‹‹ ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ ተሳታፋይ ምዃን ዕድል እዩ ኢለ እየ ዝኣምን›› -ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ናይ ለብዘን መረፃ ኩልና ከምዝተመልከትናዮ ዲሞክራስያዊ እዩ፤ እቲ ከይዲ ዘሐጉስ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ጣብያ መረፃ ተመሳሳሊ ምዃኑ ሪፖርት ሰሚዕና ኢና።

ሃገርና ዓብዪ ተስፋ ዘለዋ ምዃና ኣብዚ መረፃ እዚ ብዝግባእ ምርኣይ ይካኣል እዩ፤ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ህዝቢ መንገዲ ዲሞክራስያዊ መረፃ ብምኽታል መሰሉ ንምጥቓም ዘለዎ ፅንዓት ምምልካት ዓብዪ ታሕጓስ ይህብ።››

ኣብዚ ጣብያ መረፃ እዚ ብጉሓቱ ኣብ ምጅማር ምዝንጋዕ እንትርአ፣ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ብምስሕሓቱ ምኽንያት ፀገም እትፍጠር፤ እቲ ወረቐት ተቐይሩ ክሳብ ዝመፅእ ህዝቢ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ተፀሚሙ ምፅባዩ ተረዲእና ኢና። ህዝቢ ዲሞክራሲ ንምትካል ድሌት ከምዘለዎ ተረዲእና ኢና። እቲ ከይዲ ብጣዕሚ ታሪኻዊ እዩ። ህዝቢ ድምፁ ንምሃብ መሰሉ ብተግባር ንምጥቓም ዝወሰኖ ውሳነ ሃገርና ዲሞክራሲ እናተኸለት ምዃና እዩ ዘርኢ ።

ኢትዮጵያ ዘድልያ መረፃ ጥራሕ እንተይኮነስ ብሓፈሻ ለውጢ እዩ ዘድልያ። እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ኩሉ ዘፈራት ክድገም ኣለዎ። ብሓደ ኢድና ዲሞክራሲ እናተኽልና በቲ ኻሊእ ኢድና ድማ ተኽሊ እናተኸልና ሃገርና ብሓምላዋይ ክንሽፍና ኣለና።

ሃገርና ምድረ በዳ ኮይና እያ፤ እቲ ደን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዓብዪ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሰይርና ኢና። ሕዚ ድማ ብሓደ ኢድና ዲሞክራሲ ኣብ ንተኽለሉ መዓልቲ በቲ ሓደ ኢድና ተኽሊ ምትካልና ኣብ ኩሉ ዓለም ካብ ዝካየዱ መረፃታት ናይና መረፃ ፍሉይ ይገብሮ። ናይ ባዕልና ናይ ዲሞክራሲ ስራሕ ባሕሊ እናተኸልና ከምዝኾና ዝረኣናሉ እዩ። ብጣዕሚ እዩ ዘሐጉስ። ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ ተሳታፋይ ምዃን ዕድለኛ ምዃን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ብተፈላለዩ ምኽንያታት ብዝተፈጠሩ ዝተወሰኑ ምዝንጋዕ ከይዲ ድምፂ ኣወሃህባ ዘይምቕልጣፍ ተራእዩ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ከይዲ ብጣዕሚ ዲሞክራሲያዊን ናፃን እዩ ዝኒሀ።

ህዝብና ሕዚ ኣብ ናይ መረፃ ናቚጣታት ከምዝረአ ኩሉ ብትዕግስቲ ድምፂ ሂቡ፤ ተግባራዊ ምግባሩ ፅባሕ ንዘቕርቦ ሕቶን ነዝምነያ ኢትዮጵያን እቲ ዋናን ኣብዪ መሰረታዊ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ፈሊጡ እዚ ከይዲ እዚ ብዲሞክራስያዊ፣ ናፃን ተኣማኒን ብዝኾነ መገዲ ጥራሕ መሰሉ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ኣብዪ ታሪኽ እዩ። ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ ምዕራፍ ነዚ ምርኣይና ፈጣሪ ሓጊዙና እዩ፤ ህዝብና ፅንዓት ኣርእዩና እዩ። ሕዚ ‘ውን ክሳብ መወዳእታ በዚ ፅንዓት እዚ ክንቕፅል ይግባእ።

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You