ንኹሉ ዜጋ እትምቹ ሃገር ክንሃንፅ ኢና ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፕሮጀክት መገዲ ሞጆ-መቂ-ባቱን ዝተዋደደ ፓርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ቡልቡላ መሪቖም። ንፀላእትና ብፀጋማይ ኢድና እናሓለና ብየማናይ ኢድና እናሰራሕና ንኹሉ ዜጋ እትምቹ ሃገር ክንሃንፅ ኢና ኢሎም። ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፕሮጀክት መገዲ ሞጆ-መቂ-ባቱ መሪቖም እንትኸፍቱ ከምዝገለፅዎ፣ሃገርና እንሃንፅ ንፀላእትና ብፀጋማይ ኢድና እናሓለና ብየማናይ ኢድና እናሰራሕና ክኸውን ኣለዎ።

ሐዚ ብዘለው ፈተናታት ተስፋ እንተይቖረፅና ንፀላእትና ተስፋ እናቑረፅናን ሪቫን እናቖረፅናን ክንቅፅል ኢና ፤ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዙሓት ፀገማት ብምርኣይ ዜጋታት ነቲ ለውጢ ንክጠራጠርዎ ገይሩዎም ኢዩ እውን ኢሎም። እቲ ፕሮጀክት መገዲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተመረቐ መገዲ ሞያሌ- ሃዋሳ ብምዃን ንምዕባለ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ገሊፆም።እቲ ፕሮጀክት ንክዕወት ሓገዝ ፋይናንስ ንዝገበሩ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ባንኪ ኤግዚም ኮርያን አመስጊኖም። ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ብግደአን፣ ድሕንነት እቲ መገዲ ኣብ ምሕላው ነበርቲ እቲ ከባቢ ግደኦም ክዋፅኡ ሓቲተን። እቲ ፕሮጀክት 92 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ እንትኸውን፣ ካብ ሞጆ-መቂ 56 ነጥቢ 4 ኪሎ ሜትር፣ ካብ መቂ ባቱ ዘሎ ድማ 37 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ኢዩ።ነቲ መገዲ ብድምሩ ብር 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረሉ’ውን ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝግበር ምትእስሳር ሓደ ኣካል እንትኸውን፣ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘለዋ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ክህልዎ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ኣብ ጅቡቲ ወደብ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣማራፂ ፍሪያት ወፃኢን ኣታዊን ኢትዮጵያ ብምስፋሕ ወደብ ለሙ ብዝግባእ ንክትጥቀም እቲ ፕሮጀክት ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ። እቲ መገዲ ናይ ኣዲስ ኣበባ – ሞያሌ – ናይሮቢ – ሞምባሳ ከምኡ’ውን 10 ሺህ ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ካብ ካይሮ ተበጊሱ ደቡብ ኣፍሪካ ኬፕታውን ዝበፅሕ ምትእስሳር መገዲ ሃይዌይ ትራንስ ኣፍሪካ ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ። ቀፃሊ ክፋል ህንፀት እቲ መገዲ ዝኾነ ህንፀት መገዲ ባቱ-ኣርሲ- ነገሌ-ሃዋሳ ይሳለጥ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ኣስታት ብር 9 ቢሊየን ወፃኢ ዝተገበረሉ ፖርክ ኢንዱስትሪ ዝተዋደደ ግብርና ቡልቡላ እንትምርቑ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፣ ንኹሉ ዜጋ እትምቹ ሃገር ንሃንፅ ኣለና ኢሎም።ንሕና በዕቱብ ንስራሕ፣ ፀላእትና ፅባሕ ተንበርኪኾም ይቕሬታ ክሓቱ እዮም ኢሎም። ሕርሻ እንተ ዘይዘሚኑን እንተ ዘይተቐይሩን ሂወት ሓረስቶትን ኢትዮጵያን ኣይቕየርን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ህይወት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ንምቕያር ብትኹረት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።ብዕቱብ ብምስራሕ፣ ብሕውነትን ሰላምን ንኹሉ ምሕቛፍ እትኽእል ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና እውን ኢሎም።

ርእሰ ምም ሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፣ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ተጎዲኡ ዝነበረ ህንፀት ፓርክ ኢንዱስትሪ ብልዑል ክትትልን ደገፍን ንምረቓ ምብቅዑ ገሊፆም።እዚ ድማ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢን መላእ ሃገርን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ፣ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣይተ ርስቱ ይርዳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም እዮም።

ዝተዋደደ ፖርክ ኢንዱስትሪ ግብርና ቡልቡላ ክሳብ 200 ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ዘተኣናግድ ኢዩ ተባሂሉ።ህንፀት እቲ ፓርክ ሰለስተ ዓመታት ዝወደአ እንትኸውን፣ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ካብ 70 ክሳብ 100 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ። ነቲ ፓርክ ዝኸውን እታዎት ዘቕርቡ ማእከላት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይለምዑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።ናብቲ ፓርክ ንዝኣትዉ ሰብ ሃፍቲ መንበሪ ኣባይቲ ሓዊሱ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓታት ተማሊኡሎም ኣሎ።እቲ ፓርክ ብድምሩ ኣብ 271 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ ከምዝኾነ’ውን ተገሊፁ ኣሎ።

 መሰረት ገ/ዮሐንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You