መስቀል ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ

“ንመስቀለይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ

ኣሽንኳን ንመስቀል ንወለሎ ንሰብ እኮ ዝዕለሎ”

እናተብሃለ ካብ ፅባሕ ሓዱሽ ዓመት ጀሚሩ ብናፍቆት ትፅቢት ዝግበሮ በዓል መስቀል ሃይማኖታዊን ባህላዉን ትሕዝቶ ዘለዎ ተፈታዊ በዓል ኮይኑ ኣብ መላእ ኢትዮጽያ ዝኽበር ‘ዩ።

ብፍሉይ ድማ ኣብ ትግራይ ከባቢ ዓጋመ ኢሮብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጉራጌን ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎን ቤተሰብ ንቤተሰብ ዝጠያየቁሉን ብፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎን በዓል ብምዃኑ ኣብ ካሊእ ከባቢ ካብ ዝኽበር ቁሩብ ፍልይ የብሎ።

ብፍላይ ከዓ ኣብ ዓዲግራት ኢሮብ ዝበሉ ከባቢ “መስቀልያ ዘይወዓለስ ዳርጋ ዘይከረመ” እናተብሃለ ዝምሰለሉን፤ ኩሉ ድማ ከካብ ዝነበሮ ዓዱ ኣትዩ ምስ ቤተሰቡ ዘሕልፎን ካብ ምዃኑ ብትወሳኺ እቲ በዓል ፍልፍል እቶት ኣብ ምዃን ዓብይ ረብሓ ኣለዎ።

ኩሉ ናይ ስራሕ ቦታ ይኩን ምንቅስቃስ ኣብ ቅነ መስቀል ዳርጋ 100% ዝውስክን ዝደምቅን ከምዝኾነ ይፍለጥ። ካብ መስቀል ብዙሕ ዝበለ ገንዘብ ይርከብ። ቀሊል ዘይብሃል ቁፅሪ ሰብ ናይ ዓመታዊ ኣታዊኡ ኣብ ሓደ ጊዜ ዝረክበሉ ቅነ በዓልን ስራሕን ‘ዩ ክብሃል ይክኣል። መብዛሕቲኡ ተወላዲ ዓጋመ ካብ ካልኦት በዓላት ብዝበለፀ ተገዲሱ ቤተሰቡ ናብ ትውልዲ ቦትኡ ዝመፀሉ በዓል ‘ዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ሓፈሻዊ ምድላዋት በዓል መስቀል ኣመልኪቶም ምስ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ምብራቕ ትግራይ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝም ከተማ ዓዲግራት ኣይተ የማነ ተኽለማርያም ከምዝበልዎ፣ ‘’በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ከም ዝኽበርን ማሕበረሰባዊ ክብርታት ዓጋመ ክብ ብዘብልን ስቓይ ህዝብና ብዝፍውስ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታትና ብምዕቃብ ፀገምና ብምቅላል ናብ ረብሓናን ብዝልውጥን መልክዑ ንምብዓል እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም።

እቲ በዓል፣ ብመተሓባባራይነት ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ዝሳለጥ ዓኾ ዓኾዃይ፣ ሆያሆየ፣ ምርኢት ባህሊ፣ ደመራ፣ መኣዲ ዓጋመ፣ ፌስቲቫል ቤተሰብ፣ ጓይላ መስቀል፣ ስፖርት ፅዋዕ መስቀልን ዝኣመሰሉን ምድላዋት ‘ውን ተሓጒስናን ኩሉ ነገር ተማሊኡ ዘይኮነስ እቶም መግለፂ ክብርና ዝኾኑ ትውፊታት ኣካል ሕውየትና ብምግባር ዋላ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይንና ንረብሓና ብዝጥዕሙን ፀገምና ብዘቃልሉን ኣገባብ ንምኽባር ምድላዋት ከም ዘካትት ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ፈተውትን ተወለድትን ኣብ ሕውየት ከባብታት ዓጋመ ኣድሂቦም ንዘበርክትዎ ዘለዉ ዕዙዝ ግደ ብምንኣድ ድሕንነትን ፀጥታን ዜጋታት ውሑስ ንምግባርን ብምኽንያት እቲ በዓል ዝተጋነነ ናህሪ ዋጋ ንዘርኣዩ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዝከታተል ኮሚቴ ተጣይሹ ‘ቲ በዓል ንክብሪ ህዝብና ብዝምጥን ኣገባብ ንክሓልፍ እናተሰርሐሉ ከም ዝርከብ ‘ውን ኣረዲኦም።

ካሊእ ኣብቲ በዓል ካብ ዝዝውተሩ ተግባራት ኣብ ድሮ መስቀል ኣወዳት ሽግ ብምብራህ ብፍላይ ኣብ ዝባን ጎቦ ቀንዳዕሮ ተወሊዐን ፣ ኣቦታት ብቕድሚት ሰገናትን መናእሰይን ብድሕሪት ፣ ኩሎም ሽጎም ኣብሪሆም ፣ ሰልፎም ሒዞም ፣ ሆየ ሆያ ሆየ እናበሉ ናብ ከተማ እንትወርዱ።

ኣብቲ ዋና በዓል ኣብ ኩሉ ገዛ ብዝኽኣሎ ብላዕ ስተ እንትበሃል፣ ተሓሪዱ ቁልዋ ጥብሲ ፣ ሶላ ፣ ግዕዝም ፣ ጥሕሎ ዛምሰሉ ባህላዊ ምግብታት እንተብላዕ ፣ሜስ እናተሰተየ ፍሉይ ታሕጓስ ዝዓሰሎ በዓል ‘ዩ ዝብዓል።

ጎና ጎኒ ምኽባር እቲ በዓል ድማ ዝተፈላለዩ ተግባራት ልምዓት ዝካየደሉ ምቚኑ ድማ ፍልይ ይገብሮ። ብዙይ መሰረት ድማ ህያብ መሰቀል ትግራይ ኣብ ዓጋመ 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ፍትሒ፣ዳግመ ህንፀትን ብምርግጋፅ ኩለመዳይ ሕውየት ክብሰር ዘኽእል ዕማም ድያሰፓራ ተወለድቲ ዓጋመን ከባቢኣን ብሸም በዓል መሰቀል ትግራይ ኣብ ዓጋመ ምሰ ምምሕዳር እታ ከተማ ብምውዳድ ይሳለጥ ኣሎ። ብሰንኪ ወራር ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ፣ ጥዕናን ብዝተወደበ ኣገባብ ድጋፍ ምሃብ ከምዝጀመረን ዋና ዕላማ ምኽባር በዓል መሰቀል እዚ ዓመት ‘ውን ካብ ውድቀትና ዳግም ንምሕዋይ ምድግጋፍ ‘ዩ።

ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ተወለድቲ UK ኣብ ከተማ ዓዲግራት በቲ ኩናት ከቢድ ዕንወት ዝበፅሓ ፍኖተ_ብርሃን 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ብ1.2 ሚልዮን ብር ናይ ወንበርን ማዕፆ መሳኹትን ድጋፍ ምግባሮም ዝተገልፀ ኮይኑ 10መስከረም 2016 ዓ/ም ድማ ከቢድ ፀገም ዘለዎ ሓፈሻዊ ሆሰፒታል ዓዲግራት ብልዕሊ 600,000 ብር ወፃኢ ኣብ መዋልዳንን ካልኦትን ድጋፍ እናገበሩ ይርከቡ።

እቲ በዓል ገና ሰሙን ክልተሰሙን ክተርፎ ከሎ ጀሚሩ ምድማቅ ዝጅምር ኮይኑ ፤ ሎሚ ‘ውን ከም ወትሩ ጎዳናታት ብዕዱማት ምጭንናቃት ከምዝጀመረት ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓዲግራት ኣፍሊጦም ‘ዮም። ናብ ከተማ ዝኣቱ ተወላድን በዓል መስቀል ክኽብር ዝውሕዝ በፃሕን በርኪቱ ‘ዩ። በዝሒ ተሽከርከርቲ ምፅዓቕ ጀሚሩ ኣሎ።

ግዝያዊ መተሓባበሪ ትራፊክ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረፃድቃን ገብረመድህን ብወገኖም ፣ ከይዲ ፍሰት መጓዓዝያ ንምቁፅፃር ተወሰኽቲ 26 ትራፊካት ናብ ዓዲግራት ከምዝኣትዉን ብፍላይ ታርጋ ዘይብለን ተሸከርከርቲ ምንቅስቓስ ከምዘዪፍቀድ ‘ውን ኣረዲኦም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You