
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ መድረኽ ኦሎምፒክ ካብ ዘመዝገበቶም ድሙቓት ታሪኻት ጎሊሁ ካብ ዝፅራሕ ዕዉት ኣትሌቲክስ ስፖርት ‘ዩ። ካብ ውፅኢት ብተወሳኺ ኦሎምፒክ ንተሳትፎ ‘ውን ኣገዳስነት ስለ ዝወሃቦ ኣብቲ መዳይ ዘሎ ታሪኽ ኣጋላቢጥና እንተርኢና ጉስጢት ስፖርት ኣብ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ናይ ምስታፍ ዓቢ ታሪኽ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ኣብ ሸውዓተ ኦሎምፒክ ብጉስጢት ዝተሳተፈት ኮይና እቲ ስፖርት ኣብ ዓቢ መድረኽ ብዘለዋ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣትሌቲክስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ። ታሪኽ ኦሎምፒክ ጉስጢት ኢትዮጵያ ዝጅምር ካብ ኦሎምፒክ ሜክሲኮ እንትኸውን፤ ኣብ ኦሎምፒክ ሙኒክ፣ ሞንትርያል፣ ሞስኮ፣ ባርሴሎና፣ ኣትላንታ፣ሲድኒ፣ኣቴንስን ቤጂንግን ብተኸታታሊ ምስታፍ ተኻኢሉ ‘ዩ።
ኣብዚ ኩሉ ናይ ተሳትፎ ታሪኽ ግን ኢትዮጵያ ብውፅኢት ክትፅዋዕ ኣይከኣለትን። የግዳስ እቲ ጉስጢት ስፖርት ሽሙ እንትፅዋዕ ተጓሰጥቲ እቲ ውድድር ናብ ዝኸድዎ ሃገር ስለዝጠፍኡ ታሪኽ እቲ ስፖርት ብእኡ ‘ዩ ዝፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ኦሎምፒክ ጉስጢት ስፖርት ድሕሪ ምቁራፃ ኣብ ዝመፅእ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዳግማይ ክትሳተፍ እትኽእለሉ ዕድል ከምዝህልው ይግመት። ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ሃገሮም ወኪሎም ኣብዚ ስፖርት ካብ ዝተሳተፉ 4 ኣባላት ጋንታ ኮማንደር ፀጋስላሰ ኣረጋይ እንኮ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ‘ዩ። ፀጋስላሰ ናይ ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌደራል ተጓሳጢ ዝኾነ መንእሰይ እንከሎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ክለባት ጉስጢት ከምዝነበራን ኣብቲ ስ ፖ ር ት ው ሑ ድ ዘ ይ ብ ሃል ው ድ ድ ራ ት ይ ዳ ለ ው ከምዝነበረ ይዝክር። ናብዚ ስፖርት ካብ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ኣብ ዝተሳተፈሎም 102 ውድድራት 100 ዝተዓወተ እንትኾን 26 ወርቂ ሜዳልያን 2 ብሩር ሜዳልያን ተዓዊቱ ‘ዩ። ኣብ ግብፂ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዞባ 5 ወርቂ ሜዳልያ ኣብ 7ይ ውድድር መላእ ኣፍሪካ ድማ ብሩር ሜዳልያ ብምዕታር ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ክሳተፍ ከምዝኸኣለ’ውን ይሕብር።
ብመሰረት እዚ ኦሎምፒካዊ ኣብ ኦሎምፒክ ሓዊሱ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ምስታፍ ቆራፅነት፣ ሃገራውነትን ብዙሕ ሓድሽቲ ባህልታትን ተመኩሮታትን ንክትረክብ ይገብር ይብል ። ስለዚ እቲ ስፖርት ብቐንዱ ቆላሕታ የድልዮ። ጉስጢት ስፖርት ከም ሃገር ይኹን ከም ክለብ ካ ብ ቶ ም ዝ ኸ በ ሩ ዓ ይ ነ ት ስ ፖ ር ታ ት ኣይኮነን ይኹን ደኣምበር ኣዝዩ መኽሰብ ዘለዎ ስፖርት ‘ዩ። ስለዚ እቶም ተጓሰጥቲ ዓቅሚ ረኺቦም ናብ ውፅኢታዊነት ንከምርሑን ከምኡ’ውን ኣድለይቲ ስራሕቲ ንምፍፃም ከም ፈፃሚ ስራሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ይገልፁ። ስለዝኾነ ድማ መንግስትን ኩሎም ነቲ ስፖርት ክሕግዙ ዝኽእሉን ኣብ ጎኑ ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ጉስጢት ስፖርት ካብ ኦሎምፒክ ምርሓቁ ዓቢ ጣዕሳ ከምዝፈጠረ፤ ኣይተ ስንታየሁ ተስፋይ ወኪል ቤት ፅሕፈት ፈደረሽን ጉስጢት ስፖርት ይገልፁ፤ ናይ ኢትዮጵያ ጉስጢት ታሪኽ ንምቕፃል ሎሚ ዓመት ሓደሽቲ ምንቅስቓሳት ተጀሚሮም ከምዘለው ገሊፆም።
እቲ ዝዓበየ ፀገም ናይቲ ስፖርት ገንዘብን ናይ ውድድር ዕድል ዘይምርካብን ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ ፌደሬሽን ኣብዚ ዓመትን ኣብ 2016ን እቲ ስፖርት ንምምሕያሽ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም። ብፍላይ እቲ ፌደሬሽን ቀዋምን ብቑዕን ዝኾነ ስፖንሰር ይደሊ ከምዘሎን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ተሳትፎ ዝዕንቅፍ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ፀገም ምብዳህ ይከኣል ‘ዩ ኢሎም። ካብዚ ወፃኢ ኢትዮጵያውያን ተጓሰጥቲ ናይ ቴክኒክን ዓቕምን ፀገም ስለዘይብሎም ናይ ውድድር ተሞኩሮ ብምሃብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክበፅሑ ከምዝኽእሉ እምነቶም ‘ውን ገሊፆም። ቅድሚ ሕዚ እቲ ፌደረሽን ኣብ ኣህጉራዊ ርክባቱ ፀገማት ከጋጥሞ ከምዝፀንሐን፤ ነዚ ንምብዳህ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ወኪል እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብሪሆም። እቲ ፈደረሽን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፎረም ጉስጢት ኣፍሪካ ኣዳልዩ ከምዝነበረን። ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ውድድራት ጉስጢት ፣ ኮንፈረንስን ካልኦት ጉዳያትን ንምክያድ ‘ውን ዝርርብ ገይሮም ‘ዮም። ስለዚ እቲ ንጥፈት በዚ መሰረት እንተቐፂሉ እቲ ስፖርት ክዓቢ ዝኽእለሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይከውን ኣብሪሆም። ይኹን ‘ምበር ሓላፊ ስፖርት እታ ሃገር ዝኾነ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ምስ ዝህቦ ደገፍ ተተሓሒዙ ክፍተት ከምዘሎ እቶም ሃላፊ ይጠቅሱ። እቲ ፈደረሽን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ፅዋዕ ዓለም ጉስጢት ደቂ ኣንስትዮ ንምስታፍ ዘድሊ ምድላዋት ‘ኳ እንተገበረ ክሳተፍ ግን ኣይከኣለን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብዚ ዓመት ኣብ ስፔን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን መንእሰያት ምክፋል ኣይተኻእለን። ነዚ ቀንዲ ፀገም እቲ ባጀት ‘ዩ። ዋላ ብውሑዳት ስፖርተኛታት ንሓንቲ ሃገር ምውካል ውፅኢታዊ ‘ዩ። ስለዚ ደገፍ ኣገዳሲ ‘ዩ። መንግስትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሕግዙ እንተኽኢሎም ኣብ 2024 ኦሎምፒክ ናብ መድረኽ ክምለስ ተስፋ ከምዘለዎ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።