ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝቕፅል ቀዳም ክካየድ ‘ዩ

ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መበል 12 ሰሙን ተስተኻኻሊ መርሃ ግብሪ ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዝቕፅል ቀዳም ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክካየድ ”ዩ።

 ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም፣ ካብ ዝተቛረፀሉ መበል 12 ሰሙን ተስተኻኻሊ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ሸገር ደርቢ ቀዳም 4 ለካቲት 2015 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 11 ጀሚሩ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

 ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ መበል 14ን 19 ሰሙን ከምኡ ‘ውን ክልተ ተስተኻኸልቲ መርሃ ግብሪ ፀወታታት፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንምክያድ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተስማዕሚዑ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

 ይኹን ‘ምበር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ቀዳም 27 ጥሪ 2015 ዓ.ም ዝካየዱ ውድድራት ብመሰረት መርሃ ግብሩ ከካይድ ከምዘይከኣለ ካብ ኣክሲዮን ማሕበር ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ብመሰረት እዚ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ፀወትኡ ንምክያድ ከምዝወሰነ ገሊፁ፡፡

2 ለካቲት 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You