
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ዕረፍቲ ካብ ኣውሮፓ ክሳብ ኣሜሪካ ፣ ካብ ኤስያ እስካብ ኣፍሪካ ብኣትሌቲክስ ዓለም ውድድራት ተኻይዶም ‘ዮም፡፡ ናይ ገዛ ውሽጢ፣ ኣብ ጎዳና፣ ብማራቶንን ሃገር ኣቋረፅን ውድድራት ብዝሑት ሃገራት ዓለምና ከተማታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድድራት ዘካየዱ እንትኾን ኣትሌታት ኢትዮጵያ ድማ መብዛሕቲኦም ዓወት ቀኒዕዎም ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓወት ካብ ዝደመቑሎም ውድድራት እቲ ሓደ ጀርመን ካርልሹ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ናይ ዙር ውድድር ‘ዩ ፤ በዚ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ3ሽሕ ሜትሮ ብኽልቲኡ ፆታ ዓወት ቀኒዕዎም ‘ዩ፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ተኸታቲሎም ብምእታው እቲ ውድድር ኣሸንፍቲ ኾይኖም ‘ዮም፡፡
ኣትሌት ለምለም ሃይሉ 8፡ 37፡55 ብዝኾነ ሰዓት ቀዳመይቲ ኾይና እንትትዛዝም፣ ናይ 3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ቻምፒዮና ሜዳልያ ብሩር ኣሸናፊት ኣትሌት ወርቅውሃ ጌታቸው፣ 8፡37፡ 98 ብምዝዛም ካልኣይቲ ኾይና ‘ያ፡፡ ኣትሌት ዳዊት ስዩም 8፡39፡20 እቲ ርሕቐት ብምዝዛም ሳልሰይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ፡፡ ኣትሌት ሚዛን ኣለምን ኣትሌት ዘርፌ ወንድማገኝ ራብዓይን ሓምሻይን ብርኪ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን ‘የን፡፡ ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ 3ሽሕ ሜትሮ ውድድር ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ 7፡40፡35 ኣሸናፊ እንትኾን ናይቲ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ‘ውን ‘ዩ ኣሸናፊ ዝኾነ፤ ኣትሌት ኣዲሱ ግርማ 7፡41፡53 ብምእታው ሳልሳይ ብርኪ ሒዙ ከምዝዛዘመ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም የመልክት፡፡
ካልእ ኣብ ጃፓን ዝተገበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ማራቶን እንትኾን ናይ ኣሸናፊነት ግምት ተዋሂብዋ ዝነበረ ኢትጵያዊት ኣትሌት ሄቨን ሃይሉ ሰዓሪት ኾይና ‘ያ፡፡ ሄቨን እቲ ውድድር ንክተሸንፍ 2፡ 21፡13 ሰዓት ዘመዝገበት እንትኸውን፣ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት መሰረት ጎላ 2፡22፡12 ሰዓት ካልኤቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ፡፡ ጃፓናዊት ዩካ ኣንዶ 2፡22፡59 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሰይቲ ኾይና ውድድራ ዝዛዘመት ኣትሌት ኾይና ‘ያ፡፡ ኣብ ታይላንድ ዝተኻየደ ናይ ኮን ኬይን ማራቶን ብደቂ ተባዕትዮ ኬንያዊ ኣትሌት ፓል ኢያኔ 2፡ 15፡24 ቀዳማይ ኾይኑ እንትዛዘም፣ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሻድሻይ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ተቆፃፂረምዎ ‘ዮም፡፡
ብተመሳሳሊ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ኢትዮጵያዊት ዝናሽ ወርቅ የኔው 2፡49፡04 ብዝኾነ ሰዓት ዓወት ዝቐንዓ ኣትሌት እንትኾን ሩሲያዊት ኣትሌት ካልአይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ።ሌሊሴ ቢሮን ኣለምፀሃይ ኣድባሩ ሳልሳይን ራብዓይን ኾይነን ዛዚመን ‘የን፡፡ ኣብ ስፔን ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ድማ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዓምደወርቅ ዋለልኝ 1፡00፡ 28 ብዝኾነ ሰዓት ኣሸናፊ እንትኾን ብደቂ ኣንስትዮ ናይ ሜዳልያ ኣሸነፍቲ ኾይነን ‘የን፡፡
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም