ሄርሞን ፍቃዱ
መርዓ ጥምረት ወድን ጓልን ዘርእይ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ዋና ኣካል ማሕበራዊ ርክብ ‘ዩ። ሰብ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዘሎን ንሓዋሩ ‘ውን ዝህሉን ‘ዩ። ፈጣሪ ኣዳም ምስ ፈጠረ በይኑ ከይኸውን ካብ ጎኑ ዓፅሚ ኣውፂኡ ንሄዋን ፈጠረሉ፤ እዚ ድማ ጥምረት ወድን ጓልን ወይ መርዓ ዝብል ሽም ረኺቡ። ስለዝኾነ ድማ ኣዳምን ሄዋንን ናይ መጀመርታ ተመረዓውቲ’ዮም። መርዓ ኣብ መንጎ ኽልተ ተመዓዳደውቲ ፆታታት ዝግበር ስጋውን መንፈሳውን ርክብ ‘ዩ።
መርዓ ጥምረት ክልቲኦም ፆታታት ዘጠቓልል ‘ዩ። እዚ ርክብ ካብ ክልተኣውነት ናብ ሓደነት ተጣሚርኻ ስድራ ምምራሕ ዝጅመረሉ ዓውዲ ‘ዩ፡ ፡ከከም እምነት ልማድን ከባቢ ይፈላለ ‘ዩ። ብኣፈፃፅማን ስርዓትን ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ዝተፈላለየ እንትኸውን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣገባብ ኣመሓድራን ኢኮኖሚያዊ ዓቕምን ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ ስርዓት ኣፈፃፅምኡ ይፈላለይ ‘ዩ።
መብዛሕቲኡ መርዓ ‘ውን እዋን ኣብ ወርሒ ጥሪ ‘ዩ ዝፍፀም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ወርሒ ጥሪ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ክፋል ሃገርና ኣዝመራ ዝእከበሉ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ነቲ መርዓ ዝኸውን እኸለ ማይ ንምድላው ዝተዓለመ ከምዝኾነን ወርሒ ጥሪ ከም ልምዲ ተቖፂራ ንመርዓ ምችውቲ ተገይራ ከምእትእመንን ይዝረብ።
ዲያቆን ሃይለጊዮርጊስ ተፈራ ”ክርስትያናዊ ቅዱስ ጋብቻ“ ኣብ ዝብል መፅሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፤ ሓደ ጥራሕ ካብ ምዃን ኽልተ ምዃን ይሓይሽ እቲ ሓደ እንትወድቕ እቲ ሓደ ስለዘልዕሎ ‘ዩ፤ ሓደ ጥራሕ ምዃን ግን እንትወድቕ ዘልዕሎ ኣይህልውን። ሰብ ብውልቁ ማሕበራዊ ይኹን መንፈሳዊ ህይወቱ ክመርሕ ኣይኽእልን ይብሉ።
ስነ-ስርዓት ባህላዊ መርዓ ኣብ ትግራይ ከባቢ መቐለ ከመይ ከምዝኾነ ብዝተወሰነ መልክዑ ክንርኢ ኢና፤ ባህላዊ ስነ ስርዓት መርዓ (ሕፀ) ኣብ ከባቢ መረብ ሚኢቲ ብኽልተ መንገዲ ከምዝፍፀም ኣብ ዝረኸብክዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ይሕብር። እቲ ቐዳማይ ሕፀ ገደኣማኖ እንትኸውን እቲ ኻልኣይ ድማ ዝውቱር ወይ ድማ ልሙድ ሕፀ ‘ዩ።
ሕፀ ገደኣማኖ ማለት ዋላኳ ኣብዚ ሐዚ እዋን እናነከየ እንተመፀ ቕድም ክብል ግና ብበዝሒ ይፍፀም ዝነበረ ‘ዩ፤ ዝኾነ ኾይኑ ግና ሕፀ ገደኣማኖ ካብ ስጡም ፍቕሪ ክልቲኦም ቤተሰብ (እንዳወድን እንዳጓልን) ዝብገስ ‘ዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ቖልዓ ከይተወለደ ኣብ ማህፀን ኣዲኡ እናሃለወ ወይ ድማ እታ ቖልዓ ኣብ ማህፀን ኣዲኣ እናሃለወት ኣብ እዋን ጥንሲ ዝግበር ስምምዕ ወይ ቃል ኪዳን ‘ዩ። እዙይ’ውን ጓል እንተኾይና ንወድና ወዲ እንተኾይኑ ንጓልና ብምብህሃል ዝግበር መፅበዓ ‘ዩ። መርዓ ገደኣማኖ መጀመሪያ እታ ቖልዓ ክትውለድ ከላ ሕምባሻ ሒዝኻ ሕሩፅ ቛፂርኻ ‘ዩ ዝኽየድ። ካብኡ ድማ ምስተበልዐን ምስ ተሰተየን ‹‹ትዝክሩ ዶ እዛ መፅበዓ ፣ ነይራትኒ ቖልዓ››ብምባል እታ እኖ ወዲ ንእኖ ጓል ወይ ኣቦ ጓል የዘኻኽሩ።
ከም ኣበሃህላ ኪዳነ ወልድ ሕምባሻን ሕሩጭን ሒዝኻ ምኻድ ትርጉም ኣለዎ፤ ሕምባሻ ኣብ ከባቢ መረብሚኢቲ ንእትፈትዎም ሰባት ዝቐርብ ዝውቱር ባህላዊ ምግቢ እንትኸውን ሕሩጭ ስርናይ ድማ ፅሩይ ስለዝኾነ ፍቕርና ከም ሕሩጭ ስርናይ ፅሩይ ይግበረልና ንምባልን እቲ ዝተወለደ/ት ሒንጦ ከምዚ ሕሩጭ ስንዳይ ፅሩይ/ቲ እያ/ዩ ንምባል ‘ዩ።
ብዛዕባ እቲ ቕድም ኢሎም ዝተለመንዎ ድማ ከም ቀልዲ ኣምሲሎም የውግዑ፤ ኣቦ ወዲ ሕፀ ገደኣማኖ ንክሰምረሉ ንሓማት ወዲ ርእሰን መተርከሲ ኢሉ ጠስሚ ከምኡ ‘ውን መዓር ሒዙ ይጥይቕ፤ እቲ ኣቦ ወዲ ኣጋ ምውፅኡ ናይ ኣቦ ጓልን ናይ ባዕሉን ኩታ ጫፍ ንጫፍ ይአስሮ ኣቦ ጓል ጫፍ ኩቱኡ ከምዝተኣሰረ ምስረኣየ ዳሕና ዳሕና ፀገም የብሉን ኢሉ ይፈትሖ። እቲ ጫፍ ኩታ ምትስሳር ድማ ከም ቃልኪዳን ‘ዩ። እቲ ኩታ ምፍትሖም ነቲ ሕቶ ቃልኪዳን ተቐቢለዮ ‘የ ኣይትሰከፉ ማለት ከምዝኾነ የብርሁ።
መርዓ ኣብ ዘበነወት ወይ ድማ ኣብ ከተማ ‘ውን ከምቲ ዝፍለጥ ፈለማ ኽልቲኦም ይፋለጡ ብሓድነት ንምንባር ምስ ተሰማምዑ ድማ ሽማግለ ናብ እንዳ ጓል ይስደድ፤ እቶም ሽማግለታት ኣረቂ ወይ ድማ ዊስኪ ሒዞም ይኸዱሞ ኣፍቲ እንዳ ጓል ምስ ኣተዉ ቕድሚ ኮፍ ምባሎም ሕቶ የቕርቡ ሕቶኦም ፅቡቕ ምላሽ እንተረኺቡ ኮፍ ኢሎም ቑሩብ ተፃዊቶም ቖፀሮ ገይሮም ይምለሱ። ድሕሪኡ ድግስ መርዓ ይግበር ርሑስ ጋማ እናተብሃለ ይድረፍ ይዕለል ስነ ስርዓት መርዓ ይፍፀም።
እምበኣርኸስ እዛ ናይ መርዓ ዜማ እናዜምና ንተመራዓውቲ ሊሚ ዘበን መርዓ ኣብርሃምን ሳራ ይግበረልኩም ንበሎም።
እንኳዕ ብርሃን ርአያዬ
ብርሃን ልዓይኒ፤
ጥዑማት ወረ
ኣበባኹም ኸዓ ጀመረ፤
እዛ ዳሰይ ከዐምብራ እየ
ከዐምብራ እየ
ዋጋ ሂበላ እየ።
ወጋሕታ 26 ጥሪ 2014 ዓ.ም