‹‹ናይ ውላድካ መርዓ እትሪአሉ ዝመስል ድባብ እዩ ዘሎ፤ንዓይ ብጣዕሚ አሐጕሱኒ እዩ›› – ሙኣዘ ጥበባት ዳንኤል ክብረት

ካርድ ምውፃእ ሓደ ከይዲ እዩ፤ ካልኣይን ወሳኒ ነገር ድማ ካርድኻ ተጠቒምካ እትደልዮ ፓርቲ ምምራፅ እዩ። ናይካ ካርዲ ድምር ውፅኢት እዩ መንግስቲ ዝምስርት። ሰለስተ ዓይነት ጉድኣት ከይንጎድእ ክንመርፅ ኣለና። ሐደ ንደቕና ሕማቕ ኣርኣያ እዩ እነቕምጦ። ካልኣይ ድማ ብባዕልና ክነምፅኦ እንኽእል ለውጢ ንኻሊእ ኣሕሊፍና ኢና ንህብ። ሳልሳይ ብዘይመረፅናዮ መንግስቲ ኢና ንመሓደር። ሰለስቲኦም ብናይና ካርዲ እዮም ዝውሰኑ። ስለዚ ወፂእና ክንመርፅ ኣለና።

እቲ ሰልፊ ነዊሕ እንተኾነ ግና ንሃገር ዝኽፈል መስዋእትነት እዩ። ንሕና ብሰላም ክንስለፍ ፎቖድኡ ጠረፍ ሂወቱ ዝስዋእ ሰራዊት ኣሎ እዩ። ንሕና ንእሽተይ ጠጠው እንተበልና፣ ፀሓይ እንተወቕዐናን ማይ እንተፀምአናን ምንም ኣይኮነን። ንሃገር ዝኽፈል መስዋእቲ እዩ። እዚ መርዓ እዩ። ኣብ መርዓ ዘተዓናግዱ እኮ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት እዮም ዶው ኢሎም ዝውዕሉ።

ንሕና ንኢትዮጵያ ጎጆ ኽነውፀኣ ዝቖምና ሰባት ኢና። ደኺሙና ኢልና ድምፂ ከይሃብና ክንቐሪ የብልናን። ቐደም ብጠበንጃ ዘሸነፍናዮም ፀላእቲ ሕዚ ድማ እነሸንፍ ዘለና ብካርዲ እዩ። ስለዚ ካርዲ ኣውፂኦም እንተይመረፁ ዝቐርዩ ሰባት ጠበንጃ ምስተቐበሉ ካብ ናይ ወፍሪ ኵናት ዓድዋ ከም ምቕራይ እዩ ዝሕሰብ።

ኣነ ክሪኦ እንተለኹ ዝኸፍአ ነገር ክፍጠር እዩ ኢለ ኣይሓስብን። ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ዘለዉ መረፃ ዝካየደሎም ቦታታት እናተኻታተልኩ እየ። መብዛሕትኡ ሰላማዊ ነገር እዩ ዝረኣየኒ። ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ከምዚ እዩ ዝኒሀ። ህዝቢ ባዕሉ እዩ ሰላም ከኽብር ዝኽእል። ናይ ፀጥታ ኣካላትን ህዝብን ብሓደ ኮይኖም እዮም ሰላም ከኽብሩ ዝኽእሉ። ናተይ ጉዳይ እዩ እንተይልካ ዝኾነ ኣካል ኣብናይካ ጉዳይ ኣትዩ ክርብሸካ ክትፈቅድ የብልካን።

እዚ ናይ ሃገረይ ሰላም እዩ። ባዕለይ እየ ከምፀኦን ክወስዶን ዝኽእል ኢሉ ህዝቢ እንተሓሲቡ ዝኾነ ኣካል ክነኽኦ ዝኽእል ነገር የለን። ኣጀማምርኡ ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዩ። ስለዚ ካብ ኣካይድኡ ክሪኦ እንተለኹ ብሰላም ክዛዘም እዩ ኢለ እየ ዝግምት።

መኣርግ ገ/ሄር

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You