
ኣ ባላት ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ስካይ ላይት ኣብ ዝገበሮ ጠቕላላ ጉባኤ ኣካይዱ ‘ዩ። ኣብቲ ጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ፕሬዝዳንት ፣ ምክትል ፕሬዝዳንት ዋና ፃሓፊ መሪፁ ‘ዩ። እቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብኢትዮጵያ ኣዳላውነት ዝተዳለወ እንትኾን ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ፣ ደቡብ ሱዳን ፣ ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ዩጋንዳ ፣ ታንዛንያ ፣ ኬንያን ሩዋንዳን ተሳቲፎም ‘ዮም። ኣብቲ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዞባ እናመርሑ ዝፀንሑ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኣባላት ንካልኣይ እዋን ንምምራፅን ኣብ ካልኦት ጉዳያት መኺሩ ‘ዩ። ናይ ኬንያ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ፕሬዝዳንት ዝኾኑ ጀነራል ጃክሰን ተዊን ንካልኣይ እዋን እንትምረፁ፤ ፕሬዝዳንት ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ረዳት ኮምሽነር ደራርቱ ቱሉ ምክትል ፕሬዝዳንት ኾይና ተመሪፃ ‘ያ። ከምኡ ድማ ሳዲቅ ኢብራሂም ካብ ሱዳን ዋና ፃሓፊ ኾይኖም ከምዝተመረፁ ተፈሊጡ ‘ዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ክሳብ ኸዚ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ከመይ እናሰርሑ ከምዘለዉ ዝገምገመ እንትኾን ንቕድሚት እቲ ኣትሌቲክስ ከመይ ነታኣናግዶ ዝብሉ ሓሳባት ዘተ ተገይርሎም ኣንፈት ከምዝተቐመጠሎም ተፈሊጡ ‘ዩ። ናይቲ ዞባ ቤት ምኽሪ ኣብ መፃኢ ኣርባዕተ ዓመታት እንታይ ስራሕ ከምዝሰርሕ ፣ ከመይ ከምዝሰርሕን ብሓባር ብምርድዳ ስኬታማ ከምዝኾን ሓሳባት ቐሪቦም ‘ዮም። ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክ ኢትዮጵያን ምክትል ፐሬዝዳንት ዞባ ኣትሌቲክስ ምብራቕ ኣፍሪካ ረዳት ኮምሽነር ጀነራል ደራርቱ ቱሉ ብወገና፣ ብብርኪ ዓለም ኣትሌታት ምብራቕ ኣፍሪካ ብውፅኢት ልዕልነት ዝሕዙ እንተኾነ ‘ኳ ከም ኣገልግሎቶምን ውፅኢቶምን ብዓለም ዝግበኦም ቦታ ረኺቦም ‘ዮም ተባሂሉ ከመዘይእምን ተዛሪባ ‘ያ። ከም ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓፈሻ ከም ኣፍሪካ ድማ ብዓለም ለኸ ኣትሌቲክስ ቦታ ምርካብ ከምዘድልን ዝወፁ ሕጊ ‘ውን ዘተ ምግባር ከምዘድሊ ኣረዲኣ ‘ያ።
ኣብዚ ኸዚ ኣፍሪካ ብዓለም ለኸ ኣትሌቲክስ ውሽጢ ሰለስተ ተወካሊ ከምዘለዋን እዚ ናብ ሽድሽተ ንምዕባይ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፃ ‘ያ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ድማ ዝሓሸ ኣትሌቲክስን ብሉፃት ኣትሌታት ንምፍራይ ፃዕሪ ከምዝግበር ተዛሪባ። ኹሎም ፌደሬሽናት መለማመዲ ቦታ ስራሕ ምስፍሕፋሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣብቲ ዘተ ተላዒሉ ‘ዩ። ኣትሌቲክስ ምብራቕ ኣፍሪካ ብጣዕሚ እናጎድአ ዘሎ መበረታትዒ ቅመም(ዶፒንግ) ስለዝኾነ እዚ ፀገም ንምቁፅፃር ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ዝተዛረበት ረዳት ኮምሽነር ደራርቱ፣ ኣብ መወዳእታ ንሃገርና ሰላም ኹሉ ናይ ግድኡ ንክዋፃእ ይግባእ ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ ‘ያ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
11 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ