
ንመበል 40 ግዘ ዝተኻየደ ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ጃንሜዳ ኣብ ሱልልታ ብደሚቅ ፅንብል ዝሓለፈ ሰንበት ተዛዚሙ። ናይ ሎሚ ዘበን ንመበል 40 ሃገር ኣቋራፂ ሻምፒዮና ጃንሜዳ ዝተገበረ ብዝተፈላለዩ ርሕቀታት ጥንክር ብዝበሉ ንሕንሓት ዘተኣናገዱ እንትኾኑ፤ ካብዚኦም ድማ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ናይ ዓለም 10 ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ዝኾነት ለተሰንበት ጊደይ እቲ ውድድር ንክቕልጥፍ ብምግባር ተፎኻኸርታ ብነዊሕ ርሕቀት ኣፋላላይ ብምቅዳም ተዓዋቲት ክትኾን ክኢላ ‘ያ።
ለተሰንበት ብ35፡21.55 ብዝኾነ ሰዓት ቀዳመይቲ ኮይና እንትዛዝም፤ ጌጤ አለማየሁ 35፡40፡87 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ፣ መቅደስ አበበ 35፡46.06 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ብምኻን ክዛዝማ ክኢለን ‘የን። ብውድድር 6 ኪሎ ሜትሮ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ለምለም ንብረት 20፡33.40 ብዝኾነ ሰዓት 1ይቲ፣ መልክናት 20፡35.15 ብዝኾነ ሰዓት 2ይቲን ሰናይት ጌታቸው 20፡35.50 ብዝኾነ ሰዓት 3ይቲ ደረጃ ብምሓዝ ከጠናቅቃ ክኢለን ‘የን። ብ8ኪሎ ሜትር ውድድር መናእሰይ ኣወዳት በረከት ዘለቀ 24፡48.81 ብዝኾነ ሰዓት 1ይ፣ ቦኪ ዲሪባ 24፡49.13 ብዝኾነ ሰዓት 2ይን ኣቤል በቀለ 24፡51.43 ብዝኾነ ሰዓት 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም ‘ዮም።
ብውድድር 10 ኪሎሜትሮ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥንኩር ንሕንሕ ዝተገበረ እንትኸውን አትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ 30፡44.20 ዝኾነ ሰዓት ተዓዋቲ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ታደሰ ወርቁ ብ30፡5309 ካልኣይ ኮይኑ እንትዛዝም፤ ጌታነህ ሞላ 30፡54.43 ብዝኾነ ሰዓት ሳንልሳይ ኮይኑ ክፍፅም ክኢሉ እዩ። ተዓዋቲ አትሌት በሪሁ አረጋዊ ነቲ ለውድድር በደንቢ ምድላው ከምዝገበረ ተዛሪቡ፣ እቲ ውድድር ብጣዕሚ ንሕንሕ ዝበዝሖ ከምዝነበረን እቲ ኣየር’ውን ቁሩብ ኸቢድዎ ከምዝነብረ ዋላ እኳ እንተዘይሓብኣ፤ ብምዕዋቱ ሕጉስ ከምዝኾነን ቀፃሊ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበር ዓለም ለኸ ኣቋራፂ ሃገር ሻምፕዮና ጥንኩር ምድላው ብምግባር ልምዱ ተጠቂሙ ናይ ወርቂ ሜዳልያ ከምዘመዝግብ ብሙሉእ ልቢ ገሊፁ ‘ዩ።
“ሃገር ናይ ምውካል ስምዒቱ ልዑል ‘ዩ፤ ናይ ሃገር ዓብይ ሓላፍነት ሒዝካ ኢኻ ዝትኸይድ፣ ምክንያቱ ንሃገርን ንባዕልኻ ኢልካ ዝትሰርሖን ይፈላለ ‘ዩ” ክብል ሓሳቡ ሂቡ። ብተመሳሳሊ ብኻልኣይ ደረጃ ዝዛዘመ ተወዳዳሪ ታደሰ ወርቁ ብወገኑ እቲ ናይ ውድድር ቦታ ፅቡቅ ከምዝነበረን ኣብ መወዳእታ ግና ንፋስ ከም ዘፀገመሉ ብምግላፅ ብጉጅለ ንምዕዋቶም ምክንያቶም ጥንኩር ምድላው ብምግባሮም ምኽንያት ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ንዓለም ለኸ ኣቋራፂ ሃገር ሻምፕዮና ብዝበለፀ ጥንክር ዝበለ ምድላው ክንገብር ኣለና፣ ምኽንያቱ ኣብኡ እንነሓነሖም ኬንያዊያንን ዩጋንዳዊያንን ‘ዩም ክብል ሪኢትኡ ሂቡ። ኣብ ልዕሊ 50 ዓመት ነባር ተወዳደርቲ ኣትሌታት ዓብደላ ሱሌማን ብቀዳማይነት እንትዛዝም፤ ኣያሌው እንዳለን ገፊ ኣባይን ካልኣይን ሳልሳይን ብምኻን ክዛዝሙ ክኢሎም ‘ዮም።
ትሕቲ 50 ዓመት ነባር ተወዳደርቲ ኣትሌታታት ድማ ኣሰፋ ጥለሁን ቀዳማይ፣ ተስፋዬ ያያ ካልኣይን እሱባለው አስናቀ ሳልሳይን ብም’ን ወዲኦም። ኣብቲ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ብጉጅለ ክልል ኣምሓራን ኢትዮ ኤሌትሪክን ተዓወቲ ኮይኖም ናይ ዋንጫ ተሸላሚ ኮይኖም ‘ዮም፡፡ እዚ ከዓ ብ8 ኪሎ ሜትር መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮን ብ6ኪሎ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ መናእሰይ ውድድር በተከታታሊ 14ን 35ን ነጥብታት ብምስብሳብ ክልል አምሓራ ናይ ዋንጫ ተሸላሚ እንትኸውን፣ ብዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን 10 ኪሎ ሜትር ድማ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ናይ ዋንጫ ተሸላሚ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ፡ ፡ በድብልቅ ሪሌይ ክልል ኦሮሚያ ናይ ወርቅ ሜዳልያ፣ ሱሉልታ ናይ ብርን ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ናይ ነሐስ ሜዳለያ ብምርካብ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘሎ ደረጃ እንትሕዙ ኦሮሚያ ደንን ዱርን፣ ኢትዮ ኤሌትሪክን ሲዳማ ቡናን ዝተረፉ ደረጃታት ብምሓዝ እቲ ውድድር ክዛዝሙ ክኢሎም ‘ዮም፡፡ ኣብቲ ውድድር ፕሬዘዳንት ፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ጄነራል ደራርቱ ቱሉ ሓዊሱ ኣባላት ኮምቴ ስራሕ መፈፅምቲን ሚኒስትር ደኤታ አምባሳደር መስፍን ቸርነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖትርን፣ ናይ ኬንያን ናይ ምብራቅ አፍሪካ አትሌቲክስ ሪጅን ፕሬዘዳንት ጀነራል ጃክሰን ትዊን ናይ አትሌቲክስ ሪጅኑ ዋና ፀሓፊ ዶክተር ኢንጂነር ሲዲቅ ኢብራሂም ክዕደሙ ክኢሎም ‘ዮም፡፡ ናይ ፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ተቀደሚ ፕሬዘዳንት አትሌት ገዛሀኝ አበራ ምዝዛም እቲ ውድድር ኣመልኪቱ፣ እቲ ውድድር ብጣዕሚ ፅቡቅ ከምዝነበረን ልዑል ዝብሃል ውፅኢት ከምዝተረኸበሉን ገሊፁ። ገዛሀኝ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ውድድር ሻምፕዮና ዓለም ፅቡቅ ዝኾኑ ተወዳደርቲ ንምምራፅ ከምዝኽኣሎ ተዛሪቡ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም