
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማራቶን ውድድራት ሓያላትን ዕዉታትን ዝኾና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣቓልቦአን ናብ ውድድር ማራቶን ብምቕያር ኣብ ኣርብዓን ክልተን ኪሎ ሜትር ጐሊሐን ይረኣያ ኣለዋ። ብዙሓት ኣብ ውድድራት ብዙሕ ዓወት ዘይረኸባን መበገሲአን ማራቶን ዝኾናን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ‘ውን ኣብ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ውድድራት ብዙሕ ዓወታት ከመዝግባ ተራእየን ‘የን።
ካብ ካልኦት ውድድራት ፍልይ ብዝበለ ኣፀጋሚ ዝኾነ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውድድራት ዕዉታት ዝኾናሉ ዓመት እንተሃልዩ ሎሚ ዓመት ጐሊሑ ዝጥቀስ ‘ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣብ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ውድድራት እቲ ርሕቀት ምዕዋተን ጥራሕ ዘይኮነስ ቅልጡፍ ሰዓት ዘመዝገባ ምዃነን ኣብ ወርቃዊ ዘመን ማራቶን ከምዘለዋ ዘመልኽት ‘ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ከተማ ፖርትላንድ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ጀሚሩ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብዙሕ ዓወታት ማራቶን ኣመዝጊበን ‘የን። ጓል 27 ዓመት ዝኾነት ኣደናቂት ኣትሌት ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ምስ ተዓወተት ‘ውን ብ2:18:11 ክብረወሰን ሻምፕዮንነት ኣመሓይሻቶ። ካብዚ ዓብዪ ዓወት ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ ክብረወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ስፖርተኛታት ሰለስተ ግዜ ተመሓይሹ ‘ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ማራቶን ሃምቡርግ ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ካብ 2019 ናብዙይ ክብረወሰን ማራቶን ኢትዮጵያ ብ2:17:23 ኣመሓይሻ ‘ያ። እዚ ‘ውን ኣብ ዓለምና ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ኮይኑ ተመዝጊብላ ‘ዩ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ድማ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ርሕቀት ክብረወሰን ኣብ ውድድር ማራቶን በርሊን ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ ብኣትሌት ትእግስት አሰፋ ክምሓይሽ ክኢሉ ‘ዩ። 2:15:37 ሰዓት ሓዱሽ ክብረወሰን ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ነይሩ ‘ዩ።
እዚ ኣብ በርሊን ዝተመዝገበ ክብረወሰን ማራቶን ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቫሌንሲያ ዳግማይ ተመሓይሹ ‘ዩ። ናይቲ ክብረወሰን ወናኒት ዝኾነት ጓል 31 ዓመት ዝኾነት ኣትሌት ኣማኔ በሪሶ ብ2:14:58 ሰዓት ብምዕዋት ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ኮይኑ ‘ዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እታ ኣትሌት ናይ ገዛእ ርእሳን ናይ ቫለንስያ ማራቶንን ክብረወሰን ብልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣመሓይሻ ካብቲ ብኬንያዊት ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ፕረስ ጊፕቺርቺር ዝተታሕዘ ክብረወሰን ዓለም ብ54 ሰከንድ ጥራይ ድሒራ ካልአይቲ ኮይና ኣላ።
ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ብዙሕ ኣቓልቦ ዝረኸበት ሻምፕዮን ዓለም 10 ሽሕ ሜትሮ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዘካየደቶ ፈላማይ ውድድር ማራቶን ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ‘ያ ዛዚማቶ። ኣብዙይ ዘመዝገበቶ ሰዓት 2:16:49 እንትኸውን፤ ኣብ ቀዳማይ ውድድር ማራቶን ዝተመዝገበ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምንባሩ እታ ኣትሌት ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ርሕቀት ዓብይ ታሪኽ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ምልክት ዝሃበ ‘ዩ።
ለተሰንበት ኣብ መጀመርያ ተሳትፎ ውድድራ ኣብ ታሪኽ ዝቐልጠፈ ሰዓት ኣብ ቫለንስያ ቅድሚ ምምዝጋባ ሰለስተ ሰሙን ኣቢላ ኢትዮጵያዊት ናይ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ዓለም ተዓዋቲት ኣልማዝ ኣያና ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ተዓዊታ ብተመሳሳሊ ታሪኽ ምስራሕ ከምዝኸኣለት ዝዝከር ‘ዩ። አልማዝ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኣምስተርዳም ኣብቲ ርሕቀት ንፈለማ እዋን ተወዳዲራ ብ 2:17:20 ብዝኾነ ሰዓት ክተሸንፍ ከላ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብቲ ርሕቐት ንመጀመርታ ግዜ ብዝተወዳደረት ኣትሌት ዝተመዝገበ ቅልጡፍ ሰዓት ‘ዩ ነይሩ። ኣብዚ ውድድራት ዝሓየለ ተወዳዳሪት ዝኾነት ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ‘ውን ኣብቲ ርሕቀት ንመጀመርታ ግዜ ተወዳዲራ ንኣልማዝ ተኸቲላ ካልኣይቲ ኮይና እንትዛዝም ዘመዝገበቶ ሰዓት 2:18:05 ብቀሊል ዝርኣይ ኣይኮነን።
ብሓፈሻ ካብ ዒስራ ቅልጡፋት ሰዓት ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና እቶም ዓሰርተ ብኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተመዝጊቦም ‘ዮም። ካብቶም ዓሰርተ ዝቐልጠፉ ሰዓታት እቶም ሽዱሽተ ዝተመዝገቡ ኣብ 2022 ዓመተ ውድድር ‘ዮም። ቀዳሞት ክልተ ቅልጡፋት ሰዓት ብኬንያውያን ኣትሌታት ዝተመዝገቡ ‘ኳ እንተኾኑ፤ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ክብረወሰናት ዓለም ግን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ‘ዩ ተታሒዙ። ብዙይ መሰረት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብዚ ዓመተ ውድድር ወርቃዊ ግዜ ማራቶን የስተማቕሩ ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ድማ ነቲ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ክብረወሰን ማራቶን ዓለም ንምስባር ነዊሕ ግዜ ከምዘይወስደሎም ተስፋ ዝሃበ ኮይኑ ‘ዩ።
ወጋሕታ 29 ህዳር 2015 ዓ.ም