‹ዱባሻ››

 ስነ ስርዓት ዕርቀ ሰላም ኣቦታት ማሕበረሰብ ጋሞ

 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ጥንታውያን ባህልታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ካብ መንጎ ዘለዎም ህዝብታት ሓደ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ዝርከቡ ብሄረሰብ ጋሞ ተጠቀስቲ ‘ዮም:: ከምዝፍለጥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ኣፈታትሓ ጎንፅታት ኣለዉ፤ ዝተፈላለዩ ጎንፅታት‘ውን ይኽሰቱ‘ዮም፤ ቤተሰባዊ፣ ዓሌታዊ፣ ብወሰን ወይ ድማ ድምበር፣ ሕልፍ እንትብል ‘ውን ናብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፀገማት፤ ንኸይገፍሕ ‹‹ዲባሻ›› ዝበሃል ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ኣቦታት ጋሞ ተጠቃሲ’ዩ::

ኣብ ዝኾነ ጎንፂ መልዐሊ ምኽንያት ክህሉ ስለዝኽእል፣ ሰባት ንምንታይ ተጋገዩ፣ ንምታይ ሰሓቱ፣ ንምንታይ ይጋጨዩ ኣይበሃልን፤ ኣሽንኳይዶ ሰብ ተዛራቢ፣ ተንቀሳቃሲ፣ እምኒ ምስ እምኒኳ ይላተም ይብሉ ዓበይቲ:: እንተኾነ ግና ብገንኡ ተዘይተኣሪሙ ሓደ ሻዕ ዝተፈጠረ ስሕተት ንምምላሱ ኣፀጋሚ ‘ዩ:: ብዙሕ ሰብ ስለ ዝመላላእ ምእራም፣ ይቕረ ምባል፣ ምሕረት ምግባርን ሰባት ካብ ምቅይያም፣ ምጥቕቓዕ ወፂኦም ሰላማዊ ህይወት ንምምራሕ ካብ ፍርሕን ንሕንሕን ናፃ ንምዃን፤ በዳሊ ምስ ተበዳሊ ብሓደ ቐሪቦም ብዓበይቲ ዓዲ ዝፍፀም ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ንኽፍጠር ምክንያት ዀይኑ ‘ዩ::

ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ፤ ኣብ ሞንጎ ሰባት ንዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ጐንፅታት፣ ኣፈላላያት፣ ናብ ሓደ ብምምፃእ፣ ናፍቲ ቕድሚ ጐንፂ ዝነበረ ሰላምን ስምምዕን ብምምላስ ንብዙሕ ዘበናት ማሕበረሰብ እናገልገለ ፀኒሑ ‘ዩ:: ንኣብነት ኣብ ማሕበረሰብ ከፋ ሽምግልና፣ቶሞ፣ኢቆ ዝበሃሉ ስነ ስርዓታት ዕርቂ ኣለዉ::

ብምዃኑ ድማ ካብ ብሄር ብሄረሰብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጋሞ፤ ኣፈታትሓ ጎንፂ ወይ ድማ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ኣልዒልና እንታይ ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ዝርዝር ስነ ስርዓቱ፣ ከመይን ብምንታይን ይትግበር  ዝብሉ ብሓፂሩ ክንርእይ ኢና::

ኣብ ማሕበረሰብ ጋሞ ‹‹ዲባሻ›› እናተብሃለ ዝፍለጥ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቂ ኣሎ፤እቲ ማሕበረሰብ ንባህላዊ ስነስርዓት ዕርቂ ‹‹ዲባሻ›› ዘለዎ ተኣማንነት ብተግባር ዘርኣየሉ ኣጋጣምታት ንምዝካር ዝኣክል ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ጋሞ ነበርቲ ከተማ ቡራዩ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፤ዝተወሰኑ መናእሰይ ከተማ ኣርባ ምንጭ ብቂም ተለዓዒሎም ኣብ ልዕሊ ኻልኦት መጥቃዕቲ ንምግባር እንትልዓሉ እዞም ኣቦታት ርሑስ ሳዕሪ ሒዞም ብዝገበርዎ ባህላዊ ሽምግልናን ምሕፅንታን ጠጠው ንኽብል ምግባሮም ኣይርሳዕን::

ማሕበረሰብ ጋሞ መብዛሕትኡ ግዘ ፀገማት ብምዝርራብ ናይ ምፍታሕ ልምድን ተበግሶን ዘለዎም ከምዝኾኑ ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን እቲ ማሕበረሰብ ይዛረቡ::

ኣይተ ካዎ ሙሉጌታ ካብ መንጎ ኣቦታት ጋሞ ሓደ እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሽምግልናታት ብምስታፍ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ፈቲሖም ‘ዮም::

ማሕበረሰብ ጋሞን ዓበይቲ ዓዲ (ሽማግለታት) እቲ ከባብን ዘይነፃፀሉ ኽልተ ገፅታታት ‘ዮም::ምድምማፅን ምክብባርን መግለፂ እቲ ማሕበረሰብ ‘ዩ ይብሉ::ብፍላይ መናእሰይ ንትእዛዝ ዓበይትን ንእሴት ባህላዊ ስነስርዓትን እሙናት ‘ዮም::ምኽንያቱ ድማ ብምኽርን ብባህላዊ ወግዕን ተኾትኪቶም ስለ ዝዓብዩ ካብ ባህሎምን ስርዓቶምን ኣይወፁን::ብምዃኑ ድማ ንጥፍኣት ዝተዘርገሐ ኣእዳው ብማዕዳ ሽማግለታት ብቕልጡፍ ይምለሱ ይብሉ-ኣይተ ካዎ::

ከም ኣበሃህላ ኣይተ ካዎ፤ብምኽንያት ድንበር ኣብ መንጎ ዓሌት ንዝፍጠር ጉጅላዊ ጎንፂ (ኦገትሳ) ዝብሃል መልእኽተኛ ይልኣኽ::ኣገትሳ (መልእኽተኛ) ነቲ ሕብረተሰብ የገልግልዩ ተባሂሉ ካብ እሙን ስድራ ዝምረፅ ‘ዩ::ጎንፂ ቕድሚ ምፍጣሩ እቲ ኹነታት ብዘተ ንኽፍታሕ ሓሳባት በዳልን ተበዳልን ብምስማዕ ግቡእ ፍርዲ ይህብ::ዝተበደለ ይክሓስ ዝበደለ ድማ ይውቀስ ወይ ድማ ይቕፃዕ::

ኣብ እዋን ጎንፂ ዝጠፍአ ህይወት እንተጠፊኡኳ ድሕሪ ዕርቂ ዳግም ኣይልዓልን::ሰባት ዝሓለፈ በደል ረሲዖም ብሰላም ንኽነብሩ ይገብር:: እቲ ማሕበረሰብ ምጥሓስን ዘይምቅባልን ስርዓት ዓበይቲ ኣቦታት ኣብ ልዕሊኦም ዘስዕቦ ርግማንን ቑጠዐን ከምዘሎ ስለዝእመን ኹሉ ባህላዊ ስርዓት ይሕሉ::

ኣይተ ቦኖ ቦሻ ብወገኖም ከምዝብልዎ ቕርሕንቲ ብዘተ ምፍታሕ ካብ ወለዲ ዝተቐበልዎ ከምዝኾነ ይዛረቡ::ኣብ ባህሊ ጋሞ ምኽሪ ወለዲ ዘይቕበል ውላድ ከም ውላድ ኣይቑፀርን:: መናእሰይ ናብ ጥፍኣት ከየምርሑ ዝገብርዎም ቃል ኣቦታት ስለዝሰምዑ ‘ዮም::እቲ ማሕበረሰብ ብባህሊ ‹‹ዱቡሻ›› ተሃኒፁ ስለዝዓብይ ፅቡቕ ‘ምበር ሕማቕ ነገር ንምግባር ኣይለዓዓልን:: ‹‹ባህሊ ጋሞ ምስ ቃል ወንጌል ዝተተሓሓዘ ዩ›› ዝብሉ ኣይተ ቦኖ፤ሰባት ቂም ሒዞም ክሓድሩ ኣይድለይን፤ ዝተዃረዩ ሰባት እንተሃልዮም ከይሓደሩ ክዕረቑ ይግበር ይብሉ::

ኣቦታት ድማ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፈትሑ የምህሩ፤ይመኽሩ፡፤ንደቆም እንተምህሩ ወንጌል ምስ ባህሊ ብምትእስሳር ስለዝኾነ ኽፉእ ነገር ንምስራሕ ዝለዓዓል ሰብ ኣይህሉን::

ኣቦታት ጋሞ ብደቆም ኹርዓት ዝስመዖም ‘ዮም፤ መናእሰይ ካብ ቃል ወለዲ ኣይወፁን፤ዝብልዎም ሰሚዖም ይትግብሩ:: መናእሰይ ቃል ሽማግለታት ብምስመዖም ካብ ጥፍኣት ድሒኖም መዓርግ ወለዶም ኾይኖም ‘ዮም::

እምበኣርኸስ ካብ ኣቦታት ጋሞ ከምዝረአናዮ፤ ኹሉ ማሕበረሰብ ኣብ መንጎ ሓዱሽ ወለዶን ዝፀንሐ ባህልን ዘሎ ሓጓፍ ብምፅባብ መንእሰይ ሓድነታዊ እሴቱ ንክሕሉ ክግበር ይግባእ:: ነዚ ድማ ዓበይቲ ዓዲ ተርኦም ክዋፅኡ ምግባርን ስነስርዓት ዕርቂ ‹‹ዱባሻ›› ኣፍቲ ዝተሓሰበ መድረኽ ዕርቅን ምኽክርን ብምክታት ኣቦታት ጋሞ ግድኦም ንኸበርክቱ እንግዶት ክግበረሎም ይግባእ ንብል::

 ሄርሞን ፍቃዱ

ጋዜጣ ወጋሕታ  29 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You