ጥምረት ሰኣልቲ ንዕብየት ጥበብ ስእሊ

 ሰኣሊ ብቕብኢ (ሕብሪ) ገይሩ/ራ ንዓለም ይትርጉማ። ብመቕብኢ ብሩሽ ድማ ንተፈጥሮን ሰብ ሰራሕ ነገራትን ብዝተገለፀሉ ዕምቆት ይገልፃ። ጥበብ ስእሊ ብዕሙቕ ዝበለ ኽእለት ምስ ንፁር ሓሳብ ብምውዳድ ብሓደ ጠሚሩ ዘርእይ ጥበብ ‘ዩ። ብኻልኦት ዘፈራት ኪነ ጥበብ ፈላማይ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ጥበብ ስእሊ፤ ታሪኽ ዓሻራ ብዕሊ ኣድሚቑ ብምርኣይ ዘበናት ተሸጊሩ ናይ ምኻድ ዓቕሙ ልዑል ‘ዩ።

ሻራ ወጢሮም ቀለም ሓንፊፆም ዝተረኣዮም ረቂቕ ሓሳብ ኣድሚቖም ዝገልፁ ሰኣልቲ ድምቀታት ኪነ ጥበብ ‘ዮም። እዞም/ን ፍሉያት ጥበበኛታት ብውልቀ ብምንቅስቓስ ካብ ዝረኽብዎ ለውጢ ብዝያዳ ንምዕባይ ጥምረት ከም ሓደ መገዲ ይወስድዎ። ማሕበር ሰኣልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብጥምረትን ሓድነትን ብምስራሕ ብሓንሳብ ኮይነን ናይ ሓባር ዕላማ ንምስኻዕ ዝግበር ፃዕሪ ሓደ መርኣያ ‘ዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ምስንዳእ ኪነ ጥበብ ናይዘን ማሕበራት ምንቅስቓስ ክንድህስስ ኢና ሰናይ ፃንሒት።

ጥበብ ስእሊ ሃገርና ክንድቲ ቐዲሙ ዝተጀመሮ ዝኣክል ሎሚ ምስ ዘለዎ ብርኪ እንትነፃፀር ክንደየናይ ከምዝተጎተተ ዝርኣይ ጋህዲ ‘ዩ። ብምዃኑ ድማ ጥበብ ስእሊ ክዓብይን ንሰኣልቲ ድማ ተጠቀምቲ ክገብር ኣይከኣለን። ብርግፅ ጥበብ ስእሊ ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ዘለዎን ብኪነጥበባዊ ጠቐሚትኡ ዝዛየደ እንተኾነ ‘ውን ዕብየቱን ጥቕሙን ግና ኣይዛመድን። ነዚ ድማ ኣፍቲ ዘፈር ዝርኣይ ፀገም ንዕብየት ማሕነቖ ተገይሩ ይውሰድ።

ኣብ ዘፈር ኪነ ጥበብ ስእሊ ዝርኣዩ ፀገማት ብሓባር ንምፅዋርን እቲ ጥበብ ንምዕባይን ዝፅዕር እዚ ማሕበር፤ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ንምስዓር ዝተጣየሸ ኣብ 1988 ዓ/ም ‘ዩ።

እቲ ማሕበር ዓብዪ ሞያ ብምሓዝ ሎሚ ካብ ቤት ትምህርቲ ስእሊ ወፂአን ናብ ሞያ ስእሊ ምእታው ንዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ መገዲ ዘመላኽት፣ ልምድን ተሞክሮን ዝህብን ዝጀመረኦ ሓዱሽ ስራሕ ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ምቹው ኹነታት ዝፈጥርን ዩ። ዓበይትን ስሙያትን ሰብ ሞያ ስእሊ ዝሓቖፈ እዚ ማሕበር ብዝገበሮ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣሰር ጥበብ ስእሊ ኣብዛ ሃገር ኣብ ምቕማጥ ይርከብ።

እዘን ማሕበር ሰኣልቲ ብሓንሳብ ተወዲበን ምስረሐን ብዙሕ ጥቕሚ እናረኸባሉ እንተኾና ‘ውን ዕላምአን ንምስኻዕ ብዘፈር ሞያ ስእሊ ዝስተውዓሉ ፀገማት ፈተና ኾይንወን ‘ዩ። ጓል ኣንስተይቲ ምስቲ ዘለዋ ሓላፍነት ብተወሳኺ ኽእለታት (ተውህቦ) ንምውፃእ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ዝዛረባ ፕሬዚዳንት ናይቲ ማሕበር ኣርቲስት ስናፍቅሽ ዘለቀ፣ ዕላማ ንምስኻዕ ብዙሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ይዛረባ።

ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ እናሃለወን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንህዝብን ንባዕለንን ከበርክትኦ ዝኽእላ ከየብርክታ ዝገብረን ዕንቅፋት ብምቕራፍ ብሓደ ኾይኖም ንዓብዪ ስራሕ ክበቕዓ ይግበር። እቲ ማሕበር በዚ ፃዕሪ ድሌቱ ከይገብር ዝገብርዎ ማሕለኻታት ከምዘዉ ድማ የልዕላ።

ካብ ዝምስረት ልዕሊ 24 ዓማውቲ ዘቑፀረ እዚ ማሕበር እስካዕ ሎሚ ቐዋሚ ዝኾነ መራኸቢ ቢሮ፣ ናይ ሓባር ቤት ዕዮን ቦታ መቕረቢ ዓውደ ርእይን ዝተፈላለዩ እታዎታት ስእሊ ከምዘይብሉን በዚ ድማ ካፍቲ ዘፈር ምውፃእን ዓቕሚ ማሕበርተኛታት ንምዕባይ ድማ ፈታኒ ከምዝኾነ ይገልፃ።

ሰኣሊት፣ መምህር ዲዛይንን ግራፊክስን ኣባል ናይቲ ማሕበር ዝኾነት ወይዘሮ ሩት ኣድማሱ ማሕበር ሰኣልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንሓሙሽተ ዓማውቲ ብፕሬዚዳንትነት መሪሓ እያ። ጥበብ ስእሊመርኣያ ውሽጣዊ ሓሳብ ከምዝኾነን ብኣንፃሩ ድማ እቲ ጥበበኛ ብዝደልዮ መልክዑ ተጠቃሚ ከምዘይኮነ ትገልፅ።

ኢትዮጵያውያን ጥበበኛታተት ‘ዮም። ናይዚ መርኣያ ድማ ኣሰር ቐዳሞት ኣቦታትና ከም በዓል ኣኽሱም፣ ላሊበላ፣ ፋሲል፣ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት መሰኻኽር ‘ዮም።

ጥበብ ስእሊ እኹል ዝኾነ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዋጋ ንከይህልዎን ከምኡ ‘ውን ማሕበር ሰኣሊያን ከይጥቀማ ዝተገበረሉ ምኽንያታት ክተረድእ ኸላ፤ ንስእሊ ዝጠቕሙ ናውትታት ብዙሕ ቐረፅ ከምዝኽፈልን ስእሊ ዝርኣየሉ ቦታ እኹል ዘይምዃኑን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን እናተሃነፁ ዘለዉ ፓርክታትን ጋለሪታትን ሞያተኛ ምችው ብዝኾነ መልክዑ ስራሕቱ ንኸርእይን ዕድል ዘይምርካቡ ወይ ድማ ምቹው ኹነታት ዘይምርካቡ ቐንዲ ምኽንያታት ‘ዮም።

ፕረዚዳንት ሰኣሊያን ደቂ ኣንስትዮ ኢትየጵያ ስናፍቅሽ ዘውገ፤ ስእሊ ጥበበኛታት ኣእዳው ዝተዓደሉ ሰብ ሞያ ዝርከቡሉ ዓለም ከምዝኸነን ነዚ ዓብዪ ዘፈር ሞያ እቲ ዝግበኦ ክግበረሉ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር፤ ኽብሪ ስእሊ ብዝተፈላለየ ብርኪ፣ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝንፀባረቕ ‘ዩ ዝብላ እተን ፕረዚደንት ብመርኣያነት ኣብ ሃገርና ኢሉ ‘ውን ኣብ ዓለም ስሙይ ዝኾኑ ጥበባዊ ሰብ ናይ ዓለም ሎሬት ሜትር ኣርቲስት ኣፍወርቅ ተክሌ ጠቒሰን።

ንህዝቢ ጠቓሚ ዝኾነ ጥበብ ንዘፈልፍል ሰኣሊ ግቡኡ ክረክብ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለወን። ሞያ ጥበብ ንመሸጣ ተባሂሉ ጥራሕ ዝዳለው ተዘይኮነ ‘ውን ናይቲ ጥበበኛ ህያውነት ዘረጋግፅ ሙቹው ሃዋህው ከምዘሎ ግድን ‘ዩ። ሓደ ሰኣሊ ስእሊ እቶቱን መናበሪኡን ብምዃኑ ስራሕቱ ናብ ህዝቢ ምቕራብ ንክኽእል ቕድም ክብል ዘቕረቦም ስራሕቱ ክሽየጡሉን ፍረ ረሃፁ ክረክብን ይግባእ።

ብሰብ ሞያ ስእሊ ካብ መንጎ ዝተቐመጡ መፍትሕታት ወይ ድማ እቲ ሞያ ከዐንብብ ካብ መንጎ ዝገብርዎ ሓደ ምስ ቱሪዝም ምርኻብ ‘ዩ። ቱሪዝም ምስ ስነጥበብ ስጡም ርክብ ስለዘዎ፤ ስእሊ ድማ መስሕብ ቱሪስታት ምስ ምፍላጥ ተተሓሒዙ ብሉፅ ግደ ኣለዎ። ሃገርና ብሃፍቲ ቱሪዝም ዝተዓደለት ምስ ምዃና ድማ ምችውቲ ይገብራ። ኣብ ዝተፈላለዩ ባፃሕቲ ዓዲ ዝተፈላለዩ ፅሬቶም ዝሓለዉ ናይ ስእሊ ጋለሪታት ተዝመቻቸዉ ንሰብ ሞያ ዝሐሸ ውፅኢት ምርካብ ይከኣል።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማና ዝስርሑ ዘለዉ ናይ ስእሊ መርኣይ ጋለሪታት ፅቡቕ እንተኾኑ ‘ውን ንሰኣልቲ ሙቹውን ቐሊልን ተገይሮም ጥበብ ስእሊ ነቶም ሰብ ሞያ ብምሕጋዝ ንፈጠረኦም ሙቹው ኹነታት ብምፍጣር ምስ ህዝቢ ዘራኽቡ መድረኻት ተዝኸኑ ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል ሪኢቶ ብወይዘሮ ሩት ኣድማሱ ተዋሂቡ እዩ።

ጥበብ ስእሊ ሃገራዊ ጥቕሙ ዕዙዝ ብምዃኑ፤ ኣፍቲ ዘፈር ዝተልዓሉ ቐንዲ ቐንዲ ፀገማት ብምፍላይ ፍታሕ ክወሃቦ ይግባእ። ሃገርን ህዝብን ናብ ፅቡቕ ብርኪ ኢኮኖሚ ናይ ምቕያር፤ ታሪኽን መንነትን ብምርኣይ ድማ ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎ ጥበብ ስእሊ ብምሕጋዝን ምቹው ኩነታት ብምፍጣርን ንዕብየት ጥበብ ስእሊ ክስራሕ ይግበኦ ንብል።

 ሄርሞን ፍቃዱ

 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You