“ህወሓት ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ “መምርሒ ሓይሊ ፀጥታ” ዝብል ዘፈር ወዲቡ ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ እዩ” ጠቕላሊ ዓቃቤ ሕጊ

ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራት (ህወሓት) ኣብ ማዕኸላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ ናብ ትግራይ ብምኻድ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ‹‹መምርሒ ሓይሊ ፀጥታ››ዝብል ዘፈር ወዲቡ ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ ኢዩ ክብል ጠቕላሊዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ። ጠቕላሊ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ‘ህወሓትን ሸኔን’ ሽብርተኛ ዘበሎም ምኽንያትን ኣብ አክሱም ከተማ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።ነቲ መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ጠቕላሊ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ፀጋ፣ ክልቲኦም ውድባት ራዕደኛ ዘበሎም ምኽንያትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

“ክልቲኦም ውድባት ራዕደኛ ዘበሎም ምኽንያት ሰላማዊ ህዝቢ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፣ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻርን ተሓባበርቲ ንምቁፅፃርን ንክሕግዝ ኢዩ” ኢሉ።እቶም ውድባት ብመሠረት ሕጊ ፀረ ራዕዲ፣ ራዕዲ ዕላማ ብምግባር ዝንቀሳቀሱ ብምዃኖም፣ ተግባሮም መግለፂ ራዕዲ ብምዃኑን ዉሳነ ወሃብቲ ኣካላት እቶም ውድባት ራዕደኛ ምዃኖም ብምቕባሎም ኢዩ ኢሎም። ብፍላይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራት (ህወሓት) ኣብ ማዕኸላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ ናብ ትግራይ ብምኻድ ካብ 2011 ዓ ም ጀሚሩ ” መምርሒ ሓይሊ ፀጥታ” ዝብል ዘፈር ወዲቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝወፅኡ መኮንናት ክምራሕ ብምግባር ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም ።

እዚ ንምግባር ካብ ምሊሻ ጀሚሩ ንኩሎም ኣካላት ፀጥታ ስልጠናታት ብስፍሓት እናሃበ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም፣ንኣብነት ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ከ37 ሽሕ ንላዕሊ ሚሊሻ ምስልጣኑ ገሊፆም። ኣብ ዝቕድም ዓመታት ካብ 500 ንላዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ዘየሰልጥን እንተነበረ’ውን ካብ ሒደት ዓመታት ናብዚ ግና በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሽሕ ፍሉይ ሓይሊ የሰልጥን ከምዝነበረ ኣመልኪቶም። ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ኲናት ንምስታፍ’ውን ካብ ሓረስታይ ስጋብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ስልጠናታት ብስፍሓት ይህብ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ ምክትል ጠቕላሊ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ጸጋ፣ካብዚ ብተወሳኺ ህወሓት ዘይሕጋዊ መረፃ ብምግባር፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንመንግስቲ ፌደራል ምቑፅፃር ዘኽእል ትልሚ ብምውፃእን ጎንፅታት ብገንዘብ ይምውል ከምዝነበረ ከምተረጋገፀ ገሊፆም።

‹‹ኣብ ክልል ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ጋምቤላን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ጎንፅታት ንክጋደዱ ምግባርን ካልኦት ናይ ውድብ ተግባራት ብግብረ ራዕዲ ዘሰይሙ እዮም››ኢሎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ 19 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ‹‹ቐዲሚካ ምጥቓዕ›› ብዝብል ምድላው ብምግባር 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ጥቕዓት ብምፍፃም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምውራዱ’ውን ካሊእ ግብረ ራዕዲ ዘበሎ ተግባር ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብተመሳሳሊ ‹‹ሸኔ›› ዝተብሃለ ውድብ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያን ደቡብ ኦሮሚያን ‹‹ኣባ ቶርቤ›› ዝተብሃለ ጉጅለ ብምውዳብ ኣብ ኣካላት ፀጥታን ኣመራርሓን ይቕንፅል ከምዝነበረን፣ንፁሃን ዜጋታት ካብ ምቕታል ብተወሳኺ መሓውር መንግስቲ ናይ ምፍራስ ስራሕ ይሰርሕ ከምዝነበረ እቶም ምክትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፆም። ከም ገለፃ ምክትል ጠቕላሊ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ፀጋ፣እቲ ጉጅለ ኣብ 2013 ዓ.ም ጥራሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ 463 ሰባት ጉድኣት ዘብፅሐ እንትኾን፣ካብዚኦም 112 ፖሊስ፣57 ሚሊሻ፣18 ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዎም ኣመራርሓታት ቐቲሉ እዩ።

 መሰረት ገ/ዮሐንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You