ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊን ተኣማኒን ከምዝኾነ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ –

ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን እዩ ተባሂሉ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ቅድመን ኣብ መረፃ ዕለት ዝነበረ ኩነታት እቲ መረፃ በስርዓት ዝተኻየደ፣ሰላማዊን ተኣማኒን ከምዝኾነ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ፡፡ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን ምዃኑ ኣመልኪቱ፡፡

ብነበር ፕሬዝዳንት ናይጄርያ ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ዝምራሕ ጉጅለ ተዓዘብቲ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ቀዳማይ ሪፖርት ከምዝገለፆ፣ምስ ወፍሪ፣ሎጅስቲክ፣ፀጥታን ፖለቲካዊ ኩነታት፣ኮቪድ 19 ተተሓሒዞም ካብ ዝተረአዩ ፀገማት ወፃኢ እቲ መረፃ ሰላማዊን ተኣማኒን ከምዝኾነ ኣረዲኡ፡፡

ኣብ መረፃ ተሳተፍቲ ኣካላት ድሕሪ መረፃ ዘሎ ከይዲ ብዝሰኸነ መገዲ ንክካየድ ግዴኦም ክዋፅኦ ከምዝለዎ ዝገለፀ እቲ ጉጅለ፣ውፂኢት መረፃ ተኸቲሉ ዝለዓሉ ሕቶታት በህጋዊን ትካላዊን መገዲ ንክፍትሑ ኣተሓሳሲቡ፡፡

መራሕ እቲ ጉጅለ ኣብ ዕለት እቲ መረፃ ኣብ ንኣናዶሉ ኤጀንሲ ከምዝሓበርዎ፣ፖለቲካ ምህዳር ብምስፋሕን ንመረፃ ተሳትፎ ክፍቲ ብምግባር ካብ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ዝሓሸ ምዃኑ ኣረዲኦም።

እቲ ጉጅለ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ሓደሓደ ጣብያ ክልል መረፃ ከይዲ እቲ መረፃ ተዘዋዊሩ ከምዝተመልከተ ዝገለፁ ናይቲ ጉጅለ መራሒ ፣‹‹ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ፀገማት ከምዘለዉ እንርደኦ እዩ፤ኾይኑ ግና ብሓፈሻ ኩነታቱ ክንምልከት ከለና እቲ መረፃ ብብዙሕ መልክዑ ካብ ዝነበሩ መረፃታት ዝሓሸ እዩ። ክሳብ ኸዚ ዘሎ ከይዲ ድማ ብፅቡቕ ኩነታት እንተኻየደ ከምዘሎ ተዓዚብና ኢና›› ኢሎም። ብፍላይ ፖለቲካ ምህዳሩ ብምስፍሑን ንመረፃ ተሳተፍቲ ክፍቲ ምዃኑ ናይዚ ኸዚ መረፃ ካብ ዝነበረ ዝሓሸ ከምዝኾነ ናይቲ መረፃ ተዓዘብቲ ጉጅለ መራሒ ተዛሪቦም እዮም።

ብተመሳሳሊ ዜና ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ኣርባዕተ ክልላትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ኣብ 190 ጣብያታት መረፃ ብምርካብ ከይዲ መረፃ ምዕዛቡ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዘውፅኦ ቐዳማይ ፀብፃብ ምኽፋት ጣብያታት ኣብ እዋነን ምኽፋተን፣ ከይዲ መረፃ፣ መዕፀዊን ቆፀራን ማእኸል ብምግባር ኣብ ዝገበሮ ትዕዝብቲ እቲ ከይዲ መረፃ ብኣብዘሓ ሰለማዊ ኩነታት ዝነበሮ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ጉጅለ ኣምባሳደር ኣብዱላሂ ኣውላ ኣሊ ከምዝበልዎ፣እቲ ከይዲ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝተዓጀበ፣ ንቑሕ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዝነበሮ ኢዩ ዝበለ እንትኾን፣ እቲ ጉጅለ ካብ መንጎ ዝተዓዘበን ጣብያታት ምርጫ እተን 81 ሚኢታዊ ብመሰረት ዝተብሀለ ሰዓት ከምዝተኸፈታ ተዛሪቦም።‹‹ዝሓሸ ተሳትፎ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ምንባሩ ዝተባባዕ ተግባር ኢዩ” ኢሎም።

ብሓፈሻ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን ምዃኑ ገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You