መረፃ ናፃን ፍትሓዊን ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ቦርዲ መረፃ ኣፍሊጡ

  • ቑፅሪ ዝተመዝገቡ መረፅቲ 31ሚልየን 724ሽሕ 947 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- 6ይ ሃገራዊ መረፃ ናፃን ፍትሓዊን ንምግባር መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ እናተሰርሐ ምዃኑ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ንመረፃ ዝተመዝገቡ ዜጋታት 31ሚልየን 724ሽሕን 947 ከምዝሓለፈን ተገሊፁ። ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጄፍሪ ፌልትማንን ሴናተራት ኣሜሪካን እቲ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊን ግልፂን ንምግባር እቲ ሃገራዊ መረፃ ቅድሚ ምክያዱ መሰረታዊ ለውጢታት ንኽካየድ ብፅሑፍ ንዘቕረቡዎ ሓሳብ ኣመልኪቱ ብደብዳበ ምላሽ ሂቡ።

28 ጉንበት 2013 ዓ.ም ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣብቲ ደብዳቤኡ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ። ካብ ሞንጎ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም 49 ፓርቲታት ፖለቲካ ነቶም 48 ፓርቲታት ዝወከሉ 9 ሺሕን ሕፁያት ምውፋሮም፣ 32 ሃገር ለኸ ትካላት መረፃ ንምዕዛብ ፍቓድ ወሲዶም እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ቦርዲ ኣፍሊጡ።

ፓርቲታት ፖለቲካን ሕፁያቶምን ኣብ ከይዲ መረፃ ሃናፂ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ቦርዲ፣ ኣብ መላእ ሃገር ስራሕቲ መረፃ ንምምራሕ ልዕሊ 100 ሺሕ ኣፈፀምቲ መረፃ እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ ኢሉ። ናይዚ ዓመት ሃገራዊ መረፃ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብግልፅነት እናተመርሐ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ቦርዲ፣ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ሃገራዊ መረፃታት ዝነበረ ፀገም ተኣማኒነት ንምፍታሕ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መረፃ ንምክያድ ካሊእ ሓዱሽ ዕረያ(ሪፎርም) ንኽግበር ዝቐረበ ሓሳብ ብመንፅር ወፃኢን ግዘን ካልኦት ጉዳያትን ዝመዓድን ዝምረፅን ኣካይዳ ኣይኮነን ኢሉ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ዕረያ ብምጥንኻር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሕጊታት መረፃ ኣኽቢሮም ተሳትፎኦም ንኸጠናኽሩ ሓቲቱ። መንግስቲ ኣሜሪካ ብዩኤስ ኣይዲ ኣቢሉ ኢትዮጵያ እናካየደቶ ዝርከብ ዴሞክራሲያዊ ስግግር እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ጋህዲ ንኽኸውን ኣብ ቐፃሊ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ቦርዲ ኣብ ዝፈነዎ ደብዳበ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ብተመሳሳሊ ዜና ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ዜጋታት 31ሚልየን 724ሽሕን 947 ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።ፀጥታ ፀገም ዘለዎም ዝተወሰኑ ቦታታት ብፍሉይ ኩነታት ምዝገባ ከምዝጀመረ ገሊፁ። ኣካቢት ቦርዲ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ከምዝገለፅኦ ፣ክሳብ ግንቦት 30/2013 ዓ.ም ንመረፃ ዝተመዝገቡ ዜጋታት 31ሚልየን 724ሽሕ 947 በፂሑ።ካብ ዝተመዝገቡ 46 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና 54 ሚኢታዊ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ።

ፀገም ፀጥታ ዘለዉዎም ቦታታት ብፍሉይ ኩነታት ምዝገባ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተጀመረ ዘመልከታ ወይዘሮ ብርቱኳን፣ በቢክልሉ ምስ ፀጥታ ኣካላት ብምትሕብባር ንኣፈፀምቲ ስልጠናን ናውቲ ዝርገሐ ተሰሪሑ እዩ ኢለን እየን። ኣብ ኣርባዕቴአን ዞባታት ወለጋ ዝርከቡ 24 ጣብያ መረፃ ፣ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ካማሽ ዝርከቡ ኣርባዕተ መረፃ ክልላትን ፣ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ኦሮሞ ብሄረሰብ ዝርከቡ ሰለስተ መረፃ ክልላት ካብ ሚያዝያ 29/2013ዓ.ም ጀሚሩ ብፍሉይ ኩነታት ምዝገባ መረፅቲ ንክካየድ ተወሲኑ እዩ።ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ጣብያ መረፃታት ኣብዝሓ ምዝገባ ከም ዝጀመሩ ኣመልኪተን።

ፀገም ፀጥታ ዘለዎምን ንምዝገባ መረፃ ኣፀጋሚ ዝነበሩ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ክልል ዞባ መተከል ፣ኣብ ከልል ኣምሓራ ሰሜን ሸዋ ዞባ ኣጣዬ ብፉሉይ ኹነታት ምዝገባ ንምኽያድ ምስቲ ከባቢ ምምሕዳርን ክልላትን ምዝርራብ የድሊ እዩ ዝበላ ወይዘሪት ብርቱኳን፣ኣብዚ ከባቢ ብፍሉይ መገዲ ምዝገባ መረፅቲ ዝካየደሉ ዘተ ምስተኻየደ ክረአ ከምዝኽእል ገሊፀን እየን።

ኣብ ክልል ሶማሌ ምስ ዝተፈላለዩ ፓርትታት ፖለቲካ ከይዲ መረፃ ምዝገባ ኣመልኪቱ ቅሬታ ምቕራቦም ዝገለፃ እተን ኣካቢት ቦርድ ፣እዚ ቕሬታ ስዒቡ ብልሹው ኣሰራርሓ ተፈፂሙ ክኾን ከምዝኽእል ግንዛበ ከምዝተወሰደ ኣመልኪተን እየን።በዚ መሰረት ኣብ ክልል ሶማሌ ጣብያ መረፃ ማለት’ውን ኣራቢ፣ ደግሃመዶ፣ ጎዴ፣ ቀብሪደሃር፣ ቀላፎ፣ ዋርዴራን ጅግጂጋ1 ክልላት መረፃ ቅሬታ ዝቐረበሎም ጣብያ ምዝገባ መረፀቲ ብግዝያውነት ንከይስራሕ ተወሲኑ እዩ ኢለን።ቅሬታ ዝቐረበሎም ክልል ሶማሌ መረፃ ጣብያታት ዘሎ ከይዲ ዘፃሪ ጉጅለ እቲ ቦርድ ከምዘጣየሸ ኣፍሊጠን እየን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መረፃ ጣብያታት ኣብ ትሑት ብርኪ ዝርከቡ ኣካላት ምምሕዳር ኢድ ኣታውነት ተስተውዒሉ እዩ።ትኽከለኛ ዝኾነ ዘለዎም ባነራት ኣብ መረፃ ጣብያ ምቕማጥ ፣ንኣፈፀምቲ መረፃ መምርሒ ስራሕ ምሃብ ከምኡ’ውን ኻልኦት ዝተስተዋዓሉ ኢድ ኣታውነት ንኽስተኻኸሉ ነቲ ከተማ ምምሕዳር ኣፍሊጥና ኢና ኢለን። ብኣግባቡ ሓላፍነቶም ዘይሰርሑ ሰባት መተሓባበርቲ መረፃ ጣብያ ውዕሊ ስራሕ ዘቋረፀ ምዃኑ ዘፍለጣ ወይዘሮ ብርቱኳን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዴስክ መረፃ ሓላፊ ውዕሊ ስርሆም ከምዝተቋረፀ ገሊፀን እየን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓባር መንበሪ ገዛ ዝርከቡ መረፅቲ ምዝገባ ፀገም ንምፍታሕ 47 ሓደሽቲ መረፃ ጣብያ ንምኽፋት ንምምሕዳር ሕቶ ከምዝቐረበ ዝገላፃ ወይዘሪት ብርቱኳን አብዘን ቦታታት ናውቲ ዕደላ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን እየን። እቲ ቦርድ ዕለት ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ መሰረት፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልየን ዜጋታት ንመረፃ ተመዝጊቦም እዮም።ኣብ ኦሮምያ ክልል ልዕሊ 14ነጥቢ 3 ሚልየን ዜጋታት፣ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 5ነጥቢ 2 ዜጋታት ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ሱማሌ ልዕሊ 3ነጥቢ8 ንመረፃ ተመዝጊቦም እዮም።

ህዝብታት ብሄር ብሄረሰባት ደቡብ 3ነጥቢ 5 ሚልየን ዝፅጋዕ ዝተመዝገበ እንትኸውን፣ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 1ነጥቢ 7ሚልየን ንምምራፅ ተመዝጊቦም እዮም።እቲ ምዝገባ ጋምቤላ፣ ሃረሪ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ፣ ሲዳማ ክልልን ድሬዳዋ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባብታት ኣብ ዝርከቡ 43ሽሕ 17 ጣብያ ምዝገባ መረፅቲ እናተሰርሐ እዩ። ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋ ፣ክልል ኣምሓራ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ፣ ህዝብታት ደቡብ ብሄርን ብሄረሰባትን ፣ ጋምቤላ ፣ ሃረሪ፣ ኦሮምያን ሲዳማ ምዝገባ መረፅቲ ክሳብ ዓርቢ 6ጉንበት 2013 ዓ.ም ንክስራሕ ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You