ድሕሪ ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝሓለ ሰኑ ንንባብ ዝበቕዑ ጋዜጣታትን መፅሄታትን ኣብ ቅድሚት ገፆም ኣብ ዓወት ፅዋዕ ዓለም ኣርጀንቲና ዘተኮሩ ነይሮም፡፡ብርግፅ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ትኹረት’ውን ኣርጀንቲናን ኣንርጀንቲናዊ ሊዮኔል ሜሲ ዘተኮረ ነይሩ፡፡ድሕሪ 36 ዓመታት ናይ ዝሓለፈ ፅዋዕ ዓለም ሻምቲዮና ፈንሳይ ብምስዓር ሰዓራይ ዝኾነ ጋንታ መበል ሳልሳይ ፅዋዕ ረኹቡ ብኽብሪ ኣብ መደርደሪኡ ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ጋንታ ኣርጀንቲና ጎዳናታት ቦነስ ኣይረስ መንፈስ ደስታ ዝፈጠረ፣ ብዙሓት ንብዓት ደስታ ዘንበዐ ጉጅለ ኣርጀንቲና ንዘመናት ብሃንቀውታ ዝፀበዩዎ ዝነበሩ ፅዋዕ 42 ሚልየን ዶላር ብምሓዝ ናብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ተጓዒዞም ‘ዮም። ነዚ ስዒቡ ፕሬዝዳንት ኣርጀንቲና አልቤርቶ ፈርናንዴዝ ‹‹ነቲ ጉጅለ ኣባላት የመስግን ፣ ኸዚ ንሕና ቻምፒዮን ዓለም ኢና ፣ ካብዚ ንላዕሊ ቃል የብለይን ›› ብምባል ንህዝቦም ታሕጓሶም ገሊፆም ‘ዮም፡፡

 ናይ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ተፃዋታይ ብራዚላዊ ፔሌ ፣ ንኣርጀንቲናዊ ሜሲ ናይ እንካዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ‘ዩ። ብቡዙሓት ዓረባት ‹‹ቢሽት›› ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ኽብሪ ካባ ተኸዲኑ ፅዋዕ ዓለም ዘልዓለ ሜሲ ቅድሚ ምውላዱ ‘ዩ ነይሩ ኣርጀንቲና ንካልኣይ እዋን ፅዋዕ ዓለም ዝረኸበት። ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ዓለም ብሉፅ ተፃዋታይ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ህይወቱ ናይ ዓለም ፅዋዕ ንምልዓል ዓብይ ድልየት ከምዝነበሮ ይገልፅ። ‹‹ብዙሕ ተዓጊስና ኣብ መወዳእታ ረኺብናዮ ኢና ፣ ፈጣሪ እዚ ሂቡኒ ‘ዩ ድሕሪ ኸዚ ዝሓቶ ነገር ኣይህሉን፣ ኩዕሶ እግሪ ብጣዕሚ ይፎቲ ‘የ ፣ ዓወት ዝተረኸበ ኣብ መወዳእታ ኸባቢ እንተኾነ ‘ውን ምስ ብሄራዊ ጋንታ ምቕፃል ይደሊ ‘የ ፣ ድሕሪ ኸዚ ዉሑዳት ፀወታታት ፅዋዕ ዓለም ምስዚ ጋንታ ክፃወት ይደሊ ‘የ›› ከምዝበለ ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ ‘ዩ።

ንኣርጀንቲና ብሄራዊ ጉጅለ ቅድሚ ኸዚ ብተፃዋታይ ኸዚ ድማ ብኣሰልጣንነት እናገልገለ ዘሎ ወዲ 44 ዓመት ሊዮኔል ስካሎኒ ፣ ፅዋዕ ዓለም ንሃገሩ ዘርከበ ሳልሳይ ኣሰልጣኒ ኾይኑ ‘ዩ። ድሕሪ ዓወት በቲ ብሄራዊ ጋንታ ሕጉስ ከምዝኾነ ከምዝኾርዐን ተዛሪቡ ‘ዩ። ናይቲ ጉጅለ ሞተር ዝኾነ ሊዮኔል ሜሲ ብዝምልከት ን2026 ፅዋዕ ዓለም ዕድሚኡ 39 ዝበፅሕ እንተኾነ ‘ውን ናይቲ ጉጅለ ኣባል ኾይኑ ንኽቅፅል ድልየቱ ከምዝኾነ ገሊፁ ‘ዩ። ምስ ሜሲ ኣብ ሓደ ጋንታ ብኣሰልጣንነት ምስራሕ ዘሕጉስ ‘ዩ፣ ነቲ ጋንታ ዓብይ ነገር ዝሃበ ሰብ ‘ዩ ›› ብምባል ኣድናቖት ኣቕሪቡ ‘ዩ። ኣብ ኩዑሶ እግሪ ህይወቱ ዝጎደሎ ዝመልአ ሜሲ ናይ ብዙሓት ግምት ምናልባት ድሕሪ እዚ ፅዋዕ ዓለም ከምዘይስለፍ ‘ዩ ነይሩ። ብዙሓት ፅዋዕ ንከልዕል ናይ ምድላዮም ምኽንያት ‘ውን ካብ ፅዋዕ ዓለም ምስንባቱ ዝፀበቐ ንክኸውን ‘ዩ ነይሩ። ንጉጅለ ኣርጀንቲና ኽልተ ሽቶ ብምድሓን ተሸላሚ ፅዋዕ ንክኾን ዘኽአለ ተሸላሚ ወርቂ ጓንት ኤሜሊያኖ ማርቲኔዝ ፅዋዕ ብምርካቡ ሕልሙ ከምዘሳኸዐ ገሊፁ ‘ዩ።

 ደስትኡ ንምግላፅ ቃል ዝሓፀሮ እቲ ሓላዊ ማዕፆ ‹‹ ኣብ መፍለይ ሽቶ ኣብ ዝተረጋገዐ መንፈስ ‘የ ነይረ ኹሉ ዝኾነ ከምዝደለናዮ ‘ዩ›› በምባል ሓሳቡ ንቢቢሲ ሂቡ ‘ዩ። ናይ 2020 ፅዋዕ ዓለም ን28 መዓልትታት ኣብ ኳተር ዝተኻየደ እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መንጎ አርጀንቲናን ፈረንሳይ ኣብ ተገበረ ግጥም በሰዓራይነት ኣርጀንቲና ከምተዛዘመ ይፈለጥ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

Recommended For You