
ኣብ ቶክዮ 2020 ኦሎምፒክ ናይ 10 ሽሕ ሻምፕዮን ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋ ኣብ ስፔን ኤልጎይባር ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ኪሎ ሜትር ሃገር ኣቋራፂ ውድድር ዓወት ቀኒዕዎ’ዩ። እቲ ንዝኽሪ ታሪኻዊ ስፔናዊ ሁዋን ሙጉዌርዛ ዝካየድ ዓመታዊ ሃገር ኣቋራፂ ንሰላሳ ትሽዓተን ግዘ እንትኻየደ መንእሰይ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ብኣገራሚ ናይ ኣወዳድኣ ብቅዓት ንኻልኣይ እዋን ናይቲ ውድድር ተዓዋታይ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ካብ ድሕሪ ዓወት ቶኪዮ ኦሊምፒክ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ኦሪገኑ ናይ ዓለም ሻምፒዮናን ብዝተፈላለዩ ናይ ጎዳናታት ውድድራት ካብ ዓወት ርሒቁ ዝፀንሐ ሰለሞን ቅድሚ ሰሙን ኣብ ሱሉልታ ዝተኻየደ ናይ ጃንሜዳ ኢንተርናሽናል ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ውድድር’ውን ብሕማም ምክንያት ውፂታዊ ከይኮነ ተሪፉ ‘ዩ።
ስለዝኾ’ውን ቀፃሊ ኣብ አውስትራሊያ ዝካየድ ናይ ዓለም ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና’ውን ኢትዮጵያን ካብዝውክሉ ኣትሌታት ሓደ ከይኮነ ተሪፉ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሰለሞን ኣብ ዓሰርተ መዓልታት ኣፈላላይ ዓብይ ትኩረት ኣብ ዝወሃቦ ኤልጎይባር ሃገር ኣቋራፂ ውድድር ብ33 ደቂቃን 14 ሴኮንድን ተዓዋቲ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብዝተገበረ ናይ 10 ኪሎ ሜትር ውድድር ሰለሞን ባረጋ ኣደናቂ ናይ ውልቀ ኣወዳድኣ ብቅዓት ብምጥቃም ናይቲ ውድድር ናይ መወዳእታ ሜትራት ናህሩ ብምውሳኽ ካብ ካልኦት ተነሓናሕቱ ተነፂሉ ብምውፃእ ‘ዩ ንዓወት ዝበቅዐ።
ሰለሞን ናይ ሁዋን ሙጉዌርዛ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮናን እንትዕወት ሐዚ ንኻልኣይ ግዚኡ እትኸውን ብ2018 ዓ.ም ናይቲ ውድድር ተዓዋቲ ከምዝነበረ ይዝከር። ብትውልዲ ኢትዮጵያዊ ብዜግነት ባሕሬናዊ ዝኾነ አትሌት ብርሃኑ ባለው ንሰለሞን ተኸቲሉ ካልኣይ ኮይኑ እንትዛዝም፣ ተወላዲ ሞሮኳዊ ስፔናዊ አትሌት ኣዴል ሜቻል ድማ ሳልሳይ ኮይኑ ዛዚሙ ‘ዩ። በተመሳሳሊ ብደቂ ኣንስትዮ ወገን ዝተኻየደ ናይ 8 ኪሎ ሜትር ውድድር ኤርትራዊት አትሌት ራሔል ዳንኤል እንትትዕወት፤ ኬንያዊት ኣትሌት ኤዲናህ ጄቢቶክ ካልኣይቲ ከምኡ’ውን ብትውልዲ ኬንያዊት ብዜግነት ባህሬናዊት ዝኾነት ኣትሌት ዊንፍሬድ ያቪ ሳልሳይ ደረጃ ዛዚማ ኣላ።
ኣብ ናይ ኢንዱስትሪ ከተማ ዝኾነት ኤልጎይባር በቢዓመቱ ዝግበር እዚ ውድድር በ1937 ሕይወቱ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ስፔናዊ ናይ ማእኸላይ ርሕቀት ኣትሌት ሁዋን ሙጉዌርዛ ዝኽሪ እንትኾን ናይ ዓለምና ኾኾብ ኣትሌታት ጥንኩር ንሕንሕ ዝገብርሉ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት’ውን ኣብዚ ውድድር ተተሓሒዙ ንነዊሕ ዓመታት ብተዓዋትነት ታሪኽ ፍሉይ ዝምድና ኣለዎም። ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያዊ ታሪካዊ ኣትሌት ማሞ ወልዴ ብደቂ ተባዕትዮ ተዓዋቲ ብምዃን ካብ ስፔናውያን ወፃኢ እቲ ውድድር ዘሸነፈ ናይ መጀመሪያ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። እቲ ውሩይ ናይ ኦሊምፒክ ጀግና አትሌት ማሞ ወልዴ ብ1967ን 1968ን እዚ ውድድር ብተኸታታሊ ብምሽናፍ ዘይርሳዕ ታሪኽ ክሰርሕ ክኢሉ ‘ዩ። ማሞ ኩሉ ግዘ ኣብዚ ውድድር ዘይዘናጋዕ ኣትሌት ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን ስፔናውያን ድማ ንዕኡ ብፍላይ ኣብቲ ግዝኣት ውሽጢ ፍሉይ ቦታ ክህብዎ ገይሩ ‘ዩ።
እዙይ ብምሕሳብ ኣርባዕተ ሃገር ኣቋራፂ ውድድር ተዓዋቲ ዝኾነላ ከተማ ካብዚ ዓለም ብሞት ካብዝፍለይ ንድሕሪት ኣብታ ግዝኣት ካብ ኣለሙንየም ዝተሰርሐ እናተወዳደረ ዘርኢ ምስሊ ሓወልቲ ተኺሎምሉ ‘ዮም። ድሕሪ ማሞ ‘ውን ብዙሓት ታሪኻዊ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብዚ ውድድር ኣሸነፍቲ ኮይኖም ክወፁ ክኢሎም ‘ዮም። ፊጣ ባይሳ፣ ኣዲስ ኣበበ፣ ቀነኒሳ በቀለ፣ ታሪኩ በቀለ፣ ስለሺ ስሂን፣ ኣየለ ኣብሽሮ፣ ሰለሞን ባረጋ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዓወት ዝቀንዖም ኣትሌታ እንትኾኑ ፣ በተመሳሳሊ ብደቂ ኣንስትዮ ደራርቱ ቱሉ፣ ቁጥሬ ዱሌቻ፣ ገነት ገብረጊዮርጊስ፣ መስታወት ቱፋ፣ ውዴ አያሌው፣ ይመናሹ ታዬ፣ ገለቴ ቡርቃ፣ ህይወታ ኣያሌው፣ ሰንበሬ ተፈሪ ናይቲ ውድድር ተዓወትቲ ኮይነን ዘተፀውዓ ኣትሌታት ‘የን።
ኣብርሃ ሓጎስ
4 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ