ሕብረት ኣውሮፓ ተዓዘብቲ መረፃ ዘይምልኣኹ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ከምዘይህሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሕብረት ኣውሮፓ ተዓዘብቲ መረፃ ዘይምልኣኹ ኣብ ከይዲ መረፃ ዘሐድሮ ፅዕንቶ ከምዘይህሉ ፖለቲከኛታት ገሊፆም። ፕሬዝዳንት ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያን ምኽትል ዋና ስራሕ ኣካያዲ ፅንዓት ፖሊሲ ኢንስቲትዩትን ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ተዓዘብቲ ምልኣኽን ዘይምልኣኽን ዘሕድሮ ፅዕንቶ የለን። ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ኣብዝተኻየዱ መረፃታት ተዓዘብቲ ኮይኖም ኣብ ዝመፅሉ እዋን ቕሬታ ካብ ምፍጣሩ ሓሊፉ ዝጠቐመ ነገር የለን።

ከም ገለፃ ፕሮፌሰር በየነ፣ ብፍላይ ኣብ 1997 ዓ.ም ዝተኻየደ መረፃ ሕብረት ኣውሮፓ ተዓዚበ ኢሉ ዘውፀኦ ሓበሬታ ከም ሃገር ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለ፣ ረብሻ ዝተፈጠረሉ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምፀኦ ትርጉም ኣይነበረን። ለብዘበን ኢትዮጵያ ኣብ እተካይዶ መረፃ ተዓዛቢ ኣይንልእኽን ምባሎም ዝፈጥሮ ፀገም ከምዘይህሉን ኢትዮጵያ’ውን ትፅበዮ ጉዳይ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ብዙሕ መረፃ ካብ ብምስታፈይ ተላዒሉ ብዘለኒ ልምዲ ሕብረት ኣወሮፓ ተዓዘብቲ መረፃ ተባሂሎም እንተመፁ ‘ውን ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብኣግባቡ ክሰርሑ ኣይራእኹን ዝበሉ ፕሮፌሰር በየነ፣ እኳደኣስ ሓደ ሓደ እዋን ስርሖም ሙሉእ ብሙሉእ ብምርሳዕ ከም ቱሪስት ይኾኑ ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም። ካብ ተዓዛብነት ምቕራዮም ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ዓቕማ ተጠቒማ እቲ መረፃ ተኣማኒ ንኽኸውን ዕድል ዝህብ ይምስለኒ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰን ኣቦ ወንበር ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርትን ዝኾኑ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ብወገኖም፣ እቲ ሕብረት ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይዕዘብን ምባሉ ናይ ባዕሉ ተኣማንነት ካብ ምስኣን ሓሊፉ ኣብዚ መረፃ እዚ ይኹን ኣብ ህዝቢ ምንም ዓይነት ዝፈጥሮ ፀገም ከምዘይህሉ ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ለብዘበን ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ለውጢ ዘምፅእን ምርግጋዕ ዘስፍንን ምዃኑ ተኣሚኑሉ ምድላው እናተገብረ እዩ፤ ኮይኑ ግና ሕብረት ኣውሮፓ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክውስን እንተሎ ፅዕንቶ ጁንታን ካልኦት ሓይልታትን ዘለዎ ከምዝመስል ጠቚሞም። ሕብረት ኣውሮፓ ተዓዛቢ ዘይምልኣኹ ኣብቲ መረፃ ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶ ዘየሕድር ምዃኑ ክነርኢ ንኽእል ብፍላይ ኣብዛ ሃገር ዝንቐሳቐሱ ማሕበራት ሲቪክ ዓቕሞሙን መሰሎምን ብዝግባእ ክጥቐሙ እንትኽእሉ ጥራይ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ነዚ ዕድል ንምጥቓም ኣብቲ መረፃ ዘይሻራዊ ኮይኖም ክዕዘቡ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

እቲ ሕብረት ኣብ ሓንቲ ልኣላዊት ሃገር ናይ ባዕለይ ናይ ኮሚዩኒኬሽን መሳርሒ ሒዘ እንተዘይኣትየ ከምኡ’ውን ውፅኢት መረፃ ቐዲመ ዕላው እንተዘይገይረ ዝብል ሓሳብ ኡእላውነት ካብ ምድፋር ሓሊፉ ብጣዕሚ መሕፈሪ እዩ። እዚ ፍፁም ክኸውን ከምዘይኽእል እቲ ሕብረት ክርደኦ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም። ብኻሊእ ወገን ፍሉጥ ፖለቲከኛን ስራሕ መካየዲ ኢሳት ዝኾኑ ኣይተ ኣንዳርጋቸው ፅጌ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ ሕዚ ናፃ ንሕንሕ፣ ናፃ ሚድያ፣ ናፃ ቦርድ መረፃ ኣብ ዘይነበረሉ እዋናት ኣትዩ ዝዕዘብ ዝነበረ ንዲሞክራሲ ስርዓት ተገዲሱ ኮይኑ እንተይኮነስ ንናይ ባዕሉ ዕላማ ንምስኻዕ ከምዝነበረ ተዛሪቦም። ተዓዘብቲ ንዘይ ምልኣኽ ዝወሰነሉ ንሕብረት ሃገራት ዘይእዘዝን ዘይጥወይን መንግስቲ እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ከም ገለፃ ኣይተ ኣንዳርጋቸው፣ ኣባላት እቲ ሕብረት ናይ ባዕሎም ዋና ዕላማ ብዳሓር ሓቢኦም እቲ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጥቓን ዝደለይሉ ምኽንያት ዝተቐብረ ወያነ ናብ ጠረጴዛ ድርድር ብምምፃእ ስልጣን ክካፈል ናይ ምግባር ዋና ዕላመኦም ብምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ ዴሞክራሲን ሰላማዊን ብዝኾነ መገዲ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ክህሉ ፍቓደኛ ዘይኮኑ፣ ሓድነት ህዝቢ ዘዳኽሙ፣ ራዕድን ዕግርግርን ክፍጠር ዝገብሩ ሓይልታት ናብ መድረኽ ፖለቲካ ክመፁን ዝተዳኸመ መንግስቲ ክምስረት ናይ ምግባር ድሌት ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

ከም መብርሂ ኣይተ እንዳርጋቸው፣ ናይ ደገ ኣካላት ብዘይ ምዕዛቦም ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ክህሉ ዝኽእል መንግስቲ እታ ሃገር እንታይ ክገብር ሓሲቡ ኣሎ ምስ ዝብል ነገር ዝተሓሓዝ እዩ። ዝኾነ ድኹም መንግስቲ ፅዕንቶ ክፍጠሮ ዝኽእል ናታቶም ተረፍ መረፍ ተፀባዪን ጫማ እግሮም እናሳዓመን ኣብ ትሕቲኦም ክነብር ኣለኒ ኢሉ እንተወሲኑ ጥራይ እዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You