወዲቑ እዩ ዝርከብ። ስለዚ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንኽውገድ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኽእሎ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ብፍላይ ህወሓት ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ዝግበር ሓገዝ ህዝቢ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ብጀካ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ህወሓት ተገላጊሉ እዩ። ንሓዉ ህዝቢ ትግራይ ድማ ክገላግሎ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ዝኹሉ ፀገም ኣጋጢምዎ ዘሎ ብሰንኪ ህወሓት እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ድኽነትን መከራን ንምውፃእ ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኑ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ፤ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ኣብ ፀገም አዩ ዘሎ። እዚ ህዝቢ እዚ ብደቑ ክከሓድ ክኢሉ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ብምውጋድ ካብ ፀገም ክወፅእ ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ ዝተፀገሞ ይኣኽሎ እዩ። ደጊሙ ክጉዳእ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ተሞክሮ ዘለዎ ህዝቢ ብምዃኑ መሰሉን ግቡእን ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ክሳብ ሕዚ ካብ ናይ ህወሓት ጭቖና ተገላጊሉ ሰላማዊ መረፃ ገይሩ ናፅነቱ ኣብ ኢዱ ክጭብጥ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ እየ ከመሓላልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።

መምህር መኮነን፡- ኣነ ውን የቕንየይ።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You