ፀገም ዝፈትሕ’ምበር ፀገም ዝዛረብን ዘጋውሕን ኣመራርሓ ሐዚ ንዘለናዮ ኩነታት ከምዘይምጥን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ፀገም ዝፈትሕ’ምበር ፀገም ዝዛረብን ዘጋውሕን ኣመራርሓ ሐዚ ንዘለናዮ ኩነታት ከምዘይምጥን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም። ኣብ መቐለ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝወሃብ ቅድሚ ኽረምቲ ዘፅልሉ ግዝያዊ መፅለሊ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዶክተር ኣብርሃም ፣ ገምጋም ስራሕቲ ሽድሽተ ወርሒ ሴክተራትን ቢሮታትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ እንተካይዱ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጎድና ጎድኒ ምርግጋፅ ድሕንነትን ሰላምን ህዝብና ብዘይ ውዓል ሕደር ኣበርቲዕኻ ክስርሐሉ ዝግባእ ዋኒን ሕርሻ እዩ ኢሎም። ስለዚ ኣብ ፀገም ምፍታሕ ትኹረት ክግበር ይግባእ።

ቢሮ ሕርሻ ዘለዎ ድልውነት ኣቕርቦት ምሩፅ ዘርእን ማዳበርያን ኩነታት ማሕረስን ከምኡ’ውን ተበፃሕነቱን ተፈፃምነቱን ብዝምልከት ቀዳምነት ተዋሂብዎ ተገምጊሙን ኣንፈት ተቐሚጥሉን እዩ:: ኣብ መጠቓለሊኦም’ውን “ግብርና ሂወትና እዩ ፈላማይ ቆላሕታና’ውን ንሱ እዩ:: ስለዝኾነ’ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንሃሉ ዘይሕረስ መሬት ኣይህልወናን:: ዝኽእል ገባር ባዕሉ ይሓርስ ዘይኽእል ድማ ሰብ ሞያን ትራክተራትን ሒዝና ባዕልና ክንሓርስ ኢና” ኢሎም::

ኣብቲ ገምጋም ቢሮ ትምህርቲ’ው እዚ ዝበሃል ስራሕ ኣይሰርሐን:: ንገምጋም ዝበቅዕ ሪፖርትን ስራሕን ኣይነበሮን:: ‹‹ኣብ ትምህርቲ ዝጭክን፣ ዝቕልድን ዘተዓናቕፍን ኣመራርሓ፣ መምህር፣ ሰብ ዋና ቤት ትምህርቲ፣ ወዘተ… ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ዕድል ክወሃቦ ኣይነብሮን:: ብሓቂ መሕዘኒን ተግባር እዩ ተሰሪሑ። ኣካይዳና ውሳነ ዝጎደሎ ምንባሩ ተሓታትነት ዘይምዝርጋሕና መርኣያ እዩ። ደቅና ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ግቡእ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ሐዚ’ውን እንተኾነ ብህፁፅ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ዘእቱ ምንቅስቓስ ክጅመር ኣለዎ›› እንትብሉ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ውሳነ ኣሕሊፎም።

ዶክተር ኣብርሃም ኣብ ኣሸጎዳ ዝርከብ መገጣጠሚ ትራክተር ዑደት ዘካየዱ እንትኾን፣ስራሕቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ማሕረስ ንምክያድ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናተገብረ ከምዝርከብ ገሊፆም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቐዳምነት ሂቡ ካብ ዝሰርሖም ስራሕትን ግዜ ክወስድ ዘይግበኦን፣ ኩሉ ፈታዊ ህዝብና ድጋፍን ቆላሕታን ዘድልዮ ስራሕ ሓደ ሕርሻ እዩ ኢሎም። ብኻሊእ ዜና ከዓ እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘፅልሉ ዝስራሕ ዘሎ ግዝያዊ መፅለሊ ብኣካል ብምኻድ ተዓዚቦም ኢዮም።

ድሕሪቲ ከይዲ ምዕዛብ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝወሃብ ቅድሚ ኽረምቲ ዘፅልሉ ግዝያዊ መፅለሊ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዶክተር ኣብርሃም ኣፍሊጦም።እቲ መፅለሊ እኹል እኳ ተዘይኮነ ብቕልጡፍ ክዛዘመሉ ዝኽእለሉ መንገድታትን ኣማራፅታትን ክርእይ ዕድል ሂቡኒ እዩ ‘ውን ኢሎም። ብህፁፅ ንምዝዛም ዝኽእለሉ ኣንፈት ብምቕማጥ ይስራሕ ምህላዉ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You