ዒድን እስላማዊ ቅርስታትን

ዝተፈላለዩ መረዳእታታ ከምዝሕብርዎ ፆም ረመዳን እንትኣትው ማሕበረሰብ ሙስሊም ቤተሰቦም ብምጥያቕ፣ሕብረት ብምፍጣር ፣ሰደቃ (ውህብቶ) ብምሃብ፣ናብ ማሕበረሰብ ኣትዮም ሰናይ ግብሪ ብምግባር፣ናእሽቱ ኪታባት ፣መፃሕፍትን ኻልኦት ሰላማዊ ህያባት ብምብርካት፣ተረሓሒቖም ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣዝማድን ምስ መሓዙቶም ንክራኸቡ ምግባርን ኻልኦት ተመሳሰልቲ ነገራት ምግባር ኣብ እዋን ረመዳን ኣድላዪ ከምዝኾነ ሸኻትን ኻልኦት ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ይመኽሩ።

መልእኽተኛ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ ቕዱስ ቁርኣን ከም ዝበልዎ ‹‹ብኣላህ ኣዝዩ ዝፍተው ስራሕን ንሰባት ዝጠቅምን ንሙስሊም ምሑጓስ ‘ዩ፣ጭንቀቱ ክተወግደሉ፣ዕድኡ ምኽፋልን ምግቢ ሂብኻ ካብ ጥምየቱ ምግልጋልን ‘ዮም››ዝብል መልእኽቲ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ።

እሞ ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ንዲያስፖራ ሙስሊም ናብ ሃገርኩም እተዉ ዝብል መልእኽቲ ምምሕልላፉ ስዒቡ፤ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐሰናዮ ተግባራት ንምፍፃም እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ምስ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ክተሓጋገዙሉ ዕድል ይረኽቡን ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፤ኣብ ከባቢታት ወሎን ደሴን ብምኽንያት ኲናት ዝተጎድኡ ወገናት ንምሕጋዝ እዋን ረመዳን ዓብዪ ዕድል ዝህብ ‘ዩ።

እስላማዊ ቕርስታት

ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ታሪኻዊ ቅርስታት፣እሴታትን፣ ቅርስን ባህልን እስለምና ኣለዋ።ልዕሊ ኹሉ ተኸኣኢሉ ምንባር ዝኽእል ማሕበረሰብ ዘለዋ ሃገር ‘ያ።ይኹን ‘ምበር እዞም እሴታት ክንድቲ ዝድለይ ተፋሊጦም ‘ዮም ምባል ኣይከኣልን።ኣብዚ ዓመት እዚ ዝኣቱ ፆመ ረመዳን መንግስትን ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን፤ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ሓድነት ሃገር ንምፅናዕን ተፈተውቲ ሃፍትታ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ዓለም ንምርኣይ ተወለድቲ ኢትዮጵያን ፈተውትን፤ ፆም ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ፃውዒት ተገይሩ ‘ዩ።

ብምዃኑ ድማ እዞም ዜጋታት ናብ ሃገሮም እንትኣትዉ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ከመይ ዝበሉ እስላማዊ ቅርስታት ምርኣይ ይኽእሉ፤እቲ ዝተፋዘዘ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ብኸመይ መልክዕ ከነቓቕሕዎ ዕድል ይህልዎምን፤እዞም ዝስዕቡ ቅርስታትን ሃፍትታተትን ዝርከቡሉ ቦታታትን ምላሽ ኣለዎም።

ኣርኪዮሎጂ ሐሰን ሰይድ (ዶ/ር) ‹‹ዓይነታትን ስርጭትን እስላማዊ ቅርስታትን ካብ ሰሜን ሸዋ እስካዕ ደቡብ ወሎ››ብዝብል ኣብ 2008 ዓ.ም ኣብ ዘሐተምዎ መፅሓፍ ከምዝገለፅዎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣልዩ ኣምባ፣ኣበዱል ረሱል፣ጎዜ፣ዶዶታ፣ጡርሲና ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ዝርከቡ እስላማዊ ቅርስታት ታሪኻውን ነባራዊ ኹነታትን ኣርእዮም ‘ዮም።ከምኡ ‘ውን ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ዞባ ኣርጎባ ዝርከቡ ገቸኔ፣ጨኔ፣ገበሮች፣ካይር ኣምባ፣መጠቅላያ ኣብ ዝተብሃሉ ከባብታት ዝርከቡ ቅርስታት ኣካል ናይቲ ፅሑፎም ‘ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዝርከቡ ኻልኦት ብርክት ዝበሉ ቅርስታት ኾይኑ ግና ዘይፍለጡ እስላማዊ መሰረት ዘለዎም ቅርስታት ብብዙሓት ዝፍለጡ ድሬ ሼኽ ሁሴን፣በዓቲ ሶፍ ዑመርን ይርከብዎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዓበይቲ ሙሁራንን ኣርኪየፖሎጂስትን ዝተጣየሸ እስላማዊ ቅርስታት ዝርከቡሉ ሙዝየም ይርከብ።ጎብነይቲ ናብዚ ስፍራ ተዝመፁ ብዙሕ ፍልጠት ምእካብ ይኽእሉ ‘ዮም።ኣብ ጅማ ኣባጅፋር ‘ውን ቤተ መንግስቲ ሓዊሱ ብዙሓት እስላማዊ ሃፍትታት ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ።እዚ ሃፍቲ ብፍላይ ማንነትን እሴትን ማሕበረሰብ ሙስሊም ይግለፅ ድኣ ‘ምበር ሃፍቲ መላእ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ይእመን።

እቲ ኻልእ ኣብ 9ይ ሽልማት ‹‹በጎ ሰው›› ኣብ ዘፈር ቅርስን ባህልን ተሸላሚ ሙዝየም ቢላሉል ሀበሺ ‘ዩ ነይሩ። ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ናብዚ ስፍራ ተዝኸዱን ምጉብናይ ተዝኽእሉን ብዙሕ የትርፉ።ሙዝየም ቢላሉል ሀበሺ ኣብ 1992 ዓ.ም ዝተመስረተ ናይ ማሕበረሰብ ሙዝየም እንትኸውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ግብረ ሰናይ ዝሰርሕ ‘ዩ።ንእስላማዊ ቅርስታት ፍሉይ ቦታ ዝሃበ እንትኸውን፤ዝተጣየሸሉ ዕላማ ድማ ዝተፈላለዩ ብቅርስነት ክትሓዙ ዝግበኦም ቅርስታት ንክሕለዉን ንክፍለጡን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ንፅንዓትን ምርምርን ክውዕሉ ምግባር ‘ዩ።

እቲ ኻሊእ ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ካብ መንጎ ዝርከቡ እስላማዊ ቅርስታት ‹‹መስጊድ መለሰይ ኣገር››ሓደ ‘ዩ።መስጊድ መለሰይ ኣገር ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተመስረተ ‘ዩ።እዚ መስጊድ ስያምኡ ካብ ጦር ኢማም ኣሕመድ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ይዝረብ።ቑመቱ 33 ሜትር እንትኸውን ወርዱ ድማ 24 ሜትር ‘ዩ፤እዚ መስጊድ እስካዕ ቐረባ እዋን ግልጋሎት ይህብ ከምዝነበረ ኣፍቲ ከባቢ ዘለዉ ዓበይቲ ዓዲ ይዛረቡ።ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኣሽንኳይዶ ምእመናን ክግልገሉሉ ዓርሱ ኽኢሉ ጠጠው ምባል ኣይከኣለን።ነዚ ስፍራ ብምጉብናይን ትኹረት ክውሃቦ ምግባርን ካብ ድያስፖራ ኢትዮጵያ ትፅቢት ዝግበር ዓብዪ ሓደራ ‘ዩ።ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ፅቡቕ ምግባር ምኽኣል ድማ ቀንዲ ተግባር ናይቲ እምነት ብምዃኑን ልዕሊ ኹሉ ንኢትዮጵያ ኣድላዪ ‘ዩ።

ምድላው ሙስሊም ዲያስፖራ ‹‹ካብ ዒድ ስጋብ ዒድ››

መረዳታታት ከምዝሕብርዎ ምድላው ዲያስፖራ ‹‹ካብ ዒድ ስጋብ ዒድ›› 16 ፈፀምቲ ኮሚቴ መንግስታዊ ትካላት ዝሓቖፈ እንትኸውን ምስ ብሄራዊ ኮሚቴ ብምዃን ‹‹ነጃሲ በጎ ኣድራጎትን ሃላል ፕሮሞሽንን›› ብሓባር ነቲ ምድላው ዘተሓብሩ ‘ዮም።ኡስታዝ ኣቡበከር ኣሕመድ ‹‹እዚ በዓል ኢትዮጵያ ዘለውዋ ቱባ እስላማዊ እሴታት ንምፍላጥን ፅቡቕ ፅዕንቶ ንጎራብቲ ሃገራት ንምፍጣርን ብዘኽእል መልክዑ ተዳልዩ ‘ዩ።ካብ ሃይማኖታዊ ረብሓ ሓሊፉ ፍሰት ኢንቨስትመንት ቱሪዝም ንምፍጣር ዘኽእል ‘ዩ››ብምባል እዚ መሰናድኦ ከመይ ዝበለ ትሕዝቶ ከምዘለዎን ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተዳለወን ኣፍሊጡ።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ብሃይማኖት፣ ብባህሊ፣ብዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝደመቐትን ሃገር ‘ያ።ኣሽንኳይዶ ንህዝባ ንዓለም ዝኸውን ዘደንቑ እሴታት ሒዛ እያ።ስለዝኾነ ድማ እዚ ሃፍቲ ብኣግባቡ ንኽትጥቀመሉን ኣብ ተግባር ንኽውዕልን በዚ ኣጋጣሚ ክሕሰበሉን ክትግበርን ይግበኦ እናበልና ንመላእ ኣመንቲ እስልምና ፆመ ድሕነት ክኾነልኩም ንምነ።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 22 መጋቢት 2014

Recommended For You