‹‹ኢትዮጵያውያን ክንተሓባበር ከለና ንዓለም ሓድሽ ታሪኽ ምስራሕ ከምንኽእል ብመረፃ ኣርኢና ኢና›› – ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያውያን ሓደ እንትንኾን ፣ ክንተሓባባር፣ ክንከባበርን ክንደማመፅን ከለና ንዓለም ሓድሽ ታሪኽ ከምንሰርሕ ኣብ መዓልቲ መረፃ ክነርኢ ክኢልና ኢና። እዚ ተግባር ኣብ ሓምለዋይ ሓድጊ (ዓሻራ) ብምድጋም ኢትዮጵያ ምኽዳን ከምዝግባእ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ኣፍሊጠን።

‹‹ኢትዮጵያ ንኽደን›› መጀመሪ ተኽሊ ተኸላ መርሃ ግብሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉሌሌ እፅዋት ማእኸል ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ከምዝገለፅኦ ፤ ኢትዮጵያውያን ክንተሓባበር ከለና ንህዝቢ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ምስራሕ ከምንኽእል ኣብቲ መዓልቲ መረፃ ክነርኢ ኽኢልና ኢና። እዚ ተግባር ብሓምላዋይ ሓድጊ መርሃ ግብሪ ብምድጋም ኢትዮጵያ ብምኽዳን ብምትሕብባር ክሰርሕ ይግባእ። እዚ ሓምለዋይ ሓድጊ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ መረፃ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን ብምዃኑ ታሪኻዊ ይገብሮ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ ፤ድምፂ ካብ ዝተውሃበሉ ፅባሕ ጀሚሩ እነጥፍኦ ሓንቲ ደቂቃ የለን ክብላ ገሊፀን እየን።

ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪሃት ካሚል ብወገነን ፤ኣብቲ መረፃ ንሕና ኢትዮጵያውያን ንዓለም እንታይ ክንገብር ከምንኽእል ኣርኢና ኢና እዚ ተግባርና ሕድሕድ ዜጋ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢለን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ኢትዮጵያ ንኽደን መርሃ ግብሪ ሃገር ንምኽዳን ዝተጀመረ ራእይ ንምስኻዕ ዝሕግዝ እዩ ዝበላ ወይዘሮ ሙፈሪሃት ተኽሊ ምትኻል ሰላም ምትኻል ከምዝኾነ ኣመልኪተን እየን።

 ሓምለዋይነትን ምትካል ምዃኑ ምግንዛብ ከምዘለዎ ዝገለፃ ወይዘሮ ሙፈሪሃት ፣ኸዚ ዝተጀመረ ተኽሊ ተኸላ ኣብ ክረምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢለን።

ኣማኻሪ ቐዳማይ ሚኒስትር ዘፈር ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ዶክተር ኣለሙ ስሜ ብወገኖም ፣ዴሞክራሲ ንምትኻል ዝገበርናዮ ምትሕብባር ሓምላዋይ ሓድጊ ንምኽዳን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተሳታፊ ብምዃን ክድገም ከምዝግባ ኣመልኪቶም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ውሽጢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 14ሚልየን ተኽሊ ከምዝተተኸለ ኣብቲ መድረኽ ዝተገለፀ እንትኸውን ፣ሎሚ ዓመት ልዕሊ ሸውዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልየን ተኽሊ ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ እዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You