ኣብ ሓፂር ርሕቀትን ናይ ሜዳ ንጥፈታትን ውድድራት ለውጢ ንምምፃእ ክስራሕ ‘ዩ

ስፖርት ኣትሌቲክስ ጉያ፤ ዝላን ደርባን ዘጠቓልል ስፖርት ምኻኑ ይፍለጥ። ይኹን ‘ምበር ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ ብፍላይ ከዓ ኣብ ነዊሕን ማእኸላይን ርሕቐት ጥራሕ ዘተኮረ ‘ዩ ነይሩ። እታ ሃገር ንስፖርት ኣድላይ ህያባት ‘ኳ እንተሃለዋ ኾይኑ ግና ብግቡእ እናተጠቀመትሉ ኣይኮነትን። ኣቀዲማ ዝትፍለጠሉ ውድድር ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ብዝተቆራረፀን ከከም ወቅቱ ተተካእቲ ዘይርከብሉ ኩነታት ኮይኑ ይቅፅል ኣሎ። ኣብ ቀረባ ኣብ ኦሊምፒክን ኣብ ናይ ዓለም ቻምፒዮና ውድድራት ናይ ሃገሮም ሽም ብዓወት ከፀውዑ ዝፀንሑ ኣትለታት ገፆም ናብ ናይ ጎዳና ጉያ እናገበሩ ከምዘለዉ ግልፂ ‘ዩ።

 ንመርኣያ ዝኸውን ‘ውን ኣልማዝ አያና፣ ገንዘቤ ዲባባን ለተሰንበት ግደይን ምልዓል ይከኣል ‘ዩ። ብርግፀኝት እዞም ኣትሌታት እታ ሃገር ብዝትፍለጠሉ ውፅኢታዊ ክገብርዋ ይኽእሉ። ይኹን ‘ምበር ኣብዝ ሐዚ እዋን ንዕኦም ዝትክኡ ኣትሌታት ምህላዎም መጠራጠሪ ‘ዩ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብዙሕት ማእኸላት መሰልጠንትን ኣካዳሚታትን ከምኡ’ውን ብውልቆም ዝንቀሳቀሱ ኣባፅሕን መናእሰይን ዋላ እንተሃለው ናይ ምትክካእ ነገር ግን ብዝድለይ ልክዕ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ‘ውን ናይ ስፖርት ቤተሰብ ኣብ ስግኣት ዘውደቀ ጉዳይ ‘ዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ዓለም ትኩረቱ ኣብ ሓፂር ርሕቀትን ናይ ሜዳ ተግባራት ‘ዩ ገይሩ ዘሎ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ዝትፍለጠሎም ናይ 5ሽሕን ናይ 10ሽሕን ሜትር ርሕቀታት ካብ ብዙሓት ውድድራት ምስራዞም ነዚ ሓደ መርኣያ ‘ዩ። ብምዃኑ ‘ውን ምስቲ ግዜ ዝጉዓዝ ከምኡ’ውን ካብ ስፖርቲ ተጠቃሚ ንምዃን ኣብዞም ስፖርትታት ኣትኲርካ ምስራሕ ኣድላይ ምዃኑ ሕቶ የብሉን።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤት ትምህርትን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ዘለው ኣሰልጠንቲ ጀሚሩ ክሳብ ዓበይቲ ናይ ስፖርት ሳይንስ ሙሁራት ብፅሒት ኣለዎም። ኣብ ኣትሌታት ምልመላ፣ ናይ ስልጠና ሒደት፣ ኣመጋግባን ኣብ ውድድር ብዛዕባ ዝኽተልዎም ቴክኒካትን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ብእኹል ፍልጠን ሳይንሳዊ ሜላን እንተዘይተመሪሑ ውፂኢታዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ምስዚ ተተሓሒዙ ነቲ ስፖርት ዝመርሕ ዘሎ አትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንሑ እተን ፕረዝደንት ሓጋዚት ኮሚሽነር ጀነራል ደራርቱ ቱሉ ይጥቁማ። እታ ሃገር ካብ ዝትፍለጠሎም ርሕቀታት ብተወሳኺ ተሳትፎ ንምጥንኻር ተባሂሉ እቲ ፌዴሬሽን ብሓፂር ርሕቀት፣ ኣብ ዝላን ደርባን ቻምፒዮና በቢ ዓመቱ ንበይኑ ብስሩዕ ይዳለው ‘ዩ።

 ኣብዚ ውድድር ብምብራቅ ኣፍሪካን ብደረጃ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ንምስታፍ ድልየት ዋላ እንተሃለወ ንተሳታፊነት ዘብቅዕ ሚኒማ ዘማልእ ግን ከቢድ ኮይኑ ምፅንሑ እታ ፕረዝደንት ኣዘካኺረን ‘የን ። ስለዝኾነ ‘ውን ናይ ውድድራት ዕድላት ብምስፋሕ ናይ ሚኒማ መማልኢ ብምድላው ከምኡ’ውን ሕይሽ ዝበሉ ኣብ ክለባት ዘለው ኣትሌአታት ኣብዞም ውድድራት ንምስታፍ ይሙከር ነይሩ። ኾይኑ ግና ቅድሚ ሐዚ ይግበር ከምዝነበረ ዝሐሹ ኣትሌታት ኣብ ቀጠና ውድድራት ምስታፍ ኣይተኻለን። ምኽንያቱ ድማ እቲ ፌዴሬሽን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ሰዓት መቁፀሪ መሳርሒ ኣብ ጥቅሚ ብምውዓሉ ኣፀጋጊዕኻ ኣብ ውድድር ምስታፍ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ‘ዩ።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ ‘ውን እቲ ፌዴሬሽን ብዝተፈላየ መንገድታት ክጥቀም ዋላ እንተፀንሐ ሐዚ ግን ከም መፍትሒ ዘቅመጦ ኣብቲ ዓውዲ ዝሐሹ ኣሰልጠንቲ ካብ ወፃኢ ሃገር ‘ውን ብምምፃእ ‘ዩ። ክንዲ ኣውሮፓን ኣሜሪካን እንተዘይኾነ ‘ውን ብኣፍሪካ ልምዲ ዘለዎም ካብ ናይጀርያ፣ ግብጽ፣ ደቡብ አፍሪካን ካልኦት ሃገራት ብምምፃእ ልምዲ ልውውጥ ንክገብሩ ይሙከር ‘ዩ። ዓቅሚ ብዝፈቀዶ ‘ውን ብኣሰልጣኒነት ንምምፅእ ከምዝትተለመ እተን ፕረዝደንት ተዛሪብርን ‘የን።

ኣብርሃ ሓጎስ

22 ሕዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You