ብሃፍቲ ቱሪዝም ፍልፍል ጥንኩር ኢኮኖሚ ምፍላጥ

ኢትዮጵያውያን ብጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኲናት ተኸፊትዎም ኣብ ቓልሲ ህልውና ካብ ዝኣትዉ ጀሚሩ ብዙሓት ነገራት ርኢና ኢና።

ብኣውራ ድማ ሃገርና ፈታዊኣን ፀላኢኣን ካብ ምፍላይ ሓሊፋ ቖራፃት ደቃ በዓል መን ከምዝኾኑ ፈልያ ፈሊጣ ‘ያ።

ኣፍቲ ኸይዲ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ትውልዲ ሃገሮም ገዲፎም ብስደት ዝፀንሑ ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም ተሳትፎ እስካዕ ሐዚ እናበርከትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ዝድነቕ ‘ዩ። ኣብ ኣደባባይ ዓለም ድምፆም ዓው ኣቢሎም ካብ ምስማዕ ሓሊፎም፤ ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናት ንምድጋፍ ዝገበርዎን እናገበርዎ ዘለዉ ሓገዝን ታሪኽ ኣብ ፅቡቕ መዝገብ መዘከርታ ጅግንነት ዘስፍሮ ‘ዩ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዓለም ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ገፁ ኣብ ዝመለሰሉን ኣብ ጎኒ ሕሶት ጠጠው ኣብ ዝበለሉ እዋን፤ ባህሉ፣ መንነቱ ከምኡ ‘ውን ድሕንነቱ ዓርዩ ዝፈልጥ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ኣብ እዋን ጭንቂ ናብ ሃገሩ ንምእታው ብሓድነት ተነቓቒሑ ‘ዩ።

እዚ ኢትዮጵያውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዘይናወፅ እሴታትን ባህላዊ መሰረትን ዘለዎም ኣብ ፅኑዕ እምነት ጠጠው ዝበሉ ህዝብታት ከምዝኾኑ ዘመስከረ ‘ዩ ነይሩ።ሓድነት ሃገር ንምሕላው ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ ትውልደ ኢትዮጵያውያን፤ መንግስቲ ደቁ ከምዝቕበል ኣብ ሕቑፊ ባህላዊ እሴት ብምፅናሕ እቲ ቕድም ክብል ዝፈልጥዎ፤ ዝርእይዎ፣ ዝድህስስዎ፣ ዝጥዕምዎን ዘሐጉሶም ‹‹ባህላዊ እሴታት›› ንምቕባል ምድላው ገይሩ ከምዝነበረ ተዘክሮ ቐረባ እዋን ‘ዩ።

ኣብ ዓብዪ ጉዕዞ ናብ ሃገር ዝመፁ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ብባህላዊ ስርዓት ዝእንገዱሉ ኣጋይሽ እንግዶት ተገይርሎም ዝምለሱሉ ዝርዝር ምድላው ተዳልዩ ነይሩ።

ካብ መንጎ እዚ ድማ እቲ ሓደ ድሙቕ ስነስርዓት ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ዝተኻየደ ናይ ሙዚቃ፣ ስነፅሑፍ፣ ባህላዊ ኣልባሳትን ዝተፈላለየ ዓውደ ርእይ ኢደ ጥበብን ኪነ ጥበብን ‘ዩ ነይሩ። ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዲያስፖራ ናብ ሃገር ንኽኣቱ ፃውዒት ገይሮም ‘ዮም።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ጥርን ታሕሳስን ዘሎ ባህላዊ ድባብ ንኽርእዩ ተሳትፎ ንኽገብሩ ብምሕሳብ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተዳሊዉ ‘ዩ። ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ተመሳሳሊ ዓውደ ርእይ ከምኡ ‘ውን ብዙሕነት ዘፋልጡ መርሃ ግብርታት ብተመሳሳሊ መገዲ ተኸታታልነት ብዘለዎ ኣግባብ ንምድላው ቑርፀኛ ምዃኑ ዝዛረቡ ኣይተ ኣለማየሁ፤ ባህሊ ዘይኮነ ዋላ ሓደ ነገር ከምዘየለ ብምግንዛብ ንሐዚ ግና ኣብ ዝድህሰሱን ዝጭበጡን ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ ምድላዋት ይቕረቡ ‘ምበር ኻልኦት ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለፁ ባህላዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ነጊሮምና ‘ዮም።

ወይዘሮ ባንቺዓለም ውቤ ኣቕራቢት ምህርቲ ኦፖልን ባህላዊ ኣልባሳት ስነጥበብን ‘ያ።ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ንማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝተዳለወ ዓውደ ርእይ ስራሕታ ንምቕራብ ዕድል ረኺባ ‘ያ።እሳ ከም እትብሎ፣ምቕማጣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምግባራ ተተሓሒዙ፤ ስራሕታ ብዙሕነትን ኢትዮጵያዊ ባህልን ዘርእይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘበናውነት ዝተላበሰ ንክኸውንን እቲ ተጠቃሚ በብዕለቱ ኣብ ምንቅስቓሱ ንኽጥቀሞ ፈተነ ገይራ ‘ያ።

እቶም ኣልባሳት ውፅኢት ሽመና ካብ ምዃን ሓሊፎም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ንክሕዙን ድሌት ኹሉ ብዘማልአ መልክዑ ክስርሑ ምግባራ ትገልፅ። ኢትዮጵያውያን ፅቡቕ ሕውስዋስ መንነት ዘለናን ካብ ኻልኦት ዓለማት ዝፈልየና ብርክት ዝበለ እሴታት ዝሓዝና ኢና።

ኣስተባሂሉ ሃገርና ንምርዳእ ዝፈተነ ኹሉ ብሕብረት ህዝብታት፣ ኣተሓሳስባ፣ ሓቢርካ ምንባር፣ ኣከዳድና፣ ቋንቋ፣ ኣመጋግባን ዝተፈላለዩ ስርዓታት ሓዘንን ታሕጓስን ኣዝዮም ፍሉያትን ካብ ሃገርና ወፃኢ ዘይንረኽቦም ‘ዮም። ካብ ወፃኢ ሃገር ሚሊዮናት ኢትዮጵያውያን ንስራሕ፣ብስደትን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ መንበሪኦም ገይሮም ‘ዮም።

ስድራ መስሪቶም ቖልዑት ኣፍርዮም ‘ዮም።ዋላኳ እሳቶም ብባህሊ፣ስርዓትን መንነትን ኢትዮጵያውያን ተቐሪፆም እንተኸዱ ደቆም ግና ባህላዊ ሃፍትታት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዘለውዎ ነባራዊ ኹነታት ይግድቦም ‘ዩ።

ብምዃኑ ድማ ወለዲ ነዚ ሓጓፍ ንምምላእ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎም። ብቐዳምነት እሳቶም ንዓመታት ገዲፎሞ ዝፀንሑ ባህሎም ካብ ምዝካር ሓሊፎም ደቆም ኢትዮጵያውነት ጠንቂቖም ንኽርድኡ ናይ ምግባር ዕዮ ገዛ ኣለዎም።

እሞ ከምዚ ዝበለ ኸቢድ ሓላፍነት ንምውፃእ መንግስቲ ብቐረባ ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝፈጠሮ ምርድዳእ ብሓድነት ምስራሕን ዓብዪ ፅዕንቶ ከምዘቃልል ይእመን። ልዕሊ ኹሉ ግና ኢትዮጵያውነት ብቐሊሉ እንትፍሕቕዎ ዝለቅቕ ናይ ግድግዳ ቐለም ከምዘይኮነ እዚ ሕብረትና ንዝተረፈ ዓለም ብግልፂ ዘመላኽት ብምዃኑ ‹‹ይበል በዚ ይቐፅል›› ዝብል መልእኽቲ ንኽነመሓላልፍ ገይሩና ‘ዩ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 1 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You