‹‹ከይዲ እቲ መረፃ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እናሃነፀት ከምዝኾነት መርኣያ እዩ›› – ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፡-6ይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ እትደልዮ ከም ህዝቢ ድማ እንደልዮ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እናሃነፅና ከምዝኾና መርኣያ እዩ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ኣረጋዊ እቲ መረፃ ኣመልኪቶም ከምዝገለፅዎ ፤6ይ ሃገርለኸ መረፃ ሃገር እትደልዮ፣ ከም ህዝቢ እንደልዮ ዴሞክራሲ ስርዓት እናሃነፀት ከምዝኾነ ጭቡጥ መርኣያ እዩ ኢሎም።

ከይዲ እቲ መረፃ ዴሞክራሲ ንምምፃእ ንኽእል ምዃና ኣሪእዩና እዩ፣ እዚ ክባሃል ከሎ ናይ ሎሚ መረፃ ተናሓናሕቲ ፓርቲ ዕላምኦም ብዘይምንም ምሽምቓቕን ፀገምን ክደግፈና እዩ ክመርፀና እዩ ንዝበልዎ ህዝቢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም እዮም። ከምኡ’ውን መንግስቲ ከም ቅድሚ ኸዚ ተየሸማቐቐ እናደገፎም ኣብዚ ክበፅሑ ከምዝኻኣሉ ኣፍሊጦም እዮም።

ቦርዲ መረፃ ብዝተኽኣለ መጠን ባዕሉ ካብ ሻራዊን ኣድላውነትን ነፃ ኾይኑ ስራሕ ንምስራሕ ሞኪሩ እዩ ፤እዚ ድማ ኣብ ልምድና ዘይራአናዮ ካብ ምዃኑ ንቐፃሊ ዓብይ ተስፋ ዝህብን ኸዚ ዘለናዮ ብርኪ ብጣዕሚ ዝምስገን ይቐፅል ዘብል ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንቕድሚት ድማ እዚ ከይዲ ከምዚ እንተቐፀሉ ናፅነት’ውን ሓቢሩ እንተኸሪሙ ኣብ ሓፂር እዋን ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ኣምፂእና ዝሓሸ ብዙሕ ተናሓናሕቲ ዘለዉዋ፣ ህዝቢ ‘ውን መማረፂ ረኺቡ ዝኾኖ ፓርቲ ዝመርፀሉ እዋን ከምዝመፅእ ኣመልካቲ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

ህዝቢ ብፍላይ ዝደልዮ ፓርቲ ንምምራፅ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ዝገበሮ ተሳትፎ ስልጡን ከምኡ’ውን ብድምፁ ሃገሩ ምድሓን ከምዝኽእል ዘርኣየና እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ ፤ቅድሚ ኸዚ ከምዝነበረ ካብ ገዝኡ እናተጎተተ እናወፀ ዝመርፅ እንተይኾነስ ተሊሙን ዓሊሙን ዝኣተዎ ኢሉ’ውን ሃገረይ ከቐፅለለይ ዝበሎ ፓርቲ ንምምራፅ ዝኽእል ህዝቢ እናምፀእና ከምዝኾና መርኣያ ኾይኑ ዝሓለፈ መረፃ እዩ ኢሎም።

ፓርትታት ፖለቲካ ኣብዚ መረፃ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ካብ ዝተለመደ ዝተፈለየ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ሰኺኖም ብንፁህ ሕሊና ኣቋራፂ መገዲ ከይደለዩ ብቀጥታ መገዲ ንክኸዱ ገይሩ እዩ። እዚ ድማ ዝመፀ ካብቲ ህዝቢ ስልጡን ምዃን እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ማሕበረሰብ ፖለቲካ ፓርቲ ምስራሕ ከምዝኽእል ዝራእናሉ መረፃ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

ካብዚ መረፃ ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ‹‹ንእገለ ምረፅ፣ ናብ ኮረጆ ኣእቱው ኣይተእትው› ዘይብሉ›› ፤እዚ ማለት ፓርቲታት ዓርሶም ዝፈለጥሉ ህዝቢ’ውን ብድምፁ እንታይ ክሰርሕ ከምዝኽእል ዝተገንዘበሉ ፤መንግስቲ’ውን ዴሞክራያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝጀመሮ ስራሕ ፍረ ኣፍሪዩ ዝራኣየሉ እዩ፤ካብዚኦም ፅቡቕ ትምህርቲ ምውሳድ ይካኣል እዩ፤ዝጎደሉ ነገራት ድማ ኣሪምኻ ኣብ ቐፃሊ ሃገርና ብዲሞክራሲ ዓንቢብና ኢና ካብ ዝብሉ ሃገራት ክትስለፍ ከምትኽእል ገሊፆም እዮም።

መንግስቲ እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ፍትሓውን ግልፅን ንክኾን ዝገበሮ ፃዕሪ ቦርዲ መረፃ ንማንም ከይወገነ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ዝገበሮ ምልዕዓል ፣ህዝቡ ወፂኡ ድምፂ ምሃብ ምኽኣሉ ፣ተናሓናሕቲ ፓርትታት ብዘይምንም ፅዕንቶ ምንቅስቃሶም ብተግባር ከርኢ ኽኢሉ እዩ።

ህዝቢ በዚ ብርኪ ንመረፃ ትኹረት ሂቡ ሃገረይ ከድሕን እየ ኢሉ ድምፂ ሂቡ እዩ፤እዚ ብጣዕሚ ዝድነቕ ነገር እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ኣብ ቐፃሊ’ውን እዚ ጅማሮ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ንከይድብዝዝ ውፅኢቱ እውን ብፀጋ ምቕባል ኣድላይ እዩ። ተናሓናሕቲ ፓርትታት ድምፂ ህዝቢ ኣኽቢሮም ምስ ዝሰዓረ ተሓጋጊዞም ንምስራሕ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ዴሞክራሲ ብመንግስቲ ብህዝቢ ከምኡ’ውን ብፖለቲካ ፓርትታት ድልየት ዝመፅእ እንተይኾነስ ብዝተወደበ ተሳትፎ ህዝቢ ዝህነፅ ህዝቢ ድማ ብዝጀመሮ መልክዑ ተወዲቡ ሰላሙ ሓልዩ ከቐፅል ከምዘለዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

17 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You