ብራኸ ጥበብ ሲኒማ ኣብ ፊልም ‹‹ ሂሩት ኣባቷ ማነው››

ቕድሚ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዝተሰርሐ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ መልክዕ ዝተፋለጠ ፊልም፤ ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ተሳንዮም ፍሉይ ኪናዊ ልዕልና ዘላበስዎ ሲኒማ፤ እቶም ተዋሳእቲ ካብ ልቦም ሰሪሖም ኣድናቖት ዝረኸቡሉ ፍሉይ ተውኔትን ዘገርም ፍሰት ታሪኽ፣ ሓፂርን ገላፅን ‹‹Dialog›› ብሉፅ ኣሰራርሓ ጥበብ ፊልምን ግርም ድርሰትን ‹‹ሂሩት ኣባቷ ማነው›› ውፅኢት ኪናዊ ሂስ ‘ዩ። ቕድሚ ሓምሳን ሸውዓተን ዓመት ዝተሰርሐ ፈላማይ ፊልም ኢትዮጵያ ዝኾነ እዚ ፊልም ድሕሪ 57 ዓመት ዓብዪ ቦታ ረኺቡ ንኻልኣይ ግዘ ዕንቍ ፊልም ኾይኑ ተመሪቑ ‘ዩ። ከም ሃገር ስራሕቲ ጥበብ ፊልሚ ኣብ ዘይብሉን ቕድሚኡ ፈፂሙ ፈተነ ኣብዘይነበረሉ ኣፍቲ እዋን እሱ፤ ዝተሰርሐ ፊልም ሎሚ ኣብ ዘበነወት ሰብሞያ ፊልም ብፍሉይ መልክዕ ዝዝረበሉ፤ ኣብ ስድራ ጥበብ ዝልዓል ብኸመይ ‘ዩ?እዚ ፊልም ከመይ ዝበሉ ዓይነታት ስነፅሑፍ ኣሰናሲሉ ‘ዩ በዚ መልክዕ ዝጥቀስ?ምላሽ ናይዞም ሕቶታት ምስ ጭብጢ ናይቲ ፊልምን ኣሰራርሓ ፊልም ኢትዮጵያ ሎሚ ንዘለናሉ ብርኪ ዕብየት ምንፅፃር ክኸውን ‘ዩ ቐንዲ ትኹረትና። ‹‹ሂሩት ኣባቷ ማነው?›› ዝተብሃለ ፈላማይ ፊልም ሃገርና እንትኸወን፤ ዝተርሐ ፊልምን ልምድን ኣብዘይብሉ እዋን ኣብ ከምዚ ዝበለ ብርኪ ብኸመይ በፂሑ?ዝብል ሕቶ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥበብ ‘ዩ። ብርግፅ ድማ እቲ ፊልም ዝተወሰኑ ዜጋታት ወፃኢ እንተዝሳተፉሉ ካብ ፅሑፍ እስካዕ ተውኔት እቶም ዓብዪ ግደ ዝነበሮም ግና ኢትዮጵያውያን ‘ዮም። ሰብ ሞያ ቴክኒክ ጣልያናውያን ምዃኖም ኣብ ታሪኽ ኣሰራርሓ እቲ ፊልም ዝተፅሓፉ መዛግብቲ ይሕብሩ። 21ነሓሰ1957 ዓ/ም ንትርኢት ዝበቕዐ ‹‹ሂሩት ኣባቷ ማነው?›› ዝተብሃለ ፈላማይ ፊልም ኢትዮጵያ ብፀሊምን ፃዕዳን ምስሊ ዝቐረበ እንትኸውን፤ ብኢትዮጵያዊ ኢላላ ኢብሳ ተፃሒፉ ብግብፃዊ ላምብሮስ ዮካሪስ ኣዳላውነት ‘ዩ ተሰሪሑ። ኣፍቲ እዋን እቲ ፊልም ሓዱሽን ናይ መጀመርታን ብምዃኑ እዛ ሃገር ዝመርሑ ዝነበሩ ንጉስ ሃይለስላሴ ተመሪቑ ንትርኢት በቒዑ ‘ዩ። እዚ ፈላማይ በዓል 35 ሚሊ ሜትር ተንቀሳቓሲ ልብወለድ ፊልም ንምርኢት ድሕሪ ምብቅዑ ድሕሪ 57 ዓመታት ኣብ ሸራተን ኣዲስ 5ጥሪ 2014 ዓ/ም ብመልክዕ ድጅታል ተቐይሩ ንኻልኣይ ግዘ ተመሪቑ ብዙሕ ሰብ ሪእዎ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ቤት ሰኒማታት ኣዲስ ኣበባ እናተራእየ ይርከብ። ናይቲ ፊልምን መዓበይ መዓበይ (መዓዝን ኣበይን) ንዝብል ኣዲስ ኣበባ፣ ቆቃኣስመራ ዝገበረ እዚ ፊልም እቲ ታሪኸ ዝጅምር መበገሲ እታ ዋና ገፀ ባህሪ ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣዳማ ‘ዩ። ጓል ባላባት ዝኾነት ሂሩት ብሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ቤት ትያትር ኣዳማ ምስ ስድርኣ ብምዃን ሙዚቃዊ ትያትር ክትርኢ ምስ ኸደት ጉግሰ ምስ ዝበሃል ደራፋይ ትፋለጥ። ኣፍልጥኦም እናሓደረ ይጥንክርሞ ፍቕሪ ይጅምሩ፤ ጉግሰን ሂሩትን ሒደት እዋን ምስ ፀንሑ ጉግሰ ብገበን ተጠርጢሩ ይእሰር። ይኹን ‘ምበር ሂሩት ጉግሰ ቕድሚ ምእሳሩ ጠኒሳ ‘ያ ነይራ። ቕድሚ ሓዳር ምጥናስ ከም ዓብዪ ገበን ኣብ ዝርኣየሉ ኢትዮጵያ ንሂሩት ዝተርኣያ መማረፂ ጉዕዝኣ ጠቕሊላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ‘ዩ ነይሩ። ኣዲስ ኣበባ ግና ብፅቡቕ ኣይተቐበለታን፤ እኳድኣስ ንፀገም ‘ያ ዳሪጋታ። ኣብዚ እዋን እዚ ፍታሕ ክተናዲ ንዝጠመየ ኸብዳ መዐደጊ ምግቢ ከምኡ ‘ውን ንናብርኣ ኣድላዪ ዝኾነ ጉዳይ ንምምላእ ኣብ እንዳ መስተ ነብሳ ሸይጣ ንምንባር ተቖፀረት። እቲ ፊልም ሂሩት ነብሳ ሸይጣ ንምንባር እተሕልፎ ውፃእ ውረድ የርእይ። ድሕሪኡ ድማ ካፍቲ እተፍቕሮ ጉግሳ ዝወለደቶ ውላዳ ሒዛ ተሰዲዳ ናብ ኣስመራ ትኸይድ፤ ድሕሪኡ ዝገጥማ ፀገም ናብራ እናርኣየ እስካዕ መወዳእታ ልቢ እናንጠልጠለ ብሰሓባይ መልክዑ የዛውን። ኣዳማ፣ ቆቃ፣ ቢሸፍቱ፣ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ቐረፃ ናይቲ ፊልም ዝተኻየደሎም ከተማታት ‘ዮም። እቲ ፊልም ብኸመይ ተዳልዩ? ኣፍቲ እዋን ጥበብ ፊልም ኣብ ኢትዮጵያ ተዘይተፋለጠ ‘ውን ሓሊፉ ሓሊፉ ኣብ ቴሌቪዥን ዝርኣዩ ፊልምታት ሆሊውድ ብመናእሰይ ተፈታውነት ነይርዎም። ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንእሰይ ካብ ዝሪኦም ፊልምታት ብምብጋስ ኣብ ኣከዳድንኡ፣ ኣዘራርብኡን ፍልስፍና ህይወቱን ልዑል ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ይጠቅስ። በዚ ድማ ባህሊ ምርኣይ ፊልሚ እናዓበየ መፀ። ርኢቶ ሰብ ሞያ ፊልም እቲ ፊልም ኣብ ዘበናዊ ሞያ ፊልም ዓብዪ ቦታ ኣለዎ ይብል ደራሲ ዳንኤል ወርቁ፡ ፡ዳንኤል እዚ ፊልም ናብ ድጅታላይዝድ እንትልወጥ ስራሕቲ ትርጉም ብምስራሕ (እቲ ዝርርብ ብፅሑፍ ምግላፅ) ኣብዚ ታሪኻዊ ስራሕ ተሳታፊ ኾይኑ ‘ዩ። ኣፍቲ ፊልም ርእይተኡ ዝሃበ ዳንኤል እዚ ፊልም፤ ኢትዮጵያውያን ሰራሕቲ ፊልም ዓብዪ ሙህሮ ዝህብ ከምዝኾነ ይዛረብ። ምምሕዳር ሲኒማ ቤታት ኣዲስ ኣበባ ነዚ ፊልም ዲጂታላይዝድ ብምግባር ንምርኢት ከምዘብቅዖ፤ ኣፍቲ መድረኽ ምርቓ ተጠቒሱ። ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ብዋናነት እቲ ፊልም ንተመልካቲ ንክቐርብ ኣኽኢሉ ‘ዩ። እዚ ፊልም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝተፈላለዩ መድረኻትን ሲኒማ ቤታትን ንምርኢት ከምዝበቅዕ ኣፍቲ መድረኽ ተገሊፁ ‘ዩ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 10 ለካቲት 2014 ዓ.ም

Recommended For You