‹‹መድረኻት ዘተ ምፍጣሮም ብቐዳምነት ተጠቃሚ ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ››- ኣይተ ሓጎስ ወልደኺዳን

ኣይተ ሓጎስ ወልደኺዳን ማኔጅግ ዳይሬክተር ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን እንትኾኑ ኣብ ብልፅግና ትግራይ ድማ ኣባል ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ብልፅግና ትግራይ ብምዃን እናሰርሑ ይርከቡ። ኣይተ ሓጎስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ብኸመይ ትሪኦ?

ኣይተ ሓጎስ፡– ኣብዚ ቅነ ዝረአ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ዘሕጉስ ‘ዩ። ሓደ ግዘ እንድሕር ተጀማሩ ድማ ንምቅፃሉ ቀሊል ‘ዩ ዝኸውን። ብፍላይ ድማ ብኣንፈት መንግስቲ እሱራት ኣብ ምፍታሕን ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰላም ድልው ብምዃን ዝግበሩ ዘለዉ ዘተ ናብ ህዝቢ ክወርድ ክኢሉ ‘ዩ፣ እዚ ድማ መሐጎሲ ‘ዩ። ብሓፈሻ እንትንሪኦ ህዝቢ ‘ውን ዳርጋ ኹናት ይኣኽለና ናብ ዝብል ኣብ ምክያድ ‘ዩ ዘሎ። እቲ ኹናት ኣይጠቅምን ናብ ዝብል ምእማን ‘ዩ ዝርከብ። ኹናት ኣብ ምስልቻው ‘ዩ ኹናት ዘምፀኦ ሳዕቤን እናተረደ ብምዃዱ እቶም ዝመፁ ዘለዉ ናብ ሰላም መማረፅታት እናተቐበለ ይርከብ ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ናይ ምሁራን ኣኼባ ተሳቲፈ ነይረ። ምስ እዚ ተዳሓሒዙ እቶም ምሁራን ‘ውን ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ክንመፅእ ኣለና ዝብል ‘ዩ ። እቲ ኹናት እናተናወሐ ብዝኸደ ቁፅሪ እቲ ሓደ ኢድ ኣታውነት ወፃኢ ሃገራት እናበዝሐ ‘ዩ ዝኸይድ፤ ቐፂሉ ድማ ናይታ ዓዲ ኢኮኖሚ እናተሓተ እናተሓሳየን ስለዝኸይድ ናብ ሰላም ምምፅኡ ኣድላይ ‘ዩ ዝብሉ ሪኢቶ ‘ዮም ሂቦም እቶም ምሁራን።

ናብ ሰላም ንኸይድ ኣለና እናበልና ብኣንፈት ህወሓት ምዕራብ ትግራይ ብኣንፈት ዓፋር ‘ውን ፈተነታ መጥቃዕቲ ከምዘለዉ እዚኦም ድማ ናብ ሰላም ንኸይድ ኣለና እናበልና ቁሩብ ፀገም ዝፈጥሩ ‘ዮም። ስለዚ እዚኦም ከምዚ ዓይነታት ንዳሓር ዝመልሱና አንድሕር ዘይዓጊትዮም እንድሕር ብሕጊ ተዘይሒዝናዮም ፅቡቕ ከምፅኢ ኣይኽእልን ኢለ ስግኣት ኣለኒ።

ብዝተኽኣለ መጠን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ተዝመፅእ ኢለ ይኣምን። ኣብዚ ኣድሂብና ተንሰርሕ ዝሓሸ ዕድል ክህልወና ‘ዩ ኢለ ይኣምን።

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንክብል ወሲኑ ኣሎ ፤ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ንክብል ብምግባሩ ብኣንፈት መንግስቲ ፅቡቕ ውሳነ ‘ዩ ፤ ጠጠው ኢሉ ማለት ግና ኣጋር ሰራዊት ‘ዩ ጠጠው ኢሉ ‘ምበር ሓይሊ ኣየር ጠጠው ዘበለ ኣይመስለን፤እዚ ‘ውን ‘ዩ እቲ ሓደጋ። ምኽንያቱ መንግስቲ ጠጠው እንድሕር ኣቢሉ ኣብ ዝኾነ ቦታ ጠጠው ከብል ኣለዎ። ራዕዳዊ ህወሓት ‘ውን እኮ ‹‹ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ክልል ዝወፃኹ ንዘተ ሰላም ኢና›› ይብሉ ኣለዉ ፤ ስለዚ መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነ ፅቡቕ ‘ዩ ፤ መንግስቲ ካብዚ ንላዕሊ ዓቕሚ ነይርዎ ‘ዩ ፣ ሽዑ ሪእናዮ ኢና ዝነበረ ኣካይዳታት ፣ ዳሓር ግና ተኹሲ ጠጠው ኣቢለ ‘የ ናብ ምይይጥ ሰላም ንምምፃእ ዝብል ‘ዩ፤ ካልኣይ ‘ውን ምናልባት ፌደራል መንግስቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረት ምምሕዳር ዶብ ትግራይ ንምሕላው ይመስለኒ ኣብ ቆቦ በፂሑ ጠጠው ምባሉ ናይ ቐደም ዝነበረ ኩነታት ሰላም ንምምላስ ድልየት ኣብ መንግስቲ ከምዘሎ ‘ውን ርዱእ ‘ዩ።

ወጋሕታ ፡- ሓደ ሐዳ ሰባት መከላከይ ናብ ትግራይ ክኣቱ ነይርዎ ዝብሉ ሓሳብ የቕርቡ ነይሮም፤ኣብዚ እንታይ ይብሉ?

ኣይተ ሓጎስ ፡- ኣብዚ ኽልተ ነገር ኢና ንርኢ ፤ እቲ ሓደ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ያ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ኢልና እንተሓሲብና ከም ሕንፁፅ ሓሳብ ትኽክል ክኣቱ ነይርዎ ኢለ ክሓስብ ይኽእል ‘የ ፤ እንድሕር መከላከያ ሰራዊት ናብ ትግራይ እንድሕር ኣትዩ ድማ እቲ ዝመፅእ ዝኽእል ህልቂት ድማ ምሕሳብ ኣድላይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ዝኸፍአ ውግእ ክኸውን ‘ዩ ፣ ህዝባዊ ኹናት ክግብርዎ ይኽእሉ ‘ዮም፤ እቲ ህዝቢ ከም ድፋዕ ክጥቀምሉ ‘ዮም ፣ ስለዚ ዝኸፍአ ህዝቢ ክሃልቅ ‘ውን ስለዝኽእል መንግስቲ ዝወሰዶ ብቅንዕና ክሪኦ ከለኹ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ምባል ዝብል ካብዚ መንፃር ይቕበሎ ‘የ።

ብዝኾነ መሰረት ክንገብሮ ዘለና ህዝቢ ‘ዩ፣ ህዝቢ ክርባሕ ኣለዎ ኢልና እንድሕር እንሃስብ ኾይና ብዘተ ዝመፅእ ነገር ዝሓሸ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ንህዝቢ ክጠቅም ዝኽእል ምሓሳብ ከድልየና ‘ዩ ፣ ህዝቢ እንታይ ‘ዩ ዝደሊ ኢልና ‘ውን ክንርኢ ኣለና፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ስዒቡ ህዝቢ ክደልዮ ነገር ክረክብ ኣይኽልን ምስ እዚ ተኣሳሲሩ መንግስቲ ዘይምእታዉ ምልባት ‘ውን እዚ ፀገም ክናዋሕ ከምዝኻኣለ ፣ ህዝቢ ድማ ናብ ዝኸፍአ ፀገም እናተጋለፀ ‘ዩ ዝርከብ። ስለዚ ምእታውን ዘይምእታውን ዝብል ኣነ ብኽልቲኡ ኣንፈት ‘የ ዝሪኦ።

ወጋሕታ፡-መንግስቲ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ንምክያድ ኣብ ምድላው ይርከብ ፣ ኮምሽነራት ንምምራፅ ኣብ ከይዲ ኣሎ፤ ካብ ኮምሽን እንታይ ትፅቢት ይግበር ? ረብሑኡ ኸ እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ሓጎስ፡– እንድሕር ትመኻኸር ኮይንካ ፍታሕ ኢኻ ትረክብ፤ ካብ ምኽክር ዝርከብ ካብ ምዝታይ ፀገማትካ ፈሊጥካ ተረጋጊዒኻ ናይ ምሕሳብ ዕድል ትረክብ ፣ ስለዚ እዚ ሃገራዊ ዘተ ሰላም ዘምፀኦ ዝኽእል ነቲ ህልቂት፣ ስነልቦናዊ ቅልውላው ጠጠው ከብል ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን፤ እንድሕር እዚ ድማ ተሳኺዑ ናብ ዝሓሸ ነገር ክንመፅእ ኢና ፣ ናብ ሰብኣዊ ሓገዛት ፣ ብዝሓት ዝዓነዉ መሰረታዊ ልምዓት ድማ መሊስኻ ናይ ምጥያሽ ኣብ ዓፋር ፣ኣምሓራን ትግራይን እዚኦም ናብ ምዕራይ ክንኼይድ ኢና።

ናይ ዓዲ ኢኮኖሚ ድማ ብእኡ ልክዕ ክረጋጋዕ ‘ዩ፤ ዓዲ ‘ውን ብኹናት ምኽንያት ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ኢኮኖሚ እትኣቱ ስለ ዘላ ብዙሕ ነገር ከምፀአና ‘ዩ፤ ኣናኢስና ንሪኦ የብልናን ዕውት እንድሕር ኾይኑ ኣብ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ምኽክር መድረኸ እንትካይድ ኣፈላላይ ንምፅባብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ካብ ምሁራት ፣ ፖለቲከኛታት ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ህዝብን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ሓጎስ፡– እቲ ሓደ ሚድያታት መንግስቲ ኣዝዩ ክጥቀመሎም ይግባእ ፤ ናብ ሰላም እንድሕር ክንኸይድ እንድሕር ኾይና ሰላም ከምፅኡ ዝኽእሉ ዘረባታት ኢና ክንጥቀም ዘለና ፤ ስለዚ ብፍለይ ድማ ናይ መንግስቲ ፖለቲከኛታት ኣዝዩ ብዝተወደበ ነገር ክዛረቡ ኣለዎም፤ ምኽንያቱ ሰላም ኢና ንደሊ እንድሕር ዝብል ኾይኑ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ዝዛረቦኦምን ደርፎምን ብዛዕባ ሰላም ክኸውን ኣለዎ። እተን ሲቪል ማሕበራት እንብለን ‘ውን ልዕሊ ኹሉ ብዛዕባ ሰላም ‘የን ክሰርሓ ዘለወን፤ ናይ ውልቀ ሚድያታት ‘ውን ፣ ኣብቲ ህዝቢ ክርአይ ከሎ ብዙሕ ፅልኣት የለን፤ የግዳስ ብዛዕባ እቲ ብኽንያት ውፅኢት ኹናት ዘስካሕክሖ ከምዝኾነ ‘ዩ ዝገልፅ ዘሎ።

ስለዚ ብፍላይ ድማ እንገልፀሎም ቃላት ሰላም እንድሕር ዝመፅ እንተኾይኑ እናፀረኻን እናፀረግካን ኢኻ ትፀንሕ። ናብ ሰላም ከጉዕዙ ዘኽእሉ ቃላት ኢና ክንጥቀም ዘለና። ህዝቢ ድማ መሊስኻ ከድሕኑ ዝኽእሉ ተስፋ ክህቡና ዝኽእሉ፣ እዚ ኹናት ብምትራፉ ተረባሕቲ ኢና ናይ ምእማን ስራሕቲ ‘ውን ክስራሕ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- እዚ መድረኽ ብመንፅር ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኣደሓሒዝካ ከመይ ትገልፆ? ኣይተ ሓጎስ፡- እዚ ኹናት እንተሪእና ንመን ሓሲይዎ ኢልና እንተሓሲብና ንትግራይ ‘ዩ። እዚ ዝከሓድ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ እቲ ኹናት ብኣንፈት ኢትዮጵያ ልዕሊ ሚኢቲ ሚልየን ‘ዩ ተሳቲፍሉ። እቲ ፀገም እንትመፅእ ከሎ ‘ውን ብኡኡ ልክዕ ‘ዩ ዝዝርጋሕ።

መለስ ዜናዊ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢትዮ ኤርትራ ዘልዐልዎ ሓሳብ ነይሩ እቲ ሓደጋ ኣብ ኤርትራውያን ‘ዩ ብገፊሑ ዝተርኣየ ኢሎም ነይሮም ምኽንያቱ ድማ ንሕና እቲ ፀገም ተኻፊልናዮ ኢና፣ እቲ ኢኮኖምዊ ማሕበራዊ ይኹን ወታደራዊ ብኢትዮጵያ ኢና ተኻፊልናዮ ፤ ኤርትራውያን ግና እቲ ሓዊ ስሒነምዎ ‘ዮም ኢሎም ተዛሪቦም ነይሮም። ሐዚ ‘ውን ካብ ኹሉ ንላዕሊ ዝተጎድአ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ቦታ ሓዝና ከድና ምባል ጥራሕ ኣይኮነን። ዋላ ማዕረ ንሙት ኣይንሙት፣ ማዕረ ንጎዳእ ኣይንጎዳእ ብዚ ኹናት ኣብዝሓ ተጎዲኡ ዘሎ ትግራዋይ ‘ዩ።

ኹናት ስዒቡ ዝመፁ ግፍዕታት ይኹን እቲ ብዝኸፍአ መልክዑ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ተጎዲኡ። ስለዚ እዚ ሰላም ናብ ንውር ዝመፅእ እንተኾይኑ ዝዕረ እንተኾኑ ሽትኡ ዝወቅዕ እንተኾኑ እቲ ቐዳማይ ተጠቃማይ ትግራዋይ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ሰላም እንተመፂኡ ትግራዋይ እንተንኣሰ መድሓኒት ክረክብ ‘ዩ፣ እንተናኣሰ ኣብ ባንኪ ዘሎ ቅርሺ ኣውፂኡ ክጥቀም ‘ዩ ፣ ማይን መብራህትን ስልክን ክረክብ ‘ዩ፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ደቁ ይራኸብ ሓገዝ ‘ውን ይረክብ ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን ብዝሓሸ መልክዑ ክረክብ ስለዝኽእል ካብዚ መንፃር ክንርኢ ከለና እዚ ዘተ ሰላም ንትግራይ ኣዚዩ ክጠቅም ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ማለት ድማ ብቐዳምነት ንህዝቢ ትግራይ ይጥቀም ‘ምበር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይጠቅምን ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ኹናት ዝስእኖ ነገር የለን ማለት ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብ ኹናት ዝረኸብክዎ ዓወት ኣብ መድረኽ ሰላም ‘ውን ክደግም ‘የ ብምባል እሱራት ኣብ ምፍታሕን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል? ኣይተ ሓጎስ፡– ኣብ ሓደ ኹናት ሓደ ሓይሊ ሓደ ጎቦ ስለዝሓዘ ተዓዊታይ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን፤ ኹናት ብኸመይ ገይርካ ኢኻ ስዒርካ ዝብል እዚ ካልእ መርትዖታት ዘድልዮ ‘ዩ። ብዝኾነ ግና ኣብ ኹናት ነይረ ናብ ሰላም መፂአ፣ ብሰላም ‘የ ክቕይሮ ዝኽእል፣ ብሰላም ‘የ ዝሓሸ ዓቕሚ ክፈጥር ዝኽእል ከምኡ ‘ውን ብልፅግናን ዕብየትን ከምፅእ ዝኽእል ሰላም ‘ዩ ኢሉ ክቕይር ምኽኣሉ ንመንግስቲ እዚ ዓብይ ዓወት ‘ዩ። ስለዚ ክንድግፎ ኢና ዘለና ፤ ንምንታይ ኢኻ መንግስቲ ትጋገ ኣለኻ ክንብሎ ኣይግበአናን። ትኽክል ‘ዩ። ኣነ ባዕለይ ብቶም ተኣሰርቲ ቦታ ገይረ ተዘቕምጥ ነይረ እቲ ምፍታሕ ዓብይ ጉዳይ ‘ዩ።

እዚ ድማ ቀሊል ነገር ኣይኮነን እቲ ሐዚ ኣምፂእዎ ዘሎ ምርግጋዕ ዝናዓቕ ኣይኮነን። ትኽክል ‘ዩ ህወሓት ራዕዳዊ ተባሂሉ ‘ዩ። እኒ ጃዋር እኮ ራዕዳዊ ተባሂሎም ኣይኮኑን ተኣሲሮም፣ እነ ስብሓትን እኒ ኣባይ ወልዱ ድማ ዝተኣሰሩ ብራዕዳውነት ተዳሓጊዙ ‘ዩ። ስለዚ መንግስቲ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንዓይይ ፅቡቕ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሐዚ ንሰላም ቅሩብ ‘የ እንተይሉ ካብ ባህሪ ራዕዳዊ ህወሓት ተበጊስካ ከመይ ‘ዩ ከዐውቶ ዝኽእል ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ህወሓት ብሰላም ዶ ይኣምን እትብል እታ ዓባይ ሕቶ ‘ያ። ሓደ ሓደ እዋን ዓቕሚ ‘ውን እናሳኣንካ እንትኸይድ ናይ ሰላም ምምፃእ ከም መማረፂ ‘ዩ ዝረአ። ህወሓት ሐዚ ኣብ ዘለዎ ቁመና ብዙሕ ናብ ኹናት ከሰጉም ዝኽእል ፣ ዝተናወሓ ኹናት ዘፅንሕ ዓቕሚ ኣለዎም ኢለ ኣይኣምንን ፤ ካብ ባዕሉ ዝሰርሖም ከምኒ ውናት፣ ሳልሳይ ወያነ ባይቶናን ዝባሃሉ ተቃውሞ እናቕረቡ ከምዝኾነ ኣብቲ ማህበራዊ ሚድያ ንርኢ ኣለና ኢና። ስለዚ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ክላዓሎ ስለዝኾእል እቲ ሰላም ክቕበሎ ‘ዩ። ንህዝቢ ኢሉ እንተይኾነስ ንባዕሉ ኢሉ ክቕበል ‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ።

ስለዚ እዚ ዘተ ሰላም ብኣንፈት ትግራይ ብፍላይ ድማ ህወሓት ድሕሪ ሐዚ እዚ ኹናት ዘዋፀአና ኣይኮነን ህዝብና ተወዲኡ ‘ዩ፣ መንእሰይና ብዙሕ መስዋእትነት ኸፊሉ ‘ዩ ስለዚ ህዝብና ኣብ ፀገም ክፀንሕ የብሉን ኢሎም ሰላም ካብ ልቦም ክቕበሉ ይኽእሉ ‘ዮም ፤ እቲ ቀንዲ ግና ፅዕንቶ ወፃእቲ ዓድታት ናታተን ኢድ ‘ውን ገዚፍ ‘ዩ ፤ሐዚ ክንሪኦ ዘለና ኣሜሪካ ብትኽክል ነዚ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ብሓቂ ክትሕግዞ እንተኽኢላ ናብ ሰላም ምምፅእና ዘይተርፍ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-ራእዳዊ ህወሓት ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ዝወፃእኹ ሓደ ግዘ ንኣንፈትን ቦታ ለውጢ፣ካሊእ ግዘ ድማ ስልታዊ ምስሓብ ፣ ኣብ ቀረባ ድማ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ይብል ኣሎ፤ ኣብዚ ዘለካ ርኢቶ?

ኣይተ ሓጎስ፡– ሓቂ ንምዝራብ ንሰላም ኢለ ‘የ ወይ ድማ ቦታ ንምትዕርራይ ‘የ ዝብል ኣይረኣያንን፤ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ኹናት ዕዙዝ ቦታ ኣሎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፤ብኣንፈት ኢትዮጵያ ዓብይ ምልዕዓል ‘ዩ ነይሩ ሽዑ ፤ብፍላይ ካብ ክልል ኣምሓራ እቲ መንእሰይ ናብ ኹናት በምኻዱ እዚን ዝኣመሰሉን ብህወሓት ብዙሕ ዘኸይዶም ኣይነበረን።

ምኽንያቱ ዝመፅዎ መገዲ ‘ውን እንትንሪእኦ ናይ ህፁፅ ‘ዩ ነይሩ ፣ ስለዚ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ዝወፁስ ሓልዮም ‘ዮም ዝብል ሓሳብ የብለይን ተወቂዖም ‘ዮም፤ ተሳዒሮም ‘ዮም። ኣብዚ ምትዕርራይ ይበልዎ ምጉያይስ ይበልዎ ተወቂዖም ‘ዮም ወፂኦም ብዙሕ ኪሳራ ‘ዩ በፂሕዎም።ምኽንያቱ ዘምፅእዎም መኻይን እናሳሓቡ ክንቀሳቐሱ ኣይካኣሉን፣ ስለዚ ኣነ ዝርደአኒ ክንድዚ ዝኣክል ዘኹራዕርዕ ነገር ኣይኮነን ኢለ ‘የ ዝኣምን። ሐዚ ‘ውን ዘለዎም ሓይሊ ሰብሲቦም እናተዳለዉ ከምዝኾኑ ፍሉጥ ‘ዩ፤ ስለዚ ናይ ህወሓት ባዕልና ኢና ወፂእና ዝብል ኣነ ብዙሕ ኣይኣምነላን።

ወጋሕታ፡-መንእሰይ ትግራይ ብዘይረብሕ ኹናት ብዙሕ ዋጋ ኸፊሉ ‘ዩ ፣ ሐዚ ኽተት ዝባሃል ዘሎ ዝተረፈ መንእሰይ ካብዚ እንታይ ክመሃር ኣለዎ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ፖለቲካ ህወሓት ዝሓመቐ ‘ዩ፤ ህወሓት ኹሉ ግዜ ዝዛረብዎ ህዝቢ ትግራይ ክትጠፍእ ኢኻ፤ ስለዚ ንስኻ ካብ ትጠፍእስ ንዓና ክትብል ጥፋእ ‘ያ እታ መልእኽቶም፤ እዚ ድማ ንብዙሕ መንእሰይ ኣእሚኖምዎ ‘ዮም። ሓደ እቲ ዝዋጋእ መንእሰይ ኣሚንሉ ድዩ ዝዋጋእ ዘሎ እንተይልና ኣነ ከምኡ ኣይመስለንን ፣ ምኽንያቱም ኣብ ትግራይ ሓደ ሰብ ከጋድል ናይ ግድን ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ከም ሓደ ስድራ ኩሎም ዝወፁ ኣለዉ ‘ዮም ናብቲ ኹናት።

ብስድራ ዝጠፍእ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፣ እንድሕር ስድራ ጠፊኡ ድማ ሓደ ብሄር ይጠፍእ ፣ ሓደ ሃገር ይጠፍእ። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣካይዳ እቲ መንእሰይ ኮፍ ኢሉ ተዝሓስብ ፣ሐዚ ‘ውን ናፅነትና ንሕሉ ኢና እናበሉ ይፍክሩ ኣለዉ ፤ እንታይ ዓይነት ነፃነት ኢና ክነሕሉ ኣነ ኣይተረደኣንን፣ ህዝቢ እናወዳኻ ናፅነት የለን፤ ናፅነት ማለት ህዝቢ ናብ ሰላም ኢኻ እተምፅኦ፤ ናፅነት ማለት ህዝቢ ናብ ምሕራስ ኢኻ ተምፅኦ ፤ ንህዝቢ ብሕጊ ኢኻ ማዕርነት እትፈጥረሉ ፤ ትካላት ብምጥያሽ ‘ዩ ነፃነት እተምፀአሉ፤ ስለዚ እዞም ኹሉ ጊዜ ዝኣምኑላ ንሕና ካብ እንጠፍእ ህዝቢ ይጥፋእ ዝብል ኣካይዳ ‘ዩ ዘለዎ።

መብዛሕትኡ መንእሰይ አናተዓሸወ እናተጉሓፈ ‘ዩ ናብ ኹናት እናኣተወ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይን መንእሰይን ትግራይ እዚ ኹናት እዚ ኣሚንሉ ኣይኮነን ዝኣተወሉ ተገዲዱ ‘ምበር።

ወጋሕታ፡-ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣትዩ ዘብፀሖ ፀገም ሰብኣዊ፣ ኢኮኖምያውን ስነልቦናውን ጉድኣት ከመይ ትገልፆ?

ኣይተ ሓጎስ፡– ኹናት ብዓላምኡ ዕንወት ‘ዩ ። ኹናት ሃፍቲ የውድም ፣ ማሕበራውን ስነልቦናውን ቅልውላው ይፈጥር፣ ስለዚ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ኣትዮም ኹናት ዝፈጥሮ ፀገም ፈጢሩ ‘ዩ። ኹናት እንተሃልዩ ዝዕመፃ ደቂ ኣንስትዮ ክህልዋ ‘የን ፤ሐዚ ኹናት ከምፅኦ ዝኽእል በሰላ ፈጢሩ ‘ዩ። ካብ ኹናት ፅቡቕ ትፅቢት ክንገብር የብልናን። ኣብ ዓለም ታሪኽ ዝኾነ ሓይሊ ኹናት ኢሉ መፂኡ ከይዕነወ ወፂኡ ኣይፈልጥን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ኹናት ክንፅየፍ ዘለና፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ኹናት ጠጠው ክነብል ዘለና፣ ኣተሓሳስባ ኹናት ካብ ርእስና ክወፅእ ዘለዎ።

ከሕጉሰና የብሉን ኹናት መዕነዋይ ‘ዩ ፤ኹናት ኣእምሮ ህፃናት ዝቕይር ‘ዩ ፤ ፅባሕ ኣውሮፕላን ብዝራኣዩ ቁፅሪ ክድንግፁ ‘ዮም ፤ ብድምፂ ብረት ዝጎዩ ክህልውና ‘ዮም፤ ስለዚ እዚ ኹናት እዚ ብዙሕ በሰላ ‘ዩ ኣብፂሕልና ስለዚ እዚ ክፍፀም ኣይንገበሮን ፤ እታ መገዲ ኹናት ዘይምድጋፍ ‘ዩ። ናይ ምይይጥ ንምምፃእ ኮፍ ኢልና ንምይይጥ ፣ ምኽንያቱ ብምርድዳእ ዘይፍታሕ ነገር የለን። እንካ ሃባ ኢልካ ‘ዩ ሰላም ዝመፅእ።

ወጋሕታ ፡-ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ንክወፅእ መንእሰይ ፣ መንግስቲ ፌደራል ከምኡ ‘ውን ፖለቲካ ውድባት ትግራይን ምሁራንን እንታይ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም?

ኣይተ ሓጎስ ፡- ናይ ኩሉ ምርብራብ ኣድላይ ‘ዩ፣ ብፍላይ ድማ ምሁራት ትግራይ ዓብይ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም ። ህወሓት ፀገም ከምፅሑለይ ‘ዩ ኢሉ ንድሕሪት ክብል የብሉን ፤ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ምሁራን ትግራይ ፅልዋ ኣሕዲሩ ‘ዩ ፤ ጀጋኑ ኢና ፍሉያት ኢና ብዝብል ንክምክሑ ገይሩ ‘ዩ። እቲ ዓብይ ፀገም መንግስቲ ንዑ ምሁራን ተመያየጡ እናበለ ክመፁ ኣይኻኣሉን።

ኣብ ብትግራዋይ ምሁር ተስፋ ቆሪፀ ‘የ። ንመንግስቲ ቀሪቡ ከእምን ዝነበሮ እዚ ሓደጋ ንከይበፅሕ ጠጠው ክብል ዝነበሮ ምሁር ትግራዋይ ‘ዩ ፤ ብዘይረብሕ ምኽንያት እቲ ምሁር ንድሕሪት ‘ዩ ዝብል ዘሎ። ትግራዋይ ጠጠው ኢሉ ክሓሳብ ኣለዎ ፤ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና ክብል ክኽእል ኣለዎ፤ ሓደ ሰብ እንድሕር ብብዙሕ እናተጎድአ ኸይዱ ብብዙሕ ሕማማት ናይ ምድሓን ዕድሉ እናኸፍአ ‘ዩ ዝኸይድ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ክጥንቀቕ ኣለዎ ፤ መንእሰይ ትግራይ ድማ ንባዕሉ ይሕሰብ ፣ብህይወት እንተሃልዩ ‘ዩ ሓደ መንእሰይ ንትግራይ ከገልግል ዝኽእል። እቲ መንእሰይ ተማሂሩ ጥራሕ ‘ዩ ንሃገር ከገልግል ዝኽእል።

‘ምበር እናሞተ ኣብ ኹናት ኾይኑ ፎቶ እናተልዓለ ዓዲ ኣየቕንዕን ። እቲ ቀደም ህወሓት እንተዋግኡ ከለዉ ቴስዓን ሓሙሽተን ሓረስታይ ‘ዮም ኣዋጊኦም። ሐዚ ሓምሳ ሚኢታዊ ምሁር ‘ዩ ዝመውት ዘሎ፤ ዶክተር ‘ዮም እናሞቱ ዘለዉ፤ ሐዚ ማናጀራት ባንኪ ‘ዮም ፤ ሓለፍቲ ዝነበሩ ‘ዮም እናተዋግኡ ዘለዉ። እዚ ዕንወት እዚ ድማ ዳግም ትግራይ ንከይምለስ ዝገብር ‘ዩ።

ምሁራት ይስእን ‘ዩ ዘሎ፤ ከም ኣባል ብልፅግና ድማ ፌደራል መንግስቲ ህዝቡ ገይሩ ክሓስቦ ኣለዎ ንህዝቢ ትግራይ ፤ ክቕየም የብሉን፤ ትግራዋይ ከም ንብረት ህወሓት ገይርካ ክህሰብ የብሉን፤ ህወሓት ጠፍጢፉ ዝሰርሖ ኣይኮነን- ህዝቢ ትግራይ፤ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ዝፈጠረ ‘ዩ ፤ ህዝቢ ክቕፃዕ የብሉን ፌደራል መንግስቲ ትኹረት ብምግባር ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጉድኣቱ ንከድሕን ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ባሃላይ ‘የ።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሓጎስ፡– ናይ ሰላም ሕማቕ ናይ ኹናት ፅቡቕ የለን፤ ኹላትና ንሰላም ድልዋት ክንኾን ይግበአና ፤ ሐዚ ናብ ኹናት ዘኽይድ ምውዕዓይ እዋን ኣድላይ ኣይኮነን። ናትና ግደ ክኾን ዝግባእ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ካብ ኹናት ምንም ስለዘይተረባሕና ኢልና ክንሓትት ይግባእ፤ ንሕና እኮ ገና ኣይፈለጥናን’ምበር ትግራይ ተኸፊቱ ፅባሕ ናብ ስድራ ክንኸድ ከለና ክንደይ ቤተሰብ ተጎዲኡ ከምዝኾነ ኣይንፈልጥን ፤ መን ሓውና መን ሓፍትና ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን ፤ መን ‘ዩ ብህይወት ኣሎ ‘ውን ኣይንፈልጥን፤ ስለዚ ሐዚ ኹናት እናነውሐ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮፍ ኢልና ትግራዋይ እናተዋገአ ክነብር ተዘይንጉስጉስ ብፍላይ ከም ተጋሩ ፤ ብፍላይ ድማ ኣጉል ሃርበኝነት እዚ ዝጠቅመና ኣብ ስራሕ ‘ዩ ፤ ስለዚ ካብ ኹናት ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ባዕልናን ሃገርናን ሓራ ክንውፅእ ኣለና ፤ኹልጊዜ ኢድና ንሰላም ንዘርግሕ ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይደሊ ።

ወጋሕታ ፡- ንዝሃብካና ሓሳብ የመስግን።

ኣይተ ሓጎስ፡- ኣነ እውን የቐንየለይ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

12 ጥሪ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You