ሙዚቃዊ ተውኔት ‹‹ዓድዋስ››

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ብኹርዓት ዝዛረብዎ ክፍለ ዘበን ዝተሳገረ ሓያል ተጋድሎን ብፀለምቲ ህዝበታት ዝተመዝገበ ዝድነቕ ታሪኻዊ ክስተትን ‘ዩ፤እዚ ክስተት ወለዶ ብዝተፈላለየ መልክዑ እናዘከሮ ተጠናኺሩ ቐፂሉ ‘ዩ፡፡ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ኢትዮጵያ እዚ ዓብዪ ታሪኽ ብሙዚቃ፣ብስእሊ፣ብፊልምን ብትያትርን እናጣቐሱ እናዘከርዎ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ጉዕዞ ዓድዋ ንተኸታታሊ 8 ዓመታት ናብ ዓድዋ ብእግሪ ጉዕዞ እናገበረ፤ ታሪኻዊ ቦታታት ዓድዋን ዝተፈላለዩ ተዘክሮታት ወፈርቲ እስካዕ ዓድዋ ተጓዒዞም እንትዝክሩን ታሪኻውነቱ ብተግባር እናርአዩና ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ሎምዘበን ድማ ብመስራቲ ጉዕዞ ዓወት ዓድዋ ያሬድ ሹመቴ ተደሪሱ ዝቐረበ ተውኔት ዓድዋ፤ነዚ ዘበን ብዝምጥን መልክዑ ጥበብ ተመርኪሱ ‹‹ዓድዋስ›› ኢሎም ሰይሞም ንመድረኽ ኣብቂዖሞ ‘ዮም፡፡ እቲ ትያትር ዘዳለዎ ድማ ተሓባባሪ ፕሮፌሰርን መምህርን ተስፋዬ እሸቱ ‘ዩ፡፡ ዓብዪ ተጋድሎ ዓድዋ ኣብ ዝኽበረሉ ድሮ እቲ በዓል ንህዝቢ ዝበቕዐ ሙዚቃዊ ተውኔት ዓድዋ ወለዶ እዚ ዘበን ከመይ ይግለፅ?ዝብል ፅንሰ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ዓወት ዓድዋ ወለዶ ናይዚ ዘበን መልክዑን ቑመንኡን ክርእይ ዝገብር ናይቲ ዓወት ሓያልነትን ተጋድሎ ናይቲ ዘበን ሓድነት ዘውርስን ጥበባዊ ስራሕ ‘ዩ፡፡ ኹነታት ብዘይምምችቻዎም ዝተቛረፀ ጉዕዞ ዓድዋ እዚ ዓብዪ ኪነጥበባዊ ስራሕ ንክስራሕ ምኽንያት ኮይኑ ‘ዩ፡፡ እዚ ዓብዪ ታሪኽ ዝዝክር ናይ እግሪ ጉዕዞ እናዳለወ ዝነበረ ‹‹ጉዕዞ ዓድዋ›› ብኪነጥበብ ዓድዋ ከርእየና ዝሓሰቦ ተሳኺዑ ብደቂ ኢትዮጵያ ተዳሊዉ ፅቡቕ ሙዚቃዊ ተውኔት ተራእዩ ‘ዩ፡፡ ቕድሚ ሐዚ ብስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት ኣፍሪካውያን፤ ኣፍቲ እዋን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ዝተመዝገበ ዘንፀባርቕ ዓወት ብምዃኑ ክንድቲ ዓወት ተዘይኮነ ‘ውን እቲ ኹነታት ንምዝካር ዝኣክል ብመጠኑ ንምድህሳስ ተፈቲኑ ‘ዩ፡፡ እዚ ‹‹ዓድዋስ›› ዝብል ሙዚቃዊ ተውኔት ካፍቶም ካልኦት ዝተፈለየ ‘ዩ፡፡ ትሕዝቶ ናይዚ ሙዚቃዊ ተውኔት ጥበብ ናይ ርሑቕ ኣቕሪቡ ብምርኣይ፤ ዝሓለፈ መሊሱ ብምርኣይ ፍሉይ ዓቕሚ ስለዘለዎ ‹‹ዓድዋስ›› ዝተብሃለ ሙዚቃዊ ተውኔት ትማሊ ዝተገበረ ገድሊ ናብ ሎሚ ኣምፂኡ ኣርእዩና ‘ዩ፡፡ እዚ ተውኔት ኣብ መድረኽ ቐሪቡ እንትርኣይ እንታይ ይነግረና?እቲ መልእኽቱኸ እንታይ ዩ? ንዝብል ሕቶ ግቡእ ምላሽ ዘድልዮ ‘ዩ፡፡ ዓድዋ ትማሊ ብኣቦታት ዓብዪ መስዋእትነት ዝተኸፈለሉ ዓወት እንትኸውን፤ ናይ ሎሚ ወለዶ ንዓድዋ ብኸመይ ይገልፆ?እቲ ወለዶኸ ብዓድዋ ከመይ ይግለፅ?ዓድዋ ንናይ ሎሚ ወለዶ እንታይ ትርጉም ይህብ?እቲ መልእኽቲ እንታይ ዩ? ንዝብል ሕቶ ብገፀ ባህሪ፣ ብሙዚቃን ብሳዕስዒትን ተዓጂቡ ብፍሉይ ቀለም ዝማዕረገ መድረኽ ምላሽ ይህብ፡፡ እቲ ተውኔት ብስልቲ ህብረ ተሳትፋዊ ኣቀራርባ ዝተዳለወ ‘ዩ ዝብል እቲ መዳለዊ ‹‹ህብረ ተሳትፋዊ ኣቀራርባ ዝመረፅናሉ ድማ ዓድዋ ካብ ዝብል ሓሳብ ስለዝተበገስና ‘ዩ›› ክብል ነቲ ዝቐረበሉ መገዲ ኣረዲኡ፡፡ ዓድዋ ብዝምልከት ኣብዚ ሙዚቃዊ ተውኔት ምስታፈይ ዕድለኛ ‘የ ዝበለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋዬ፤ ከም ሓደ በዓል ሞያ ኪነ ጥበብ ኣብ ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ምስታፍ ይግባእ፡፡ እቲ ዓብዪ ዓወት ዓድዋ ንምግላፅ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን መስራቲ ጉዕዞ ዓድዋን ያሬድ ብልቡ ዝሓሰቦ ንኻልኦት ከብፅሕ ስለዝደለየ ‹‹ዓድዋስ›› ዝብል ጥበባዊ ስራሕ ብልቡ ወሊድዎ፡፡ እቲ ደራሲ ብዛዕባ መበገሲ ሓሳብ እቲ ሙዚቃዊ ተውኔት እንትዛረብ፤ ቕድሚ ሐዚ ኣብ ታሪኻዊ ቦታ ዓድዋ ብምኻድ (ብእግሪ) እናዘከርዎ ከምዝነበሩ ብምዝካር ናይ ሎምዘበን በዓል መበል 126 ዓወት ዓድዋ ብጥበብን ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ክበዓል ከምዘለዎ ይገልፅ፡፡ ጥምረት ሰብ ብዙሕ ሞያ ኣብ ተውኔት ‹‹ዓድዋስ›› ‹‹ዓድዋስ›› ሙዚቃ ምስ ተውኔት ብሓንሳብ ዘጣመረ ነቲ ናይ ሐዚ ወለዶ ሓላፍነትን ገፅታን ዘመላኸተ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣፍቲ ስራሕ ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ጥበብ ሓዱሽ ፈጠራ ክፈጥር ዘኽኣሎ ፅቡቕ ተጓንፎ ‘ዩ፡፡ ሙዚቃን፣ ዳንስን ተዋስኦን ኣብ ሓደ መድረኽ ብዝተፈላለዩ ኣዳለውቲ ሓድነት ፈጢሮም ዝደመቁሉ ጥበባዊ ስራሕ ‘ዩ፡፡ ዓበይቲ ተዋሳእቲ በዓል ኣበበ ባልቻን ተፈሪ ኣለሙን ከምኡ ‘ውን ልዕሊ 350 ሰባት ኣብዚ ሙዚቃዊ ተውኔት ተሳቲፎም ‘ዮም፡፡በቲ ሞያ ልዑል ፍልጠትን ክብርን ዘለዎም ሰብ ሞያ ኣፍቲ ምድላው ተሳቲፎም እንትኸውን፤ሓፈሻዊ ስራሕቲ ተውኔት ብሓጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋዬ፣ ምድላው ሙዚቃ ብእዩኤል መንግስቱ ኬሮግራፈር ተመስገን መለሰ፣ ሓጋዚ ምድላው ሰለሞን ኣብርሃም ተሳቲፎም’ዮም፡፡ ኣብ ‹‹ዓድዋስ››ሙዚቃዊ ተዋስኦ ልዕል ዝበለ ዓወት ተራእዩ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሙዚቃዊ ተዋስኦ ‹‹ዓድዋስ›› ብትርኢት ዳንስን ሰርከስን ዝተዓጀበ ትውፊት ዓድዋ፤ ብሓዱሽ መንፈስ ንኽቃነ 150 ሳዕሳዕቲ፣ 100 መቕረብቲ ሞያ ሰርከስ፣ 50 ዝተፈላለዩ መሳርሒ ባህላዊ ሙዚቃታት ተፃወትን ኣብዚ ሙዚቃዊ ተዋስኦ ተሳቲፎም’ዮም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 8 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You