መረፃ 2013 – ኣብ በሻሻ

 ኣይተ ኣሰፋ ኣባቡልጉ ይባሃሉ ናይ ኣካል ጉድኣተኛ እዮም፡፡ እዞም ናይ 57 ዓመት ኣቦ ብክራንች ተደጊፎም እዮም ናብ በሻሻ መረፃ ጣብያ መፂኦም፡፡ ብስራሕ ምኽንያት ን25 መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፀንሑ’ውን ናይ መረፃ ካርዶም ናብ ዘውፁሉን ተወሊዶም ዝዓበዩሉን በሻሻ ሃሮ ናይ መረፃ ጣቢያ ድምፂ ንምሃብ ምምፅኦም ነጊሮምና፡፡

መረፃ ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመት እዚ ፓርቲ ይምራሐና ኢልና ንውስነሉ እዩ ዝብሉ ኣይተ ኣሰፋ፣ እቲ መረፃ ከም ዜጋ ኮነ ከም ሃገር ብዙሕ ከስቢ ዘለዎ እዩ ኢሎም፡፡ ብፍላይ ንሃገርና ሰላምን ልምዓትን ብምምፃእ ዓብዪ እጃም ኸምዝህልዎ እምነት ኣለዎም፡፡

ንኢትዮጵያ ዝሓሸ ዕብየትን ንህዝቢ ሰላምን ይሰርሕ እዩ ንዝበልዎ ፓርቲ ምምራፆም ገሊፆም እዮም፡፡ ድሕሪ መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ብሩህ ዘመን ክመፅ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ህዝቢ ዝመረፆ ፓርቲ ነዛ ሃገር ስለዘመሓዳድራን ኣብ መፃኢ 5ዓመት’ውን ናይ ህዝቢ ድጋፍ ስለዘይፍለዮ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ጎማ ክልተ መረፃ ክልል በሻሻ ሃሮ መረፃ ጣብያ ብንጉሁኡ ድምፂ ንምሃብ ካብ ዝተሰለፉ ሰባት ማእኸል እቶም ሓደ ናይ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓው እዮም፡፡ ሓረስታይ ዛኪር ኣሕመድ እዚ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ነቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዓብዪ ተስፋን ዕድልን ሒዙ ክመፅ እዩ ብምባል ድምፆም ንምሃብ ኣብቲ መረፃ ጣብያ ምርካቦም ገሊፆም።

ንጉሆ 12 ሰዓት ፈላመይቲ ድምፂ ወሃቢት ዝኾነት ጓል 21 ዓመት መንእሰይ ሚፍታሂ መሓመድ እያ። ኣብ መረፃ ክትሳተፍ ናይ መጀምሪያ ግዜኣ ምኻኑ ዝተዛረበት እታ መንእሰይ እቲ መረፃ ብዙሕ ፅቡቕ ነገራት ከምፅ እዩ ብምባል ምምራፃ ገሊፃ እያ።

መረፃ ሓደ ዴሞክራሲያዊ መሰል እዩ ዝበለት እታ መንእሰይ እዚ መሰላ ተጠቒማ እትደልዮ ፓርቲ ብናፅነት ምምራፃ ከምዘሐጎሳ ገሊፃ እያ። እቲ ተመረፀ ፓርቲ’ውን ነቲ ህዝቢ ብቕንዕናን በተኣማንነትን ከገልግል እዩ ዝብል ተስፋ’ውን ኣለዋ። ምስ ስድራኣ ኮይና ንእሽተን ቤት ምግቢ ከፊቶም እናሰርሑ ምዃኖም ገሊፃ ንዝሰርሕ ሰብ የበረታትዕ እዩ ትበሎ ፓርቲ’ውን ከምዝመረፀት ተዛሪባ እያ።

ሓረስታይ ቡልቲ ከድር ናይ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣኮኦም እዮም ። ኣብ መረፃ ክሳተፉ’ውን እዚ ራብዓዮም ምዃኑ ይዛረቡ። ኣፍቲ መረፃ ተረኺበ ድምፂ ብምሃበይ ሕጉስ እየ ዝበሉ ሓረስታይ ቡልቲ፣ እዚ መረፃ ንመብዛሕትኡ ናይ ሃገርና ፀገም ፍታሕ ክህብ እዩ ህዝቢ ገፁ ናብ ልምዓት ጥራይ ንክኾን ክገብር እዩ ኢሎም። ድሕሪ መረፃውን ኩሎም ተወዳደርቲ ፓርቲታት ናይ ህዝቢ ውሳነ ክቕበሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ዞባ ጅማ ኣብ ጎማ ክልተ መረፃ ክልል 85 ሽሕ 874 ህዝቢ ንመራፃይነት ዝተመዝገበ እንትኸውን እቲ መራፃይ ህዝቢ ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ እስካብ ምሸት 12 ሰዓት ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ብምውፃእ ድምፅ ሂቡ። ኣፍቲ መረፃ ክልል ናይ ብልፅግና ፤ ኢዜማን እናት ፓርቲን ዝተወዳደሩ እንትኾን ብልፅግና ፓርቲ ብምውካል ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምውድዳሮምን ኣፍቲ ቦታ ተረኺቦምውን ድምፆም ምሃቦም ናይ ጎማ ክልተ መረፃ ክልል አተሓባባሪ ኣይተ ረሻድ ኣብዱል ቃድር ገሊፆም እዮም።

ኣብ ዞባ ጅማ ዝርከቡ 18 ናይ መረፃ ክልላት ዝወዳደሩ ሸውዓተ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታትን ሓደ ናይ ውልቂ ተወዳዳሪ ኣፍቲ ድምፂ ኣዋሃህባ ምንም ዓይነት ቅሬታ ዘይምቕራቦም ዝገለጹ ናይ ዞባ ጅማ ናይ መረፃ ዋና ኣተሓባባሪ ኣይተ ሸሪፍ ኣባገላን ፤ ኣብ ትሕቲ 18 ናይ መረፃ ክልላት ዝርከቡ ሓደ ሽሕን 583 መረፃ ጣቢያታት እቲ መረፃ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ምክያዱ ገሊፆም እዮም።

ኣኽበረት ታደለ

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You