ሸርሒ ዓንቀፍቲ ሃገራዊ ምርጫ ከምዘፍሸለ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ:- መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ናይ ዝነበሩ ጉጅለታት እኩይ ሽርሒ ከምዘፍሸለ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ገሊፁ። ኣብ ሃገራት ወፃኢ ብዝነብሩ ውሱናት ፅንፈኛታት ኣባላት ዲያስፖራ ደገፍ ፋይናንስ፣ ሓሳብን ሎጀስቲክስን ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዓመፅን ጎንፅን ተልዕኾ ብምሃብ ንክፍፅሙ ብሕቡእ ንዝወደቡዎም አካላት ብምውፋር ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ንመራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ ኣፍሊጡ።

በቲ ሓይሊ ዕማም ብዝተገበረ ክትትል ድማ ኣወዳድቦኦም፣ ኣመራርሓ፣ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት፣ ዝተፈላለዩ ናውቲታት፣ ዝውውር ደገፍ ገንዘብ ዝተገበረሎም መረዳእታታት፣ እቲ ተልእኾ ዝምልከት ዝተፈላለዩ መረዳእታት ተዋዲዶም ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። እቶም ብሕቡእ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጉጅለታት ምስ ውሱናት ኣባላትን ኣመራርሓን መንግስቲ፣ ምስ ኣመራርሓ ገዛእን ተነሓናሒቲ ፓርትታት ፖለቲካ፣ ካብ ትካላት ደሕንነትን ፀጥታን ምስ ዝለቐቑን ኣብ ስራሕ ምስዘለውን ሰባት ሚስጢራዊ ርክብ ብምፍጣርን ምስ ብሕቡእ ዝተወደቡ ዕጡቓት ምትእስሳር ብምፍጣር ሃገራዊ ትርምስ ንምፍጣር ዘኽእል ሽርሒ ብምሓዝ ይንቀሳቀሱ ከምዝነበሩ መግለፂ ሓይሊ ዕማም ኣብሪሁ።

‹‹ብዛዕባ ኣዲስ ኣበባ ስቕ ኣይንብልን›› ብዝብል ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብዝርከቡ ውልቀ ሰባት ዝተፈጠረ ኣወዳድባ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ሕቡእ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት እንትወሃብ ነይሩ ኢሉ።ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣባል መናእሰይ ብምውዳብ ትልሚ ብምሓዝ ምድላው ዓመፅ ይግበር ከምዝነበረ ድማ ገሊፁ ። ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብምትዕንቓፍ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ንምድያብ ብሕቡእ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ካብ መንጎ ዝመርሑ ዝነበሩ ብጉድለት ስነ ምግባር ካብ ሰራዊት ዝተሰናበተ ሃምሳ አለቃ ይሁኔ ጀምበሬ ሓደ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኮማንደር ኣባል ሰራዊት ነበር ሙሉጌታ ፅጌ ጥላሁን ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ’ውን ምስ ሃምሳ አለቃ ይሁኔ ጀምበሬ ብሕቡእ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ኣብ መግለፂ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ተገሊፁ ኣሎ። ክልቲኦም ሓዊሱ 15 ተጠርጠርቲ ንእክይ ሽርሖም ይጥቀሙሎም ምስ ዝነበሩ ሰነዳት፣ በረርቲ ወረቀታት፣ ላፕቶፕን ዴስክቶፕ ኮምፒዩተራት፣ ኣፅዋር ኲናት፣ ዝተፈላለዩ ደብተር ኣካውንት ባንክ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምውዓሎም እቲ መግለፂ ኣብሪሁ። እቶም ውልቀሰባት ብተደጋጋሚ ካብ አዲስ አበባ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምንቅስቓስ መናእሰይ እንትምልምሉን ስልጠና እንትህቡን ፀኒሖም ኢዮም ዝበለ እቲ መግለፂ ፣ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ብዕጥቂ ዝተደገፈ ዓመፅ ብምፍጣር ዝተዋደደ ሁውከት ንምፍጣር ብሕቡዕ ይንቀሳቐሱ ነይሮም ኢሉ።

ኣብ አሜሪካ ምስ ዝነብር ፕሮፌሰር ኣበራ መሸሻ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ህግን ስርዓትን ብዝጠሓሰ ብሕቡእ መገዲ 85 ገፅ ዘለዎ ዘይ ሕጋዊ ሓዱሽ ረቒቅ ሕገመንግስቲ ብምድላው ሓደ ሺሕ ኮፒ ተሓቲሙ ንክብተን ኣብ ምድላው እናሃለወ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ ። ኣብዚ ሕቡእ መርበብ ርክብ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝነብሩ 45 ፅንፈኛ ዳያስፖራታት ተወዲቦም ናይዚ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሽ ኣካል ኮይኖም ከምተረኸቡ ዘመልከተ መግለፂ ሓይሊ ዕማም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ‹‹መሰረት የበጎ አድራጎት ድርጀት››ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ከውሊ ብምጥቃም በሽም እቲ ትካል ካብ ወፃኢ ካብ ቐረፅ ነፃ ብዘእተውዎም ናይ ትምህርቲ ናውቲ ሓገዝ፣ ክዳውንቲ፣ መጥለፊ ስልኪ፣ ናይ ዙም ምይይጥ ዘገልግሉ ናውቲ፣ ሰርቨር ቴሌን ካልኦት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናውቲ ብምእታው ንዝተወደቡ ጉጅለ ጥፍኣት እንተከፋፍሉ ኢድ ብኢድ ከምተታሓዙ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራት ኮይኖም ንዚ ሕቡእ ውዳበ ዘተሓባበሩ ከምኡ’ውን ብፋይናንስ፣ብሓሳብን ብሎጅስቲክ ሓገዝ ይገብሩ ዝነበሩ ፕሮፌሰር ኣበራ መሸሻ፣ ኣይተ ተሻለ ከበደ ኢዶ፣ ወይዘሮ የሀረርወርቅ ጋሻው፣ ኣይተ ኣስፋው ጀቤሳ፣ ኣይተ መዕርግ፣ኣይተ ቢኒያም፣ኣይተ ኩሩቤል፣ ወይዘሪት ኒሻን ኣሕመድ፣ ዶክተር ገነት፣ ወይዘሮ ኣረጋሽ፣ ኢንጅነር ሊሻን ግዛውን ኣይተ ሃገሬ ኣዲስ ምስ ፈተውቲ ሃገራትን ኢንተርፖልን ብምትሕብባር ኣብቲ ትሕቲ ቑፅፅር ንምውዓል እቲ ሓይሊ ዕማም እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ደሕነትን ፀጥታን ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፣ ግልጋሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ደሕንነትን፣ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ከምኡ’ውን ኤጀንሲ ደሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ዘካተተ እዩ።

 መሰረት ገ/ዮሐንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You