‹‹ናይዚ መረፃ እዚ ተኣማንነቱ ዝውሰን ብሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ወይካልኦት ሃገራት ብዝብልዎ እንተይኮነስ ንሕና ብንገብሮ እዩ››

 ናይ ሎጂስቲክስ ፀገም ከምዘሎ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እንሪኦ ኣለና ኢና። ኮነ ተባሂሉ መረፃ ንምብልሻው ስለ ዝኾነ ከምዚ ዓይነት ፀገማት ትፅቢት ዝግበረሎም እዩ። እቲ ዋና ቑም ነገር ግና ሰብ ብዘይ ምንም ዕንቕፋት መረፃ ምግባሩ እዩ። ናይዚ መረፃ እዚ ናይ መወዳእታ ውፅኢት ተኣማንነት ዘለዎ መረፃ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።

ነዛ ሃገር እዚኣ ንምርግጋዕ ውክልና ህዝብን ሕጋውነትን ዘለዎ መንግስቲ ይሃሉ እናበልና ኢና። እዚ ክኸውን ዝኽእል ብመረፃ እዩ። ፀገማት ኣለዉ እዮም። ኮይኑ ግና ናይዚ መረፃ እዚ እቲ ሓደ ውፅኢት ክኸውን ዝኽእል እዞም ፀገማት እዚኦም ሕጋውነት ዘለዎ መንግስቲ መፂኡ ብዝተረጋገዐ መልክዑ ክፈትሖ ምግባር እዩ።

ኣነ እዚ መረፃ እዚ ናይ መጀመርያ ትርጉም ዘለዎ መረፃ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ሓሙሽተ መረፃታት መረፃ ክባሃሉ ኣይከኣሉን። እዚ መረፃ እዚ ተኣማንን ድሌት ህዝቢ ዝግለፀሉ ክኸውን እየ ዝምነ። እዚ ማለት ግና ፀገማት የብሉን ማለት ኣይኮነን። ፀገም ክህሉ እዩ። ኮይኑ ግና ውፅኢት መረፃ ዘኽብር ክኸውን እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ።

ኣብ ሓደ ሓደ ጣብያታት መረፃ ድምፂ ምሃብ ዝጅምረሉ ሰዓት ምድንጓይ እንተተራእዩ እዚ ናይ መረፃ ቦርድ ሓላፍነት እዩ ዝኸውን። እዚ ክከሓሓስ ኣለዎ። ብዝተኻኣለ መጠን ክመርፅ ዝደሊ ሰብ ኩሉ ክመርፅ ኣለዎ።

ኣብ 1997ዓ.ም ዝተኻየደ መረፃ ኣብ ድምፂ ክበላሾ ዝኸኣለ ድምፂ ምሃብ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ እዩ። ቕድሚኡ ዝተኻየዱ መረፃታት ግና ብጣዕሚ ሕማቕ ዝባሃል ኣይኮነን ነይሩ። ልክዕ ካብ መዓልቲ መረፃ ጀሚሩ ገዛኢ ፓርቲ ምሽናፉ ኣብ ዝረአየሉ ግዜ ዓይኑ ብዘፍጠጠ ኮሮጆ ናይ ምግልባጥ ስራሕ እዩ ሰሪሑ። ከምዚ ዓይነት ስራሕ ሕዚ ክግበር እዩ ኢልና ኣይንሓስብን።

ቕድሚ መረፃ ፀገማት ነይሮም እዮም። ድምፂ ኣብዝዋሃበሉ ኣብዝተወሰኑ ቦታታት ተዓዘብቲ ከይኣትዉ ዝተኸልከለሉ ቦታ ተራእዩ እዩ። ነዚ ፀገም እዚ ንሕና ናብ ቦርድ መረፃ ሪፖርት ገይርና ኢና። ፀገማት ክህልዉ እዮም። እቲ ዋና ቑምነገር ግና እዞም ፀገማት እዚኦም ውፅኢት መረፃ ይቕይሩ ዶ ኣይቕይሩን እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ፀገማት ትኹረት ክንገብር የብልናን። እዞም ፀገማት እዚኦም ውፅኢት መረፃ ከምዘይቕይሩ እየ ተስፋ ዝገብር።

ናይዚ መረፃ እዚ ተኣማንነቱ ዝውሰን ብሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ወይ ካልኦት ሃገራት ብዝብልዎ እንተይኮነስ ንሕና ብንገብሮ እዩ። እዚ መረፃ እዚ ተኣማኒ ክኸውን እንደልዮ ንባዕልና ኢልና ኢና። ብርግፅ እንተዝመፁ ነይሮም ንተኣማንነት ብዝተወሰነ ብርኪ ፅቡቕ ነይሩ። ኮይኑ ግና ካብኦም ወፃኢ ካልኦት ሓይልታት ኣለውና እዮም። ንኣብነት ማሕበራት ሲቪክ፣ ተዓዘብቲ ፓርትታት ወዘተ… ስለዚ ናይዚ መረፃ እዚ ተኣማንነቱ ንምፍላጥ ንኽእለሉ መገዲ እኒሀ እዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You