‹‹ኣብ ዓፋር እንኳዕ ሰብ ግመል’ውን ነቲ መረፃ ሰላማውነት ተሓባቢሩ እዩ››

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዓፋር ሙቐት ዝሕይለሉ ግዜ እዩ። ናይቲ ዕለት ሙቐት 45 ዲግሪ ሴልሺየስ በፂሑ እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ሰዓት መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓፋር ፅላል ናብ ዘለዎ ቦታ ብምኽያድ ብዕረፍቲ እዩ ዘሕለፎ። ኣብዚ ናይ መረፃ ዕለት ግን ብፍሉይ ንጉሆ ምሸት እንተይበለ በቢ ድምጺ መውሃቢ ጣቢያ ተረኺቡ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ይኾነኒ እዩ ንዝብሎ ኽመርፅ ውዒሊ እዩ።

ስርዓት ብዘለዎን ሕጊ ብዝተኸተለ መልክዑ ምትእንጋዶም ዝገለፁ መረፅቲ ብዙሓት እዮም። ኣይተ ኑሩ ዓሊ ናይ ዱብቲ ኸባቢ ነባሪ እዮም፤ ሀገር ክትጠፍእ እያ በቢኸባቢኡ ግጭት ክላዓል እዩ እንዳበሉ ኽዛረቡ ክሰምዕ እንተለኹ ከም ሓደ ዜጋ ምሕሳበይ ኣይተረፈንን። ኮይኑ ግና ኹሉ ሓሊፉ ዋላ ፀገማት እንተሃለዉ መረፃ ምክያድና ዓብዪ ለውጢ እዩ። እዚውን ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም እዮም።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝተፈላለዩ መረፃ ጣብያታት ሰባት ካብ ንጉሆ 12፡00 ሰዓት ጀሚሮም ምምራፆም ኸምዝተዓዘቡ ዝዛረቡ ኣይተ ኑሩ ብምርባሕ እንስሳ ዝመሓደር ማሕበረሰብ ኣፍቲ መረፃ ናይ ምስታፍ ዓብዪ ድሌት ኔርዎ። ኣግማሉ ኣብ ሓደ ቦታ ኣዕሪፉ ድምፂ ንምሃብ ዘርኣዮ ሞራል ዝድነቕ ከምዝነበረ ይዛረቡ። እቲ ድምፂ ኣዋሃህባውን ሕጊ ብዘኽበረን ንኣረጋውያን ብዘተሓባበረ መገዲ ስለዝነበረውን ደስ ኢሉዎም እዩ።

ናይ ዓፋር ሱልጣን ዓሊ ሚራሕ ‹‹ባንዲራ ኢትዮጵያ ኣሽንኳይ ዶ ሰብና ኣግማልና’ውን ይፈልጥኦ እየን›› ምባሎም ኣብ ታሪኽ መዝገብ ሰፊሩ ኸምዝርከብ ዝተዛረቡ ኣይተ ኑሩ ፤ ኣብ ናይ ለብዘበን መረፃውን ሃገሩ ዝፈቱ ህዝቢ ዓፋር ጥራይ ተይኮነስ ኣግማሉ’ውን ነቲ መረፃ ሰላማዊነት ምትሕብባር ምግባሩ ተዛሪቦም እዮም።

ነባሪት ክልል ዓፋር ዝኾና ወይዘሮ ማይራም ዓሊውን ብወገነን ብጉሓቱ ናብ መረፃ ጣቢያ መፂየን ድምፀን ሂበን እየን። ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ምትእንጋድን ስነምግባርን ከምዘሐጎሰን እውን ተዛሪበን። ንጥኑሳትን ንኣቕመ ደካማታት ዝነበረ ቅድሚያ ናይ ምሃብ ስርዓት’ውን ግቡእ ከምዝነበረ ገሊፀን።

ናይ ከተማ ሰመራ ነባሪ ዝኾኑ ኣይተ ኣሕመድ ድማ እቲ መረፃ ብሰላም ንኽካየድ ዓብዪ እጃሞም ንዘወፈዩ ኣካላት ፀጥታ ምስጋና ኣቕሪቦም፤ እቲ ማሕበረሰብ’ውን ንዝነበሮ ስርዓትን ጨዋነትን ክምስገን ከምዝግበኦ ገሊፆም።

ብቦርዲ መረጻ ኢትዮጵያ ናይ ዓፋር መረፃ ክልል ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኣይተ ጣሃ ዓሊ ከምዝገለፅዎ ኣፍቲ መረፃ መዓልቲ ንመረፃ ተዓዘብቲ ባጅ ናይ ምሃብ ፀገም እንተጋጠመ’ውን ብምዝርራብ ክፍታሕ ክኢሉ ዕዩ። ካብዚ ወፃኢ ዝኸፍአ ፀገም ብዘይምፍጣሩ ምንም ዓይነት ነቲ መረፃ ዘተኣጓጉል ነገር ከይተፈጠረ ብ1426 ድምፂ መውሃቢ ጣቢያታት ድምፂ ተዋሂቡ እዩ ኢሎም ክብል ረፖርተር ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ጌትነት ተስፋማርያም ፀብፂቡ።

ኣኽበረት ታደለ

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You