ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 600 ሽሕ ተምሃሮ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተኻቲቶም እዮም

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 260 ቤት ትምህርቲ መንግስቲ ዝመሃሩ ልዕሊ 600 ሽሕ ተምሃሮ ብመንግስቲ ወፃኢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምጋብ መርሃ ግብሪ ክካተቱ ከምዝተገበረ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ልዕሊ 10ሽሕ ኣዴታት ኣብቲ ምምጋብ ፕሮግራም ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረለን ተገሊፁ፡፡

ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ኣይተ ዘላለም ሙላቱ ብፍላይ ንኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ ፤ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 260 መንግስታዊ ቤት  ትምህርቲ ንተምሃሮ መመገቢ ዝኾኑ ዘመናዊ ኣዳራሽ ብብር ኽልተ ቢልየን ተሃኒፆም እዮም፡፡ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩ ልዕሊ 600ሽሕ ተምሃሮ መርሃ ግብሪ ምገባ ተጠቀምቲ ኾይኖም እዮም፡፡ክሳብ ኸዚ ንተምሃሮ ምምጋብ ፣ንኣቕርቦት ናውቲ ትምህርቲ ፣ንቤት ትምህርቲ ሕዳሳትን ንተወሳኺ መመገቢ ኣዳራሽ ህንፀት ልዕሊ ብር ሓሙሽተ ቢልየን ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ኣብዚ ኸዚ ኹሉ መንግስታዊ ቤት ትምህርት ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምችው ኾይኑ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ፤ካብ መንግስትን ለገስቲ ትካላትን ብምትሕብባር ሓደስቲ ተወሳኽቲ ክፍልታት ከምዝተሃነፁን ፤ቤት ትምህርቲ ሰሓብን  ማራኽን ንክኸውን ሕድሳት ከምዝተገበረን ዘመናዊ መመገቢ ኣዳራሽ ፣ቤት መሕፀቢ ከምዝተሃነፁ ገሊፆም እዮም፡፡

ቅድሚ እቲ ለውጢ እቶም ቤት ትምህርት ዝተረስዑን ዝተሓተ ብርኪ ዝነበሮም እዮም፤ደቂ ድኻ ዝኾኑ እኹል ምግቢ ብዘይምርካቦም ትምህርቲ እንትመሃሩ ዓቕሚ እናሳኣኑ ዝወድቅሉ ኩነታት ከምዝነበረ ዘመልከቱ ኣይተ ዘላላም ፤እዚ ፀገም ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዓብይ ፀገም ከምዝነበረ ገሊፆም እዮም፡፡ቤት ትምህርቲ መንግስቲ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምችው ብምዃኖም ቑፅሪ ተምሃሮ ልዕሊ ዕፅፊ ከምዝዓበየ ኣፍሊጦም፡፡

ንኹሎም ቤት ትምህርቲ መንግስቲ ምግቢ ጥራሕ እንተይኾነስ ኽዳንን ናውቲ ትምህርትን ብመንግስቲ ወፃኢ ዝቐርብ ብምዃኑ ዘመልከቱ ኣይተ ዘላለም ፤እዚ እውን ተምሃሮ ብዛዕባ ምግቢ ፣ደፍተርን እስክርቢቶን ከይሓሰቡ ንምምሃር ዕድል ከምዝፈጠረ ወለዲ’ውን ዝነበሮም ፅዕንቶ ወፃኢ ከምዝተፈትሐሎም ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ኣብ ቤት ትምህርቲ ግብርና ከተማ ተግባራዊ ከምዝኾነን ሕድ ሕድ ቤት ትምህርቲ ኣርባዕተ ብዓል ሞያ ጥዕና ከምዝተመደበ ገሊፆም፤በዚ’ውን ተምሃሮ ፍልጠት ግብርና ንክህልዎምን እንተሓሚሞም’ውን ኣብ ቤት ትምህርቶም ውሽጢ ዝሕከምሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ገሊፆም እዮም፡፡

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You